ብመሰረት ዝኣተናልኩም ቃል ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና እቲ ንብዙሓት እንኮላይ ንብሪጣንያውያን ኣገሪምዎም ዘሎ ክሳብ ሕጂ “ምኽንያት ምምልላስ ወዲ ገራህቱ ንከተማ ሸፊልድ እንታይ ምዃኑ? ከም ነቕርበልኩም ኢዩ። መቸም ንምክትታሉ ምእንታን ክጥዕም ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ብመጀመርታ ገለ ድሕረ ባይታ ተቐማጦ ሸፊልድን ከባቢኣን ካልእ ጉዳይ ናይ ማሕበረ ሰብ (ኮሚኒቲ) ኤርትራውያ እታ ከተማ ኣሕጽር ኣቢለ ከቕርብ ክፍትን ኢየ።

ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዜጋ ዝርድኦ እንኮላይ ህግደፍን ኰራኩሩን፣ ብሰንኪ ብልሽው ምሕደራን ዲክታቶርነትን ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ካብ 1999 ዓ.ም. ንደሓር ብብዝሒ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ክርአ ዝጀመረሉ ኢዩ። እቲ ናይ ህግደፍ ግዕዙይ ምሕደራን ኣረሜናዊ ግፍዕታቶምን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነብር ክፋል ህዝብናን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝኾኑ መንእሰያት ሃገራዊ ግብኦም ዘማልኡ ዝነበሩ ሓሊፉ፣ ዋላ ኣብቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ተሰዲዶም ዝነበሩ ዜጋታት ‘ውን ጽልዋ ኣሕዲሩ ይርከብ። ስለዚ ከምቶም ኣብ ፍቖዶ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ተሰዲዶም ዘለዉ ካብ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝመጹ እቲ ኣቃውማ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሸፊልድ ‘ውን ከምኡ ይመስል።  ክሳብ 2001 ዓ.ም. እቶም ዝበዝሑ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ዝመጹ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ዝርከብዎም ኮይኖም፣ ኩሎም ዳርጋ ብስርዓት ህግደፍ ተማሪሮምን ተስፋ ቆሪጾምን ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ኢና ብምባል ኢዶም ሂቦም።

ኣብ 2002 ብሓደ ግዱስ ኤርትራዊ ናይ ሓንቲ ትካል ናይ ኣባይቲ ኣካያዲ ስራሕ ዝኾነ፣ ኣብ 2004 ጠቕሊሉ ናብ ሎንደን ዝጋዓዘ ‘ሞ ኣብ ብሪጣንያ ካብ 1980ታት ኣትሒዙ ዝነብር ዘሎ ብዝወሰዶ ተበግሶ ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ማሕበረ ሰብ ቆይማ። mkÃöGêÏ mks]ÊXÈ och¤¬M ›MXIDê [{©ö ወይ ድማ ቅዋም ኣዳሊዮም ኣጽደቑ። ዕላማ ናይዚ ማሕበረ ኮም እዚ “ምድንፋዕ ረብሓታት ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ጾታ: ፖለቲካዊ ኣረኣእያ: ዓሌት: ወይ ኩነታት መንበሪ ፍቓዶም ኮይኑ ኤርትራውያንን ናይ ኤርትራ መበቆል ዘለዎም ተቐማጦ ናይ’ዚ ዞባ’ዚ ብምግልጋል ብሓባር ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ሕጊ ትካላት: ዘይመንግስታውያን ትካላት: ወድባትን ተቐምጦን ብምስራሕ’’

