ካብ ዝተፈላለዩ ወረ ማዕከናትን ከምኡ’ውን ካብ ተገዲሶም ዘዛረብዎም ደቂ ሃገር ብምውካስ ዝተረኽበ ሓቂ እንተሎ፡ ኣብ ሲናን ሊብያን  ዝርከቡ ስደተኛታት ናብራኦም ኣብ ዘስግእ ክነታት ከምዘሎ ትርዳእ። ቀዳማይ፡ ጅሆ ተሓዝቲ ንግዳያቶም ዝፍንዉዎም ፡ዘይተኣአደነ ገንዘብ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ዝኽፈሉ ጥራይ ምኳኑ ብተደጋጋሚ ገሊጾም ኢዮም። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ምፍርራህን ካባኡ ሓሊፎም ድማ ብጽኑዕ ኣብ ምእሳርን ተዋፊሮም’ኳ እንተነበሩ ብመድይመድይ ወይ ብተመልከተልይ ደቂ ሰባት ካብ ምቅታል ተቆጢቦም ኢዮም ዝጸንሑ። ግንከስ ከምቲ ተለዋዋጢ ኵነታት ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ናይቶም ስደተኛታት’ውን ብዘስግእ ናህሪ ይቕየር ኣሎ። ናይ ሲና ገበነኛታት ፈኸረኣኦም ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ከም መምሃሪ ከገልግልን ተባሂሉ፡ የካቲት 27, 2011 መሬት ዳዝድዝ ንዳንኤል ዝተባህለ ጁህ ቀተልዎ። በዚ እከይ ተግባራቶም ከይዓጀቦም ድማ ንኽትቅተል ኣብ ሪጋ ዘላ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ሓቢሮም። ገንዘብ ንኽኽፈል ዝዋሃብ ናይ ጊዜ ወሰን ድማ ብመዓልታት ኢዩ ዝቑጸር።

ኣብ ኣጻምእ ሲና ዝፈጸም ግፍዒ ብመጠኑ ዘስካሕክሕ’ኳ እንተኾነ ኣብ ሊብያ ዝፍጸም ግፍዕ’ውን መዳርግቱ ኢዩ። ሃገረ ሊብያ፡ ኮልነል ቐዛፊ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ ንስደተኛታት ብሕልፊ ድማ ንጸለምቲ እሞ’ድማ ንክርስትያን ኣመንቲ ኣዝዩ ሑሱም ኢዩ። ሊብያ ብስደተኛታት ዝምልከት ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣይተወዳድራን ኢኻ። ኣብ’ዘን ዳሕረዎት ዝተጠቕሳ ሃገራት ስደተኛ ይሕሰሞ’ምበር ኣይተደረዔን። ሊብያ ኣብ ርእስ’ቲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ዘኸተሎ ጸባብነትን ዘናተይነት መንፈስን፡ እቲ ህብረተሰብ ንባዕሉ መነባብራኡ ዘይጥጡሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሊብያ ናይ ቐዛፍን በተሰቡን ርስተ-ጉልቲ ሃገር እያ እንተበልና ኣየጋነናን። እቲ ሃገር ሰብ መሰል ዝጣበቑ ትካላት የብሉ፡ ነጻ ጋዜጣ የብሉን። ካብ’ዚ ዝተላዕለ መንግስቱ ጨካን ህዝቡ ድማ ብሃም ኢዩ። ንዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝብሃል፡ ኣዚ ዝናፈስ ዘሎ ወረ ማለት ኣንጻር ሓርነት ደሞክራሲን ተዓጢቑ ዝብሃል ዑሱብ ኣፍሪቃዊ ሓይሊ፡ጉሁድ እንተኾይኑ ንማንም ጸሊም ካብ ምስካፍ ሓሊፉ ዘስጋኦ ይኸውን። ካብ ብዕጉግ (mob) ዝካየድ ፍርዲ የድሕነና ጥራይ ኢዩ ዝብሃል።

ነዚ ብምምርኵስ ድማ ኢየ፡ ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ንስደተኛታት  ቤዛ እትኸውን ግዜያዊት ኮሚቲ ንኽምስርቱ ዝምሕጸን ዘሎኹ። እታ ኮሚቲ ብዝተፈላለዩ ሲቪካውያንን ፖለቲካ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ብፍሉጣትን፣ ዓበይቲ ዓድን፣ ጉድሳት ዜጋታትን ዝቖመት ክትከውን ትምረጽ። ናይታ ኮሚቲ ቀንዲ ዕማም ድማ ኵነታት ምቅላሕ፣ ንዋያት ምእካብ፣ ልኡኻት ናብ ግብጽን ሊብያን ምውፋር ኮይኑ ብደገፍ ኤርትራውያንን ኣሁጉራውያንን ድማ ንስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተመሊሶም ከም ዝሰፍሩ ምግባር ይኸውን። ቅድም ክብል ናብ ሰበስልጣናት ግብጽን ሊብያን  ዝተላእኩ ደብዳቤታትን  ፍረ ከም ዘይሃቡ ካብ ኩሉትና ስዉር ኣይኮነን.። ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን እዉን ንምግባር ካብ ሑሉፍ ተሞክሮታት አልሳ ጭሩም፣ ቀሺ ሙሴ ዘርአይ፣ ሜሮን እስጢፋኖስ ከምኡ’ውን ዾ/ር ዮናስ መሓሪ ክቀሰም ይከአል ኢዩ። ኣብዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣሰካፊ ኵነታት ቀጥታዊ ተሳትፎ ዝሓትት ኮይኑ ሃየ ንበል፣ ሃየ ስብአውነትና ነረጋግጽ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...