ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ እጽሕፍ ኣለኹ። ነቲ ብግዱሳት ዜጋታት ኤርትራ ወትሩ ዝጸሓፍ ዝነበረ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዝነበሮን ዘለዎን ጽሑፋት ግን ከየንበብኩዎ ኣይሓለፍኩን። ሎሚ ካብ ምንጋጋ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘምለጥኩሉ ግዜ ከም ህዝበይ ዝከኣለኒ ኣበርክቶ ንክገብር ድማ እጅገይ ሰብሲበ ኣለኹ። እነሆ ድማ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ምስ ብዙሕ ጉድለታቱን ገፈሉን ኣሃዱ እብል። ሓደ ሰብ ኣንጻር ሓሙሽተ ሚልዮን ከም መንደላይ ተመን ‘ዓራግ ዕጫይ’ ተጠምጢሙና ኣብ ዘለወሉ ግዜ፣ ኩላትና ኣንጻሩ ክንሰምር ታሪኽ ይሓተና ኣሎ።
      ኣሕዋተይ! ንሕና ኤርትራውያን ባህርያት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ድሕሪ ደርዘናት ዓመታት ኢዩ ተረዲኡና። እቶም ከም  ‘ኣባት-ጦር’ ዋርድያ ደንጉዩ ዝርደኦም ወገናትና ድማ ገና የጣቕዕሉ ኣለዉ። “ደርሆስ በምዑት ደቃ ትጻወት” ከም ዝበሃል፣ ህዝቢ እናሃለቐን ሃገር እናባደመትን እንከላ፣ ብኤርትራን ህዝባን ዝጻወቱ ዘለዉ ተበለጽቲን ልቕብቃባትን ድማ ታሪኽ ይጸባጸቦም ኢለ ጥራይ ክሓልፍ።
       ኣንጻር ኢሳይያስ ዝተዛረበ፣ ዝጸሓፈ፣ ዝመስከረ ወ.ዘ.ተ… ከም ጸረ-ሃገር ዝቖጽሩ ዓቀይቶት፣ ይዋእ! ኢለ ክርስዖም።ብሓቂ ንኤርትራ ዝጸልእ ኤርትራዊ የለን፣ ንኢሳይያስ ዝጸልአ ዜጋ ከም ጸላኢ ሃገርን ህዝቢን ጌርካ ምርኣይ ድማ ህግደፍ ኣብኲዑ ዝሰንከቶ መርዛም ሃንዛ ኢዩ። እቲ ምንታይ ንወላዲቱ፣ ካብ ማህጸን ንዘውጸኣቶ ኣዲኡ ዝጸልእ ፍጡር ስለዘየለ። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዋግ-ዋጎ ብርሃን፣ ብዙሕ ጭውጫውታ ይስማዕ ኣሎ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ  50 ዓመታት ይውሰድሉ፣ ወላ ነቲ ብዕለት 12 ጥቅምቲ 1985 ዓ.ም. ኣብ ማተርኒቲ ዓራርብ ዝተወልደ ናብ ኣብርሃም ወዱ የሰጋግሮ! በዓል ዕላማ ኢዩ።
       ድሕሪ ፍጻሜ 2001 ተስፋ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ኢዩ ነይሩ። እቲ ምንታይ እቶም ተስፋ መጻኢ ወለዶታትና ንክኾኑ ዝመረጽናዮምን ዝተጸበናዮምን መሪሕነት፤ ኣሰር ‘መንካዕን’ ‘የሚንን’ ስለዝሰዓቡ። ኤርትራ ስለ ናጽነት ህዝባ ረዚን ዋጋ ከፊላ ክነሳ፣ ብሰንኪ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሳይያስ ድማ ካብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ብኣብርሃም ተወልደን ሃብተስላሰ ገብረመድህንን ዝፈለመ ቅንጸላን፣ ከም ጋሻ ውሕጅ እናተሰራሰረ ዝገንፈለ ስሱዕ ስልጣን ኢሳይያስን፤ ምሁርን መስተውዓሊን ዜጋና ጸኒቱ ኢዩ። ጉዳም ኣጀንዳ! ዘዝተወልደ ኣብ ክንዲ ንዩኒቨርሲቲ ናብ ሳዋ፣ ብሒም ዝበለ ጉስጢን መቑሕን፤ ናብ መድፈና ዕራዒሮ ምእታውን ዘዝጸበቦ ድማ ናብ ስደትን ውርደትን!
       ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየላቡ ህሞት ብስልጣን… ኣውራጃ…ሃይማኖት… ወገን ምውጣት ፈጺሙ ሰዓቱ ኣይኮነን። ተቓወምቲ ውድባት ‘ክንብርኩት ከይንብርኩት ናብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ’ ከም ዝበሃል፤ ገና ከይተበገሳ ብዛዕባ ስልጣን’ዶ መሪሕነት! ክዋጠጣን ክፈላለያን ተዓዚብና። እቲ ካብ 60ታት ቀጺሉ’ውን ኣብ መጀመርያ 70ታት ኤርትራውያን ንምጽናት ስዉር ኣጀንዳ ሒዙ ዝተበገሰ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገና ክርዳድ ናብ ውሽጢ ተቓወምቲ ውድባት ይዘርእ ከም ዘሎ ክሰሓት የብሉን።
      እቲ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ተቓወምቲ ውድባት ከኣ፣ ጉልሒንጣ ከም ዝኣተዎ ዘራእቲ እናደኸማ’ምበር እናሰወዳ ክኸዳ ኣይተራእያን። ከም ስርኤል ቀትሪ 15 ኮይነን ይረኣሞ፣ ናብ 5 ይቕየራ፤ እንደገና ናብ 7 ጸኒሐን ናብ 3 ይምለሳ። እዚ ዕንኪላሎ’ዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ኢሳይያስ ዝዘርኦ ዝነበረን ዘሎን ክርዳድ ኢዩ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ሽግር፣ ኣብ መብዛሕትአን ውድባትን ሰልፍታትን ጽላሎት ኢሳይያስ ስለዘሎ ኢዩ። ኢሳይያስ በዓል ዕላማ ኢዩ። ከምቲ ብዙሕ ዓመታት ዝጸሓፍ ዝነበረ ንመበቆል ትውልዱ ገዲፍና ናብቲ ቀንዲ ክፍኣቱን ክበጽሖ ዝሓለነ ጥርዚ ሃረምን ከነማዕዱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ይስመዓኒ።
     ኣብ 1970 ዓ.ም. ብድሕሪ መስዋእቲ ኣብርሃም ተወልደ፣ ስኑ ነኺሱ በትረ-ስልጣን ንምጭባጥ ዘይደቀሰ  ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ሽዑ ዝነበረ በዱ ልብታት ኤርትራውያን ክርዳድ ንክዘርኣሉን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ቸዝ ክጻወትን ተጓየየ። ኣብቲ ሽዑ ዝካየዱ ዝነበሩ ኣኼባታት እቲ ውሑድ ቁጽሩ ካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት፣ ምስቲ ብዙሕ ቁጽሪ ዝነበሮ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት፤ ማዕረ ወይ ዝያዳ ኣባላት ከም ዝሳተፉ ይገብር ነበረ። ኣብ ኩሉ ዓመታት ለባማትን ምሁራትን ኤርትራውያን ‘ኣንጭዋ ትሕለፍ ምእንቲ ሞጎጎ’ ኮይኑዎም ትም ኢሎም ይሓልፍዎ ነይሮም።
     ኩሉ ዝሓልፍ ዝነበረ ውሳኔታት ድማ ባዕሉ ሓንጢጡ ዘንብቦ ዝነበረ ኢዩ። በዱ ልብታቶም ተጋደልቲ 1970፣ ናጽነት ኤርትራ ንምጭባጥ ዘይክማህ ድሌት ስለዝነበሮም፣ ነቲ ገደብ-ኣልቦ ስዉር ጉያ-ጉያ ንምልካዊ ስልጣን ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ትጉህ ደላይ ናጽነትን ፍትሒን ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ስለዝረኣይዎ፤ ንኹሉ ተበላጺ ውሳኔታት ብዘይ ተቓውሞ የጽድቕዎ ነበሩ።
     ቅድሚ 40 ዓመታት ንዝነበሩ ገለ ውሑዳት ውሳኔታት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እምበኣር፣ በብመነጽርና ንርኣዮም። ሽዑ ናብ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠመተ ዓይኒ እንተዝነብሮስ፣ ሎሚ ናብ መንገዲ ክድዓት ኣይመላገሰን። እቲ ምንታይ ትልሚ ከም ተላሚኡ ስለዝኾነ።
     ኣብ ሰለስተ ኣገደስቲ ኣኼባታት ዝፈለሞ ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ፤ ሶዶሕ ዔላ፣ እምባህራን ተኽሊን ዝነበሩ ውሳኔታት ከምዞም ዝስዕቡ ነበሩ፦

