እዛ ሓሙሸይቲ ክፋል ናብ መርበብ ኢንተርነት ክሳብ ዝሰደላ ዝነበርኩ ሰዓት፣ ካብ ሙሉእ ዓለም እንኮላይ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብዙሕ ናይ መተባብዒ ጽሑፋት ተቐቢለ። ገለ ዜጋታት ንዘቕረቡለይ መኣረምታን ሃናጺ ርእይቶታትን ድማ ብልቢ የመስግኖም። ኣብዚ ተኸታታሊ ጽሑፈይ፣ ቀንዲ ዒላማ  ናይዚ ታሪኽ፣ ናብዚ ን40 ዓመታት ጀጋኑ ዜጋታት ኤርትራ እናቐንጸለን፤ ምሁራትና እናኣጽነተን ዝመጸ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘተኮረ ኪኸውን ኢዩ። ልክዕ’ዩ እዚ ጽሑፍ ይነውሕ ከም ዘሎ ኣይሰሓትኩዎን፤ ግን ክቡራት ኣሕዋት በብዓቕምና ንክንጽመም ሓደራ እብል።

ሎሚ ብዛዕባ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሩ ምጽሓፍ ንቤተ መዘክር ጥራይ ኢዩ ዝጠቅም። ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሩ ንጉስ ሃይለስለሰ፣ መንግስቱ ሃይለማርያም፣ ኢሰፓ ወ.ዘ.ተ… ኢልና ‘ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ’ ዝዓይነቱ ጽሑፍ ምቕራብ ግዜኡ ኣይኮነን። ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ንምምካት ዕጥቁ ዓጢቑ ‘ኣለኹ’ ዝበለሉ ዘመነ-60ታት፣ ብመራሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ /ጀብሃ/ ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ጌጋታት ሎሚ ምልዓሎም፣ ኣይሰዓቱን። ኣብዚ ሰንሰለታዊ ጉዕዞ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ገበን ዝፈጸሙ ሰባት፤ ኣብ ግዜ ህዝባዊ መንግስቲ ንህዝቢን ቤት ፍርዲን ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ።

ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ጀብሃ ምፍላዩ፣ ኣብ ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብርቂ ስጉምቲ ምንባሩ ዚከሓድ ኣይኮነን። ግን ጉሒላ ኢሳይያስ ከምዚ ሎሚ ንባህጊ ህዝቢ ኤርትራ መንጢሉ ፈሊሉሉ ዘሎ ግዜ፣ ከይተረዳኣና ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ስለ ገዛእ ረብሕኡ ክብል ናይ ስነ-ኣእምሮ ምሩኻት ገይሩና ጸኒሑ ኢዩ። ስለዚ ቀንዲ ኣተኩሮ ናብ ኢሳይያስ ክጽሕፍ እንከለኹ፤ ንሱ ትማሊን ሎሚን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝነበረን ዘሎን ኢዩ። ኣብቲ ኢሳይያስ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ገበናት እናፈጸመ ዝጓዓዘሉ ዝነበረ ዓመታት ድማ፣ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር፣ ሎሚ’ውን ኣብ ስርዓት ህግደፍ ምስኡ ብማዕረ ዝሕተቱ ሰባት ኣለዉ። ግን ሎሚ ብዛዕብኦም ሚኒስተር እገለ፣ ጀነራል እገለ… ገበነኛታት ኢዮም ምባል፤ ናብ ክትወጽኣሉ ዘይትኽእል ሓሸውየ ምድቕዳቕ ስለዘኸትል ዒላማና ናብዚ ቀንዲ ጸላኢ ምንጽጻር ኣዝዩ ይምረጽ።

ንሕና ነቶም ገበነኛታት ንፈልጦም ኢና፤ ንሳቶም’ውን ገበነኛታት ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም። ተቓወምቲ ኢና…መራሕቲ ሰልፊ /ውድብ/ ኢና ዝብሉ፣ ኣብቲ ናይ ቃጻ ቅንጸላ ዝነበረሉ ግዜ ኣእዳዎም ብደም ዝተለኽዩ ሰባት’ውን ኣብ ደገ ምሳና ኣለዉ። ኣብ ዓዓመት ተጋማጠሊ መርገጺ እናቐያየሩ ሕብርታቶም ዘይልለ ይመስሎም ይኸውን። ግን ዕላመት ከም ዘለዎ ጥሪት ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ የለልዮም ኢዩ። ገለ ሰባት ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ መኣዝኑ ጠፊኡዎ ዘሎ ግዜ፤ ኣንጻር ኩሉ፦
  • ኣንጻር ህግደፍ  /ኢሳይያስ/
  • ኣንጻር ኢትዮጵያ /ወያነ/
  • ኣንጻር ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ
  • ኣንጻር ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ
  • ኣንጻር እገዳ …

ኮይኖም ክረኣዩ ከኣ ናይ ታሪኽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኢዩ። ኣንጻር ኢሳይያስ ይዛረቡ፣ ግን ነቲ ሰባት ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ይደግሙ። ኣንጻር ህግደፍ ይጽሕፉ፣ ግን ነቲ ብዙሓት ዜጋታት ዝጸሓፍዎ ጥራይ ይደጋግሙ።

