ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዕዉት ፈላሚ ናይ ምትእኽኻብ ኣኼባ ኣቃኒዑ።
 
ብዕሊ ካብ ዝምስረት ሒደት ኣዋርሕ ጥራሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ውልዶ፣ ግን ከኣ ንጡፍ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብሰንበት 30/05/2010 ምስ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንደን ኣካይዱ። 
 
ኣኼባ ብመጀመርታ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻኹም ቃል ምስ ተኸፍተ፣ ንተሳተፍቲን ዕዱማትን ብዛዕባ ኣጀንዳን ዝዝተየሎም ዛዕባታትን ተሓቢርዎም። ካልእ ብዛዕባ እቲ ምንቅስቓስ ብሓፈሻ ዝገልጽ፣ ብዓለማዊ ደረጃ በጺሕዎ ዘሎን ትሕዝቶ ዝሓቖፈ ጽሑፋት ብኣዳለውቲ ኣቐዲሙ ተዓዲሉ።
  
ቀጺሉ ብዛዕባ ሌላ ምስ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሰፊሕ መብርሂ ብሓፈሻ፣ ምስ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘሎ ከኣ ብፍላይ ቀሪቡ። ኣብ መእተዊ ብድሕረ ባይታ ኣመሰራርታን ሓፈሻዊ ዕላማታትን እቲ ምንቅስቓስ ኢዩ ተጀሚሩ። ስዒቡ ብዛዕባ እቲ ምንቅስቓስ ሓፈሻዊ ቅርጻዊ ኣሰራርሓን፣ ኣብ ዝኽተሎም ዝተፈላለዩ ኣገባባትን እስትራተጅታትን መግለጺ ሂቡ። ብድሕር’ዚ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ካብ’ቲ ዝቐረበ መግለጺ ተሞርኪሶም ሕቶን ርእይቶን ሃቡ። ካብቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ብተሳተፍቲ መብዛሕትኡ ብመንእሰያት ገለ‘ውን ብዓበይቲ ኣያታትን ምሁራትን ኮይኖም ኣብ ኣወዳድባን ኣፈታትሓ ግርጭታትን ዘተኮሩ ነይሮም።


ብወገን ርእይቶታት እቶም ተሳተፍቲ፣ መንእሰያት እቲ ጉዳይ ናይ ሃገርን ምንቅስቓስ መንእሰያትን ናይ ኩላትና ጉዳይ ስለ ዝኾነ፣ ኩላትና ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣብ ምውዳብን ምሕያልን እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ነቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ጥራይ ከይተጸበና ካብ ብሕጂ ብግብሪ ኣበርቲዕና እጃምና ከነበርክት ይግባእ ኢሎም። ብተወሳኺ ኣብ ዝሰዓቡ ክትዓትን ርእይቶታትን ኣዝዮም ሃነጽቲ ዝኾኑ ኣርእስታት ተላዒሎምን ብጽቡቕ መንፈስ ከኣ ብተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ተዘትይሎም። ብቐንዱ ኣብ ተራን ሓላፍነትን መንእሰያት፣ ነቲ ካብ ቃልሲ ንልውጢ፣ ዲሞክራሲያ መሰላቱን ምኽባር ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ኤርትራን ርሒቑ ዘሎ ኣብ ስደት ዘሎ መንእሰይ፣ ሽግራቱ ብኣጋ ኣለሊኻ ብኸመይ ካብ መጋበርያ ጸላእቱ ዝኾኑ ህ.ግ.ደ.ፍ. ርሒቑ ንመንነቱን ጉዳይ ሃገርን ከም ዝቃለስ ምግባር።

ኣብ መወዳእታ እቲ ክትዕ ኣብ ውዳበን ጎስጓስን ከም’ውን ኣብ ተሳታፍነት ክሕይልን ኣፍልጦ መንእሰያት ክዓቢ ከም ዘለዎን፤ ስደት መንእሰያት መግለጺ ተቓውሞ ምዃኑን፤ እቲ ፍታሕ ግን ብኣውራ ነቲ ብዙሕ ጸጋታት ዝውንን ቀላሲ ሕብረተ ሰብ ዝኾነ ደራኺ ናይ ለውጢ መንእሰይ ብምሉእ ተሳታፍነቱ ክረጋገጽን ኣብ ዝብል ነጥብታት ተሰማሚዕሎም።

ሽዑ ብወገን ዕዱማት ኣያታት ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ካብ ተሞክሮ ቃልሶም ዝተጠርየን ሓሳባት ለጊሶም። ብሓፈሻ እቲ ምንቅስቃስ ብመጀመርታ እቲ ቃልሲ ናይ ኣተሓሳስባ ጉዳይ ምዃኑ ኣሚኑ፣ ኣብ ጉዕዞ ቃልሱ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ተወፊዩ ክሰርሕ፣ ነቐፌታታት ክቕበልን ምዕቡልን ስልጡንን ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ኣካይዳ ተኸቲሉ ንዘጋጥሙ ጸገማት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክፈትሕ ከም ዘለዎን ምዒዶም።

