ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት
ሰፊሕ ምርድዳእ ዝተገብሮ ኣኼባ ተኻይዱ


ብሰንበት ዕለት 11 ሓምለ ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዝምምልከት፡ ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ሰፊሕ ምዪጥን ምርድዳእን ዝተገብሮ ኣኼባ ተኻይዱ፡፡ እዚ ኣኼባ`ዚ ኣቐዲሙ ክግበር መደብ ወጺኡዎ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ቴክኒካዊ ጸገማት`ዩ፡ ክሳብ ሕጂ ከይተገብረ ክጸንሕ ክኢሉ፡፡

ይኹን እምበር እዚ ኣኼባ`ዚ ከም ቀንዲ ኣብ ኣጀንድኡ ኣስፊሩ ብኣትኩሮን ብስፍሓትን ዝዘተየሎም ነጥብታት፡ ብዛዕባ ኣብ`ቲ ዋዕላ ዝውክልዎ ሰባት ኣብ  ምምራጽን፡ ነቶም ኣብ`ቲ ኣኼባ ዝምረጹ ወከልቲ ኮነ ነቶም ናብ ዋዕላ ንኽኸዱ ተቐሪቦም ዘለዉ ወከልቲ ሲቪካዊ ማሕበር፡ ነቲ ዋዕላ ዝኾኑ ኣገደስቲ ለበዋታት ብምእካብ ንምስናቕ፡ እዩ ኔሩ፡፡

ኣብ`ቲ ኣኼባ ናይ ህዝቢ ወከልቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ካብ ዝተሓጽዩ ሰባት ድማ፡ ሓደ ሰብ ከም ወኪል ናይ ህዝቢ ኮይኑ ክምረጽ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ እቲ ኣኼባ ሰለስተ ሰባት ናይ ምምራጽ መደብ እኳ ይንበሮ እምበር፡ ነቲ ዘሎ ናይ ግዜ ሕጽረት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣኼበኛ ነቲ ውጽኢት ብሓጎስ`ዩ ተቐቢሉዎ፡፡   

ብድሕሪ`ዚ ድማ ኣኼበኛታት ነቲ ኣብ ኣኼባ ዝተመርጸን ነቶም ኣብ ጉባኤ ንኽሳተፉ ተቐሪቦም ዘለዉ ወከልቲ ሲቪካዊ ማሕበርን፡ ከም`ቲ ተመዲቡ ዝነበረ፡ ዘድሊ ለበዋታትን ርእይቶታትን ማዕዳን ብምስናቕ ድሕሪ ምምራቖም፡ እቲ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

ዕለት፡ 15.07.10

ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ

Eritreisk Ffeleskaps forening i Norge
Eritrean unity movement in Norway


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...