ሓቂ’ዩ! ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብደም ሰባት ጎጽጒጹ ዝኣተወ ኣሰለት ወይ ኣራዊት ኢዩ። ‘ውሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጎስሞ’ ከም ዝበሃል ከኣ፣ ጸሓይ ኤርትራ ምስ በረቐት’ውን ደም ካብ ምጉሳዕ ኣየዕረፈን። ተሓቢኡ ዝገብሮም ኣነወርቲ ተግባራት ኣለዉዎ። ግን ንግዚኡ ነቲ ሰባት ክኣምንዎ ዝኽእሉ ጉዳያት ጥራይ ምትንታን ይሓይሽ። ሎሚ ኣይሽንኳይዶ ንኢሳይያስ  ወኪሉ ‘እዚ ጸለመ’ዩ! ፈጺሙ ኣይወዓሎን’ ኢሉ ክማጎት፤ ኢሳይያስ ባዕሉ’ውን ነዚ ዝቐርበሉ ዘሎ ጭብጢ ንገበናቱ ክከላኸለሉ ኣይክእልን ኢዩ። ኩሉ ዝገበሮን ዝወዓሎን ስለዝኾነ፣ ኣጸቢቑ ይኣምነሉ ኢዩ። ገበነኛ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ኢዩ ከኣ፣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ናብ ሸለው ዝበለ ገደል ገጹ ጥራይ ንክጓዓዝ ዝመረጸ። ስንጭሮታት ሳሕል /ብሌቓት፣ ፋሕ፣ ቀብር-ውእት/  ሓደ መዓልቲ ኣፍ ክኸፍታ ኢየን። ኢሳይያስን ናይዝጊ ክፍሉን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ኣገባብ ኣቀታትላ ንምግላጹ’ውን ኣዝዩ ኣሰቃቒ ኢዩ። ከም ብዕራይ ብሓጺን /ሌባ ጎማ/ ናብ ኣራእሶም እናጨፍጨፉ ዝቐተልዎም ዜጋታት’ኳ ነይሮም ኢዮም። ናይዝጊ ክፍሉ ነዚ ጽሑፍ ኣብ ዘንብበሉ ግዜ፣ እታ ኣብ መንጎ ብሌቓትን ፋሕን ዝነበረት ስንጭሮ ሓለዋ ሰውራ ትርኣዮ ትኸውን። በቲ ዝገበሩዎ ኣቀታትላ ዝተጸለሉ ተጋደልቲ’ውን ነይሮም ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ምምስራት ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ዋርድያ እሱራት ዝነበረ ኪዳነ ኢሳቕ ዝተባህለ፣ ትውልዲ ዓዱ ኳዜን ተጸሊሉ ደሓር’ውን ተሰዊኡ ኢዩ። ተኽለ ዝተባህለ ተጋዳላይ’ውን ተጸሊሉ። ኣብ ሕክምና ሰበርቀጠ ዝነበሩ ውጉኣት፣ ንተኽለ ዘይፈልጥ የለን።

መዛግብቲ ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ከኣ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ መዓልቲ ከም ቁርኣንን መጽሓፍ ቅዱስን ደጋጊሙ ከንብቦ ኢዩ። ከምቲ ናይዝጊ ዝበሎ ነቲ ሽዑ ዝጽለል ኤርትራዊ ግን ካብ ሎሚ ፈውሲ ጽላሊ ኣናዲናሉ ክንጸንሕ፣ ወይ እንዳ ጽሉላት ብኣግኡ ኣግፊሕናዮ ክንጸንሕ ተነጊሩና ኣሎ።

ናይዝጊ ሚኒስተር ሚ/ሪ ዜና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ንሓለፍቲ እቲ ሚኒስትሪ ኣኼባ ገይሩሎም ነበረ። “…ንዓና ንህዝባዊ ግንባር እቲ ቀንዲ ዘዐወተና ምዕቃብ ምስጢር ምዃኑ ክትፈልጡ ኣለኩም። ምስጢር ናይዚ ሚኒስትሪ ብጥብቂ ዓቅብዎ። ኣነን ኢሳይያስን እንፈልጦ ናይ ሜዳ ምስጢር ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝንገሮ፣ ዎላሂ! ብሙሉኡ እዚ ህዝቢ ምተጸለለ” ኢሉ ብዛዕባ እቲ ንሱን ሓለቕኡን ዝፈልጥዎ ምስጢር ኣተንብሀ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ከም ሓውሲ ምክትል ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ከኣ ነታ ናይዝጊ ዝበላ ዘረባ ተሰኪሙ ናብ ኢሳይያስ!። እቲ ቅቡር ምስጢራት ሎሚ ክልቲኦም ጥራይ ዝፈልጥዎ፣ ናይዝጊ ፋሉል ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣልኮል ምስ ሰተየ ክድርጉሖ ስለዝኽእል ድማ፣ ኢሳይያስ ጸዊዑ ኣዘራረቦን ኣጠንቀቖን።
እቲ ካብ ምስላፉ ኣትሒዙ ናይ ኢሳይያስ እሙን ዝኾነን ፋሉላዊ ኣከያይዳ ምኻድ ቃሕ ዝብሎን ናይዝጊ ከኣ፣ ዓሊ ዓብዱ ከም ዝሓሰወሉ ተረድአ። ናብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ድማ፦ “… ካብዛ ሰዓት እዚኣ ብናተይ ሓላፍነት ኣደስኪለካ ኣለኹ። ኣነ ናይዝጊ ክፍሉ ንሰብኡት ብኾፎም ከም ዝሸኑ ዝገብር ናይ ሰብኣይ ሰብኡት እየ።… ሕጂ ኪድ ናብ ኣያኻ! ኣደስኪሉኒ ኢልካ ጥራዕ” በሎ። በቲ ጉዳይ ዝተሻቐለ ኢሳይያስ ድማ ነቲ ከም ፍቱው ከልቢ መልሚሉን ጸባ እናኣስተየን ዘዕበዮ ዓሊ ዓብዱ ሚኒስተር ዜና፣ ነቲ ኣብ ፈቐዶ ባራት ምስጢራት ሓለዋ ሰውራ ከይብትነሉ ዘስግኦ ናይዝጊ ክፍሉ ድማ ቅድም ኣብ ቤ/ጽ ፕረዚደንት ተኸታታሊ ዞባዊ ምምሕዳራት ደሓር ድማ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሰደዶ።

