ኣፍሪቃና ኣብ መንበስበስታኣ ቀንደል ዲሞክራስያ እትኹልዓሉ ህሞት በጺሑ ምህላዉን፡ ባናኡኡን ጸርጉን  ከንጸላልወና’ሞ ንሽግና’ውን መሊኡ ንኸቃጽልን እቲ ብርሃንና እውን መሊኡ ክደምቕ እንትስፈወሉ ሃያብ እዋን ብምዃኑ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓና።

ቅንያቱ ቅንያት ዓወት ፈንቅል እውን’ዩሞ፣ እቶም ነዚ ሓቂ’ዚ ዘግሃዱ ጀጋኑና፡ ንዝንተ ዕለት ክብርን፡ ዝኽርን!!!
ኤርትራ! እወ’ዛ ብመስዋእትነት ክቡራት ደቃ፡ እኳደኣ ሂወቶም ምብቃቕ ጥራሕ ከይኣክል፡ ንስቓይን መከራን ንመዋዕሎም ዝተዳረጉ፡ ንዘይሃይማኖቶም ዝሓለዉ፡ ኣብ ቀጽርታት ዘይእምነቶም እንዳተኸላኸሉ ዝተሰውኡ፡ ዝሰንከሉ፡ ዝቖሰሉ፣ ኮታ ደረት ኤርትራና ዝጠምሮ ሃገራዊ ክብሪ ብምጻር: ኣብዘይ ኣውራጃኦምን፡ ዓዶምን፡ ደምብኦምን ንስለ ኹሉ ሃገራዊ ረብሐ: ኣብ’ቲ ዝለዓለ ቀጸላ ንቕሓት ወዲ-ሰብ ኣንቃዕሪሮም ብምሕኳር: ወግሐ-ጸብሐ ብጅግንነትን፡ ጽንዓትን፡ ሓቦን፡ ብምሕዳስ: በጃ ሓፋሾም  ብጅግንነት ዝወደቑ እንዳተዘከረት’ያ ክትነብር። እቲ እቲ ዝተኻዕወ ደምን፡ ዝተሓማሸሸ ኣዕጽምትን ዝደኮና ሃገር እያ’ሞ ክብሪ ንዓኣ። እቲ ነዚ ጸጋ’ዚ ብዕምቆት ዘስተውዕለሉ ወዲ-ሃገር፡ ካብኣ ብምፍጣሩ ጥራሕ ኣብ ደም ዝውሕዝ ፍሉይ ወነ መሊሱሉ ንኻልኦት ከይንዓቐ፡ ብኣወንታ ዝሕበንን። ንምንታይከ ዘይሕበን ኣንታ! ብርግጽ’ውን ኤርትራ ሃገረይ፡ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍላ ፡ረዛን ሃገር እንድያ!
እ’ዚ ውህበት’ዚ ዝመስረታ ሃገር ብምዃና’ውን፡ ዜጋኣ ብኣኣን ንስለኣን ክሓስብን ቃሉ ከንጥቕን እንከሎ፡ ኮኖ’ቲ ዝበልዖን፡ ዝሰትዮን፡ በቲ ንኤርትራውነቱ ዝደኮነ መስዋእቲ ንኤርትራዊ ሰብኣዊ መሰላት ምንባሩ ስለዘይስሕቶ፣ ብቐሊሉ ክዕሾን፡ ብኸንቱ ውዳሰ ክሰክርን ኣይኮነሉን’ዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ክንውክሎ ንኽእል ኢና ዝብሉ’ውን፡ ካበይ ይብቆሉ’ውን ብዘየገድስን፡ ፈትዮሞ ይጽልኡ ደም ክሕለቡ መተካእታ የብሉን። መኽንያቱ መስዋእቲ ኣሕዋትን፡ ኣሓትን፡ ኣያታትን፡ ኣብሻታትን (መዓሮታትን) ኣቦታትን፡ ኣዴታትን፡ ዝተረፉን ንስለ ህዝባዊ ናጽነት ብምንባሩ። እወ! መስዋእቲ ብህሉውካ። ስዉኣትና ንዕላማ ሓፋሽ ብህሉዋቶም’ኮ እዮም ተሰዊኦሙሉ። እቶም ንመስዋእቲ ኣሕዋት ድሕሪ ኣብ ሓመድ-ድበ ገይሮም ዝርድኡን፡ ከረድኡ ዝፍትኑን፡ ሚልዮን ግዜ ጉጉያት እዮም ክኾኑ። ስዉኣትና ጌና ብህሉዋቶም ነዚ ቅዱስ ህዝባዊ ሓርነት ብሓሳብን ብግብርን ንኽስዉኡሉ ዝተበጀዉ ህሉዋት ስዉኣት እዮም ዝነበሩ። እቶም ንሓመድ እዳም ዝበጽሑ ንዝተዓጥቁዎ መስዋእቲ ሕድሪ ሓፋሽ፡ ከየቀጣጠኑን፡ ከይሓዋወሱን ብጻልጣኡን ብኑጉዑን ስለ ዝፈጸሙዎ’ዮም