ሁልዊ ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራ 
 
ሐላፊ ኢሚግረሽንን ስደተኛታትን ኢትዮጵያ ከም ዝገለጾ ኣብቲ ሃገር 64,582 ምዝጉባት ኤርትራውያን ስደተኛታት  አለዉ። ካብ ሶማልያውያን ስደተኛታት ቀጺልካ ከአ ብኻልአይ ደረጃ ይስርዑ። ክሳብ ዝሓለፈ መጋቢት 2011 ብስደተኛታት ቤት ጽሕፈት ተመዝጊቦም ዝሓልፉ ንወርሒ ብገምጋም 1,500 ከምዝኾኑ መዛግብ ይሕብሩ። ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚርካ ግን እቲ ቁጽሪ እንዳበርከተ ምኻዱን ከምኡ’ውን ብብዝሒ ብአንስቶምን ብቆልዑቶምን ዝተሰነዩ ኣረጋውያን ምዃኖም ሰራሕተኛታት መደበር መዐስከር ስደተኛታት የረጋግጹ።  እዞም ብቁጽሪ ብርክት ዝበሉ ካብ መንእሰይ ዕድመ ንላዕሊ ዝኾኑ ዜጋታት ግዳይ ድርቅን ጥሜትን ምዃኖም’ውን ይግመት። አቀድም ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ዋሕዲ መግቢ ከም ዘየሎ እንታይድአ እታ ሃገር ኣብ ጥቃ ውሕስነት መግቢ ከምዝተገማገመት እቲ ንድሕነንት ህዝቢ እዝኒ ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ ምእዋጁ ይፍለጥ። ኩለንተና አካላዊ ኩነታት እቶም ሓደስቲ ፈለስቲ ኤርትራውያን ምስ እትዕዘብ ግን ሀለውለው ህግደፋውያን ኣብ ግምት ምእታዉ ኣጸጋሚ ይኸውን። 
 
እቶም ተገዲዶም ካብ ሃገሮም ዝፈልሱ ደቂ ሰባት ዶብ ጢሒሶም ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ ኣብ ድፋዕ ዘድሊ ናይ ቃል ምርመራ ምስ ተገብረሎም እኽለማይ ኣስኒቖም ናብ ስድተኛታት መዓስከር ይልእክዎም። ኣብ ካምፕ ምስ በጽሑ ድማ ብአሕዋቶምን አሓቶምን መስተንግዶ ምስ ተገብረሎም ብህጹጽ ናብቲ ብምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስትን  ዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት (ARRA) ተመዝጊቦም መባእታዊ ቁስ ከም እኒ ጀርይ ካን፣ ቶንኮበት፡ ናይ ፕላስቲክ ነጸላ ከምኡ’ውን ናይ ክንክን ጥዕና ኣቑሑት ይዕደሎም። ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ እታ መጀመርያ መዓስከር ስድተኛታት ሽመልባ ብ2004 ተመስሪታ፡ ቀጺላ ድማ ማይ ዓይኒ ዝተባህለት ካምፕ ብ2008 ቆመት። ካልእ’ውን ኣብ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ምስዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክወን ካምፕታት እትዳረግ 20,000 ስድተኛታት ዝሰፍርሉ ኣላ። ብሓፈሻኡ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ስደተኛትት ዘአንግዳ 5 መዓስከራት ኣለዋ።
 
ክሳብ ዝቐረባ እዋን ከም ኣገላልጻ ARRA፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት  ከም ካብ ብሓድሕድ ውግእ ትሕመስ ሶማሊያ ወይ ከም ካብ አጽናቲት ደቂ ሰብ እትፍለጥ ሱዳን ዝፈልሱ ስደተኛታት ኣቓልቦን ግምትን ኣይውሃቦምን ነበረ። ብሓጺሩ ንኣጻዳፊ ረዲኤት ዘይብቕዑ ስደተኛታት ኮይኖም  ኢዮም ዝጸንሑ። ኣብ መወዳእታ ግን ብጸዓት ARRAን ካልኦት ናይ ሰብአዊ መሰል ተጣበቕትን ኤርትራውያን ከም አጻዳፊ ረዲኤት ዘድልዮም ደቂ ሰባት ምዃኖም ብወግዒ ተፈሊጡ ዘድሊ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎ ተነጊሩ። ኣብ ሊብያን የመንን ግብጽን ዝርከቡ ብአማእታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኤርትራውያን ክሳብ እዚ እዋንዚ ነዚ መሰል ተነፊግዎም ይርከቡ።
 