ናይዝጊ ምስ ኢሳይያስ በዓል ዓቢ ማሕላ ኢዩ። ቀንዲ የማናይ ኢዱ ስለዝነበረ ከኣ፣ ካብ ግዜ ቃልሲ ክሳብ ናጽነት ቃሕ ከም ዝበሎ ንሰባት እናጸረፈ ክመጽእ ጸኒሑ። ክሳብ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ግናይ ኮረሻ ኢሳይያስ ደርብዩ ናይ ገዛእ ርእሱ ዘውዲ ዝደፍእ ድማ፣ ናይዝጊ ክፍሉ ብሂወት ይጽናሓልና ኢልና በብእምነትና ንጸልየሉ። እቲ ምንታይ ተንቀሳቓሲ ቤተ-መዘክርና ስለዝኾነ። ሎሚ ግን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ክጻረፍ ኣይክእልን ኢዩ። ኣስመራ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ እታ ግናይ መልሓሱ ሰበብ ኣምጺኣትሉ ነይራ ኢያ። ቅድም ንክልተ መኮንናት ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት /ኮሎኔል ወልደጋብር ወዲ ሮማን ኮ/ል ጸጉን/ኣብ ባር ምስ ጸረፎም ኣውዲቖም ጸፋፊዖሞ ኢዮም። እቲ ግዜ ኣይቀደዎን፤ ቀጺሉ ድማ ኢሳይያስ ብሰንኪ ዝጸረፎ፣ ኣብ ኤክስፖ ክሳብ ብፍልይቲ ነፋሪት ናብታ ቅድም ዝተማህረላ ሩስያ ንሕክምና ዝለኣኽ ረጋጊጽዎ ነይሩ ኢዩ።

ኣብ 1977 ኣብቲ ኢሳይያስ ኣብ ሰሰሙን ንናእዳ ስሙ ክብል ኣብ ፋሕ /ሳሕል/ ዝገብሮ ዝነበረ ሰሚናር፣ ንጉዳይ እታ ሰለሞን ወልደማርያም ኣንጻር ኢሳይያስ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ ምስ ወደአ፣ ካብ ብዙሓት ተጋደልቲ ነቐፌታ ናብ ናይዝጊ ዘነበ። ኢሳይያስ ከኣ፣ ከምቲ ንሓጎስ ክሻ ብዝምልከት ናይ ህዝቢ ስምዕታ ምስ ቀረበሉ፣ ኣብ ዋሺንግቶን ዝበሎ ናይ ሽሕጣን ቃል፤ ካብኡ ብዘይፍለ ናይ ናይዝጊ ከኣ፤ “እዚ ናብ ናይዝጊ ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታ ንጉስ እንተርኣኹ ጥራዕ-ጥራዕ ይመጽኣኒ ዝዓይነቱ ኢዩ። … ደሓን ግን ባዕለይ ከረድኦ እየ” ክብል መለሰ። መጽሓፍ ሰለሙን ሽዑ ኣብቲ ባዕሉ ዝነበሮ ክፍሊ ዜና ኢያ ተሓቲማ። ኣብ ፋሕ ገለ ጽሑፋት ተዘርጊሑ’ኳ እተነበረ፣ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ቀልጢፋ ተኣከበት። ስማ እዝክራ እየ፣ ብዘይካ ምስ ኢሳይያስ ድማ ምስ ማንም ሰብ ክትህሉ ኣይትኽእልን ኢያ ትብል። እቲ ከም ዮሴፍ ስታሊን፣ ንምሁራት ዝቕንጽል ኢሳይያስ፣ ካብ ግዜ ምፍላዩ ክሳብ ሎሚ ዝገበሮ በደል መምዘኒ የብሉን። ብዛይካ ንሱ ዝብላ ካልእ ዝበላ ዘይቅበል፣ ብዘይካ እታ ንሱ ዝኣምና ናይ ካልኦት እምነት ናብ ጎዱፍ ዝድርቢ  ፈሊጠ-ኩሉ፤ ብዘይካ ንሱ ዝቆጻጸራ ኣፈ-ሙዝ ካብኡ ርሒቓ ንእትህሉ ጠበንጃ ከም መልኣከ-ሞት ዝፈርሓ ኢሳይያስ’ምበኣር፣ በታ ንሱ ዝፈርሓን ዘይተደቅሶን ጉዳይ ክንመጾ መድረኽ ይሓተና ኣሎ።

ነዚ ካብ 2001 ክሳብ ሎሚ ኣንጻሩ ኪካየድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከኣ፣ ከም ተኸታታሊ /መሰልሰላ/ ሕብራዊ  ፊልም ክዕዘቦ ጸኒሑ ኣሎ። እቲ ምንታይ ኣብዚ ዚካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ትያትሮ ባዕሉ ኣላይ መድረኽ ስለዝኾነ። መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ’ምበኣር ንብላሽ  ከይከውን፤ ንኢሳይያስ በታ ፈጺሙ ዘይፈትዋ ኣገባብ ቃልሲ ንክንመጾ ይሕረ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዝበልክዎ፣ ‘ጎነጽ’ ዘይፍቶ ቃል ኢዩ። ከምቲ ኢሳይያስ ንጉዳይ ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ፤ “…ናጽነትና ብወርቂ ፒያቲ ገይሩ ዘቐበለና’ኳ ኣይነበረን” ዝበሎ፣ ሕጂ’ውን ሰላም፣ ፍትሒን ደሞክራሲን ካብ ምንጋጋ ኢሳይያስ ብልማኖ ክንረክብ ኣይከኣልን። ሎሚ ንዓና ንኤርትራውያን ኣብ ቅድሜና ክልተ ምርጫታት ተገቲረን ኣለዋ፦

  1. ንኢሳይያስ ኣገባብና ኣመሓይሽና /ቀይርና/ ካብ እንግድዓ ህዝቢ ኤርትራ ምእላይ፤
  2. ትም ክሳብ ኤርትራውያን ፈጺሞም ዝጸንቱን ሃገር ነበረት'ያ ነበረት ክሳብ እትኸውንን።