ሓለፋ ዝህሉዎም። ሓለፋ’ወ! ብዋጋ ዘይትመን ሓለፋ! ስለዚ’ውን እዚ ሓቅ’ዚ ሎሚን ጽባሕን ንመስዋእቲ ሓፋሽ ዝተዓጥቀን፡ ዝዕጠቕን ኤርትራዊ ክወርሶም ዝግባእ ክቡር መንነት’ዩ። ካብ’ዚ ተረድኦ’ዚ ክብገስ ዝፍትን ራኢ’ውን ዓቕሙን ዓቕሉን ስለ ዘይስሕት፡ ሓላፍነታውነት ኣኻዕቢቱ ረብሓ ሓፋሻ ዝኣመመት ኤርትራ፡ ለይቲን መዓልትን ምብሃጉ ስለ ዘይተርፍ መስተውዓሊ’ዩ ዝኸውን። ስስዐ፡ ርበጻ፡ ታህዋኽ፡ ቅርሕንቲ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ወገንነት፡ እውራጃውነት፡ ሃይማኖታውነት፡ ዓሌታውነት ይኹኑ ዝተረፉ ኩሎም ላንግ-ላንጋ፡  ብሰላምን፡ ብማዕርነትን፡ ብፍትሕን፡ ሃናጽነትን፡ ተእማንነትን ዓምቢቦም፣ ንፍልልያት ኣዳቒቖም ናብ ጥሙርነትን፡ ሓድነትን ብምስግጋር ምጉዓዝ’ዩ።
ብርግጽ! ንህሉዋት ፍልልያትና ከም ቂሐ-ጽልሚ መከናወኒ ስፈ ኣጋጢሞምን፡ ኣስጢሞምን፡ ሰጢሞምን፣ ንወዮ ዝነኣሰ’ውን ብድምቀት ኣብ መንጎ’ቲ ዓቢ ተሰኹዑ ብዝያዳ ኩኖ’ቲ ዓቢ ጎሊሑን ተኾሊዑን፡ ኣኾሊዑን ንኽህልወሉ ዝኽእሎ መላግቦ ብምጥራይን ብምምዕባልን፡ ውርሻ ኩሉ ህዝብና ንምግባር ዘኽእል ርጡብ መስርሕ ከነጥሪ መተካእታ ዘይብሉ ቅዱስ ዕማም’ዩ።
ኣብ’ዛ ኣብ ባህጊ ሓፋሻ ዝተቓለሰትን፡ ዝተረጋገጸትን ብርኽቲ ሃገር፡ ክህሉ ዝግባኦ መሳርሕን፡ መሳርዕን ምሕደራ፡ ካብ ዓለሙ ዝጸፈፈን ዝበለጸን ክኾውን ነይሩዎ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ምዓስ ምኾነ። ሕጂ እውን እቲ ዝተረፈ ምእንታን ንኽምላእ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንቕያ ዝገበረ ህያብ መስዋእቲ ደጊሙ ሓንሳብን ንሓዋሩን መልሕቑ ክመልስ ይግባኦ’ዩ። መኽንያቱ ኣብኡ ስለ ዘሎ እቲ ከርሲ ጉዳይ ንቐጻሊ ጉዕዞ ውሕስነት ምዕብልቲ ሃገር። ብዘይቃለ-ዓለም፡ እዚ ያኢ ሓላዪ ሓፋሽ ኣመሳሲሉ ንነብሱ ክርኢ ዝፍትን ዘሎ ‘ኣመሓዳዳሪን፡ ምሕደራን’ ሃገር፡ ብኡ-ንብኣኡ መኻልፍ ክቡር መስርሕ ምዕባለ ኮይኑ ምህላዉ ባዕሉ-ንባዕሉ መዓስ ዘይጥርጥሮ ክኸውን’ሉ። ይፍቶዎ ይጽለኣዮ ግን፡ ነዚ ለዋህ ባህጊ ሓፍሽ ዓጋቲ ስለ ዘይብሉ፡ ዝገበረ እንተገበረ፡ ዝተጣበበ’ውን እንተተጣበበ ንኽዓግቶ ፍጹም ዓቕሚ የብሉን። መኽንያቱ ንጉዕዞ መስዋእቲ ክዓግት ዝኽእል ፍጡር ሓይሊ ስለ ዝየልቦ። እቲ ጉዳይ፡ ጉዳይ እዋን ጥራሕ’ዩ።
እሞ እዚ ምንውናው ጥራሕ ዘድልዮን፡ ዘይቅኒ መላኺ ስርዓት ንምልጋስ፡ እዚ ኹሉ ሃልኪ ንምንታይ? ኣብ ምንቲ ምንታይ’ዩ እዚ ኹሉ ለኻዕካዕን፡ በለካን ደገመካን’ውን። እቲ ተእምራት ዝሰርሐ ቃልሲ መስዋእቲ ኣበይ ምስ ከደ’ዩ፡ ያኢ ሓዲሽ ጥበብ ክመሃዝ? እቲ እንፈልጦን ዝመለኽናዮን መን ክወርሶ ምስ ተደልየ ደኣ’ዩ ጎቦ-ጎቦ ዝበሃል ዘሎ?