እንተኾነ ግን ኣብ ምጅማር 2004 እቲ ግዱስ ሓው ምስ ከደ፣ ኣንኮላይ ካልኦት ብዝተፈላለየ ምኽንያት እንተስ መንበሪ ፍቓድ ስኢኖም ወይ ከኣ ብምርካብ ገሊኦም ቀዲሞሞ ዉሑዳት ድማ ስዒቦሞ ዳርጋ ብሓንሳብ ካብታ ከተማ ለቐቑ። እምበኣር እቶም ተበለጽቲ ናይ ህግደፍ ኮራኩር ዝኾኑ ከም ደባስ፣ ስዒድ ሮመዳንን ኣኽሊሉ የማነ ኢሳቕን ካልኦትን ዝኾኑ ኣቐዲሞም ዳርጋ ብስዉር ዘካይድዎ ዝነበሩ ንጥፈታት ህግደፍ ሰብ ዘይብላ ኮሚኒቲ (ማሕበረ ሰብ) ረኺቦም በብወገኖም ንኤምባሲ ህግደፍ ብስልክን ብኣካልን እናተመላለሱ “ በጃኹም ሓደስቲ ስደተኛታት እተአንግድ ዘላ፣ ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድል ዘለዋ ብልጽግቲ ከተማ እነሀልትልኩም ‘ሞ ንሕና ኣብኡ ዘለዉ መንእሰያት ክንሕዘልኩም ኮሚኒቲ ቶቖጻጺርናያ ኣለና። ስለዚ ምእንቲ ንኹሎም ተቐማጦ እታ ከተማ ክንውድቦም ኣብ ህግደፍ ደረፍቲ ግዳ ብስሩዕ ስደዱልና” እናበሉ ኣብ ምልማን ኣባላት ኤምባሲ ህግደፍ ተዋፈሩ። ነቲ ጠለቦም ድሕሪ ምቕባሎም ኣባላት ህግደፍ ዝኾኑ ብሳልሕ ጅኑቢ (ቆንስል ኣብ ሎንደን ነበር) ዝምርሑ ሰራሕታኛታት ኤምባሲ እቲ ኣታዊታት ምስቶም ኮርኩሮም ይማቐልዎ ነበሩ። “ሰረቕቲ ክማቐሉ ይበኣሱ” ከም ዝበሃል እታ ፍቕሮም ነዊሕ ኣይጸነሐትን ምኽንያቱ ኣብ ስስዐ ዝተሰረተት ስለ ዝነበረት። ኣብ ሚያዝያ 2007 ኣቶ ደባስ ግዮርጊስ ምስ ኣኽሊሉ የማነ ኢሳቕ መጋበርያ ህግደፍ ኮይኖም ነቲ ማሕበረ ሰብ ናይ ህግደፍ ወገን ክኸውን ብዙሕ ዝጸዓሩ ነቲ ኮሚኒቲ ጠፊሹ ብምባል ጸብጻብ ናይ ገንዘብን ንብረትን ሕሳብ ከይገበሩ ዓጸውዎ። ዋላ እካ ብድሕሪኡ ግዝያዊት ሽማግለ ቆይማ ከም ብሓድሽ ወዳዲብ ሰባን ዓቕማን እንተተበገሰት ንዓኣ ንምዕንቃፍን ንምቑጻይን ኮራኩር ህግደፍ ከም ስዒድ ዝኣመሰሉ እንደገና ኣቶ ደባስ ክምረጽ ኣለዎ እናበለ ጎረርኡ ክሳብ ዝዕጾን ዓይኑ ንብዓት ክሳብ ዝሰረብን። ኣኽሊሉ ‘ውን ብወገኑ ንዓይ ምረጹ ብምባል ንሰባት ተማሕጸነ ዋላ እካ ዝረቕሖ እንተረኸበ “ እዚ ኣይሰርሕ፣ ኣይስርሕ” ብምባል ሓደ ኣቦ ንኸይምረጽ ተቓወመ።
ኣብ ግንቦት 2007 እታ ማሕበረ ሰብ (ኮሚኒቲ) ኣብ ሸፊልድ ከም ብሓድሽ ቆመት። እቲ ስምን ሓደስቲ ኣካየድቲ ሽማግለታት ጥራይ ተቐይሮም ‘ምበር እቲ ቅዋምን ዕላማታትን ንሱ ኢዩ። ኣይጸንሑን ግን ከደምቲ ህግደፍ ነጻ ዝበሃል የለን ብምባል እዛ ኮሚኒቲ ናይ ህግደፍ ክትከውን ኣለዋ ወይ ከኣ ወዲ ገራህቱ ክጽዋዕ ኣለዎ በሎ። ኣይጸንሐን ድማ እቲ ሕሱር ዕሱብ ፈለማ ዕዶቱ ገዛ ገዛ እናሓዳርን ደቂ ኣንስትዮን ኣትዩ ጸብሒ ደርሆን መስተን ካልእን ናይ ድኻታትን መንበሪ ፍቓድ ዘይብለንን ክጋበዝ ድሕሪ ምውዓል ምስ ጭፍርኡ ኣብ ታሕሳስ 2007 ፈለማ ኣኼብኡ ምስ ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ ኣካየደ። ሽዑ ከም ኣመሉ ኣሜሪካ፣ መኸተ ክብል ዕንግሪር ክብል ድሕሪ ምምሳይ፣ ኣብ መንጉኡ ድማ ኣብ ምግባትን ምውናን እታ ኮሚኒቲ ኣተኩሩ ክዛረብ ጀመረ። ቀጺሉ ነቲ ኣብኡ ተረኺቡ ዘነበረ ኣቦመበር እታ ኮሚኒቲ መጸዋዕታ ገይሩ “ ኣቦመንበር ኮሚኒቲ ኣቶ በረኸት ካሕሳይ ንዑ ውጹ ሓግዙና 7 ዝተፈላለያ ሽማግለታት ናይ ህግደፍ ከንቕውም” በለ። ኣቶ በረኸት ብወገኑ ነቲ መጸዋዕታ ነጸጎን ነቶም መመጺኦም ንዓ እባ ነዚ ኣምባሳደርን መሳርሕቱን ኣይትሕፍሮም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝብሉ ዝነበሩ ኮራኩር ከም ኪዳነን ኣኽሊሉ ኣማኒኤልን ከይተረፈ ብትብዓት ብትሪ ዝተሓወሶ ዘረባ “ኪዱ እስከ ስራሕኩም ገበሩ!” በሎም። 