ኣብ ‘ጎነጽ’ ካልእ ኣሰካፊ ጉዳይ’ውን ኣሎ። ኩሉ ግዜ ብጎነጽ /ብወተሃደራዊ መንገዲ/ ስልጣን ዝሕዝ ሓይሊ ናብ ምልኪ ኢዩ ዝመጣጠር። ብኻልእ ወገን’ውን ኢሳይያስ ዝገበሮን ገና’ውን ዝገብሮ ዘሎን ገበን፤ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ወተሃደር ምቕያሩ ኢዩ። እዚ ድማ ሓደ ካብቲ ኤርትራውያን ንምጥፋእ ዝመሃዞ ውዲት ኢዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ካብ ወዲ 18-60 ዓመት ታዕሊም ዘይወሰደን ጠበንጃ ዘይለጉምን ሰብ የለን። ብድሕሪ ምውዳቕ ኢሳይያስ እምበኣር፤ እቲ ናይ ለውጢ ኣባ-ጓይላ ሕድሪ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዝስከም ክኸውን ይግባእ። ሎሚ ንህሉው ኩነታት ሃገርና ኣብ እንግምግመሉ ሰዓት፣ ኢሳይያስን ስርዓቱን ኣብቂዖም ኢዮም። እቲ ብቺሮቶ ዝተለቓቐበ ኣገባብ ኣከያይድኡ ዘይፈልጥ መንግስቲ ድማ፣ ንውድቀት ሓደ ጎደል ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሃዋሲ ኩነታት ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኢሳይያስ ፈሊኻ ምቅላዕ ኢዩ ዝምረጽ። ናይ ምቕታል ፈተነ ዘይተገብረሉ ኣይኮነን፣ ሕጂ’ውን ነቶም ልጓም ብረቶም ፈቲሖም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝጽበዩ ዘለዉ ፈደይቲ ሕነ፤ ኣብ ስግሮም ኮይንና መሳርዕና ትዋሕዋሕ ክብል ነርእዮም።

ይብዛሕ ይውሓድ! ብንጹር ዕላማ ዝምራሕ፤ ሓድነቱ ዘማእከለን ናብ ፍጹም ዓወቱ ንምብጻሕ ዘይክማህ ድሌት ዘለዎን ሰራዊት ኣብ ፊት ኢሳይያስ ኣብ ዝዓጥቀሉ ግዜ፤ ብርግጽ ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ክሃድም ኢዩ። ሎሚ ኤርትራ ከመይ ገይራ ኢያ ትውዕልን ትሓድርን ዘላ እንድዒ! ስርዓተ-ኣልቦነት ነጊሱ፣ ፋሉልነት መለለዪ ህግደፍ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ዋጋ ሓንቲ እኽሊን ሓንቲ ናቕፋን ማዕረ ኮይነናሉ ኣብ ዘለዋ ሰዓት፤ እንታይ ኢና ንጽበ ዘለና? ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ንዝፍጠር ሃጓፍ ኢዩ ከኣ ዕጡቕ ሓይሊ ዝድለ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ሰለስተ ግዜ /ጋሽ-ባርካ፣ መንገዲ ባጽዕ፣ ጥንቁሉሓስ/ ንኢሳይያስ ውልቀ-ቅንጸላ ተፈቲኑስ ኣይተዓወተን። ሕጂ’ውን ናይ ምድግጋም ተኽእሎታት ኣብ ቦትኡ ኣሎ።

ኣብዚ ዓለም ተጸዋዊራን ተኸኣኢላን ትጓዓዘሉ ዘላ ዘመነ-ግሎባልነት፣ ኢሳይያስ ብዘይካ ናተይ ሓሳብ ናታትኩም ቁልቁል ኣፉ ይደፋእ ዝብለሉ ዘሎ ግዜ፣ እንታይ ክንገብር ኢዩ ምርጫና? ተሓቢኡ ኣብ ግዜ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ዝፈጸሞ ገበን፣ ብጋህዲ ኣብ ቅድሚ ዓለም ድማ ኣብ ሚለንየም ዝደገሞ መዘና-ኣልቦ ጥፍኣት ሃገር መምሃሪ ይኹነና። እዚ ብናይ ክፍኣት ግብሪ ምህንድስና ዝተመረቐ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ምበኣር፣ ዘፍሰሶ ንጹህ ደም ይኣክል ንበል።

ስለዚ ኢሳይያስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ በዓል ገዚፍ ናይ ደም ዕዳ ኢዩ። ሎሚ ኣተሓሳስባና ከነስተኻኽለሉ ዝግባኣና፤ ምስ ኢሳይያስ ከኣ ብዛዕባ ጉዳይና ክንጸባጸበሉ ዝግባኣና ግዜ ኢዩ። ንኢሳይያስ ኣብ ክንዲ ጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኢልና እንኣምን፣ ጸላኢ ሓደ ኣውራጃ ጥራይ፤ ኣብ ክንዲ ጸረ-ሃይማኖት ህዝብና ምዃኑ ንፈልጥ፣ ጸላኢ ሓደ ሃይማኖት ጥራይ፤ ኣብ ክንዲ ጸላኢ ኩሉ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ምዃኑ እንርዳእ፣ ጸላኢ ሓደ ውድብ ጥራይ፤ ኣምሲልና ንርኢ እንተደኣ ሃሊና ናብቲ እንምነዮ ለውጢ ንምብጻሕ ናብ ቀዳድ ገረወይና ማይ ምምላእ ይሓይሽ።

ደም ዜጋታት ኤርትራ ምፍሳስ ንኢሳይያስ ክፍቀደሉ፣ ንዓና ግን ደም ኢሳይያስ ንከይነፍስስ ዝዓግተና ሕጊን ዓንቀጻትን ባዕልና ፈጢርና። ደምና ደም ኤርትራውያን ደመ-ከልቢ፣ ደም ኢሳይያስ ከኣ ደም ኣንበሳ፤ መን ገበሮ? ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ጠንቂን ኣበጋግሳን ውግእ ሓድሕድ ንምትንታን መድረኽ ዘየፍቅድ’ኳ እንተኾነ፤ ነቲ ኣብ 1975-77 ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ዝነበረ ሰናይ ዝምድና መን’ዩ ንድሕሪት ከም ዝኸይድ ዝገበረ? ኢሳይያስን ሕሩይ ተድላ ባይሩን ኣብ ከባቢ ኣስመራ ተራኺቦም ክዛተዩ ከለዉ፤ ተጋደልቲ ክልቲኡ ውድባት ከኣ ኣብ ዑና-ናላይ፣ ሽማንጉስ፣ ገረሚ ወ.ዘ.ተ ብሓባር ጓይላ ክጻወቱ እንከለዉ ይዝከረና ይኸውን።

