ብተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝተዳለወ

በዓል 8 መጋቢት ብድምቀት ተደምዲሙ።

16.03.2010

ብተበግሶ ማህበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝተዳለወ በዓል 8 መጋቢት  ኣህጉራዊ ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዕለት 12.03.2011 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ተካየደ። እቲ ብዓል ብርክት ዝበላ ኣባላት ማሕበርን ነጻ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮን ከምኡውን ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝመጹ ደቂ-ተባዕትዮን ዝተሳተፍዎ ዕዉት ብዓል እዩ ኔሩ። ናይ እዚ ዓመትዚ በዓል 8 መጋቢት ዝሓለፈ በዓላት ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ምስተን ካብ ሸወደን፡ ኖርወይ፡ ሆላንድን ስዊዘርላንድን ዝመጽኣ ኣሓት ኣራኪቡ ንኩነታት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራን ዝሓለፍተ መክሮ ደቂ-ኣንስትዮ ዓለምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብን ግደ ኣዴታት ኣዛሚዱ፡ ንሕና ከም ኤርትራውያን ክነካይዶ  ዘለና ዝተዋሃሃደ ቃልስታት ዝሕብር  ብምንባሩ እዩ።

በዓል 8 መጋቢት ንክብሪ ናይቶም ንኤርትራን ኤርትራውነትን ዝፈትዉዋ ሂይወቶም መሰዋእቲ ዝከፈሉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንስለቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ሰብ ዝፍጠሮን ባህሪ ዘምጽኦ ህልቂትን ብምዝካር ብናይ  ሰማእታት ጸሎት እዩ ተጀሚሩ። እቲ በዓል  ሓላገት 8 መጋቢት ብዝኮኑ፡ ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕወት ዴሞክራስያዊ ቃልሲ የልን፡  ንመሰልና ኣለናሉ  ባዕልና፡ ልዕልና ሕጊ ይንገስ፡ ዝብሉን ካልኦት ነቲ በዓል ዝገልጹን ጭርሖታት ዝተሰነየ ኣዩ ኔሩ።

በዓል ወ/ሮ ሕርይቲ ተኪኤ ብዘቕረብኦ ናይ እንቋዕ ብድሓን መጻክን/ኩም ዝብል፡ ናይ ሰናይ ድሌትን መጎስን መግለጺ ክጅምር ከሎ፡ መድብ በዓል ንተሳተፍቲ ኣላልየን። ስዒቡ ኣብ ዝቐርብ ምድላዋት ንምእታው ብስም  ተበግሶ ማሕበርደቂ-ኣንስትዮ ዝተዳለወ መግለጺ ንምቅራብ ንወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብረ መድረክ ኣመሐላለፋ።

ብወ/ሮ ኣልጋነሽ ኣብዝቐረበ መግለጺ ግደ ኣዴታትን ኣሓትን ኣብ ምዕዋት ህዝባዊ ቃልስን ድሕሪ ነጻነት ዘጋጠመ ጥልመታትን ውጽኢቱን፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሓሳረ መከራን፡ ንምስዓሩ ክግበር ዘለዎ ህዝቢ ምጥርናፍ ብሓፈሻ፡ ከም ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይን ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ውዳቤታት ዘድሊ ተሳትፎን ዘመልከተ ኰ`ይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብማሕበራት ደረጃ ተወዲበን ንኸይቃለሳ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት ጥራሕ ዘይኰነስ ዝተፈላለየ መንቀሊታት ብዘለዎ ምኽንያታት ካብ ደምበ ተቓውሞ እንተኾነ ዕንቅፋታት ምህላዉ ተገሊጹ፡ ማዕርነትን መሰልን ደቂ ኣንስትዮ ኣካልን ተምሳልን ዲሞክራሲ ብምዃኑ፡ ብተሳትፎን ቃልስን ኩሎም ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ዝረጋገጽ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ኣገልግሎት ስርዓት ህግደፍ ዝርከብ ጭቁን ኣካላትውን ካብ ስርዓት ህግደፍ ኢዱ ንኸልዕልን ኣብ ህንጸት ዲሞክራስን ድሕነት ሃገርን ክሳተፍን ዝጸውዐ መልእኽቲ ነይሩ።