ኣይጸንሑን ድማ ብጾቱ ኣባላት ኣካያዲት ሽማግለ ኮሚኒቲ ዝኾኑ ኣቶ ሓጂ ኣደምን ኢብራሂም ኖራይን ድሕሪ ምቅዋሞም፣ ሓጂ ከምዚ በሎ “ እንድሕር ሓገዝ ትደሊ ኮይንካ ኣብ ምምራጽን ምቓምን ሽማግለ ህግደፍ ብወግዒ ሕተተና ‘ሞ ሽዑ ብወግዒ ክንምልሰልካ” በሎ።
እምበኣር ብሓፈሽኡ እቲ ቀዳማይ ግንባር ኢሉ ሰምይዎ ዘሎ እዚ ዕሱብ ወዲ ገራህቱ ካብ’ቲ ዕለት እቲ ጀሚሩ ንዕኡን ኮራኩሩን ኣብታ ከተማ ብዝገጥሞም ዘሎ ሓፍ ዘይብል ስዕረታትን ብድሆታትን ኢዩ። ኣብ ዝቕጽል ክፋል ኣገዳሲ ዝኾነ ጉዳያት ብቅደም ተኸተል ከቕርበልኩም ኢየ። ክሳብ ሽዑ ግን ሓጺር ጸብጻብ ናይ ህሉው ኩነታት ኣብ ታሕቲ የቕርበልኩም ኣለኹ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 19/02/2011 ኣኼብኡ ብ“ምሕያል ኤርትራዊ ኮም- ኣኼባ ህዝባዊ መኸተ ኣብ ከተማ ሸፊልድ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መደምደምታ ተሳተፍቲ ዝተሰማምዕሉ ኢሉ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣- www.meadna.com/news2011/shefiel19feb2011/Ambagerahtushefield19feb2011.htm
እቲ ዘገርም ኣብዚ ምስ ትጥውቑ ህዝብን ሃገርን ብሰንኪ ህግደፍ እናተበታተ፣ እናሃለቐን እናባደመን፣ ያኢ ሓላዩ ህዝቢ ከምስል ምሕያልን ምዝርጋሕን ማሕበረ ኮም ተሳማሚዖም ኢሉ ኣብ ጸብጻቡ ምቕራቡ። ካብ በለ ከኣ ብናይ መን ገንዘብን ጻዕርን ዝቖመ፣ ንመን ‘ከ ዘገልግልን መን ዝቆጻጸሮን ማሕበረ ኮም ኮን ሓሲቡ ይኸውን? ምናልባት ናይ ኣብ ገለ ሃገራት ኣዕራብ ዝርከባ ማሕበረ ኮማት ኤርትራውያን ዘኪሩ ከይከውን፣ ኣብኡስ እካ ፓስፖርት ምሕዳስ ከይትኸልእዎም ክብሉ እሺ ኢሎም ይእዘዝኹም ይኾኑ። ነዚ ውጥን ንምትግባር ነቲ ኮሚኒቲ ዳግም ዋንነታ ንህግደፍ ንምምላስ እቲ ዕማም ንወናኒ ሰላም ኢንተርኔት ካፈ ዝኾነ ኸሊፋ ሙሳ ተዋሂቡ ኣሎ። እዚ ሰብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝቕመጥ ዝነበረ በዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ቆልዑን ክንሱ ብሰንኪ ስስዐ ገንዘብ ናይ ምሕዋል ንኤርትራን ገዛ ክገዝእን ከስርሕን ቃል ስለዝተኣተወሉ ብጥቕሙ ተታሊሉ ሕልንኡ ሸይጡ ነቲ ተልእኾ ኣብ ምፍጻም ተታሓሒዝዎ ኣሎ። ከም መበገሲ ኣብ ፍቖዶ ቦታታት እናኸደን ኣብ ዱካኑ ንዝመጹ ዓማዊልን ንዑ ነዚ ኮሚኒቲ ናይ ተቓወምቲ ኮይኑ ስለ ዘሎ ፈርሙለይ ኣብዚ መዝገብ ናይ ዝርዝር ኣስማት ‘ሞ ሽዑ ኣኪብና ክታማት ናይ ሰባት ከነውርዶም እናበለ። ካልእ ‘ውን ብዘይየገድስ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ፍልልይ ብምባል ኣብ ቦታ ስርሑ ኣገልግሎት ክረኽቡን ሻሂ ክሰትዩን ንዝመጹ ፈተወቱ ዝኾኑ ኣቦታቱን ኣሕዋቱን ተቓወምቲ ኢዮም ብምባል ምድፋሮም ጥራይ ከይኣክል ንደገፍቲ ህግደፍ ንምሕጋስ ናይ ቅልነት ብዕልግና