እናበተኽና ንኺድ…ድሕሪ ፍጻሜ ኲናት ሓድ-ሕድ 1981፣ ነቶም ዝተቐበሎም ተጋደልቲ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ- ማእከላይ መሪሕነት ‘ሳግም’ ናብቲ ብወርሒ መጋቢት 1987 ዝተገብረ ካልኣይን ሓድነታዊን ውድባዊ ጉባአ ንክኣትዉ ድሌት ኣይነበሮን። ግን ኣብቲ ብወርሒ ሰነ 1985 ዓ.ም. ዝነበረ ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፣ ካብ ብዙሓት ኣባላት ፖ/ቤ/ጽ፤ ብፍላይ ካብ ኢብራሂም ዓፋ ተሪር ተቓውሞ ስለዝረኸበ ጥራይ ኢዩ ንከፍቅድ ዝተገደደ። ካብ ምጽንባሮም ክሳብ ሎሚ ከኣ ልዋም ለይቲ ዝሓደረ ሰብ የብሎምን። መራሕቶም በዓል ኢብራሂም ቶቲል፣ ኣብርሃለይ ክፍለ፣ ዘምህረት ዮሃንስ ወ.ዘ.ተ. ገሊኦም ድስኩላት ገሊኦም’ውን ፍርቀ-ፍርቂ ድስኩላት ኮይኖም ይርከቡ።

እቲ ናብ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንክጽንበር እማመ ኣቕሪቡ መልሲ ዘይተዋህቦ፣ ኣብ ከባቢ ተከዘ /ዒላ ተስፋን ማይ ሽግሊን/ ምስ ሰራዊቱ ተፈንጩሉ ዝነበረ ተስፋምህረት ድማ ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ ተወስደሉ። ቅድሚ ውግእ ምኽፋት ከኣ ተስፋምህረት ንምቕታል ኢሳይያስ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ፣ ኣብ ማይ ሽግሊ ፈንጂ ተቐብረሉ። ፈንጂ ተተኲሱ፣ ተስፋምህረት ግን ደሓነ። ከም ዘይሞተ ከኣ በቲ ኣብ ጎቦ ቡቢ ዝነበረ መደበር ረድዮ ህዝባዊ ግንባር፣ መልእኽቲ ናብ ኢሳይያስ ተመሓላለፈ።

ወላ’ኳ ብዙሓት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ‘ካብዚ ፈንጂ እንዳ ዓብደላ እንቋዕ ብደሓን ወጻእካ’ እንተበሉዎ፣ እቲ ፈንጂ ብኣባላት ክፍሊ ሃንደሳ ህ.ግንባር ከም ዝተጻወደስ ኣይሰሓቶን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣንጻር ኢሳይያስ ሕነ ክፈዲ ዘይክእለሉ ዝነበረ ርሕቀት ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ኢሳይያስ ናብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ /ሽላሎ/ ክንቀሳቐስ ኢዩ ዝብል ዝተፈብረከ ሓበሬታ ኣብ ዝሰምዓሉ ግዜ ከኣ ተስፋምህረት፤ ሕነ ንምፍዳይ ፈንጂ ቀበረ። ኣጋጣሚ እታ ዝተቐብረት ፈንጂ ግን ንበዓል መዓልቲ ወሰደት። ምሕረትኣብ ስብሃትለኣብ ንዝተባህለ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግንባርን ኣቦ መንበር ማሕበር ሓረስቶ ዝነበረን ድማ ሃረመቶ። ንሱ ብከቢድ ምስ ተሃርመ፣ ብሂወቱ ክሳብ ከሰላ በጺሑ’ኳ እንተነበረ፣ ኣብ ከሰላ ዓሪፉ።

ተስፋምህረት ዝቐበራ ፈንጂ ንስብሃትለኣብ ከም ዝቐተለት ምስ ሰምዐ ኣብቲ ብክፍሊ ስለያን ጸጥታን /72/ ዝተጠልፈ ናይ ረድዮ መልእኽቱ ከምዚ ክብል ሓዘኑ ገለጸ፦ “ …ኣይይይ መስኪናይ ስብሃትለኣብ! ንዕኡ’ዶ ረኺባቶ! ኣነስ ኢሳይያስ ናብ ድሕሪ መስመር ክመጽእ ኢዩ ዝብል ሓበሬታ ስለዝሰማዕኩ እየ ቀቢረያ። ኣይይይ! ኣብ ክንድኡስ ወላ ንወዲ ማና’ኳ ክትወስድ ነይሩዋ።’’

እቲ ኩሉ ናይ ፈንጅታት ድራማ ናብ ኢሳይያስ ምስ በጽሐ ድማ፣ ሓደ ካልእ ስጉምቲ ንምውሳድ ተጓየየ። ምኽንያቱ ብዛዕብኡ ንዝምልከት መርድእ ካብ ተስፋምህረት ስለዝሰምዐ ደቂሱ ክሓድር ዘይከውን ኢዩ። ብድሕሪ’ቲ ጉዳይ ፈንጂታት ሓደ ኢሳይያስ ዝመሃዞ ነገር፣ ቅልጡፍ ቅንጸላ ንተስፋምህረትን ሰራዊቱን ነበረ። ኣብ ግዜ ውግእ መን ይፈልጥ ተስፋምህረት እንተኣምለጠ’ኸ? ንዝብል እንተታት… ድማ ሓደ ተኪአ /ሽፍታ/ ዝተባህለ ኣባል ክፍሊ ስለያ ህ.ግንባር ናብ ተስፋምህረት ኢዱ ከም ዝህብ ተገብረ። ኣብ ወተሃደራዊ ረድዮ ‘ነብሪ’ ዝብል ኮድ ዝተዋህቦ ተኪአ ሽፍታ ከም ቀንዲ ተሓጋጋዚ ተስፋምህረት ኮይኑ ክሰርሕ ጀመረ።

