ኢሳይያስ ንዝገበቶ በትረ-ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ክንቅይሮ ኢና ኢልካ ምሕሳብ፤ ድግምጋም ዕሽነት ኤርትራውያን ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፋላት እዚ ጽሑፍ’ዚ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መሰረቱ ብስስዐን ተንኮልን ዝተበገሰ ስለዝኾነ፤ ኣብ መንጎ እቲ ዝሓለፎ ዓመታትን ሎሚን ናይ ባህሪ ምቕያር ከምጽእ ዘይሕሰብ ኢዩ። ካብ ግዜ ሰብዓታት ክሳብ’ዚ ዘለናዮ መዋእሉ ብተንኮል፣ ታህዲድን ዓመጽን ኢዩ ኣብ ስልጣን ጸኒሑም’ምበር፤ ብምርጫ ሓፋሽ ቆጽሊ ዝወደቖ ሰብ ኣይኮነን።

 


እቲ ዝገርም እምበኣር፣ መራሒ ካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበረ ኣብርሃም ተወልደ (ኣብርሃም ተወልደ ዝብል ቃል ብመራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ኣይተሰምዐን። ስእሊ ኣብርሃም ተወልደ ርእየ ዝብል ድማ የለን። እዚ ኢዩ ስእሊ ኣብርሃም።እዛ ስእሊ እዚኣ ካብ ከብሒ ሓደ ኣባል መሪሕነት ዝሓባእኩዋ ኢያ።)  ኣብ ዓላ ምስ ተሰውአ፣ እቶም ውሑድ ቁጽሮም ተጋደልቲ ናብ ዓሚቑ ሓዘን ኣትዮም ነበሩ። ኢሳይያስ ናብቲ ኣብ ኣፈልባ ዝነበረ ኣባ ተክለሃይማኖት ዝተባህለ ፈላጥ (ጠንቋላይ) ውዒሉ ኣጋ ምሸት ናብቶም ተጋደልቲ ምስ ተሓወሰ፣ ገና ከይተማኸሩ እንከለዉ ኣኼባ ኣካየደሎም። ኣብቲ ኣኼባ “ድሕሪ መስዋእቲ ኣብርሃም ደኣ ንመን ኢና ሓላፊ ክንመርጽ” ዝብል ሕቶ ኣቕረቡ። ኢሳይያስ ትቕብል ኣቢሉ ከም ዋዛ  “ሕጋውያን መራሕቲ ክሳብ እንመርጽ ወላ ንግዚኡ ኣነ ዘይጸንሕ’’ ከም ዝበሎም ጭብጢ ሰነድ ኣሎ። እምበኣርከስ ኢሳይያስ ከምቲ ብዘይ ምርቓን ቆጽሊን እንዳባ ብኢደ ወነኑ ዘውዲ ዝደፍአ ንጉሰ ወዲ እልፉ፤ ባዕሉ ብገዛእ ኢዱን ተንኮሉን ኢዩ ናብ ስልጣን ዝመጸ።


ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ድማ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1977 ኣብ ፋሕ-ሳሕል ዝተገብረ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባአ ህዝባዊ ግንባር ብዝለዓለ ድምጺ ዝተዓወተ ኣቶ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ኢዩ ዝነበረ። እቲ ድሕሪ ከክልተ ዓመታት ኪካየድ መደብ ዝነበሮ ውድባዊ ጉባአ ከኣ፣ ኢሳይያስ ክምረጸሉ ዝኽእል ውድዓዊ ኩነታት ስለዘይኣኸለ፣ ናብ ዓሰርተ ዓመታት (1977-1987) ተመጠጠ። እምበኣር ኢሳይያስ ምክትል ኮይኑ ክሰርሕ ጠላሕ ስለዘይብሎ፣ ወይ ብልዕሊኡ ኮይኑ ትእዛዝ ዝህቦ ሰብ ስለዘይቅበል፤ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ንምድያብ ዘይመሃዞም ጥበባትን ስለያዊ ሽርሒታትን ኣይነበሩን።