ኣብ ምዝዛም እቲ ኣኼባ እቲ መድረኽ ገለ ለበዋታት እንተለዎም ንዕዱማት ተሳተፍቲ ኢዩ ተዋሂቡ። ካብቶም ዝቐረቡ ለበዋታት፣ መንእሰያት ኣብ ከከባቢኦም ዝርከባ ናይ ኤርትራ ህዝባውያን ማሕበረሰባት (ኮሚኒቲታት) ከም ዝሳተፉ ምግባር። ምኽንያቱ ብመንገደን ኣቢሉ ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ንንኡስ ወለዶ ንምስግጋር፣ ህዝቢን መንእሰያትን ነንሕድሕዶም ንምትሕግጋዝ፣ ሓድነት ህዝቢ ንምሕላውን ብፍላይ ከኣ ካብ ስልኳታትን ጽልዋታትን ህ.ግ.ድ.ፍ. ነጻ ዝኾነ ኮሚኒታት ንምህናጽን ኣበርቲዑ ክሰርሕ። ካልእ ካብቲ ብብዝሒ ዝደጋገም ዝነበረ ግን ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ለበዋ፣ ብዛዕባ ናይ ዘተ ባይታ ምፍጣር ምእንቲ እቲ መቃለሲ ባይታ ስኢኑ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ብሓፈሻ፣ ኣብ ናቱ ጉዳያት ከኣ ብፍላይ ባዕሉ ንባዕሉ ተራኺቡ ክዝትን ሓላፍነት ክወስድን እንኮላይ ነንሕድሕዱ ሌላን ምርድዳእን ክፈጥርን ክምስርትን። ከም’ውን እቲ ፋሕ ኢሉ ብግሊ ዲዩ ብንኡስ ጉጅለ ዝቃለስ ዘሎ መንእሰይ፣ ሓድነት ሓይሊ ምዃኑ ኣሚኑ ብሓባር ተዋሃሂዱ ይሰርሕን።
 
ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ ብኣባላት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ሓሊፉ፣-

  1. ኣብ ውደባ ኣበርቲዑ ክሰርሕ፣ ሰብኣዊ ዓቕቡ ከዛይድ
  2. ኣብ ጎስጓስን መርበብ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ምልውዋጥን ነጢፉ ክሰርሕ
  3. ምስ ካልኦት ኣካላት ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባትን ስቪካውያን ማሕበራትን ካልኦት ባእታታትን ብምትሕብባር፣ ብሓፈሽኡ፣ ኩሉ ሓፋሽ ዝሳተፎ መድረኻት ብምኽፋት መንእሰያት ዘለውዎ ንጥፈታት ምክያድ። ንኣብነት ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያድ፣ ናይ ዘተ መኣዲ ምስ ምሁራትን ዓበይቲ ሓርበኛታትን ምፍጣር
  4. ለውጢ ብሰናይ ድሌት ጥራይ ዘይኮነ ብተግባራዊ ስራሕ ዝተሰነየ ብምዃኑ፤ ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መደባት ሓንጺጹ መደባት ክሰርዕን ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ሎንድን ከፊቱ ነቲ ንጥፈታቱ ከዋሃህድ ክጅምርን
  5. ተሳትፎ መንእሰያት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋጽ ኣበርቲዑ ክሰርሕ
  6. ብመንገዲ ተሳትፎ መንእሰያት ኣቢሉ ናይ ምስንዳእ ሽማግለ ብምቛም ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ጉባኤ ወይ ሓፈሻዊ ባይቶ ክጽውዕ

ብሓፈሻ ክግምገም ከሎ እቲ ኣኼባ ብጽቡቕ መንፈስ ብዓወት ኢዩ ተዛዚሙ። እቲ ኣኼባ ፍሉይ ካብ ዝገበሮ ነገራት ሓደ ብመጀመርታ ደቂ ኣንስትዮ ብምስታፈን፣ ብብዝሒ መንእሰያት ካብ ከተማታት በርሚንግሃም፣ ኮቨንትሪ፣ ሸፊልድ፣ ሊድስን ሎንደንን ካልኦት ከተማታትን ዝመጹ ዝተሳተፍዎ ብምንባሩ ብፍላይ ድማ ሓያሎ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ስቪካውያን ማሕበራት፣ ካብ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝነጥፉ ገዳይም ተቓለስትን ሰብ ሞያን ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣያታትን ተረኺቦም ብምንባሮም ዝያዳ ድምቀት ሂብዎ።
 
ራኢና ነጻን ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ኮይና ክትነብር ኢዩ!!
 
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...