ተኪአ ሽፍታ ናብ ተስፋምህረት ኢዱ ሂቡ ብምባል ኩሉ ተጋዳላይ ፈንፈኖ። ብዛዕባ ተልእኾ ተኪአ ከኣ ብዘይካ ኢሳይያስን ጴጥሮስ ሰለሞንን ካልእ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ኣንጻር ውድብ ተስፋምህረት መጥቃዕቲ ንክምክያድ ሓላፍነት ዝተዋህቦ መራሕ ቦጦሎኒ ክፍሊ ሃንደሳ ድማ ብርሃነ /በሊሕ/ ዝተባህለ ነበረ። “ከምዚ ዓይነት ቅልጡፍ መልእኽቲ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ኣብ ረርብዒ ሰዓት ቀልጥፉ…ቀልጥፉ! ተስፋምህረት ከየምልጠኩም ተጠንቀቑ! ዝኾነ ዋጋ ክፈሉ… እናበለ ሳንቡእና ክሳብ ዝትኮስ ኣዘባዚቡና። ኢሳይያስ ካብ ተስፋምህረት እንታይ ዓይነት ስግኣት ከም ዝነበሮ ክርዳኣኒ ኣይከኣለን” ኢሉ ብርሃነ በሊሕ ኣዕሊሉኒ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ዞባ ምዕራብ /ከባቢ ሽላሎ/ ሓላፊ ዝነበረ ኣባል ፖ/ቤ/ጽ ነበር ብርሃነ ገረዝግሄር ናይ ሓለፍቲ ሰልፊ ኣኼባ ገይሩልና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፤ ብዛዕባ ኣንጻር ዝኾነ ውድብ ብረታዊ ስጉምቲ ምውሳድ፣ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ተስፋምህረት ዝግበር ዝነበረ ጸለመ ካብ ክፍሊ ሃንደሳ መራሕ ሓይሊ ዝነበረ ጠዓመ ሰጊድ ተቓዊሙ ነይሩ ኢዩ።

ኩሉ ጸብጻብ ሰልፊ ናብ ኢሳይያስ ኢዩ ዝለኣኽ። ጠዓመ ሰጊድ ብዛዕባ ኣንጻሩ ክውሰድ ዝተደልየ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኣብ ዝጠርጠረሉ ሰዓት ድማ፤ ናብ ሱዳን ሃደመ። ድሕሪ ተኽላይ ገብረማርያም /ዓደን/፤ ጠዓመ ኣባል ሰልፊ ንክሃድም ናይ መጀመርያ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ዝኾነ ምስጢራት ከየሙሉቕ ዝሰግአ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ኣብ እግርማይካ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ስለያ /72/ ሓደ ተኸታቲሉ ዝቕንጽሎ ሰብ ተመዘዘሉ። ጠዓመ ንካርቱም ኣተወ፣ እቲ ንክቕንጽሎ ዝተመደበ ሰብ’ውን ደድሕሪኡ ሰዓቦ። ኣብ ካርቱም ወጋሕታ ድማ ቀንጸሎ። ሰባት መታን ከየለልይዎ ከኣ ኣብ ገጹ ኣቺዶ ደፊኦም ቆርበቱ ከም ዝበታተኽ ገበሩዎ። ወጋሕታ ከኣ ናብ ጂረፍ ዝተባህለ እንዳ ጎሓፍ ደርበይዎ።

ኣንጻር ተስፋምህረት ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሰዓት ተወዲኡ ኢዩ። ኣብቲ ወጋሕታ ዝተገብረ ህጁም ኣንጻር ተስፋምህረት፣ ብዙሓት ተጋደልቲ ተጎዲኦም። ተስፋምህረት ኣብታ ዝነበረላ ጥርዚ ክህረም እንከሎ፣ ፋኑስ ዝተባህለት ሰበይቱ ተማረኸት። ተኪአ ሽፍታ ድማ ቅድሚ ምቕታል ተስፋምህረት ብብርቱዕ ኣብ ከብዱ ተወግአ። ተልእኾኡ ኣብ ግዜ ውግእ፤ ተስፋምህረት ከየምልጥ እናተኸታተለ ንክቐትሎ ዝተላእከ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። ካብቶም ዝወግኡዎ ኣባላት ህ.ግንባር “ኣንታ ከዳዕ… ሕጂ’ዶ ግስም ከነብለካ” ኢሎም ጥይት ምስ ኣዐመሩሉ “ቅድም ንኢሳይያስ ወይ ንጴጥሮስ ሰለሞን ሕተቱዎም። ኣነ ተላኢኸ ዝመጻእኩ እየ’ምበር ከዳዕ ኣይኮንኩን።’’ ኢሉ ምስ ኣእወየ፤ ሓደግዎ።

ብርሃነ በሊሕ ሽዑ ብዛዕባ’ቲ ውጽኢት ውግእን ጉዳይ ተኪአ ሽፍታን መልእኽቲ ናብ ኢሳይያስ ምስ ኣመሓላለፈ፣ ምስጢር መታን ከይሞሉቕ “ነቲ ከዳዕ ተኪአ ሽፍታ ባዕልኻ ናብ ሓደ ስንጭሮ ወሲድካ ኣካርጆ /ቅተሎ/” ኢሉ ናይ ማፍያ ትእዛዝ ኣዘዞ። ብርሃነ በሊሕ ግን ዝግ ኢሉ ሓሰበ። ቅድም ህጹጽ መልእኽቲ ናብ ጴጥሮስ ሰለሞን ሰደደ። ልክዕ ኣከያይዳ ናይ ተኪአ ከኣ ተነግሮ። ንተኪአ ሽፍታ ንበይኑ ፈልዩ ብደቂቕ ምስ መርመሮ ድማ፣ ብሓቂ ድርብ ስለያ ኮይኑ ካብ ኢሳይያስን ጴጥሮስን ከም ዝተላእከ ሙሉእ መረዳእታ ምስ ረኸበ፣ ብትእዛዝ ጴጥሮስ ሰለሞን ፍልይቲ ቶዮታ ላንድ ክሩዘር ካብ ዓምበርቦብ ተላኢኻ ናብ ሕክምና ዓራረብ  ጋንታ 11 /ዶክተር ሚኪኤል ገብረሂወት/ ሰደዶ። እቲ ጉዳይ ተኪአ ሽፍታ ድማ ቅርሕንቲ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ጴጥሮስ ሰለሞንን ኣስዓበ። ተኪአ ሽፍታ ሎሚ ካብ ስራሕ መንግስቲ ብ10,000 ናቕፋ ተጣይሱ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ጎሉጅ ሓረስታይ ኮይኑ ይነብር ኣሎ።

