ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ደረት ዘይብሉ ሕሱም ግፍዒ ምስቲ ኣብ ሃገርና ጽተፈጸመ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ገበን ክወዳደር ከሎ ፍጹም መዘና የብሉን። ነዚ ምልካዊ ምሕደራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝበሃል ኣምር ትርጉም የብሉን።

ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሕብረተሰብና ዝርከብ ዜጋ ግዳይ ናይ ክግመት ዘሸግር ኣረሜናዊ ጭቆና ኮይኑ መንእሰያት ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዲዕ ዝበለ ባርነት ጥሒሎም ማንም ሰብ ሓሪሱ ነጊዱ ወይ ብዝመስሎ ኣገባብ ሰሪሑ ሂወቱን ሂወት ቤተ ሰቡን ክመርሕ ብዘይምኽኣሉ ኣደዳ ድኽነትን ጥሜትን ኮይኑ ከርተት ይብል ኣሎ። እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጨካን ውልቃዊ ምሕደራ  ንምትግባር ኣብ ሕብረተሰብና ዘይሐዊ ስነ ኣእምሮኣዊ ስምብራት ከምዝገድፈሉ ኣየጠረጥርን ከም።

እዚ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዒ ከይኣክል ነቲ ፍሹል ቁጠባዊ ሜላታቱ ንምሽፋን ድኽነትን ጥሜትን ህዝብና ሳዕቤን ዋሕዲ ዝናብ ጥራሕ ንምምሳል ኣሬሜናዊ ተግባራቱ ብምቕጻል ንጥንታውያንን ታሪኻውያንን ዓድታት ምፍንቃልን ደቀባት ምብትታንን ዘውጽኦ መደብ ንምትግባር ምድላው የካይድ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።  

ንነባሪ ወዲ ዓዲ መሬቱ ኣሕዲግካ ንኻልእ ብሐይሊ ካብ ኣበሐጎታቱ ዝወረሶ ዓድን መነባብሮን ኣዘንቢልካ ኣብቲ ብሕገአልቦ ኣገባብ ዝተወስደ መሬት ስፈር ማለት ነቲ ቀዳማይ ከም ካልአይ ደረጃ ዜጋ ምውሳድ ነቲ ካልአይ ከኣ ከም ተሐባባሪ ናይዚ እከይ ውጥን ጌሩ ከቅርብ ዝኽእል ኣዕናዊ ፖልቲካዊ ሜላ ምኻኑ ክዝንጋዕ የብሉን። እዚ መደብ ዚ እንተተግቢሩ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ጽልእን ቅርሕንትን ፈጢሩ ንሓድነት ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነ ንህልውና ልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከምዘውድቅ ኣየከራኽርን። ሕጂ ድማ  ብዝስፍሐን ዝዓበየን ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ንምህሳስን ንምድምሳስን ልዕሊ 88 ዓድታት ካብ መቦቆል በታኦም ንኽለቁ መደባት ኣውጺኡ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ኣሎ::

ነዚ እከይ ተግባራት ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ :  መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ ኣጥቢቑ ይቃወሞን ይኹንኖን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ክቃወሞን ክኹኑኖን ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድን ይጽውዕ ። ንምፍሻሉን ምብሮዓኑን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ ሓላፍነት ምኻኑ የተሓሳስብ።

ዓወት ንሐርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

መርበብ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ : 
መጋቢት 19, 2009


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...