ኣብ ምድላው ንካልኣይ ውድባዊ ጉባአ ጎስጓስ ይግበረሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ባዕሉ ኢሳይያስ ናብ ሙሉእ ደጀንን ቅድመ-ግንባራትን እናተንቀሳቐሰ ሰፊሕ ሰሚናራት ኣካየደ። ኣባላት ‘ሳግም’ (በዓል ኢብራሂም ቶቲል፣ ኣብርሃለይ ክፍለ ወ.ዘ.ተ…) ናብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ይጽንበሩ ስለዝነበሩ፤ “ሎሚ ኣጋይሽ ይመጽኡና ኣለዉ፣ ውሻጠና ከነጽሪ አለና። ኣንጻር ሰለስተ ሓለፋታት ክትቃለሱ ኣለኩም። ጉልበት ተጋዳላይ ዕርድታት ናብ ምስራሕ ጥራይ ክውዕል ኣለዎ’ምበር፣ ቤት ጽሕፈታት ሓለፍቲ ክትሰርሑ ኣይግባእን።… ንሕና ንኹሉ ጸብጻባትና ኣብ ሰለፍና ኣተርኢስና ኢና ንጽሕፎ ዝነበርና። ስለዚ ቤ/ጽ ስርሑ እንተኢሎሙኹም፣ እምቢ በሉዎም።’’ እናበለ ሓያል በይናዊ ጎስጓስ ኣካየደ። እቲ ዝብሎ ዝነበረ ግን ዘይከውን ነገር ኢዩ። እምቢ ንዝበለ ተጋዳላይ ደሓር መን’ዩ ካብ መቕጻዕቲን ማእሰርቲን ሓላፊኡ ከገላግሎ? ነዚ ዝተገንዘበ መሓመድ ጣሃ ዝተባህለ ተጋዳላይ፦ ”ያ ኢሳይያስ! ናሕኑ ኒቃወም፣ ባዕዴን ኣል መስኡሊን የዱጉና ቢል ዒሳያ… ዎ የርቡጡና ራብጣ ሸዲዳ…እንታ ዌን” ኢሉ ብቋንቋ ዓረብ ክዛረብ እዝክር።


ናብ ኩላተን ናይቲ ሕቡእ ሰልፊ (ኤርትራዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ) ዋህዮታት፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክምረጽ ከም ዘለዎ ጎስጓስ ኪካየድ ጀመረ። ኣብ ዞባ ዓንበርቦብ ስምኦን ገብረድንግል ሓላፊ ጨንፈር ሰልፊ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፤ ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ዋህዮ ብጋህዲ “ተጠንቀቑ ንሮሞዳን ከይትመርጹ፣ ኣብዚ ጉባአ’ዚ ናይ ግድን ኢሳይያስ ክምረጽ ኣለዎ። ንሕና ኣባላት ሰልፊ ከኣ ነቶም ናብ ጉባአ ዝውከሉ ዘይደቂ ሰልፊ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሕጸን ዱሮ ሕጸን ዝርከቡ ነዚ ዕላማ’ዚ በብዝጥዕም ኣገባብ ክንሕብሮም ይግባእ” በለና።


ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምርጫ ካልኣይ ውድባዊ ጉባአ ብመራኹስን ኢንፊዩዥን ኣባላት ሰልፊን ሓለፎ። ኣብቲ ጉባአ ካልእ ዝገንፈለ ጉዳይ እንተነይሩ ከኣ ድጉል ግርጭት ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኢዩ። ቅድም ብዛዕባ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ዝበዝሑ ካብ ኣባላት ፖ/ቤ/ጽ “ንኣባል መሪሕነት ክምረጽ የብሉን” ክብሉ እንከለዉ፤ ባዕሉ ኢሳይያስ “ኣንቱም ብጾት ን20 ዓመታት ጠበንጃ ዓጢቑ ዝተጋደለ ሰብሲ ብዘይ ጠቅም ቆሎ ጥጥቖ ካብ ሓላፍነት ውረድ ምባል ግቡእ ኣይኮነን” እናበለ ስለዝተኻላኸለሉ፤ ናብ ኣባል መሪሕነት ተመርጸ።


