አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ …! ዘተ ምሰ ኣባላት ሽማግለ ዜናን ሓቤረታን ኤርትራዊ ኮምሽን ንምድላው ሃገራዊ ጉባኤ። ዝኸበርኩምን/ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር ..፤

ብቀዳምነት ልዑልን ምዉቕን ሃገራዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም/ክን። እንሆ ሕጂ እውን ብቐጻልነት፡ ን-ቀዳም ዕለት 04.12.2010 ዓ.ም.ፈ፡ መንእሰይ ዳንኤል ተወልደ፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ ዜናን ሓበረታን፡ ከምኡ’ውን ኩሎም ኣባላት ሽማግለ ዜናን ሓቤረታን ኤርትራዊ ኮምሽን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን (Paltalk)፡ ኣጋይሽ (“Eritrea Etuq Meni’esey Eritrea niDemokrasin Fithin“) ኮይኖም ከምስዩ ታዓዲሞም ኣለዉ።

ክቡራትን ክቡራንን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ከም ዝፍለጥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ተመስሪቱ’ስ 4 ሽማግለታት ኣቔሙ እንሆ ስርሑ የሰላስል ኣሎ። ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ሓንቲ ኣካል ናይ ኮምሽን ኮይና፡ 10 ኮምሽነራት ኣባላት ካኣ ኣለውዋ። ሽምግለ ዜናን ሓበሬታን ኣብ 5 ዞባታት ክፍለ ዓለም፡ ማለት ኣብ (ኣውሮጳ፣ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኣውስትራልያ፣ ማእከላይ ምብራቅ፣ ኣፍሪቃ) ተወዲባ ትሰርሕ ኣላ።

እዞም ብድልየትን ብወለንታን 10 ኣባላት ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ናይ ኮምሽን፡ ነቲ ድሕሪ ዓመት ክትግበር ኣብ መደብ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንምድላው ንምዕዋትን ምስ ህዝቢ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ኣብዚ Paltalk መጺኦም ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ተዳልዮም ኣለዉ። ምስ ህዝቢ ክዛተዩለን ኣብ መደብ ሰሪዖመን ዘለዉ ነጥብታት ካኣ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቂሰን ዘለዎ እየን።

1. ሌላ ምስ ኩሎም ኣባላት ሽማግለ ዜናን ሓቤረታን ናይ ኮምሽን ኤርትራዊ ጉባኤ ንደምክራሲያዊ ለውጢ

2. ንጥፈታትን ዕማም ሽማግለ ዜናን ሓቤረታን

3. ንጥፈታት ናይ ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከመይ ይኸይድ ኣሎ .?

4. ናይ መጻኢ መደባት ናይ ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከመይ ይመስል ..?

5. መደብ ሕቶን መልስን ከምኡ’ውን ርእይቶታት ምቅራብ።

ስለዚ፡ ክቡራትን ክቡራንን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ብጣዕሚ እዋናዊን ኣገዳስን ዝኾነ፡ ምዕባሌ ተቓውሞ ደንበ ዘንጻባርቕ፣ ዛዕባ፡ ዘተ ምስ ኣባላት ሽማግለ ዜናን ሓቤረታን ናይ ኮምሽን ከይሓልፈኩም/ክን፡ ተኻፈልቲ ናይዚ ምሽት ፖለቲካዊ ዘተ’ዚ ኮይንኩም/ክን ምሳና ክተምስዩ፡ ብኽብሪ ንዕድም። እዚ „Chat-Room“ ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ በርሊን ኣቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 pm. ክኸውን እንከሎ፡ ዘተ ምስ ኣጋይሽ ዝጅምረሉ ግዜ ካኣ፡ ሳዓት 21፡00 እዩ። ብዳሓን ምጽኡ/ኣ ...!!! ካብ ግዱሳት ኤርትራውያን፤ ንለውጢ፡ ፍትሕን ደሞክራሲን ክነግስ ኣብ ኤርትራ እንማያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...