 


‘ሀ’
ኣብ ሰነ 1970 “ሶዶሕ ዔላ’’ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣኼባ ገይሮም። ህ.ሓ.ሓ.ኤ. መስሪቶም፣ ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ውሳኔታት ኣሕሊፎም። ምስቲ ኣብ ደገ ምስኦም ኪዳን ዚኣተወ ሓይሊ ዚነበሮም ስልታዊ ዝምድና ኣብሪሆም። ካብ ትሽዓተ ኣባላት ዚቖመ መሪሕነት መረጹ።
ትሕዝቶ ውሳኔታት ናይቲ ካብ 100 ንላዕሊ ዚኾኑ ተጋደልቲ ዚተሳተፉዎ ካብ 26/6 ክሳብ 02/07/1970  ዓ.ም. ዚተገብረ ኣኼባ እዚ ዚስዕብ ነበረ፦

  • እቲ ዚተኣኻኸበ ሓይሊ ህዝባዊ ሓይልታት ተባሂሉ ኪጽዋዕ።
  • ኣንጻር ቅያዳ-ኣልዓማ መኪቱ ንድልየት ህዝብን ተጋደልትን ብዝውክል ሕንጻጽ ኪዓዪ።
  • ናይ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ወገን፣ ስምዒታት ንምድምሳስን ንሓድነት ናይ ሓደ ህዝብን ኪዓዪ።
  • ናይ ህዝብን ተጋደልትን ንቕሓት ክብ ንምባል ናይ ምንቕቓሕ ጨንፈር ኪቐውም።
  • ምስ ናይ መርገጺ ሓደ ሓደ ኣባላት ብ“ኣማና ዓማ’’ ከይእመን።

ምስ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ዑስማን ሳልሕ ሳበን ዚህሉ ዝምድና ናይ ስራሕ ምትሕግጋዝ’ምበር /ከምቲ ልሙድ/

  • ናይ ደገ መራሒን ናይ ውሽጢ ተመራሕን ከይከውን።
  • በቲ “ላዕለዋይ ባይቶ” ዚበሃል ኣካል ዘይምእማን።

ሓፋሽ ተጋደልቲ ዓማ ምቕባል። ሓለፍቲ ዚነበሩ ግን ድሕሪ መጽናዕቲ።
ንህዝቢ ብረት ምዕጣቕ “ሚሊሽያ’’ ምምስራት።
ሰፊሕ ውድባዊ ጉባኤ ንምግባር፣ ንዕኡ እተሰናድእ ኮሚቲ ምቕራብ።
               ‘ለ’
ናይቲ ካብ 30/09 ክሳብ 07/10/1971 ኣብ ‘’እምባህራ’’ ዚተገብረ ኣኼባ ውሳኔታት ቀንዲ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ እዚ ዚስዕብ ነበረ፦

    ኣብ ኤርትራ ዚግበር ብረታዊ ቃልሲ /ወተሃደራዊ ስራሓት/ መቐጸልታ ናይቲ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስልጣን ንምትካል ዚግበር ፖለቲካዊ ቃልሲ ምዃኑ ምርግጋጽ።
    ኣብ መንጎ ተጋደልትን ህዝብን ዘሎ ዝምድና ንምድልዳል ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ስራሕ ምምዕባል።
    ካብ ምምቕቓልን ድሑር ዝምድናታትን ሓራ ዚኾነ፣ ኣብ ሰውራዊ መሰረት ሃገራዊ ሓድነት ምምስራት።
    ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘሎ ግርጭት ካልኣዊ ስለዝኾነ ምስ ኩለን ሃገራውያን ሓይልታት ብናይ ሓባር ፕሮግራም ተወሃሂድካ ምስራሕ።
    ናይ ኣማና ዓማ ስራሓት ቀይዲ ከም ዝህልዎ ምግባር።
    ንናይ ቅያዳ ዓማ “ሃገራዊ ጉባኤ’’ ምንጻግ።
    ኣብ መንጎ ሰውራ ኤርትራን ህዝብታትን ሰውራታትን ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣሜሪካን ዝምድና ምድልዳል።
    ሃጸይነትን ጽዮንነትን ምቅዋም።
                ‘ሐ’
እቲ ካብ 12-15/08/1971 ኣብ ‘’ተኽሊ’’ ዝተገብረ ኣኼባን ውሳኔታቱን ዚሓንጸጾም ቀንዲ ናይ ፖለቲካ ነጥብታትን እዞም ዚስዕቡ ነበሩ፦

    ንቅያዳ ዓማን ሕንጻጻቱን ምቅዋም።
    ንናይ ቅያዳ ዓማ ሃገራዊ ጉባኤ ምንጻግ።
    ሃይማኖት፣ ዓሌትን ወገንን መሳርሒ እናገበርካ ዚዝውተር ምክፍፋላትን ምዕምጻጽን ምቅዋም። ኣብኡ ዚተመስረተ ሻርነትን ኪዳንን ድማ ዘይምግባር።
    ናይ ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ወገንንን ጾታን ፍልልይ ዘይገብር ስሙር ኤርትራዊ ሰልፊ ምህናጽ።
    ምስ ካልኦት ሃገራውያን ሓይልታት ዘዛምድ ናይ ስራሕ መደብ ምቕራብ።
    ንሰብ ብሰብ ዚግበር ምዝማዘን ጭኮናን ዘይብሉ ሕብረተ-ሰብ ንምህናጽ ምቅላስ።
    ምስ ኣብ ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣሜሪካን ዚርከቡ ጭኩናት ህዝብታት፣ ገስገስቲ መንግስታትን ተጋድሎታትን ምትሕግጋዝ።
    ጸረ ሃጸይነትን ጽዮንነትን ባዕዳዊ ግዝኣት ኢትዮጵያን ብዕጥቂ ብረት ምቅላስ።
     እምበኣርከስ ነዘን ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብ ላዕሊ ተዘርዚረን ዘለዋ ጥንታውያን ውሳኔታት ኣብ እነንብበሉ ግዜ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ጥሙሕ ምልካዊ ንምዃን ኣብ ከብዱ እናሓቖነ ከም ዝተበገሰ የነጽረልና።

                             ሞት ክናና ንኢሳይያስ!

                                 ይቕጽል…


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...