ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ተጣላዒ ኣካይድኡን ኣትያቶ ዘላ ኣዝዩ ተሃዋሲ እዋን፣ በቲ ሓደ ወገን ሕዝብና ተሳጢሕዎ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ብርሰትን ምብትታትንን ከኣ በቲ ካልእ ገጽ ኣመዛዚንካ፣ ደሞክራሲያዊ ቃልሲ ንለውጢ ካብ ንዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዝለዓለ ተዓጻጻፍነት ጉልበቱ ክቕጽልን ክጠናኸርን ኣማራጺ ዘይብሉ ግድነት ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን።

ካብዚ ብምንቃል ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት፣ ህላውነቶምን ሓፈሻዊ ኩነታቶምን ብምግምጋም፣ ሕዝብን ሲቪክ ማሕበራትን ሞያውያን ምሁራትን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮ፣ ኣካላት ሕብረተሰብና ብሓበራ፣ ብዕትበት ዝዋስኡሉ ቀዳማይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ 31 ሓምለ ጀሚሩ ይሰላሰል ኣሎ።

እዚ ብ31 ሓምለ 2010 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብኽብ ዝበለ ኤርትራዊ ወኒ ተሰንዩ ዝተኸፈተ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሰንዓ ፎርም ማለት ጀነራል ከማል ዓውዱን ካብ የመን፣ ኣል ሰይድ ዑስማን ኣቡዓግላ ካብ ሱዳንን፣ ኣቶ ሙኽታር ኸድር ካብ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ. (ኢትዮጵያ) ተረኺቦምዎ።

እዚ ኣብ ብዙሕነት ኩሉ መዳይ ኣቃውማ ሕብረተሰብና ዘረጋገጸ በዓል ጽቡቕ ጅማሮ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፣ ብዓቢ ሃገራዊ ዋኒንን መንፈስን ሓድ ሕድ ምጽውዋርን ዘንጸባርቐ ዋዕላ፣ ስሩዕ ኣጀንዳታቱ ኣብ ምትግባር ሓድነት ሕዝቢ ኤርትራ ብምርግጋጽን ንሓድሕድ ምትእምማንን ብጽቡቕ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ።

ዛጊት 17 ዝኣባላታ ዋዕላ እትመርሕ ሰክረታርያት ብደሞክራሲያዊ መንገዲ መሪጹ ኣብ ዝተረፉ ኣጀንዳታት ዓሚቚ ዘተ ብምክያድ ዳርጋ ኩሉ ውሳነታት ብሓባራዊ ስምምዕ ይኸይድ ኣሎ።

እዚ ካብ ኩሉ ክፍለታት ሕብረተሰብና ተሳትፍኡ ብምርግጋጽ  ብ330 ኤርትራውያን ተጋቢኡ ዘሎ ዋዕላ ስጋብ ሎሚ መዓልቲ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣጻፊፉ ወዲኡ ኣሎ።

  1. ምምራጽ ሰክረታርያ ዋዕላ
  2. ውሽጣዊ ሕጊ ዋዕላ
  3. ፖለቲካዊ ገምጋም ኤርትራ
  4. ምቛም ንኡሳን ኮሚተታት ዘተ ወ.ዘ.ተ.

እዚ ኣብ እዋኑ ዝጀመረ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ዝተገብረ ዓቢ ምትእኽኻብ ኣብ ሕቶ ሓድነት ኣብ ምውሳን መሰጋገሪ እዋን ኣብ ሕቶ ኣገባብ ቃልሲ ካልኦትን ሕዝብናን ሃገርናን ካብ ትሕቲ ዲክታተርያዊ ኣገዛዝኣ ህ.ግ.ደ.ፍ. ክናገፈሉ ዝኽእል ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ተሳተፍነት ዘረጋገጸ ናይ ቃልሲ ባይታ ክፍጠረሉ ዝኽእል መስርሕ ኣብ ሓደ ስምምዕ በጺሑ ክወጽእ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዝርከብ ሕዝብና እዚ ብውፉይ ኣበርክቶ ተሳተፍቲ ስርሑ ብግቡእ ዝዓምም ዘሎ ዋዕላ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ቆይማ ዘላ ሰክረታርያ ሓንቲ ብኹነታት ዋዕላን ዝዓሞ ዘሎ ጉዳያትን ብዝምልከት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓበረታን ዜናዊ መግለጽታትን እትህብ ኮሚተ ዋሃብ ቃል ተሰይማ ስለዘላ፣ ምእንቲ ወግዓውነት ሓበረታ በዛ ኮሚተ እዚኣ ዝወሃብ ሓበረታታትን ዜናታትን ጋዜጣዊ መግለጽታትን ወግዓዊ መግለጽታት ናይ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ምዃኖም በዚ ነረጋግጽ።  

ሰክረታርያ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
4 ነሓሰ 2010
ኣዲስ ኣበባ፣ ኢትዮጵያ 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...