ናይ ዓርሲ-ምንባር ተኽእሎ ዘለዎም ኤርትራውያን ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ወጺኦም ምስ ኣዝማዶም ይኹን ገዛ ተኻርዮም ክነብሩ ካብ ዝፍቀደሎም እነሆ ሓደ ዓመት ሓሊፍዎ። ነዚ ዕድል ተጠቂሞም ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን 3,200 ምዃኖም ጸብጻብ የመልክት። እዚ ዝተጠቅሰ አሃዝ ነቶም ምስ ኣዝማዶምን ደቂ ማይቤቶምን ተሓናፊጾም ዝነብሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ናይ ዓፋር ብሄረሰብ ዝውስኸ ኣይኮነን። ሑሱም ጥርዝያ ኤርትራውያን ካብ ሊብያን፣ ግብጽን፣ሱዳንን ካብ ዝተጀመረሉ እውን 4,000 ዝኮኑ ስደተኛታት ብአየርን ብምድሪ መጓዓዓዝን ኣብ ኢትዮጵያ ብምእታው ካብቲ ጨካን ምንጋጋ ህግደፍ ከምዝድሓኑ ሰነዳት ይምስክሩ። ብጥርዝያ ንIኤርትራ ምምላስ ዘለዎ ሳዕቤን ብማዕከናት ወረ ኤርትራውያን ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ስለ ዝኾነ ምድጋሙ ኣገዳሲ ኣይኮነን።
 
ካብ 2004 ጀሚሩ ናብ ዓዲ ፈረንጂ ብሰፈራ መልክዕ ዝኸዱ ኤርትራውያን ጥቓ 10,000 ይግመቱ። ካብዚኦም እቲ ዓብይ ክፋል ንኣመሪካ ዝኸዱ ክኾኑ ብመጠን’ውን ናብ ካናዳን አውስትራሊያን ኣውሮጳን ከምዝኸዱ ተመዝጊቡ ይርከብ። ኣመሪካ ጥራይ 7,864 ኤርትራያውያን ስደተኛታት ከም ቀዋሚ ሰፈርቲ ጌራ ከም ዝወሰደት ካናዳ’ውን ጥቓ 800 ከም ዝተቐበለት ይንገር። ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ናይ  ወጻኢ ሃገር ከይዶም ክሰፍሩ ዕድል ዘጋጠሞም ዜጋታት 15% ጥራይ ምዃኖም ኢዩ።  እምበአርከስ እቲ ኣብዛሓኡ ኣብ ስደትኛታት ካምፕ ተሰሚሩ ኣልባቡ ዝጠፍኦ ምዃኑ ካብ ኩላትና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ዘለውዎ ቦታ ትርጉም ዘለዎ ናብራ ንኽነብሩ ሓድሽ ሜላታት ምቅያስ ግዜኡ ዝጠልቦ ሕቶ ይኸውን።  እምበአርከስ ኣብ ተግባር ዝተመርኮዘ ስርሒታት ንምክያድ ካብ ዓቅሚ’ዚ ኩሉ ኣብ ግዳም ሰፊሩ ዝርከብ ዜጋ ንልዕሊ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።
 
