1 - ኣብ አዲስ ኣበባ 21 ዚኣባላታ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ተመሪጻ

ትማሊ ቀዳም 7 ግንቦት 2011 ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣባባ ኣባላት ዝተፈላለየ ማሕበረሰባት ኤርትራ ዝኾኑ ተቐማጦ ኣዲስ ኣባባን ከባቢኣን ማለት ምሁራት ሓርበኛታት ተማሃሮ መማህራን ገዳይም ተቓለስቲ ስደተኛታትን  ወከልቲ ማዕከታት ዜናን ዝተሳተፍዎ ኣብ ትሕቲ “ሃገራዊ ጉባዔ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘቃላጥፍ ወሳኒ መድረኽ እዩ” ዝብል ጭርሖ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።

 እቲ ኣኼባ ብአባላት ሃገራዊ ኮምሽን እቲ ጨንፈር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ምስጋና ንኹሉ ደላዪ ለውጢ  ድሕሪ ምቕራብ ነብሶም ንኣኼበኛ ብምልላይ መግለጺ ሃገራዊ ኮምሽን ብኣባል ፈጻሚ ኣካል መሓመድ ሳልሕ ኣቡበከር መግለጺ ኣዳላዊ ሽማግለ ከኣ ብትግርኛ ብሓው ነጸረኣብ ኣስመላሽን ሓው ኣቡበከር ፍሬታይ ብቋንቋ ዓረብ ምስ ኣንበቡ ናብቲ ዝተታሕዘ መደብ ብምእታው ብዛዕባ ዕውት ሃገራዊ ዋዕላን ዝሓለፎም መስርሓትን ከመይነት ኣቃውማ ሃገራዊ ኮምሽንን ሃገራዊ ኮምሽን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዝርከብሉ  ሃገራት ዓለም ዘሳለጦም ዕዮታትን መደባትን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2011 ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ኣድላይነቱን ንምዕዋቱ ዝሓትት ቃልስን ኣመልኪቶም ሰፊሕ መብርሂ ብምሃብ መራሕቲ መድረኽ ዕድል ነቲ ኣኼበኛ ብምሃብ ናይ ዘተ መድረኽ ከፈቱ።

ኣኼበኛታት ብወገኖም ሃገራዊ ኮምሽን ንዘሳለጠም ዕዮታት ብስም እቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብምምስጋን ዝተሰመዖ ፍናንን ሓበንን ብምግላጽን ሃናጺ ሓሳባትን ርኢቶታትን ብምቕራብ ብግሉጽነትን ሓድሽ መንፈሳዊ ተበግሶ ቃልሲ ንለውጢ ብምርኣይን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዘለዎም ድሉውነትን፡ ካብኦም ዝድለ ዘበለ ኩሉ ክኸፍል ድሉዋት ከም ዝኾኑ ብምግላጽን ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ምስ ሃገራዊ ኮምሽን ጨንፈር ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ክተሓጋገዙ ምካኖም ኣረጋጊጾም፡፡

ሃገራዊ ኮምሽን ንበዓል ናጽነት ኤርትራ ብክልተ ሸነኻት ከም ዝመዝኖን ንሱ ከኣ በቲ ሓደ ሸነኽ ብመስዋእትን ስንክልናን ኣሽሓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ናጽነትና ጋህዲ ዝኾነላ ዕለት ክትከውን እንከላ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ዲክታቶራዊ ጉጅለ ዝተወልደላን መዓልቲ ብሙዃና 24 ግንቦት ከምቲ ህግደፍ ዝገብሮ ብናይ ሓሶት ጓይላን ዳንኬራን ዘይኮነስ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር ኮይኑ ብሰላማዊ ሰልፊን ተቓውሞን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍን ንኸብዕላን ሃገራዊ ኮምሽን ብዘቕረቦ መጸዋዕታ መሰረት፡  ኣኼበኛታት ብወገኖም ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ኮምሽን ኮይኖም መበል 20 ዓመት ናጽነት ንምዚካር ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካይዱ ቃል ብምእታው ንበዓል ነጻነት መብዓሊ ዝኸውን 7,510.00ብር (ሸውዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ምኢትን ዓሰርተን ብር) አውጺኦም፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ኮምሽን ኮይና ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ንኽተሓጋገዝ ካብቲ ኣብ ኣኼባ ዝነበሩን ዝውሰኽዎምን አርባዓተ ደቂ ደቀንስትዮ ዛሓቆፈት 21 ዝአባላታ “ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ” መሪጾም፡፡ ኣኼበኛታት ነቲ ብኮምሽን ዚተዳለወ ኣብ መስርሕ ጉባኤ ንምስታፍ ዘክእል ፎርም ብምምላእን ዓቕሞም ዘበለ ገንዘባዊ ደገፎም ንሃገራዊ ኮምሽንን ንሃገራዊ ጉባኤን ቀጻሊ ከምዚገብሩ ቃል ብምእታውን ንኹሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝርከብ ደላዪ ለውጢ ኤርትራዊ ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ኮምሽን ኮይኑ  ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ኩሉ ዘድሊ ምትሕግጋዝ ክገብር ጸዋዒት ብምቕራብ እቲ ህዝባዊ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።  


እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣማኢት ስደትኛታት ዚተሳተፍዎ ብኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተመርሐ ተመሳሳሊ ህዝባዊ ኣኼባታት ብዕለት 05 ግንቦት 2011 ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ሽመልባ ከምዚተካይደ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ፡ ሙሉእ  ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክስዕብ ኣዩ፡፡

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!
ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ - ኣዲስ ኣበባ
www.encdc.com

    
2-ጸብጻብ ዕዉት ኣኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ከተማ ሊድስ ምስ መንእሰያት

ብዓርቢ 29/04/2011 ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ከተማ ሊድስ ዕዉት ኣኼባ ምስ መንእሰያትኤርትራውያን ኣካይዱ።

 ኣብ መኽፈቲ እቶም መንእሰያት ነቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ንምኹናን ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ሓዘንን ቀጻሊ ስቓይን ዓለም ቆላሕታ ንኽገብረሉን፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያንን ኤውሮጳን ሰላማዊ ሰልፍታትን ንምድላው ንምውህሃድን ምስ ካልኦት ዝነጥፉ ዘለዉ ተሳልጥ ግዝያዊት ሽማግለ ኣቝሞም።

ቀጺሉ መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ሃገራዊ ኮሚሽን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጋቢት ዘተኻየደ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝምልከት ሰፊሕ ጠቕላላ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ካብ መንጎ ዘቕረቦ ጸብጻብ ብዛዕባ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ስርሓት ዝተኻየዱ ዑደታን ርኽክባትን፣ ብዓወት ምድላው ንሃገራዊ ጉባኤ ዝቐርቡ ሰነዳት ብፖለቲካዊ ሽማግለ፣ ኣገባብ ኣሳታትፋ ንጉባኤ ዝሕጸዩ ወከልቲ፣ ኣብ ዜናዊ መዳይ ዝተፈጸሙ ስርሓትን ከም’ውን ብዛዕባ ሃገራዊ ጉባኤ ንምምዋል ብሽማግለ ፋይናንስ ምምሕዳርን ዝቐረበ ናይ ነብስኻ ምኽኣል ውጥን ዘጠቓለለ ነይሩ።
 
ካብኡ ምስ ኮሚሽን ተሓባቢራ ትሰርሕ ሓንቲ ተሓጋጋዚት ሽማግለ ሃገራዊ ኮሚሽን ካብ መንጎ ግዝያዊት ኣሳላጢት ሽማግለ መንእሰያት ከተማ ሊድስ ኣቝሞም።
 
ስዒቡ ናይ ሕቶ መልስን፣ ርእይቶ ለበዋን መድረኽ ተኸፊቱ፣ ኩሉ ዝቐረበ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ተዋሂብዎ፣ እቲ ዝቐረበ ለበዋታት ‘ውን ኣብ መዝገብ ከም ዝሰፍርን ብመልክዕ ጸብጻብ ናብ ኮሚሽን ከም ዝልኣኽን ኣረጋጊጽሎም። 

ኣብ መደምደምታ፡- ነቲ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓዘን ዘእተወ፡ መጠነ-ሰፊሕ ምጥሓል ናይ ልዕሊ ዳርጋ 330 ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንምዝካር ሽምዓ ኣብሪሆም። ኣብኡ ተረኺቡ መንእሰይ በረኸት ኣብ ዘስመዖ ቃል “ህዝቢ ኤርትራ መረርኡ ከም እንሰምዖን ኣካል ሽግሩ ምዃንናን ንጹር መልእኽቲ ከነመሓላልፍ ምእንቲ ተራ ምውድዳብ፣ ምትእስሳር፣ ምድግጋፍን ኤርትራውያ መንእሰያት ብደረጃ ከባብያውን ወይ ዞባውን ዓለም-ለኻዊን ክሕይልን ክድንፍዕን ከም ዝግባእ። እዚ ምስ ዝረጋገጽ መንእሰያት መሪሕ ትርኦም ኣብ ምእላይ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣብ ስደት ጥራይ ከይተሓጽረ ኣብ ወሽጢ ኤርትራ ‘ውን ባርዕ ኮይኑ ክልሕም ኢዩ” ኢሉ።

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...