ስዒቡ፡ ወ/ሮ ለምለም ጸሃየ ካብ ሆላንድ፡  ሓንቲ ካብተን በዓል 8 መጋቢትን ሓባራዊ ቃልሲ ኣዴታትን ኣገዲስወን ዝተሳተፋ ኣሓት፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ህዝባዊ ቃልሲ ግደን ተራን ደቂ ኣንስትዮ ብእኩብ ኮነ ብውልቀ ዕዙዝ ተራ ከምዘለዎን ተሳትፎ ኣዴታት ኣብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍን ህንጸት ቅዋማውን ተሓታትነትን ዘለዎ ስርዓት ኣብ ምትካልን ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብትዃቦ ዝረጋገጽ ዘይኰነስ፡ ብተሳትፎን ቃልስን ዝዕቀብ ምዃኑ ስለዚ ድማ፡ ኣዴታት ኤርትራውያን ከምቲ ዝሓለፈ ከይተሓለላ ክቃለሳ ከምዝግባእ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕረባ። ብዘይካዚ ነዚ ኣብ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ ሸግራት ድሕሪ ምግላጽ ፍታሓቱ ንምንዳይ ናይ ኩልና ሓላፍነት ምዃኑ ኣድመጽት።

በዓል 8 መጋቢት፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ካብ ስሳታት ጀሚረን ኣብ ቃልሲ ዝርከባ ኣዴታትን ዘማዕረግኦን ዝተሳተፍኦን ክኸውን ከሎ፡ ቅድሚ 100 ዓመት ዶባት ሰጊረን ቀዳማይ ዋዕላ ደቂ ኣንስትዮ ዓለም ካብ ዘዐወታ ኣዴታት ተማሂርና ንሕና ኤርትራውያን  ከ ስለምንታይ ብሓደ ተራኺብና ጉዳይና ዘይንዝቲ ካብዝብል ኒሕን ናይ ቃልሲ ዕጥቅን ለቢሰን ዝመጻ ተሳተፍቲ ብምንባረን ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ዝያዳ ኣገዳሲ ካብዝገበርዎ ይኹንበር፡ ካብ ኖርወይ ዝመጻ ወ/ሮ በላይነሽ ኣ.ኣሕፈሮምን ሱዓድ ኣበራን ብዓረብኛን ትግርኛን ዘቕረብኦ መደረውን ኣቃልቦ ተሳተፍቲ ዝሰሓበ ነይሩ።እቲ መግለጺ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ፖለቲካዊ እምነትናን ኣሰላልፋናን ብዘየገድስ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ተማሂርና፡ ከም ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘራኽበና ብዙሕ ነገራት ስለዘሎን ባህላውን ተባዕታውን ጸብለልትነት ንምስዓር ኣብ ነጻ ማሕበራት ተወዲብና ክንቃለስን ዋሕስ ናይ መጻኣኢት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ዝኸውን መሰረት ከነንብርን ስለዝድለ ናይዚ እዋን ተመራጺ ኣገባብ ናይ ቃልሲ ዕጥቂ ጌርና ክንወስዶ ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ ኣብርእሲ ምክንባሩ፡ ብደረጃ እዚ ሕጂ ተራኺብና ዘለና ተሳትፎውን ብሓባር ክጥርንፈና ዝኽእል መበገስን ኣብ ቦቦታና ድማ ከነስፍሖ እንኽእልን መጠራነፊ ገመድ ክንገብረሉ ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ዘማሓላለፈ ኢዩ ነይሩ። 

ወ/ሮ ፍረወይኒ ተኽላኣብ ብሸነኸን፡ ንተመኩሮ ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣመልኪተን፤ ኣብ ምቛሙ ዝነበረ ጸገማትን፡ ድሕሪ ነዊሕ ጻዕርን ልዝብን ወግዓውን ነጻን ማሕበር ከቑማ ምኽኣለንን፡ ኣብ እግሪ ተኽሉ ዘተባብዕዎ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ምንባሮምን፡ ተሳትፋኡ ኣብ ደምበ ተቓውሞን ኣብዝሓለፈ እዋናት ዘሰላሰሎም ዕማማትን ዝሓለፎ መሰናኽላትን ዘጠቓለለ ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምቕራብ፡ ከም ወትሩ ብዘይዝኾነ ይኹን ሻርነት ዕላማታቱ ኣብ ምርግጋጽ ምስ ኩሎም ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ብሓፈሻ ሓባራዊ ንጥፈታት ከካይድ ክጽዕር ምዃኑ ሓቢረን።

