ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነቲ/ታ፡ ኣብዚ ትማሊ፡ ዕለት 25. 03. 2011 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣብ ጀነቫ (Geneva)፡ ኣብ ቅድሚ በት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት (UN) ዝተገበረ፡ ብመንእሰይ ኤርትራ ዝተዳለው፡ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ዘይዋዓለ/ት ኤርትራዊ፡ ክቀኒእ፡ ወይ እውን፡ ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዘይምውዓሉ፡ ከጣዕሶ፡ ኢለ ኣይኮንኩን። እንታይ ዳኣ፡ ከም ዓይኒ ምስክር መጠን፡ ዝነበረ ተኻፋልነት ኤርትራዊ፡ ሞራል ሕልናን ዘታባብዕ፣ ሽውሃት ቃልሲ ኣንጻር ስርዓት ህግድፍ ዝኸፍት፣ ተስፋ ዝህብ ዘሔብንን ምንቅስቃስ መንእሰይ ኤርትራ ከም ዘሎ፣ ኣለዉና ኣለዋና፣ ክትብል ዘድፍረካ፡ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዝነበረ ክሕብር ስለ ዝደለኹ እየ። ካብ ኩሉ ካኣ፡ እዚ፡ ብመንእሰያት ዝተዳለወ፡ ሰለማዊ ሰልፊ’ዚ፡ ብርክት ዝበለ ተኻፋልነት መንእሰያት ዘረጋገጸ፡ ብምዃኑ መጠን፡ ነቲ „እዚ መንእሰይ’ዚ ኣብ ቃልሲ የለን። ካብ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ዝቃለስ፡ ምስ’ዚ ስርዓት’ዚ ክዳናገጽ ይመርጽ“፡ ዝብል፡ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ዝግበር ክሲ፡ መሰረት ዘይብሉ፣ ዳግመ ርእይቶ ክግበረሉ ዘለዎ ነገር ምዃኑ፣ እኳ ዳኣ ብኣንጻሩ፡ እጅግኡ ሰብሲበ፡ ስርዓት ሽፈቱ ሃገርና ካብ ስሩ ክማሓው፡ ዝዓተቀ መንእሰይ፡ ከምዘሎና፡ ክማሃርን ክፈልጥን ክኢለ።

ኣብዚ፡ ምናልባት፡ እዚ ብመንእሰይ ኤርትራ ዝተዳለወ፡ ኣብ ዕለት 25. 03. 2011 ዓ.ም.ፈ ኣብ ጀነቫ ዝተሳላሰለ፡ ሰለማዊ ሰልፉ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ተስፋ ዝህብ፣ ሞራልን ህልናን ዘተባብዕ፣ ስምዒትን ሽውሃትን ቃልሲ፡ ኣንጻር ስርዓት ሕጊ ኣልቦ ኤርትራ፡ ዝኸፍት ዘላዓዕልን፣ ካብ ነበረ፡ ስለምንታይ ተኻፈልቲ ሰለማዊ ሰልፊ ቑጽሮም ክንደይ ነይሮም፡ ዘይታሓበረ …? ዝብል ሕቶ ዘቅርብ ውዲ ሃገር ኣይሳኣንን ይኸውን። ይኹን እምበር ኣነ ኣብዚ፡ ክንድዚ ቑጽሪ ተኻፈልቲ ነይሩ ኢለ፡ ክዛረብ ኣይመረጽኩን። ምኽንያቱ፡ ኣብዚ እዋናት’ዚ፡ ኣብዚ ሰለማዊ ሰልፊ እዚ፡ ክንድዚ ዝኣኽሉ ሰባት፡ ተኻፊሎሙ ነይሮም፡ ኢልካ ምግልጽ፡ መጃሃሪ ዳኣ እምበር፡ መግለጺ ቑምነገር ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኮይኑ ስለዘይረኸብክዎ፡ ካብ ቑጽሪ ተኻፋሊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቫ ክንድዚ ነይሩ ኢለ ዝገልጽ፡ እዚ ብመንእሰይ ኤርትራ ዝተዳለወ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብድምቀቱ ኣብ ልዕሊ ተኻፈልቲ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ፡ እውነታውን ሕኑኑ ስሚዕታትን ከምዘላዓዓለ፡ ክሕብር መሪጸ። ስእሊ ያሓይሽ ካብ 1000 ቃላት ከምዝባሃል፡ ኣብ ዕለት 25. 03. 2011 ዓ.ም.ፈ. ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቫ፡ ከመይ ነይሩ፡ ግምት ክህልወኩም ምእንቲ እዛ ስዒባ እትመጻእ ስእልታት ይእንግደኩ።
 