እቲ ካብ ዝስለፍ ናብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ብዘይካ ዘርኢ ክርዳድ ካልእ ዘይዘርአ ኢሳይያስ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ጥፍኣት ካልእ ከምጽኣሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ናብ ስራሓት ማፍያ ዝተዋፈረ ከኣ ሎሚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሰፊሩ ፍትሒ ከምጽእ ኣይከኣልን። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ክመሃረሉ ይግባእ። ሎሚ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 500 ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ይስደዱ ኣለዉ። ብዘይካ ካብ ሃገር ዝስደድ፣ ናብ ሃገር ዝምለስ ዘይብላ ናይ ዘመነ-ኢሳይያስ ኤርትራ፤ ናበይ ገጻ ኢያ ትኸይድ ዘላ ኢልና ኣብ እንሓስበሉ ግዜ፣ እቲ መልሲ ብሩህ ኢዩ። ንሱ ኣብ ክንዲ ሰብ ዘለዋ፣ ሰብ ዘይብላ ኤርትራ ይደሊ ከም ዘሎ ከብዚ ንላዕሊ በየናይ ቃላት ኢዩ ከረድኣና? ኣብ ዝኾነ ከባቢ ናይ ኤርትራ ‘ኣንጻርካ ጠበንጃ ተለጒማ ኣላ’ እትብል ዜና፣ እታ ንኢሳይያስ ፈጺማ ሰለም ዘይተብሎ ዜና ኢያ። ኣብ 1996 ሓደ ገብረብርሃን ዝተባህለ ተጋዳላይ ጀብሃ ዝነበረ ዜጋ ኣንጻር ኢሳይያስ ብረታዊ ረጽሚ ንምልዕዓል ብወገን ሑመራ ንክኣቱ መደበ። ተኸተልቲ ነይሮሞ’ዶ ኣይነበሩዎን’ኳ ዝፈለጥኩዎ ሓበሬታ እንተዘየለ፣ 11 ክላሽናት ሒዙ ኣብ ሑመራ ኣብ ሓደ ገዛ ከም ዝነበረ ብክፍሊ ስለያ ህግደፍ ተፈልጠ።

ኢሳይያስ ነቲ ዝተነግሮ መርድእ ንምቁጽጻር ቅልጡፍ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ካብ ኦምሓጀር /ኤነ-ትረ/ ብዝብል ሳጓ ንዝጽዋዕ መራሕ ብርጌድ ትእዛዝን መምርሒ ስራሕን ተዋህቦ። ብለይቲ ዕጡቓት ናብታ ገብረብርሃን ዝነበራ ገዛ ሰሊኾም ብምእታው ድማ ማሪኾሞ ሓደሩ። ቀትሪ ኦራል መኪና ናብቲ ዝነበሮ ገዛ ብምኻድ ንዕኡን ጠበንጃታቱን ጽዒኖም፤ ነቲ ኣብ ቢንቶ ተከዘ ዝነበረ ናይ ሑመራ መቆጻጸሪ ገመድ በቲኻ ናብ ኦምሓጀር ኣተወት። ጉዳይ ገብረብርሃን ድማ ተደምደመ። ሎሚ ክንዮ እቲ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ምብትታኽ መንነትና ክንጥምት፣ እቲ ኣንጻሩ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ክንዲ ጎድናዊ፤ ንኹሉ ወገናትን ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታ ሰባትን ዘሳተፈ ክኸውን ምተገብአ። ኢሳይያስ ወኪል ናይቲ ናጽነት ዘምጽአ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወይ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። ኢሳይያስ ወኪል ናይ ገዛእ ርእሱን ናይታ ከም ባላንቺና ነፊሑ ዘዕበያ ሰልፊ ህግደፍን ጥራይ ኢዩ።

ናትና ውድብ /ሰልፊ/ ጥራይ ኢያ ኣንጻር ኢሳይያስ ትምክት ዘላ፣ ኣውራጃና ጥራይ ኢያ ዓጢቓትሉ ዘላ፣ ናትና ሃይማኖት፣ ናትና ብሄር… ጥራይ ኢያ ብኽሳዱ ሒዛቶ ዘላ ወ.ዘ.ተ… ኣብ እንብለሉ ዘለና ግዜ፤ እቶም/እተን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ረመጽ ኩዕዮም ናብ ዒራ-ዒሮ ዝተዳጎኑን ቀለብ ኣራዊት ዝኾኑን’ከ ኣባላት ናየናይ ውድብ ኢዮም ነይሮም? ደቂ ኣየናይ ሃይማኖት ኢዮም’ከ? ደቂ ኣየናይ ኣውራጃ’ኸ ነበሩ? ኢልና ናብ ድሕሪት ንመለስ። ሎሚ መብዛሕትአን እዘን ንርእየን ዘለና ውድባትን ሰልፊታትን ነቲ ንሳቶም ዝወልዕዎ ቀንዴል እናረኣያ ኢየን ዝኸዳ ዘለዋ።
ኣብ የማናይ ኢድካ ንዘሎ በሰላ እናኣሕወኻ፣ ኣብ ጸጋማይ ኢድካ ካልእ ቁስሊ ምፍርፋር ግን መሰረታዊ መፍትሒ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ከምቲ ደጋጊመ ዝገልጾ ዘለኹ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓና ንኤርትራውያን ብዘይካ ኢሳይያስ ካልእ ጸላኢ የብልናን። እቶም ነዚ እንኣምን ከኣ ኣነጻጺርና ኣንጻሩ ክንምክት ንሕተት ኣሎና። ካብኡ ብዝተረፈ ‘ኣብዛ ተሳፊርናላ ዘለና ሎተሪና ወዲ ኣውራጃ እገለ ክሳፈር የብሉን። ኣብ ውድብ እገለ ንዝነበሩ ሰባት ሒዝና ናብ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ኣይንኸይድን፣ ካብዚ ሃይማኖት’ዚ በዚሖም ካብቲ ድማ ውሒዶም…’ እናበልካ ዝግበር ጎድናዊ ቃልሲ’ምበኣር ንመላእ ህዝቢን ድሕረ-ባይታታት ኤርትራውያንን ዘጠቓለለ ኣይኮነን።