ተጻሪፉ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ፣ ኩሉ ድማ ክዒብዎ ። ካብ ዘሕዝን ግን ኸሊፋ ሙሳ ኣባል ተቓወምቲ ውድባት ኢየ፣ ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ዝነበርኩሉ ተወጊአ ሰንኪለ፣ ዘይኮኖ ነይረ ብምባል ድጋፍ ተዋሂብዎ መንበሪ ፍቓድ ወሲዱ ኣብ ሓዳርን ሕዳርን ቆሎዑን ምኽፋት እንዳ ሻሂ (ኢንተርኔት ካፈ) በቒዑ። ካልእስ ይትረፍ “እንታይ ገበርቲ ኢኹም” በሎም ነቶም ኣባላት ሽማግለ ኮሚኒቲ ሓውና ኤርትራዊ ኢዩ ብምባል ክሳብ ናይ እንግሊዝ ዜግነት ንክወስድ ዝምስከርሉን ድጋፍ ዝሃብዎን።
እታ ካልአይቲ ነጥቢ ወዲ ገራህቱ ዝጸቐጠላ ካብ ምሒር ንዕቐቱ ኣብ ልዕሊ እቶም ኮራኩሩ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ተርኢ ኮይና፣ ብስም 8 መጋቢት ኣመሳሚስካ ንደቂ ኣንስትዮ ምሓዝ ኢዩ። ንዕአን እንተሒዝና ደይ እዞም ዓፋፋት ደቂ-ተባዕትዮ ናበይ ከይከዱ ብምባል ንቀዳም 12/03/2011 ኣብ ከተማ ሸፊልድ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክበዓል ኢዩ ‘ሞ በርሀ ጅዳ ደራፋይ ተዳሊዩ ስለ ዘሎ ሃየ ምጹ ደቂ ተባዕትዮ ከማን ኣብኡ ደቂ ኣንስትዮ ኣይትስእኑን ኢኹም ብዘስምዕ ለመና ይጉስጉሱ ኣለዉ። ኣብዚ ዕለት እዚ ወዲ ገራህቱ ገለ ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዮ እንተረኸበ ኢሉ ክመጽእ ምኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ፣ ንምጽብባቕ ተባሂሉ ግን ምእንቲ ሃማደኤ ከቑማ ክሕግዝ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ ይበሃል ኣሎ። መዓስ ደኣ ደቀይ እዚ ዕሱብ ኣቲ ተባሂሉ? ስለዚ ዋላ እቶም ኣንስቶም ኣብ ኣኼባታትን ካልእን ተራእየን ዘይፈልጣ ከም በዓል ንዕማ ሰይቲ ኸሊፋ፣ ንግስቲ ተቐማጢት ዱባይ ነበር፣ ጽጌረዳ (ሰይቲ ኣርካን ወዲ ሸያቦ) ህድኣት ሰይቲ ወዲ ሰለባ በጃኽን ሃማደኤ ማሕበር ከነቕውም ስለ ዝኾንና እሞ ከኣ ኤርትራውያን ኣስላምን ክርስትያንን ምእንቲ ክንቀራረ ተረሓሒቕና ኣለና እናበላ ገዛ ገዛ እናዘራን እናደወላን ዓቢ ዘመተ ይገብራ ኣለዋ። ንእገረ መንገደን ንሰንን ሰብኡተንን ከይተረፈ ነቶም ደቂ ተባዕታዮ ከይተረፍና ንስኹም ‘ውን ዕዱማት ኢኹም፣ መእተዊ ዋጋ £10 ኢዩ እናበሉ። በዚ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ሸፊልድን ከባቢኣን ዋላ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እዚ መጋበርያ ህግደፍ ዝኾኑ ዝብልዎን ዝብልኦን ዘለዋ ናይ ኣስላምን ክርስትያንን ምፍልላይ ይኹን ጽልኢ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ይኹን ሕጂ ኣይነበረን፣ ከም ‘ውን ኣብ ከተማ ሸፊልድ ኣይነበረንን የለን ድማ። ኩሉ እቲ ዝተባህለ ናይ ህግደፍን ኮራኩርን ጽንጽዋይ ጥራይ ኢዩ። ንግዚኡ ምስዚ ጥብቆ ንሓድገኩም ክሳብ ኣብ ካልኣይ ክፋል ንራኸብ።

http://www.meadna.com/news2011/womandayshefield2011.htm



ካብ ግዱስ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ኤርትራዊ ተቐማጢ ከተማ ሸፊልድ