ንአብነት ከም ብጉጅለ ይኹን ብነፍስወከፍ ተወዲብካ ዘይቅንጁው መባእታዊን መዋእለ ህጻናት ቤት ትምህርቲ ምስራሕ፣ መዘናግዕን ትምህርታዊን ትካላት ምምስራት፣ ኢደ ጥበብ ዝመሃርሉን ናብርኦም ዝመርሕሉን መሰረታዊ መሳሪሕታት ምትእታው ዝአመሰሉ ይኾኑ። ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ትምህርቲ ዝርከቡ ተማሃሮውን ከም ‘ዉሉድ’ ቆጺርካ ዉስን ግን ዓቕምኻ ብዘይሃሲ መንገዲ ምርዳእ ንተረዳኢን ንሃገርን  ኣዝዩ ጠቓሚ ይኸውን።ናይ ኣከባቢኦም ኤኮሲስተም ኣብ ሚዛን ዝምለሰሉ ንድርቂ ዝጻወሩ ተኽልታት ምትካል’ውን እምነትን ሕውነትን ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ኣብ መንጎ እቶም ተጻዊሮም ተጎራቢቶሞም ዘለዉ ቅሸታትን ድልዱልን ምሕዝነት ዝፈጥር ሜላ ምዃኑ ዘይምዝንግዕ።
 
አብዚ ዘለናዮ እውን  ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት 301 ተመሃሮ ኣብ ዲግሪ ፕሮግራም 368 ድማ ኣብ ዲፕሎማ ትምህርቲ መደብ ተዋፊሮም ይርከቡ። ኣብ ርእስ’ዚ  ኣብቲ ኣብ ዓፋር ክልል ዝርከብ ኣብ ሳማራ ዩኒቨርሲቲ 6 ተመሃሮ ከም ዘለዎ ይፍለጥ።  ብዘይካ እቲ 300 ብር ( USD 17.5) ወርሓዊ ደሞዝ ብዩኤኔችሲአር ዝኽፈል ዝኾነ ይኹን ወጻኢታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ዝሽፈን። አብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይ ትምህርቲ ዓመት 757 ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ መርመራ ካብ ዝወሰዱ ስደተኛታት ተመሃሮ  340 ክሓልፉ መብዛሕትኦም ከምዝተረፉ ይንገር። ካብዞም ፈተና ተዋሂብዎም ዝተዐወቱ 17 ንማስተርስ ዲግሪ ፕሮግራም ክአትዉ ዝተረፉ ግን ንመጀመርያ ዲግርን ዲፕሎማን ሑጹያት ኢዮም።
 
ህሉው ክነታት ከም ዝገልጾ ኩሎም ተፈተንቲ ናይ ትምህርቶም ደረጃ ዘመልክት ሰነድ ኣብ ኢዶም ከምዘይነበሮም፡  መብዛሕቶም ድማ ኣብ ገደብ ዘይብሉ ናይ ዕስክርና ዘመን እምኒ ክፍልጹን፣  ኣብ ብኮሎነላትን ጀነራላትን ዝውነን ሕርሻ ክጽህዩን ክጉልጉልን፣ ኣባይቶም ክሰርሑን፡ ቀለም ፋዕራ ከይገበርሉ ዝጸንሑ ግዳያት ኣዚ ዓማጽን፡ ገባትን፣ ጨቋንን ሥርዓት ምዃኖም ካብ ኣንባቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ብተወሳኺ ኣብ ሓደ ስደተኛታት ካምፕ  ናይ መዋእለ ሕጻናትን፡ መባእታን ከምኡ’ውን ካልአይ ደረጃ ብARRA ዝምወል ምህላዉ ካብ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ክንርዳእ ንኽእል።
 
ብሕግጋት ኢትዮጵያ ወዲ ሃገር ዘይኮነ፡ ስደተኛታት ወሲኽካ ብዘይ ፍቓድ ክሰርሕ ክልኩል ኢዩ። እንተኾነ ግን ኢትዮጵያውያን ኣብ ኤርትራውያን ‘ሉስሉስ ከብዲ’ ከም ዘለዎም ብኤርትራውያን ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ ሑሹኽ ይብሃል። ካብዚ ዝተላዕለ መጠኖም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ርእሶም ኣድኒኖም ኣብ ብዙሕ ናይ ስርሕ ዘርፍታት ተዊፊሮም ከም ዝርከቡ ብወግዒ ተነጊሩኒ። እዚ ዓው ኢልካ ዘይትዛረበሉ ግን ከስ ሪኢኻ ከምዘይረአኻ ዝሕለፈሉ ኩነታት ዘመልክት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ዘስመረ ምዃኑ’ውን ይትንባህ። 
 
