ብሓላፍነት ክረኤ ዝግብኦ መጸዋዕታን፣ መጠንቀቕታን፣

ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ኣብ ዝጭቆነሉ፣ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘይክበረሉ፣ መንእሰያትና ግዳያት ናይ ምድረ በዳን፣ ቀለብ ዓሳ ባሕሪን ዝኾኑሉ፣ ብሰንኪ ስርዓት ኣልቦ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ፣ ሃገርና ትባድመሉ ዘላ ግዜ፣ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ እገዳ ስለ ዝተወሰነ፣ ንኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብን ካልኦት ሃገራትን ዘይፍትሓዊን አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝተወሰነ ኣምሲልካ፣ ንምድንጋር ንዝግበር ዘሎ ሸፈጥን፣ ፋኸራን፣ ህግዳፋውያን ንምልከቶ አሎና። ንሓልዮት ህዝቢ ዘይኮነ ነቲ ብሓይሊ ሰለይትን ቀተልትን ወተሃደራትን ስልጣን ህዝቢ መንዚዑ ናይ ዘሎ መራሒኦም ዕድመ ስልጣኑ ንኸናውሑ፣ ዝግበርዎ ዘለዉ ብመኸተ ደሞክርስያውያን ከንቱ ፈተነ ክኸውን ኢዩ።

አብ ኤውሮጳ ዝቕመጡ ተደናገፅቲ ስርዓት ኢሳያስ ፣ ነቲ እገዳ ክንቃወሞን ክንምክቶን ኢና ብምባል ላዕሊን ታሕትን ክብሉ ንዕዘቦም ኣሎና። እቲ እገዳ አብ ርእሲ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዘተኮረ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እንተኾነ ብስርዓት ህግደፍ ካብ ዚእገድ ድሮ 19 ዓመት ኮይኑ አሎ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ናይ ስርዓት ህግደፍ ዕንደራ ፖለቲካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን፣ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ሰለዚ ብቐጥታ ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ህ.ግ.ደ.ፍ. እዩ። ብወገንና ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራ እገዳ ክግበር ዘሐጒሰና ጉዳይ ኣይኮነን። ብስንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከምዝበሃል፣ ብኣካይዳ ህ.ግ.ደ.ፍ ህዝቢ ከይልከም ጸረ ዕንደራን ዕብለላን መንግስቲ ህግደፍ ኢዩ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ዝግብኦ። ሰለዚ ድማ ማሕበር ኤርትራውያን ንስላምን ንደሞክራስን አብ ስዊስ አብ ልዕሊ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን፣ ዕዳጋ ብረትን፣ ዕንደራ ፖለቲካኡን፣ ዘተኮረ እገዳ ሕቡራት ሃገራት ይድግፍ ።
 
በዚ መሰረት አብ ስዊስ ዝርከቡ ስደተኛታት ሓተትቲ ዑቕባን፣ ፍቓድ ዝተቐበሉን፣ አብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ናይ ህዝቢ ወጽዓ፣ ነዚ ዘሎ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምኽንያት ብምግባር ናይ መንበሪ ፍቃድ ዝሓዙን፤ ተመሊሶም ንህ.ግ.ደ.ፍ. ይቕረታ ዝሓተቱን፣ 2% ዝኸፍሉን፣ ኣብ ውራያት ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘሳስዩን፣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ራዕድን ሽበራን ዘዋፍሩ ንዘለዉን፣ አብ መደባት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝሳተፉን ግዚኡ አብቂዑ እዩ። ደው በሉ።
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...