ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ካብ ሊብያ ንሃገረ ጣልያን ክሰግሩ ቡዙሓት  ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ባሕሪ ጠሊቆም ከም ዝጠፍኡ ብኣሰና ኮም ብትግሪኛ፣ ብዓቢኡ ድማ ናይ ሃገር ጣልያን ማዕከን ዜና ክህብዎ ዝቐነዩ ሕማቕ ዜና ሰሚዕና። ሓምላይ ምንቕስቃስ ኤርትራ ንማሕበራዊ ዕርቅን ፍትሕን ንምዕቓብ ከባቢን፣ ንወለዲ ሙዉታትን፣ ካልኦት ንስደት ክኸዱ ከለዉ ዝሞቱን ጽንዓት ይሃብኹም፣ ንብል። ብዓቢኡ ድማ ነታ ሪኣ ዘይጸገብቶም ሃገርና ጽንዓት ይሃብኪ ንብላ።

እዘን ንነብረለን ዘሎና ሃገራት ሓደ ዜጋ እንተሞተን ወይ እንተተጠፍኤን ኩሉ መንግስቲ ኢዩ ዝርበሽ፣ ንምሕዝነት ዝጠፍኡ ድማ ሰላማዊ ሰልፊ ተጌሩ ግሉጽነት ሓላፍነትን ይሕተት። ብዝሕ ዝበለ ሂወት ብሓደጋ እንተጠፍኤ ድማ ባንዴራ ሃገር ኣብ ፍርቒ ትስቐል። ኤሮጳውያን ሃገራት ተሓባቢሮም ብሳታላይት እናተመርሑ ብነፈርትን ብመርከብን ሬሳኡ ክረኽቡ ኪንደይ ከምዝጽዕሩ ንርኢ ኣሎና። 

ቐደም ንኣቦሓጎታትና ባሮት ክኾንዎም፣ ብሰንሰለት ኣሲሮም ብሓይሊ ይወስዱዎም ነበሩ፣ ሎሚ ግን መንግስታት ኣፍሪቓ ነቲ ስራሕ ነጋዶ ባራዩ ባዕሎም ሒዞሞ ንመንእሰያቶም ንኤውሮጳን ንኣሜሪካን ይሸጡዎም ኣለዉ። ኣፍሪቓ ሰላምን ፍትሕን ስለ ዝተሓረማ ደቓ ስደትን ጥሜትን ይለልዎም ኣሎ። 

በዚ ሕጂ ግዜ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ኤሮጳውያን መርፍእ ክርእዩ ይኽእሉ፣ ክነሶም ኣፍሪቓውያን ስደተኛታት ከም ዝኾኑ ምስ ፈልጡ ንዕስራ መዓልቲ ፈንፊኖሞም ክሕግዝዎም ኣይተረኽቡን። ብዙሓት ንመሰል ሰብ ዝጣበቓ ማሕበራት ድማ ነዚ ተግባር ፋሺሽታዊ ኢዩ ኢለን ኮኒነንኦ። ሃገራት ኣፍሪቓኸ እንታይ በላ? ኤንባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ጣልያንከ እንታይ ገበረ? መልሱ ፍሉጥ ኢዩ፣ ክልተ ካብ ሚእቲ ክእክብን፣ ኣብ ፈስቲቫላት ኮኽድድን፣ እንተዘይኮይኑ ካልእ ንህዝቢ ዘርብሕ ስራሕ ከም ዘይሰርሕ ዓለም ‘ውን ኪዕብዎ ኢዩ።

እዚ ጥፍእት ከይመጽኤ “ንሰብ ሕጊ ይምራሓዮ። ንዘገልግሉና ብድምጽና ነውርዶም፣ ነደይቦም፣“ ዝበለ ሓርበኛ ሰማዒ እዝኒ ሲኢኑ ኣሎ። ስደት፣ መፍትሒ ዓመጽን ጭቆናን ኣይኮነን። ሃገራዊ ቓልስና ናይ ትማሊ ቅያ ስለምንታይ ንርስዖ ኣሎና። ሓላፍነት ወለዲ መግብን ማይን ህብካ ንውላድካ ምዕባይ ጥራይ ኣይኮነን ክም’ቲ ወለድና እምነትን፣ ሓርነትን፣ መሬትን ዘውረሱና፣ ንሕና ድማ ንሕን ፍቅርን ክነውርሶም ይግባእ። ስለ እዚ ኩልና ትሽዓተ ኣውራጃታትንን ዓሰርተ ብሄራትን ንኽተት። እሾኽ ብእሾኽ ኢያ ትወጽእ። “ኣንቱም ……. ክተቱ፣ ….እንተዘይከተትኩም ትሞቱ…..ዝብል ልባዊ ምኽርን ትምህርህርትን ኣቦታትና ሓቅነት ኣለዎ። ካብ’ዚ ፋሺሽቲ ዘምልጥ ወገን ወይ ውልቐሰብ የሎን። እቲ ሞት ኣብ ገዛ ነፍስ ወከፍና ኣትዩ ኢዩ። ንሞት ግን ብሞት ከም ንስዕራ ተርዲእና ከም ቐደምና ንኽተት፣ ኣብ መሳርዕ ተጋደልቲ ሓርነት ንሰለፍ።

ኣብ ስደት ንነብር ዶላራት እናሰደድና ንደቅና ካብ ነጥፍእ፣ ጥንቂ ስደቶም ኣብ ሃገርና ፍትሒ ምስኣን ስለ ዝኾነ ንመስክረሎም፣ ካልኦት ከይጠፍኡ ከለዉ ድማ ነዚ ጨካን መንግስቲ ክንኣልዮ ኣብ መኣዲ ቓልሲ እጃምና ነብርክት። “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል ደም እዚኦም ንጹሃት ከም ናይ ኣቤል ኣብ ሰማያት የኤዊ ኣሎ። ምሕረቱ ከውርደልና ንጸልን ንቓለስን። 

ኣምላኽ ነዚ ሕዝናዮ ዘሎና ዕላማ ይባርኸልና። ኣሜን። ግዝያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግሌ ሓ.ም.ኤ.

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...