ካልኣይ ዘሰሓሓበ ጉዳይ ድማ፣ መብዛሕትኦም ኣባላት መሪሕነት “ኣብ ሜላታትና ምትዕጽጻፍ ክንገብር ኣለና” ክብሉ እንከለዉ፤ ኢሳይያስ ግን “ምትዕጽጻፍ…ምትዕጽጻፍ እንተበዚሑ፣ ሓደ መዓልቲ ከኣ ምስባር ኣሎ” ዝብል ሃዳዲ መደረ ምስ ገበረ፣ ብናቱ መደምደምታ ጉባአ ተዓጽወ። ኣብቲ ብድሕሪ ናጽነት ኣብ ናቕፋ ዝተገብረ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባአ ከኣ ንመሕለፊ ዝኾኖ ድምጺ ኣይረኸበን። ግን ብዕበጦ-ዕበጦ ከም ዝተመርጸ ኣብቲ ጉባአ ብኣግኡ ተፈሊጡ።
 ስለዚ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሓፋሽ ተጋደልቲን ህዝቢን ዝመጸን ዝተመርጸን ዘይኮነስ፣ ብሜላን ተንኮልን፤ ከምኡ’ውን ንጀጋኑ ደቀባት ኤርትራ ቀንጺሉን ኢዩ ናብ ኮረሻ ስልጣን ዝደየበ። እቲ ብንግሆኡ ዘርኢ ክርዳድ ዝተለመ ኢሳይያስ’ምበኣር ክሳብ ሎሚ ክበጽሖ ዝደሊ፣ ግን ከኣ ገና ዘይበጽሖን ኣብ መንጎ ተስፋን ቅብጸትን ተቐርቂሩ ይጓዓዝ ኣሎ። እቲ ረሳሕ ታሪኹ ከም ጽውጽዋይ ዕንኩራይ ጻጸ ኮይኑ ከይርሳዕ ግን በብዓቕምና ብጽሑፍ ናብ ህዝብናን ዳሕረዎት ወለዶን ከነመሓላልፎ ይግባእ። ውሽጢን ውሻጠን ህግደፍ እናፈለጡ፤ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ጉዳት ኢሳይያስ ካብ ምግላጽ፣ ትም ዝመረጹ’ውን ኣለዉ። ግን ንሳቶም’ውን ብመዓልቶም ክጋለጹን ክቕልዑን’ዮም። እቲ ምንታይ ታሪኽ ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ።