ንኢሳይያስ  ሎሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ፈሊና ንርኣዮ። ‘ኣቦይ ወልዱ ብዝበልዕዎ ሕሙቶ፣ ንኣደይ ኢታይ ኣጉስዐን’ ከም ዝበሃል ምስላ፤ ኣብቲ ንሱ ዝፈጸሞ ገበናት ብዘይካ’ቶም ውሑዳት ብረብሓ ዝተኣሳሰሩ ከዳዓት፣ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዳላይ ነበር ህዝባዊ ግንባርን ዝሕተቱሉ ኣይኮነን። ነዚ እንተተረዲእና ድማ፤ ነቲ ኢሳይያስ ዝገበሮ ጌጋታት ኣይክንደግምን ኢና።

ዓወት ፍረኣ ጥዑም’ዩ! ኢድ ከይሓወስካ ብማተማኢካዊ ካልኩለሽን ጥራይ ክትመጽእ ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ማዕረ’ዚ ህዝቢ ዝጎዩ ልኡኻት ህግደፍ’ኳ ኣለዉና። ብጭቡጥ ኣብ ዱሮ ምእሳር ጂ.15 ከውታ ለይቲ ኣብ መንበሪ ገዛ ኢሳይያስ /ረድዮ መሪናዮ/ ምስጢራዊ ኣኼባታት ገይሮም ዝተፋነዉ፣ ካብ ሱዳን ኢሳይያስ ንዝጸሓፎ መምርሒ ወረቓቕቲ ካብ ኢድ ኮሎነል መልኣከ ገብረማርያም /ወዲ ፊተውራሪ/ ተቐቢሎም “መርቑና” ኢሎም ናብ ሕንፍሽፍሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዋፈሩ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘሊልና ሃዲምና ኢሎም ዝነግሩና ዕሱባት፤ ኣብ ቀረባ ግዜ ክቃልዑ ኢዮም። በቲ ተጋዳሊት ኣበባ ዝበለቶ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ክድምድም። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ 1ይ ውድባዊ ጉባአ 1977፣ ዝነበረ ጭርሖ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት” ዝብል ኢዩ ዝነበረ። ኣበባ ዝተባህለት ነተን ቀደም ዝተሰለፋ ደቀንስትዮ ታዕሊም ውዒላ ምስ ወደአት፣ ከምቲ ወተሃደራዊ ሕጊ “ብሰላም ዕረፍ” ምስ በለተን፤ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት” ብምባል ተበተና።

“ወይለከይ ኣበባ! ንዕነ ድኣ ተመለሳ። እቲ ሞት’ከ ድኣ መን ኢዩ ክሞተልክን ትጽበያ ዘለኽን”  ኢላ ከም ብሓድሽ ሰሪዓ “ብሰላም ዕረፍ” በለተን። ንሳተን ድማ ንጉድለተን ተረዲአን፦ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት” በላ። ኣብቲ ዝኣመናሉ ዕላማ ከኣ ስለ ናጽነት ሃገረን ኤርትራ ተሰዊአን። እምበኣርከስ ስለ እዚአንን እዚኦምን ኢና ኣብ ማሕላ ጸኒዕና ተውለ እንብል። ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዝውክልን ዝሰርሕን፣ ካብ ጀጋኑ ደቀባት ኤርትራ ኣዝዩ ዝፈርሕን ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ተኹላ ኢዩ። ‘ዘይተፈስወ ነይጭኖ’ ከም ዝበሃል፣ ኣብ 1985 /ወራር ወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ/ ኢብራሂም ዓፋ ተሰዊኡ ዝብል ፎእ መርድእ ሰሚዕና። ኣብ ከባቢ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ብዛዕባ መስዋእቱ ትሒም-ትሒም ክስማዕ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። ንይምሰል ከኣ መስዋእቲ ወዲ ዓፋ ኣብ መጋቢት 1987 2ይ ውድባዊ ጉባአ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተነግረ።

ስለዚ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ጽሑፍና፣ ግርጭት ኢሳይያስን ኢብራሂም ዓፋን ካብ ቦጦሎኒ 5 ደቡብ፣ ክሳብ ምሕራር ከተማ ከረን፤ ካብ ግዜ ምዝላቕ ድማ ክሳብ 6ይ ወራር ደርግ ንዝነበረ ዝምድና ክንርኢ ኢና። መን ይፈልጥ ኑራ መሓመድ ዝሰነደቶ ን25 ዓመታት ዝተቐብረ ታሪኽ’ውን ይህሉ ይኸውን። ንሳራ ነታ ኣስታት 28 ዓመታት ብሰንኪ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፍቕሪ ኣቦ ዘየስተማቐረት እንኮ ጓሉ ድማ ዝኽትምና ከይስመዓ “…ኣጆኺ ሕነ ኢብራሂም ዝፈድዩ ሚልዮናት ኣብ ጎድንኺ ኣለዉ” ንበላ። ሽዑ እቲ ኣብ ገዛ ሳራ ተሰቒሉ ዘሎ ስእሊ ጅግና ወላዲኣ ኢብራሂም ዓፋ፣ ናብ ጎደና ሓርነት ክወጽእ ኢዩ። ሽዑ ኣብ ገገዛና ክንሰቕሎ ኢና’ሞ ኣጆኺ ሳራ!

ጉዳመኛ ኢሳይያስ ናብ ካርቱም እናተበገሰ ዘጻወዶ ናይ ምቕንጻሉ ውዲትን ብድሕሪ መስዋእቲ ወዲ ዓፋ ከኣ፣ ባዕሉ ናብቲ እዋን’ቲ  ኣብ ሶርያ ደማስቆስ ንዝነበረ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሮሞዳን መሓመድ ኑር ዘመሓላለፎ ናይ መርድእ መልእኽቲን ናይዚ ዘለናዮ ከም እንቋቑሖ ተኣፋፍነቱ መድረኽ ስርዓተ-ህግደፍን ክንርኢ ኢና።
ክሳብ ሽዑ ከኣ ሰላም ቅነ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ይቕጽል…


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...