ትሕዝቶ ናይዚ ሰለማዊ ሰልፊ’ዚ፡ እንታይ እዩ ነይሩ፡ ንዝብል ሕቶ ካኣ፡ በዛ ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝጥቀሙላ ዝነበሩ ጭርሖ ክገልጾ ይኽእል። ንሳ ኻኣ፡ „ኣብ ልብያን ግብጽን ዘለኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ኣብ ጎድንኹም ኣሎና። ጠንቂ ሕሰምን መከራን ምረትን ህዝብና፣ ጠንቂ ሰደት ደቂ ሃገር፡ ግን እዚ ንሓንሳብን ናሓዋሩን ክእለ ዘለዎ፡ ስርዓት ኢሳያስን መሰልቱን እዮም።“ ትብል እያ ነይራ። እቶም ነዚ ሰለማዊ ሰልፊ’ዚ ወኪሎም ምስ ወከልቲ ናይ UN ተራኺቦም ዝተዛራረብዎን፡ ሒዞሞ ዝመጽኡን መልስን ካኣ፡ „ብዝያዳ ኣብ ሽግር ናይቶም ኣብ ልብያን ግብጽን ቱነዚያን ዝሳቐዩ ዘለዉ“፡ ኤርትራውያን ምዃኑ፡ ልኡኻት ሰለማዊ ሰልፊ ሓቢሮም። መልሲ ወከልቲ UN እውን፡ ነዚ ሽግር ኤርትራውያን ኣብ፡ ልብያን፣ ግብጽን፣ ቱነዚያን፣ ይከታተልዎን፡ ፍታሕ ክርከቦ ጻዕርታት የካይዱ ከምዘለዉ፡ ዝብል ከምዝነበረ፡ ልኡኻት ሰለማዊ ሰልፊ ሓቢሮም። UN ከምዚ ዝኣመሰለ መልሲ ከምዝሃበት ምስ ታሓበረ፡ ብዝነበረ ጣቂዕትን  ክቱር ስምዒታትን፡ ኣዒንቲ ቑጽርጽር ከብል ክኢሉ። ብኻልእ ኣዛራርባ፡ መንእሰይ ኤርትራ፡ ዱሙቕ ዕዉትን ዝኾነ ሰለማዊ ሰልፊ እዩ ኣሰላሲሉ፡ እንተ ተባሃለ፡ ካብ ሓቂ ርሒቀ ዝዛረብ ዘለኹ ኮይኑ ኣይስማዓንን። ኣዚ ሰለማዊ ሰልፊ’ዚ፡ ብእጅግኦም ሰብሲቦም፡ ኣንጻር ኣራዊት ስርዓት ሃገርና፡ ክቃለሱ ዝተዓጠቑ መንእሰያት ስለዝተዳለዎ፣ ብሓቂ ዓብይ ቑጽሪ መንእሰይ ዝተኻፈሎ ምንባሩ፡ ንስርዓት ህግድፍ ማዓንጥኡ ዝቐርጽ፣ ንዎይጦታት ህግድፍ ሓሞቶም ዘፍስስ፣ ንተዳናገጽቲ ህግድፍ መርዘን ርእሶም ዘሕድር፣ ከምዝነበረ፡ ግምት ክህልወኩም እዛ ካልእይቲ ስእሊ የእንግደኩም።    
 
ካብኡ ዝተረፈ ካኣ፡ ብድምቀት እዚ ሰለማዊ ሰልፊ’ዚ ተዳሂሎም፡ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ከጸልሙ ዝፍትኑ ዘለዉ ከድምቲ ህግድፍ፡ ሓቀኛ ስእሊ ናይዚ ሰለማዊ ሰልፊ ክህልዎም፣ ነፈታዊ ሓቂ እውን ሓቀኛ ስእሊ ናይዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ክህልዎም ምእንቲ፡ እዛ ሳልሰይቲ ስእሊ እዚኣ የኤንግድ። ኣብዚ ሰለማዊ ሰልፊ እዚ ባንደራ ኢትዮጵያ አንተዳኣ ነይሩ ኾይኑ፡ ሃየ እቶም ባንደራታት ናይ ዓለም ኣፍልጦ ዘለኦውም፣ ሕብርታት ፈለሊካ ናይ ምልላይን ምፍላይን፡ ኣዒንቶም ዘይጠለሞምን፡ ጸገም ዘይብሎም ሰባት፡ እዚ ስእልታት’ዚ እቲ ብምርኣይ፡ ሓቂ ይዛረቡ። መንእሰይ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግድፍ ንሓንሳብን ንሓውሮን፡ ኣብ ጓሓፍ ታሪኽ ክድርቢ ምብጋሱ፡ ኣሰንዲድኩም ጸልመ እንተኾይኑ ምርጫኹም ግን፡ ግዜ ክምህረኩም ስለዝኾነ፡ ንግዜ ንግድፎ።
 
 
ዓወት ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ህዝቢ ኤርትራ
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና
ውድቅት ንስርዓት ህግድፍን ተደናግጽቱን
ካብ ኣስፋሃ ተስፋሚካኤል
28. 03. 2011 ጀርምን


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...