ሎሚ ሓቀኛ ታሪኽ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምንባብ ከም ክሎሮኲን ፈውሲ ዓሶ ዝመሮም ሰባት’ኳ እንተሃለዉ፤ ጽባሕ ንግሆ ግን ብግምጣሉ ክኸውን ኢዩ። እቲ ምንታይ፣ ኩሉ ዜጋ ክመሃረሉን ካብቲ ፎእን ፋሉልን ኣከያይዳን ተመኲሩ ንመጻኢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ውሕሉል ስርዓተ ምምሕዳር መታን ክሃንጽ። ሎሚ’ቶም ውሑዳት ኢሳይያስን ደቀ-መዛሙርቱን ዋናታት ኤርትራ፣ ንሕና’ቶም ብዙሓት ድማ ጓኖት፤ ኣብ ገዛእ ሃገርናን ርስቲናን ኢሳይያስ ኣካራያይ፤ ንሕና ተኻረይቲ ኮይንናሉ ዘለና ወቕቲ፤ ጽባሕ ኣርበሽቶ ከም ዝግምጠል ታሪኻዊ ግድነት ኢዩ። እቶም ብውሽጢን ብደገን ዶላራት እናቖሓሙ ዝሕልዉዎ ዘለዉ ኣኽላባት መታን ኣቐዲሞም ክርድኡ ግን ዕሉል፣ ጉሒላን ሓሳድን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ግድን ሕማቕ ኣዋድቓ ክወድቕ ምዃኑ ይገንዘቡ። ሕቡእ ተልእኾታት ሒዞም፣ ኢድ ኢሳይያስ ጨቢጦም ኣብ ደገ ንዝነብር ኤርትራዊ ከታልሉን ዕምሪ ጎይታኦም ንከናውሑ ኣብ ሸበድበድ ዘለዉን ከኣ በብቑሩብ ይፍለጡ ኣለዉ። ኣብ ዝስዕብ ጽሑፋተይ ድማ እቶም ናብ ስለያዊ ስራሓት ኢሳይያስ ዝተዋፈሩ ከክንዲ ያሒት ዝኾኑ ጉሒላታታ ብዓቕመይ ከጋልጾም ክፍትን እየ።
ኣብዚ ሎሚ ኢሳይያስ ከም ዓርጓድ-ደርሆ ዓርቢ ስቕለት ተኣሲሩሉ ዘሎ ግዜ፣ ከምቲ ንመዋእሉ ብደም ብዙሓት ዝፋሰጎ፤ ኤርትራ ከኣ ብደሙ ክትፋስግ ኢያ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ብምዕራብን ምብራቕን ኤርትራ ክልተ ግዜ ናይ ምቕንጻል ፈተነ’ኳ እንተተገብረሉ፣ ኣይሰለጠን። ኢሳይያስ ካብ ግዜ ሰብዓታት ክሳብ ሎሚ ብዙሕ እዋን ብጥይት ተሳሒቱ ኢዩ።


እቶም ናይ ምቕንጻሉ ስጉምቲ ዝወሰዱ ተባዓት ደቂ ህዝቢ ንዕለቱ ተረሺኖም’ኳ እንተኾኑ፤ እቲ ድጉል ናይ ህዝቢ ሓዊ ግን ከም ጓህሪ ሰራው ገሃጽ ይብል ኣሎ።  ‘ኣይፋል! ንኢሳይያስ ኣይትቕተሉ፣ ወይ ኣንጻር ስርዓት ጎነጻዊ ቃልሲ ከነካይድ ኢና ዝብል ፍልስፍና ካብ ኣፍኩም’ውን ጡፍ በሉዎ… እዚ ሰብኣይ እንተተቐቲሉ ኣስመራ ዳግማዊት ሞቓድሾ ክትከውን ኢያ’ ብምባል ንዜጋታት ናይ ኣእምሮ ጆሆታት ንምግባር ዝጓየዩ መራሕቲ ውድባትን ሰልፍታትን ዘለዉ ከኣ፤ ካብ ጻሕሊን ቁርሲ ቡንን ኢሳይያስ ዝጠዓሙን ዝጽበዩ ዘለዉን ጥራይ ኢዮም።

ከምቲ ‘ኣልመክቱብ ማየፍደል’ ዝበሃል ምስላ ዓረብ፣ ብዘይ ሰዓቱ ዝኸውን ነገር የለን። ግና ኩሉ ባዕሉ ብሰዓቱ ክመጽእ ኢዩ ኢልካ ምጽባይ፣ ዕሽነት’ዩ። ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ስልጣኑ እፎይ ኢሉ ሓዲሩ ኣይፈልጥን። እቲ ምንታይ ናይ ደም በዓል ዕዳ ስለዝኾነ። እቶም ንኹሉ ባህርያቱ ኣቐዲሞም ዝነቕሑሉ ኤርትራውያን  ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ኣትሒዞም ምስ መከትዎ ኢዮም። ግን ዕሉም ጉሒላ ክበጽሖ ዝወጠኖ ጉዳይ ስለዝነበሮ፣ ገረብ ብሓኽላ ከም ዝበሃል፣ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ህዝቢን ሕንፍሽ-ፍሽ እናኣእተወ ጸኒሑ።


