እቲ ብዕለት መጋቢት “ንቕሎ ንሓድሽ ሓርነት” ብዝብል ቴማ ዝጀመረ፡ 2ይ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሎሚ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ብዓወት ተዛዚሙ።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ እቲ ጉባኤ፡ ኣባላት ኣብ ዓንደ ሕጊ ማሕበር ዝተገብረ ለውጥታት ኣጽዲቖም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንማሕበር ከካይዱ ዝጸንሑ ኣባላት ፈጻሚትን ቦርድን ስልጣኖም ድሕሪ ምርካብ፡ ሓደስቲ ሸውዓተ ዝኣባላታ ፈጻሚትን፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ቦርድን ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ንማሕበር ከካይዳ ብድምጺ ተመሪጸን።

ብድሕሪዚ ጉባኤ ደምዳሚ ኣዋጅ ድሕሪ ምውጻእ፡ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ።

ድሕሪ ምዝዛም ጉባኤ፡ ብመንእሰያት ላስ ቨጋስ ዝእለዩ ንኡሳት ተዋሳእቲ - ጉጅለ ባህሊ ሓድሽ ሓርነት፡ ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ብዓይነቱ ንመጀመርያ ዝኾነ ብላዛ ዘለዎ ዋዛታት ዝተሰነየ ተዋስኦታትን ግጥምታትን ኣቕሪቦም። ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢን፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን ድማ ናይ ምትብባዕ ደገፍ ገይሮምሎም። ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ነዞም ኣብነታውያንን ቀደድቲ መንገዲን ዝኾኑ ንኡሳት ተዋሳእቲ ፍሉይ ምትብባዕ ካብ ኩሉ ወገን ክግበረሎም ከምዘለዎ፡ ንኹሉ ደላይ ለውጢ የዘኻኽር።

ብድሕሪዚ ኣባላት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ዝኾኑ ሙዚቀኛታት ኣሮን ነጋሲ፡ ፋሲል መኮነን፡ ሙሴ በየነ (ቆርጥሚ)፡ ሃብቶም በርሀ (በርኔንተ) ሓደሽቲ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ዝጠቅስ ዜማታት ዘጠቓለለ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ብምቕራብ ንምዝዛም ናይ ጉባኤ ድምቀት ሂቦሞ።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ብዕውት ምዝዛም ጉባኤ፡ ሓበን እናተሰምዖ ንኹሎም እቶም ንጉባኤ ዕውት ንምግባር ከይተሓለሉ ዝሰርሑ፡ ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን መንእሰያት ላስ ቨጋስ ዓብይ ምስጋናኡ የቕርብ።

ደምዳሚ ኣዋጅ፡ ጉባኤ ክስዕብ እዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...