ናይ ሰላም ኮንፈረንስ ኣብ ለንደን
ኤርትራ

ወከልቲ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ሲቪካዊ ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ካብ ኩሉ ክፍላተ ዓለም ካብ ዕለት 18 ክሳብ 19 ታሕሳስ 2009 ኣብ ለንደን ናይ ሰላም ኮንፈረንስ ኣካይዶም።

ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ኮንፈረንስ’ዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ሰላም ባህሊ ዘተኣታቱ ሓደ ጥሙርን ግብራውን ንድፊ ንምዝታይን ምምዕባልን ነበረ። እቲ ኮንፈረንስ ብኣብ ለንደን ዝመደበሩ ጕጅለ ዝተበገስን ዝተወደበን፡ እቶም ዛዕባታት ከኣ ንሓያሎ ኣዋርሕ መጽናዕቲ ዝተገብረሎም’ዮም። 

ኩሎም ተሳተፍቲ ንህልው ማሕበራዊ፡ ፖሎቲካዊ ፡ ቁጠባውን ከምኡ’ውን ከባብያውን ቅልውላዋት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደጋኛን ጎነጻዊ ግርጭት ኣብ ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎን ዳግም ክለዓለሉ ዘኽእል ሸነኻት ብዕቱብ ዘትዮምሉ። ብዕዱማት ኣጋይሽን ብኣዳለውቲ ኮንፈረንስ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን’ውን ብዕምቖት ተዛሪቦምሉ።

ድሕሪ ጽዑቕን ኣሳታፍን ዝዀነ በዳሂ ክትዕ ብዛዕባ ኣብ ሃገርናን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎ ኵነታት፡ ተሳተፍቲ ኣብ’ዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት ተሰማሚዖም፣ ንሳተን ከኣ፡

  1. ብሱታፌ ኩሎም ጉዱሳት ናይ ሰላም ቻርተር ምንዳፍ
  2. እቲ ንድፈ ሓሳብ ናብ ኵለን ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖሎቲካውያን ውድባት፣መራሕቲ ሃይማኖትን ውልቀሰባትን ምዝርጋሕን ኣበርክትኦም ምሕታትን
  3. ነቲ ዝተነድፈ ቻርተር ንምጽዳቕ ዝዓበየ ኮንፈረንስ ኣብ 2010 ምጽዋዕ።

ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ’ዚ ክትውከሱና ትኽእሉ፡


This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...