ስዉርን ግሁድን ተቓውሞታት እናኣጋጠሞ፣ ብሰንከልከል ኢዩ ናብዚ በጺሑ ዘሎ። ሕጂ’ውን ኣብዚ ህዝባዊ ተቓውሞ ጥርዚ በጺሑሉ ዘሎ እዋን፣ መናውሒ ዕድመ ዝኾኖ ሓድሽ ርኪያሞ ምርካም ዘጸግሞ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝምነዮን ዓለም’ውን ብተደጋጋሚ እትሓቶ ዘላን ጉዳይ ምእዋጅ ምቛም ሰልፍታት ኪገብሮ ይኽእል ኢዩ። ገለ ካብዞም ኣብ ደገ ኮይኖም ንህዝቢ ዕንክሊል ከብሉ ዝጸንሑ መራሕቲ ሰልፍታት ከኣ፤ “እቲ እንደልዮን ክንቃለሰሉ ዝጸናሕናን ጉዳይ ምቛም ሰልፍታት ብሕጊ ስለዝተኣወጀ፣ ንዑናይ ናብ ኣስመራ’’ ኢሎም ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ብእዋኑ ከነስተውዕል ይግባኣና።


ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብናይ ተንኮላት ዕያር ንዕየረሉ ዘለና ግዜ፣ ምስቲ ብዙሓት ወገናት ዘካይዱዎ ዝነበሩን ዘለዉን ፖለቲካዊ ተጋድሎ፣ ጎድኒ ጎድኑ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ምምራጽ እዋናዊ ሕቶ ኢዩ። ጎነጻዊ ከመይ ኢዩ? ብከመይ ኣገባብ ኢዩ ክትግበር? ኣበየናይ መሬት? በየኖት ሓይልታት ወ.ዘ.ተ… ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ባህርያዊ ኢዩ። እቲ መልሲ ግን፣ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ውድዓዊ ኩነታት በሲሉ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ፈጋዕ-ጋዕ ኢሉ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ ጎድኒ እዚ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ደው ኪብሉ ከም ዝኽእኩ እቲ ዋና መፍትሕ ናይቲ ጉዳይ ኢዩ።

ኢሳይያስ ብሰላም ስልጣኑ ከረክብ ዘይሕለም ካብ ኮነ፣ ንሕና ድማ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራይ ለውጢ ከነምጽእ ኢልና ምሕሳብ ክንርስዖ ኣለና። ንኣብነት ኣድማ ተጋደልቲ ግንቦት 20 - 1993፣ ድሕሪ ፈተነ ምንቅስቓስ ‘73፤ ንኢሳይያስ እታ ዝዓበየት ኣስኳላን ዝሓየለት ማትሪክን ነበረት። ኣብታ ሰዓት እቲኣ ተጋደልቲ  ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ጃኬት ኮብኪቦም ናብ ኣስመራ ስተድዩም ክወስድዎ ከለዉ፤ ዓቢ ትምህርትን ዕድልን ፈጢሮሙሉ። ኣብቲ ተጋዳላይ ሃይለስላሰ /ሊንጎ/ ከም ኣቦ ዳስ ኮይኑ ነቲ ኣኼባ ዝመርሓሉ ዝነበረ ግዜ፣ ተጋዳላይ ‘ኣብ ዱሮ መርዓ ኤርትራ ሕማቕ ከይንረክብ’ ብምባል ልቢ ስለዘዕበየ፣ ኢሳይያስ ካብ ጥፍኣት ድሒኑ።ሽዑ ከም ጲላጦስ  “… ኣነ ዝኾነ ሓላፍነት ኣየድልየንን ኢዩ። ሕጂ እንተተረከብኩምኒ ድማ ሕጉስ እየ!” ክብል ንብዓት ሓርገጽ ነብዐ። ሽዑ ገርሀኛታት ኣባላት መሪሕነት ውሽጡን ውሻጠኡን እናፈለጡ ናይ ልቦና መራግእቲ ኣየትረፉን። ንለውሃትን ግርህናን ህዝብና ግና ጥንቅልዒት ተገምጢሉ ድኣ ረመጽ ተደፈኣሉ’ምበር ካብ  ኢሳይያስ ዝተረኽበ ፍትሒስ ዘበት።


እቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተጋደሉ፣ ስለ መነባብሮ ጥራይ ኣድማ ዝገበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ከኣ ተቐፈዱን ተቐንጸሉን። ባዕሉ ዕሉል ሽፍታ ኢሳይያስ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ 4ይ ዓመት ቁ.5 ናይ 17 መስከረም 1994 ሕታም “… ካብ 130 እሱራት 1 ብናጻ ተፋንዩ። ብመጠንቀቕታ ዝተለቁ 4፣ ዝተረፈቱ 19፣ ዓመትን ፈረቓን ዝተፈርዱ 33፣ ካብ 7 ክሳብ 10 ዓመታት ዝተፈርዱ 8፣ ልዕሊ 10 ዓመታት ዝተፈርዱ ድማ 8 ነበሩዎም” ኢሉ። ብዛዕባ እቶም ሽዑ ንሽዑ ብትእዛዙ ዝተረሸኑ 47 ገዳይምን ሓለፍቲን ተጋደልቲ ግን ምንም መግለጺ ኣይሃበን።
 ሎሚ ንሕና ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ተመኩሮ ክንመሃር ይግባእ። ካብ 130 ሰባት ሓደ ጥራይ ናጻ ተለቒቑ ክበሃል እንከሎ ብሩህ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ 20 ናይ ናጽነት ዓመታት ከኣ ከም ወዝቢ ኣብ ሃገራዊ በዓልና ወላ ሓደ ‘ምሕረት’ ዝተገብረሉ እሱር ኣይተሰምዐን።


ስለዚ ናጻ ካብ ፖለቲካ ዝኾነ ሰራዊት፣ ኣብ ኢንዳስትሪ፣ መጉዓዝያን መስንዓትን ዝሰርሑን ዝተወደቡን ሸቃሎ፣ ብናጻ ማሕበር ዝተወደቡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን ኮለጃትን፣ በብጉጅለ ብማሕበራዊ ደርብታቱ ዝተወደበ ህዝቢ ኣብ ዘይብላ፣ ከም ወርሒን ጸሓይን ሓንቲ ጋዜጣን ሓንቲ ተለቪዥንን ጥራይ እትውንን ናይ ዘመነ-ኢሳይያስ ኤርትራ፤ ንጨፍጫፊ ስርዓቱ፤ ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ጥራይ ኢና ክንፈትሖ ዝግባኣና ዝብሉ ዘለዉ ወራዙት ማዕዶ ከኣ፤ ‘እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ’ ኢለ ጥራይ ክሰግሮም።

‘ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ’ ከም ዝበሃል፤ እቶም ኣጸቢቖም ንኢሳይያስን ምስጢራቱን ዝፈልጡ ዝነበሩ መሪሕነት ሙሉእ ዕድል ሃገርን ዕድል ወለዶታትን ተኸፊቱሎም ክነሱ፤ ኣንጻሩ ቅልጡፍ ዝኾነ ስጉምቲ ኣይወሰዱን። ኣከያይዳ፣ ናይ መወዳእታ ሸቶን ጉዕዞን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እናፈለጡ ተገርሁ። ግብረ መልሶም ከም ጓህሪ ቀንጠባራ ስለዝቐሃመ ድማ፣ ኣብ መወዳእታ ሂወቶም ከምኡ ቅሂማ። ግን ብደሞም ዝተተኽለ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራሲን ናብ ሙሉእ ዓለም ናብ ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ ልሒሙ’ምበር ኣይቀሃመን። እታ ወሊዖማ ዝሓለፉ ናይ ተስፋ ሽግ ድማ መብራህታ ናብ ሙሉእ ኤርትራ ንክርአ ቀሪባ ኢያ።             