ድሕርዚ፡ ወ/ሮ መሮን እስቲፋኖስ  ብሸነኸን፡ ሰፊሕ መጽናዕትን ምድላዋትን ዘሰነዮ፡ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣርጀንቲና ብፍላይ ድማ 150 ዝኣኽላ ኣዴታት ኣርጀንቲና ኣንጻር መስፍናዊ ስርዓትን ድሕሪ ውድቀቱ ዝመጸ ዓማጺ ስርዓትን  ዘመዝገብኦ ስርዓታት ናይ ምቕያር ዓወትን፡ ምስናይ ቃላተን ከይተረፈ ብዝርዝር ከተቕርብ እንከላ፡ ብርግጽ ኣዴታትና ደቅና ኣምጻኣልና ኢለን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍን ኣብ ቀጽርታት ትካላቱ ደው ዘይምባለን እንተዘይኰይኑ፡ እቲ ኲነታት ሓደ ኣካልን ተምሳልን ኰይኑ ኢኻ ትረኽቦ። እዚ ጥራሕ ኣይነበረን፡ ኣብዚ እዋንዚ ተኸሲቱ ኣብዘሎ ናዕቢ ህዝቢ ዓረብ እንተኾነውን ግደ ኣዴታት ክሳብ ክንደይ ሓያል ምንባሩን ምህላዉን ኣብነታት ኣሰንያ ብምቅራባ ዋላዃ ከም ዜና ዝሰምዖ ሰብ ብዙሕ ክኸውን እንተኻኣለ፡ ቃላተን ዝተሰነደ ብምንባሩ ግን ሕልፊ ዝነበሮ ኢዩ። ዝሓለፈ ቃልሰ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምውዳቕ ዲክታተርያዊ ሰርዓት ዘርኣይኦ  ትብዓትን ቆራቅጽነት ከም መዓልታዊ ቀለበን ወሲደን ጥዋፈን ኣብሪሄን ኣብ ጎደናታት ወጺኤን ንዲክታተርያዊ ሰርዓት ምቅላዑ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንምቅያሩ ዝዓበየ ግደ ከምተጻወታ ዘበሰረ  ነዊሕ ተሞክሮ ኣዴታት ክግለጽ ከሎ መሳጢ ብምንባሩ ተሳተፍቲ በዓል ብጽሞና ተከታቲለሞን። ካብዚ ተመኩሮዚ ተማሂርና ኣዴታት ኤርትራ ብሓፈሻ እንታይ ንገብር ክንሓስበሉ ዝግባእዃ እንተኾነ፡ እተን ኣብ ደገ ዘለና ኣሓትን ኣዴታትን ግን፡ ሎሚ ጽባሕ ብዝብል ግዜ ክንወስደሉ ዘድሊ ኣይመስለናን።

ቀጺሉ፡ ወ/ሮ ትዕበ ተኪኤን፡ መሮን እስቲፋኖስን ሱዓድ ኣበራን ዝመርሕኦ፡ ኣብ ኣገዳስነት ሓባራዊ ስርርዓት ደቂ ኣንስትዮ ዘመልከተ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዘዕዝዝ ክታሓዝ ዘለዎ ናይ ቃልሲ መንገዲ፡ ምልላይ ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕንቅፉ ናይ ድሕረት ባእታታትን ምምሕዳር ፍልልያትን ኣብዝመስሉ ጉዳያት ክፉት ናይ ዘተን ልዝብን ሰሚናር ተኸሲቱ፡ ካብ ተሳትፍቲ በዓል  ኣገደስቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ቀሪቦም ሰሚናር ብሰላም ተደምዲሙ። ብዘይካዚ ዝተፈላለየ ነቲ መዓልቲ ዝገልጽን ናይ ቃልሲ ወኒ ዘበራትዕን ብተሳተፍቲ በዓል ዝቀረበ ግጥምታት ተነቢቡ።

ኣብ መጠረስታ፡ ነተን ንኽብሪ ናይቲ በዓል ካብ ካልእ ሃገራት ዝመጻ ሓሙሽተ ኣሓት ናይ ምትብባዕ መዘከርታ ብወይዘሮ ጻዕዳ በለጸ ኣብተዓደለሉ ግዜ፡ „ንሕና ንዓቢ ኣለና፡ ንስኻትክን ግን ንቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ከየቋርጽክን ቀጽልኦ፡ ሽማዓ እንዳብራህክን ን8 መጋቢት ከም መቃለሲ ባይታኽን ዘክራኣ“ ዝብል ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሓደራ ድሕሪ ምቅራብ: በዓል 8 መጋቢት 2011 ብምስጋና ንተሳተፍትን ብዓወትን ተደምዲሙ።         

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ! 

ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ መሊኡ ክዕንብብ፡

ብሓባር ንበገስ!  

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት! 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...