ተውልደብርሃን ኣብ ጢዖ ከምዘይተቐብረ! ዒማሮ ኣብ ዓዲ-ቖንጺ ከምዘይወደቐ! ለምለም ኣብ ተሰነይ ከምዘይተገተት! ኑርያ ኣብ ማይ ዓይኒ ከምዘይተሰንጠቐት! ዮሱፍ ኣብ ዓረዛ ከምዘይተሰውአ! ባህራይ ኣብ ቃሮራ ከምዘይተደፍአ! ባጽዕ ፡ ከረን፡ ተሰነይ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱ፡ ደቀምሓረ፡ መንደፈራን ዝተረፋ ይዕበያ ይንእሳ ከተማታት ኤርትራና፡ ኣብ ፈቐዳኡ ካብ ዘሎዋ ገጠራትናን፣ ብማዕረኡ’ውን ኣብ ጉቦን፡ ኩርባን፡ ስንጭሮን፡ ጎላጉልን፡ ባሕርን ሃገርና ብሓበን ሓቢረን ዝምስክራኦ  ወገኖም፡ ዓሌቶም፡ ሃይማኖቶም፡ ኣውራጃታቶም ኣበይ ብዘየገድስ፡ ንዝእተዉውዎ መብጽዓ መስዋእቲ ክቀዳደሙሉ ርእየንን ምስኪረንን እንድየን’ሞ፡ ሕጂ ምስክርነት ዕጭን እምንን ኣይክኸውንን’ዩ። ሰብ’ዩ ዋናኡ’ሞ፡ ሕጂ ኣበይ ዘሎ ድሕር ድሕር? ኣሕዋትን፡ ኣሓትን መናእሰይን፡ ዓበይትን! እቲ ክኽፈል ዝግባኦ ዝለዓለ መኽፈልቲ ተወፍዩዶ ኸይኮነ?። እሞ ሕጂስ ቁሩብ ‘ሸጥ-መዓንጣ’ ጥራሕ። ስጠም፡ ተገጥጣጠም ከምዝብሉዎ፡ ስጥምጥም ኢልካስ ካብ ጸሎት ሓደ ረፍዲ’ኳ ዘይምሓለፈ።
ተቓውምና ታሪኽ መስዋእቱ ዘንጊዑ፡ ብሓደ-ኣፊቱ ኣብ ገልጠምጠም ተሸሚሙ፡ ላቐባ ምልኪ ካብ ዝኸውን ኣይሓጸረን። ኤርትራዊ ሓቢሩ ከይምክት፡ ብኣምሳያ እቲ ዝለዓለ መጣመሪኡ ዝጸንሐ ሓድነት ሃገራውነቱ፡ እልፊ ትርከ-ምርኪን ዘይዕረቑን መፋለይታት ኣማዕቢሉ ከም ኣረጊት ማኪና 34 ሕጊግ ክብል ተረማሚሱ እኖሆ። ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ተደዋዊኑ ዝነበረ ዘየድማዒ ምፍልላያት ብሰንኪ’ዚ ተካል ምልኪ ንሕማቕ ገጹ ካብ ዝእንፍት’ውን ኣይሕጸሮን። እቲ ዝገደድ’ውን ኣብዚ ሕሰም’ዚ ዝዕንትሩ፡ ኣብ ምፍልላይ ዝነቕሑ፡ ፍቕሪን፡ ሓድነትን ብማዕረ መለኽቲ ዘንቀጥቅጦም ደለልቲ-ሰብ ንተቕውሞና ጅሆ ሒዞሞ’ሎዉ። ያኢ ንተቓውሞ ክትሕወስ፡ ካብቲ  ኤርትራዊ መንነት ንታሕቲ ዘሎዉ ምፍልላያትና መዓቀን ብቕዓት ተቓውምነትና ኮይኖምሲ ስድራ-ቤትካ፡ ማይ-ቤትካ፡ ገዛኻ፡ ዓዲኻ፡ ወረዳኻ፡ ኣውራጃኻ፡ ዓለትካ፡ ወገንካ፡ ቋንቋኻ፡  ውድብካ መዓቀን መሰል ወይ ፍቓድ ንተቓውምነት ውልቀ-መላኺ ኮይኖም ክቐርቡ ዝገርም’ዩ? የፍርሕ’ውን።   12 ዓመታት ዝበልዐ ምጥማራት፡ ዕላማኡ ንውልቀ-መላኺ ካብ ስልጣን ንምእላይን ህዝባዊ ስልጣን ንምርግጋጽ ምኻኑ ተዘኒጊዑን ተዓሚጹን፡ ኣብ ተቓወምቲ ኣባላት ዝህልዎም ስጋዊ ዝምድና ምስ ውልቀ-መላኺ ኣብ ምጽራይ ተነቚቱ’ሎ። ብዛዕባ ፍትሓዊትን ዲምክራስያዊትን ሃገር ምህናጽ ኣቓልቦ ጎዲሉዎ፡ ዕግሽግሽ ክበሃል ዓመታት በሊዑ እኖሆ! እንታይ ተገበረ እንተተባህለ ጽልኢ ደኣ።