ኣብቲ እዋን’ቲ ትልሚ ዘርኢ ክርዳድ ዝተለመ ኢሳይያስ ከም ዳማ ተጻወተሎም። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንህዝብን ሰራዊትን ክሕዙ ኣይከኣሉን። ኢሳይያስ ሓደ ኣንጻር ብዙሓት ንኽዕወተሎም ዘይመሃዞ ውዲታት ኣይነበረን።
ንሓደ ሚኒስተር ክትከውን ኢኻ፣ ንካልእ ድማ ጀነራል ክሽይመካ እየ ወ.ዘ.ተ… እናበለ ተጓየየ። ንመሰጋገሪ መታን ክጥቀመሉ፣ ሃገራዊ ባይቶ ብህጹጽ ኣቖሞ። ድሕሪ ኣድማ ተጋደልቲ ከኣ፣ ኣብ ሳልስቱ ብዕለት 22 ግንቦት ንባይቶ ብህጹጽ ጸዊዑ፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዝካየድ ገይሩን ተመሪጹን። ካብ 104 ብቑዕ ድምጽታት ካኣ 99 ድምጽታት ረኺቡ ከም ዝተዓወተ ተኣዊጁ። እቲ ጉያ-ጉያ ኣከያይዳ ንኣዳም ገረሞ ኢዩ ነይሩ።

ኢሳይያስ ገና ዘይበጽሖ ጥጅእ ስለዘለዎ ኢዩ’ምበኣር ክንድዚ ዝኣክል መሰክሕ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝገብር ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ ምምሕዳርካ ኣይንደልን’ዶ ኢሉዎ? ኣብ ውሽጢን ደገን ዘሎ ህዝብና ገንዘብ ኣይንህብን’ዶ ኢሉ? ጓልናን ወድናን ኣይነኽትትን’ዶ ዝበለ ኣሎ’ዩ? ናብ ስልጣኑ ዘቋመተ… ወይ ናብ ውልቃዊ ሕሳባቱ ክጸባጸብ ዝደለየ ዜጋ’ዶ ነይሩን ኣሎን’ዩ? ንሜላን ፖሊሲን መንግስቲ ሃገረ-ኤርትራ ዝኾነነ ወገን’ከ ነይሩ’ዶ?... ብዙሓት ሕቶታት ኣብ እንሓተሉ ግዜ፤ ምንም እንረኽቦ መልሲ የለን።

ስለዚ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ንግሆ ዝተላእኮ ጉዳይ ስለዘለዎ ጥራይ ኢዩ ክንድዚ በደል ዝፍጽም ዘሎ። ኒሕ ገይሩ ልኡኽ ሓሊቦ ከይበሃል ያኢ! ነታ ዝተበገሰላ ልኡኽ፣ ንሞት መባድልቲ ህዝቢ ኤርትራ ብምግባር፤ ‘ዓወት ወይ ሞት’ ብምባል ነኺሱ ክሕዛ መሪጹ። ንምዝኽኻር ዝኣክል እምበኣር ኣብ መጀመርታ ተስዓታት ዘስምዓና ዝነበረ ዕጥሸው! ‘ዓባይ ኢትዮጵያ’ ኣብ ዝቕጽል ራብዓይ ክፋል ጽሑፈይ ተኸታተሉ።

                         ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

                             ይቕጽል…


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...