ንስደተኛታት ካብ ምዕንጋል ሓሊፍካ ጡጡህ ናብራ ክህልዎም ምህቃን ብዙሕ ጻዕሪ ይሓትት። ንስደተኛታት ዘድልዮም ቁሳውን፣ መንፈሳውን ኣዝዩ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ፡ ንግዜኡ ብአጻዳፊ ዘድሊ ግን ኡኹል አቕርቦት መግብን ማይን ምምላእ ይኸውን። ኣብዚ እውን’ዚ ብገበርቲ ሰናያት ዝወሃብ መግቢ ንአካል ኣጉልቢቱ ንሓንጎል ዘማዕብል ዘይኮነስ እንታይ’ድአ ዘየምውት ዘየሕዊ ትኳቦ ኢዩ። መጀመርያ ካብ ዝወሃቦም ደረቕ መግቢ 15 ኪሎ ስርናይ ኮይኑ ብጥሪኡ ይዕደል። ነዚ ጥረ እኽሊንምጥሃን ዘሎ ላዕልን ታሕትን ተጸውዩ ኣይውድእን ኢዩ። ምኽንያቱ መጥሃን እኽሊ ንምርካብ ኣብ ርሑቕ ከተማታት ምጉዐዝ የድሊ። ዕርቃን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብሕልፊ ደቂንስትዮን ንዓቅሚ ኣዳም ዘይበጽሑን ቆሉዑትን ገኒኑ ይረኤዩ። ጫማታት ሻርባታት ካልሲታት’ውን ኣዝዩ ዉሑድ ኢዩ። ኣብ ርእስ’ዚ ናውቲ ትምህርቲ ከምኒ ርሳስ፣ ደብተር፡ መደምሰስ፣ ክርዮን፣ ናይ መባእታ መጻሕፍቲ ካብ ዘድልዩ ቁሳቑስ ኢዮም። አብ ክብ ዝበለ ትምህርቲ ደረጃ ዘለዉ ተማሃሮ፡ ንትምህርቶም  ዘገድስ መጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ መጻሕፍቲ ፍሉያት ምዕራፋት ንምቕድሕ/ፎቶኮፒ ኣዝዩ ጸገም ከም ዘጋጥሞም ካብ ተመሃሮ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ክርዳእ ኪኢለ።
 
ኣድለይቲ ነገራት
 
ሂወት ስደተኛታት ንምምሕያሽ ሽግሮም’ውን ንምቅላል ዘድልዩ ነገራት ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ ካብቶም ንግዜኡ ኣገደስቲ ንብሎም ዐብይቲን ንአሽቱን ነገራት እዞም ዝስዕቡ ኢዩኦም። እቲ ዕማም ንምብዳህ ድማ ኣብ ንኡሱን ዐበይትን ፕሮጀክት ኢለ ከፊለዮም ኣለኹ።
 
ንኡስ ፕሮጀክት

ንአብ አዲስ ኣበባን፡ መቐለን፡ ሰማራን ዩኒቨርሲቲታት ዝመሃሩ ተመሃሮ ዘገልግላ
        3 ፎቶ ኮፒ ማቺን
ካብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢአን ዝግዛእ ርሳስ፡ ደብተር፡ክርዮን፡ ናይ ቆሉዑ መጻሕፍቲ, 
ፍሉያት መጻሕፍቲ ንክብ ዝበለ ትምህርቲ ዝከታተሉ ተማሃሮ 
ንደቂንስትዮ ዘገልግል ናይ ክንክን ጥዕና 
ንቖሉዑን መንእስየትን ኣልባሳት 
ኮምፑተራት ኣብ ስደተኛታት ካምፕ ዘገልግላ
ተለቪዥናት ኣብ ስደተኛታት ካምፕ ዘገልግላ 

