ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ ቃልሲ ካብዝገበሮ ብዘይፍለ ፡ ሕጂውን ኣብ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ተጸሚዱ ይርከብ፡ ብርግጽ ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮን ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ዘሎ ቅልውላውን ምስ ዝነጻጽር፡ ቡቑዕ ቃልሲ’ዩ ክብሃል ኣይካኣልን ፡ ስለዝኾነ ድማ ወትሩ ኣብ ዘገምታ ይርከብ። ሽሕ’ኳ ሓያሎ ረቛሒታት እንተሃለዎ ቃልሲ ንኸይስስን፡ ብቐንዱስ  ብኩራት ናይ ዝበዝሔ መንእሰይ ኣብ ቃልሲ ኣሉታዊ ሳዕቤኑን ጎሊሑ ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ ይርአ’ሎ።
 
እምብኣር ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ምድላው ን2ይ ጉባኤኡ፡ ንኹሉ መንእሰይ ኣብ ርሑቅ ይኹን ኣብ ቀረባ ብሞራልን ብንዋትን ዘተባብዖ እናሞገሰ፡ ክንየው ዝሓለፈ ሞራላዊን ንዋታውን ሓገዛት- ሎሚ ዘለናዮ መድረኽ  ካብ ዝሓለፈ እዋናት ንላዕሊ መንእሰይ “ኣለኹ--- ኣንጻር ምልኪ” ዝብለሉ እዋን እዩ።  ምእንቲ’ዚ ዓ.ም.መ.ኤ  ንመጋቢት 11 ክሳብ 13, 2011 (March 11-13, 2011) ኣብ ላስ-ቬጋስ ኔቫዳ ከካይዶ መዲቡ ዘሎ 2ይ ጉባኤኡ ኮሚቴ ብምድላው ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።  ከም ኩሉ ግዜ ድማ “ኣብ ግዜና --ንዛተ-- ሓቢርና ” ኢሉ ማዓጹታቱ ከፊቱ፡ ካብ ዝሓለፈ ክንማሃርን ንዝያዳ ሓደ ዓመት ዝሰረሓሉ ሕገ-ማሕበር ክንድህስስን ንኹሉ ደላዩ ለውጢ መንእሰይ ንዕድም። ብርግጽ ነዚ ድሮ ኣብ ማሕበር ዝዓሰለ መንእሰይ ኣብ ማሕበር ክመሓየሹ ኣለዋም ዝብሎም ሕገ-ማሕበር ክርኢን፡ ነቲ መንኮርኮራዊ ሓይሊ ኮይኑ ሞራል ዝህብ ዝነበረ መንእሰይ ድማ ብወግዒ ዓሲሉ ታርኡ ክጻወት ይጽውዕ።
 
ዝኾነ ሕቶ፡ ርእይቶ፡ ለውጢ ኣብ ሕገ-ማሕበር ይኹን ኣካይዳ ማሕበር ብዝምልከት በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱና   
 
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. 
 
ደጊምና ኣብ ጊዜና -- ንዛተ ሓቢር
 
ለውጢ መታን ክመጽእ-- ኣብ ሃገርና ።
 
ዓወት ንደለይቲ ሰላምን ዲሞክራሲን!!
ኣሰናዳኢት ሽማግለ
 
ን2ይ ጉባኤ ዓ.ም.መ.ኤ
 ለካቲት 6 2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...