ነዚ ሓንቲ ክገብር ዝይከኣለ ምሕዝነት’ዚ፡ ብስም ምሕዝነት ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ስምብራት ዘይዝንጋዕ እንተኾነ፡ ንኹሉ ዝስዕብ ምሕዝነታት ከበላሽወልና’ዩ ብምባል ዝስከፉ ኣሕዋትን፡ ኣሓትን ከምዘሎዉ እንተዘይተዘንግዐ፡ ካብ ዘይሓዊ ቁስሊ ሒዝካ ምንባር እታ ቑስሊ ሙቕራጻ ስለ ዘድሕን ከም ምርጫ ይውሰድ’ዩ። እዚ’ዩ እውን እቲ ቅኑዕ ምርጫ። ግን እዚ መዓስ ጥራሕ፡ እቶም እዚ’ዩ ኣቲ ዝበለጸ መላ ንሃገራዊ ሓድነታዊ ቃልስና ክብሉ ዝጸንሑን ነዚ ኩሉ ዓመታት ሕጊግ ዘበሉናን ኣሕዋት ሕጂ’ውን ዝተጸበናዮ ኣይወሓደን’ሞ ሃየ መተካኣታታኹም ንምርኣይ ገና ከም ዝሓለፈ ብጽሞና ንጽበ። “ኢድካ’ሞ ኣብ ውሽጢ ቐላይ ምለሶ፡ ወይ ዓሳ ተውጽእ ኣንተስኣንካ’ንከ  ተሓጺብካ ትወጽእ።”  ዝብል ምስላ ኣቦታት ክንደየናይ ኣብዚ ከይሰርሕ። ገዚፍ ዕሳ ኣብቲ ቀላይ ኣንተጸኒሑ’ውን ኢድካ ክጎንየካ ይኽእል ስለዝኾነ። ኢድና ተጎኒና’ኳ ንገሊኦም ኮቦሮ ከየውቅዖም፡ ገለ ኣጻብዕትስ ንስለ እዚ ሕልኩስ ሓድነታት ተቖማሚጡ’ዩ።
ምሕዝነት ሃገራውያንንን ዲሞክራስያውያውን፡ ንስለ’ቶም ብወገኖም፡ ዓለቶም፡ ቋንቋኦም ክንሕለቕ ኢና ዝብሉ ንምድዕዓስን ንምቕሳንን ብዘይምሕላል ዘካይዱዎ ጥምጥም ኣሎ። መኽንያቱ ንእቲ መሰረት ሰብኣውነት ዝኮነ መሰል-ደቂ ሰባት፡ ብኻብኡ ዝንእስ ሓደ/ሓንቲ ውልቀ-ሰብ ስለ ዝቐውም። እዚ ቃልሲ’ዚ እውን ንጽባሕን ድሕሪ-ጽባሕን ዝግደፍ ኣይኮነን፡ ቃልሲ ሎሚ’ዩ። እቶም ነዚ ራኢ’ዚ ዝሕለቑ ሓይልታት፡ ወገናት፡  ማሕበራት፡ ሲቪካውያን ጉጅለታት መጥማራቶም ከሕይሉ ካብ ዝሓለፈ ግዝያት ብዝያዳ ሕጂ ይጥለቡ። እዚ ንኽገብር እንተዘይተኻኣኢሉ ግን፡ ጉዳይ ሰብ ጓል-ነገር ኮይኑ፡ ከም’ቲ ዝቐደመ ሕምብሊል ከብል ክጸንሕ’ዩ። ግርም ቀለብ ንውልቀ-ምልኪ።

ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

ሃይለ፡ ወልዱ።
ሎንዶን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...