ዐበይቲ ፕሮጀክትታት
 
ንእተፈላለዩ መዳያት ዘገልግል ማሕበራዊ ማእከል (ንቤተ መጽሕፍቲ፡ ንቴለቪዥን፡
        ንኮምፑተራት፡ ንመዘናግዒ ቁሳቑሳት ዝእክብ)
ንገጠር ሃዋሁ ዝሰማምዑ ትምህርቲ ቤታት ( ‘ሁለ ገብ’ ክፍልታት)
ንአሽቱን ማእከሎት ዝዐቕመን ጠሓንቲ መኪናታት(ሓሪጭ)
ከም ጸዐት ሓይሊ ዘገልግል ጸሓያዊ ፎቶቮልታይክ ጽፍሕታት
ንክብ ዝበሉ ትምህርቲ ዝከታተሉ ተማሃሮታት ኣብ ክንፍኻ/ኺ ብምሕቛፍ
        ወርሓዊ/ዐመታዊ ረዲኤት ምብርካት

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኽልተ ሁቡባትን ንጡፋትን መንእሰያት ነዚ ኣብ ልዕሊ ዝተዘርዘረ ሽግር ንምቕላል ዝግብርዎ ዘለዉ ቁዱስ ስራሕ ክጠቅስ ይግደድ። ነዚ ክጠቅስ ዘገደደኒ ቀንዲ ምክንያት ድማ ኣርአያ ክኾኑና ይኽእሉ ኢለ ብምእማን ኢየ። መንእሰያት ቶማስ ሰሎሞን በዐል ቪርጂንያን፡ ኤፍረም ካሕሳይ ተቐማጣይ ኖርዝ ካሮላይናን ኣብ ማይዐይኒ ዝርከብ ናይ ስደተኛታት ናይ ትምህርታዊ ቁሳቑስ ሕጽረት ንምቅላል ተዋፊሮም ብርክት ዝበለ ገንዘብ ምእካቦም ይንገር ኣሎ።  ከይደኸሙ፡ ከይረብረቡ ድማ ካብ 10,000 ዶላር ንላዕሊ ምእካቦም ካብ ሓበሬታ መርበቦም ንርድእ። ጸዓት’ዞም ብጾት ብዐወት ንኽዛዘም ሓገዝ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሃገር ናይ ፖለቲካ ዝንባሌኡ ብዘይገድስ ከም ዘድሊ ክመሕጸነኩም ይደሊ። ንቶማስን ኤፍረምን በዚ ዝስዕብ ኣድራሽኦም ክትራኸብዎም ትኽእሉ።  
 
ዌብሳይቶም www.urer.org ኢመይሎም ድማ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.. ብአካል ከተዛርብዎም ወይ ክትውከስዎም ምስ ዝድለ ድማ ኣብ ቅጽሪ ስልኮም 202 718 8889 ክድወል ይከአል።

ቶማስ ኣባል ዓለምለኸ ኮሚሺን ንስደተኛታት ኤርትራ (ICER) ኢዩ። ናይዚ ኮሚሺን ዋና ተግባራት ንስደተኛታት ኤርትራ ምጥባቕ ኮይኑ፡ ናይ ርሑቕን ቀርባ ዕላማኡ ድማ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት ነቲ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ምድረበዳን ማእከላይ ባሕርን ጉዕዞ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ፣ ቀጺሉ ውን ኣብ ዘለውዎ ስደተኛታት ካምፕ ናብርኦም ዝመሓየሸሉ መንገድታት ሃሰው ሰው ምባል ይኸውን። ኮሚሺን ብዑቱብ ካብ ዝናጠፈሎም  ተግባራት ብኽፋል እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጉዳያት የጠቓልል።