http://www.eritreanglobalsolidarity.org/

ህጹጽ ጋዜጣዊ ፈነወ፣


ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ወርሓተ ሰነ 2009 ዓ.ም. ብዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን (EGS) ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ዝተኻየደ “ይኣክል ፍጹም ይኣክል” ዝብል ጎስጓስ ኣብ ሕዳር 19ን 20ን ብጉጅለ መሪሕነት EGS ሰፊሕ ናይ ጎስጓስን ርክብን ንጥፈታት ከም ዝተኻየደ ንሕብር።

እዘን ክልተ መዓልታት ናይ ጎስጓስ ጻዕሪ፡ ንEGS ምስ መሪሕነትን ወከልትን ናይ’ዘን ዝስዕባ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን፣ትካላትን ኣብያተ-ጽሕፈትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ እንዳዓሞቘ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላውን ሓደገኛ ሳዕቤናቱን ዕቱብን ዓሚቝን ዘተ ከካይድ ኣብ ርእሲ ምኽኣሉ፣ ንቐጻሊ ተመሳሳሊ ዘተታት ድማ ትስፉው ናይ ማዕጾ ዕድል ከፊቱ። ጉጅለ EGS ዝተራኸበን መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ድማ እዘን ዝስዕባ እየን፡፡

  • US Department of States
  • Congressman Donald Payne’s office
  • Congressman Keith Ellison’s office
  • IRI- The International Republican Institute
  • NDI- National Democratic Institute
  • Human Rights First

ካብ የማን ናብ ጸጋም፡- ስዩም ተስፋየ፣ ተኽላይ ኣብራሃ፣ ኣባል ባይቶ ሕ.መ. ኣ. ዶናልድ ፐይን፣ፎዝያ ሓሰን፣ ኤርምያስ ለኣከ፣ ፍስሃየ ደስታ

ንEGS ብዛዕባ’ተን ክልተ እዋናውያን ተሃወስቲ ዝኾና ጉዳያት ኤርትራ ማለት ጉዳይ ኣዕናዊ ዓጸቦን፡ እንዳሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ሕቶ ስደተኛታትን ሰፊሕ ጻዕሪ ከም ዘድልዮ ንኽትዝቲ ዝኣክል ግዜ ብምሃብ ምዉቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ። ስዒቡ’ውን ምስ ማሕበርና ክህልወን ዝኽእል ዝምድና ክዓሙቕን፣ ንዕቤትን ምዕባለን ናይ ነጻ ማዕከናት ሬድዮን ወብ-ሳይታትን ንምትብባዕን ንምሕጋዝን፤ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዑቝባ ንዝሓቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳዮም ንምቅልጣፍን ንEGS ድማ ኣብ ናይ ውዳበን ጎስጓስን ክእለታታ ክብ ንምባል ዝሕግዝዋ መንገድታትን ተዘትዩሎም።

እቲ ከርሲ-ነገር ናይ’ቲ ክልተ መዓልታት ጻዕሪ ከኣ እቲ ልዑል ተስፋ ተነቢሩሉ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ርክብ ምስ ኣባል ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ፐይን ኢዩ ነይሩ። ኣብ መንጎ ኣባል ባይቶን ወከልቲ EGSን ኣብ ውሽጢ ጽቡቕ ሃዋህው ዝተመስረተ ኣዝዩ ሰፊሕን ልዑል ሓበሬታውን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ ተኻይዱ። ጉጅለ EGS ኣብ’ቲ ኣዕናዊ ዓጸቦን እንዳሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ህጹጽ ቆላሕታ ክዋሃቦ ከም ዘሎዎ ብምጽቃጥ፣ ጠመተኣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓፈሻውን እዋናውን ቅልውላው ሚዛና ከተቕርብ ዕድል ተዋሂቡዋ። ብዛዕባ እዞም ኣብ’ዚ ፈለማ ርክብ’ዚ ዝተጠቕሱ ተኣፈፍቲ ጉዳያት ሃገርና፡ ንመጻኢ ግዜ ሓበሬታ ይኹን ሓሳባት ናይ ምልውዋጥ ተኽእሎ ዝህልዎ ማዕከን-ርክብ ከኣ ተኸፊቱ ኣሎ።

ብሓደ ወገን ብዛዕባ እዋናዊ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ርክብን ናይ ውክልና ጻዕርን፤ ብኻልእ ወገን ድማ ብዛዕባ ክብደት ስቓይ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ቅልውላውን፣ ከምኡ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ናይ ነባሪ ሰላም፣ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ፍትሕን ሰላምን ድሌቱ ንምዕዋት ኩለን ትካላት (መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን) ዘድሊ ዘበለ ህጹጽ ጻዕሪ ኣብ ምግባር ንጹር መረዳእታን ኣጸቢቑ ዝሓሸ ግምትን ከም ዘሎወን ሓፈሻዊ ገምጋም ወከልቲ EGS እዩ።

ጽዑቕ ናይ ስራሕ ዝምድና ዘኽእል ባይታን፣ ናይ መጻኢ ሓባራዊ ጸዓታትን ከም ዘሎ ብኽልቴና ወገናት ተለልዩ ኣሎ። ኣድላይነት ናይ ቀጻሊ ምርኻባት ኣብ መንጎ EGSን ዝተራኸብናዮም ሰብ-መዚ ናይ’ተን ትካላትን ብኽልቲኦም ወገናት ተረጋጊጹ። ቅልውላው ኤርትራ እንዳኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ሲቪላዊ ማሕበራት ድማ ኣብ ክንዲ ህዝበን ምስ ዓለም-ለኻውያን ትካላት ርክብ ክገብራን፡ ሓያል መልእኽቲ ዘመሓላልፋሉ መንገዲ ከናድያን ይግባእ። ምስ ዝያዳ ትካላት ንምስራሕን ኣብዞም ልዑላት ኣፍረይቲ ኣኼባታት ዝተገብሩ ርክባት ብዝያዳ ጻዕራ ንምስፋሕን፣ ኣብዚ ቀረባ መጻኢ EGS ናብ ዋሺንግቶን ዲ.ሲ. ናይ ምምላስ መደብ ኣሎዋ።

ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን
EGS

November 21, 2009


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...