ምሕጽንታን መጠንቀቕታን ንተቐማጦን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ኖርወይ
 
ንዕዘቦ ከም ዘለና እቶም ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ሃገራውነት ትሓቢኦም ንጥፍኣት ሃገርናን ህዝብናን ታዓጢቖም፡ ምእንቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ክብጀዉ ዝወሰኑ ደመኛታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ እውን ከም ኣመሎም ዕሽነቶም ከመስክሩን፡ ስም ህዝቢ ኤርትራ ከበላሽዉን፡ ኣብ ጎደናታት ኦስሎ፡ ኣብ ኖርወይ ንዕለት 13 ሚያዝያ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ምዃኖም ሓቢሮሙና ኣለዉ፡፡
 
ዎ..ኩቡር ኤርትራዊ ተቐማጣይ ኖርወይ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ጸልማት ዓመታት ናይ ግዝኣተ ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ስቓይ ህዝብኻ ትሰምዕ ምንባርካ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ፡ እነሆ  ሎሚ ቕነ`ውን ነቲ ዝረኸሰ ቁስልኻ ኣዝዩ ዝጎድእ፡ ኣብ ቤት ማአሰርቲ ግፍዒ ዒራዒሮ ብምስጢር ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ ኣሕዋትካ ክፍጸም ዝጸንሐ ባርባራዊ ግፍዕታት ተቓሊዑ፡፡
 
ኣብ ትሕቲ ከም`ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት`ዚ ክኣ`ዮም ጸላእትኻ ምሳና ውፈር ሰላማዊ ሰልፊ ግበር፡ ገበንና ኣሳኽመና ዝብሉኻ ዘለዉ፡፡ ስለዚ ንሕና ኻኣ እንበኣር፡ ሓደራኻ ምእንቲ እቶም ኣብ ፈቐዶ በረኻ ከርተት ዝብሉ ዘለዉ፡ ምእንቲ`ቶም እብ ባሕሪ ዓሳ ዝዋሓጦም፡ መንእሰያት፡ ምእንቲ`ቶም ዝዘኽተሙ ቆልዑ፡ ምእንቲ`ቶም ሓጋዚ ዝሰኣኑ ወለዲ፡ ምእንቲ`ቶም ኣብ ዒራዒሮ ብግፍዒ በብሓደ ዝሓቁ ዘለዉ ጀጋኑ፡ እወ ምእንቲ ስዉኣትካ፡ መሳርሒ ናይ ገበነኛታት ኣይትኹን፡፡ ዋላ እንተዘይመከትካዮም፡ እንተውሓደ ኢድካን እግርኻን ኣኪብካ ኣፍሽሎም ሓደራ!! ሓደራ!! እንዳበልና ንምሕጸነካ ኣሎና፡፡
 
ዝኸበርኩም ኣብ ኖርወይ ዘለኹም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘዳልዎ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ንኸይትሳተፉ ብትሪ ነጠንቅቐኩም ኣሎና፡፡ ኣንጻር ጥቕምኹም ምዃኑ`ውን ንሕብረኩም ኣሎና፡፡
 
ድሮ`ውን ብሰንኪ ገለ ሕልና ዝጎደሎም ንዓይ ይጥዓመኒ ባሃልቲ፡ ፍቓድ ረኺብና ኢሎም፡ ብዝተፈላለየ መንገድታት ምስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ዝደናገጹን፡ ታሓቢኦም ንዓዲ ከም ዝገሹን ስለ ዝጥርጠር፡ ኵነታት ኤርትራዊ ኣብ ኖርወይ ኣብ ናይ ሕቶ ምልክት ክኣቱ ጀሚሩ ከም ዘሎ ሓበሬታ ኣሎና፡፡ 
 
ደጊም ነዚ ሓበሬታን መጠንቀቕታን`ዚ ጢሒስኩም ጸረ ህዝብኹም እንተተሰሊፍኩም፡ ዋላ ነቶም ፍቓድ ረኺብና ኢልኩም ብህዝቢ ትጻወቱን፡ ዕድመ ህ.ግ.ዲ.ፍ ተናውሑን ዘለኹም ተበለጽቲ ብዘይ ንሕስያ ከነቃልዓኩም ከም ምዃንና ንሕብረኩም ኣሎና፡፡ ነቲ ኩነታትኩም ክማሓየሽን ተቐባልነት ንኽትረኽቡን ንዓመታት ክቃለሰልኩም ዝጸንሐ ደንበ ተቓውሞ፡ ኣሕሊፉ ንኽበኩም ኣይተገድዱዎ ንብለኩም ኣለና፡፡ ሓደራ!! ሓደራ!!

Eritreisk Feleskaps forening i Norge                                             
ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ
Eritrean unity movement in Norway  

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...