ካብ “ብግዳም ዓወት ብውሽጢ ጥልመት፤ መሰረት ትሕቲ ሃገራዊ ቅርጺ ብመን?” መበል11 ብመምህር ተስፉ ዘውደ ብመስከረም 2009 ኣብ መርበባት ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ዝተወሰደ እዩ። መዓልቲ ግንቦት 24 መዘከርታ ብምግባር ኣዝማሪኖ ሕሉፍ ጽሑፋት ከቕርብ እዩ። ሰናይ ንባብ።

ካብ ሕነ ምፍዳይ ግን ንድሕሪት ኣይብልን።

ኢሰያስ ነብሱ ብኻልእ ከም ብጹእን ተጸማምን ምኩርን ገይሩ ዘርኢ ስእሊ ይፍኑ። ናይ ኣወዳድባ ክእለት ናይ ምጽናዕ ብቕዓቱ ብቕልጡፍ ዘማዕበለን ልዕሊ ኩሉ ድማ ጉድለታቱ ዝምባሌታቱን ከይኣረመ ብውሽጢ ሸፊኑ ዝነብር ፖለቲካዊ ሽሕጣን የዘውትር። ብግዳም ዝተዓዘቦ ነቲ ቆርበት በጊዕ ኢዩ ዘለሊ። ንዝተወሰነ ግዜ ክጽመም ድማ ይመርጽ። ካብ ሕነ ምፍዳይ ግን ንድሕሪት ኣይብልን።

ጨካን ተግባሩ ኮነ ውልቃዊ ዕላማ ሓንጺጹ ስለ ዝኸይድ ክዕወት ናይ ግድን ኢዩ። ዝገብሮ ናይ ዓወት መደብ ግን ባዕላውን ንረብሑኡን ስለ ዝኾነ ሃገርን ህዝብ ዘዕውት ኣይኮነን። ነቲ ህዝባዊ ነድርን ስምዒትን ኣንቢብዎስ ኣብ ጥቕሙ ከውዕሎ ክኢሉ። ነታ እቲ መስፍን (The Prince) ትብል ናይ ማክያ ቨሊ ኣንብቡ ዘተግበራ ሰብ ኣሎ እንተ ተባህለ ንሱ ጥራይ ኢዩ። ከም ሰብ ሕነ ፈዳይ ስለ ዝኾነ ኣብ ናይ ነዊሕ ፖለቲካዊ መስርሕ ከዕውት ግን ኣይክእልን። ኣብ ጸቢብን ውሱን ከባቢን እሞ ዝርገሐ ናይ ሓበሬታ ዘለዎ ከባቢ ክነብር ዝኽእል ሜላ የዘውትር።

ነታ ውድብ ኢሰያስ ኣይቕረጻ እንበር ከም ናቱ ገይሩ ኢዩ ነዲቕዋ። ኩሎም ኣብታ ዝቖመት ውድብ ብድስፕሊን ዝተቐየዱ ክኾኑ ከለዉ መሰል ኣብ ተኻፋልነትን ኣብ ናይ ሓባር ሰራሕ ዘየፍቅድ ብትእዛዝ ኩሉ ይፍጸም። ብናይ ሓባርን ምይይጥን ተኻቲዕካ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝድይብ ህዝባዊ ድልየት ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ባዕዳዊ ኣሰራርሓ ኢዩ። ድለትን ብንጹር ይትረፍ ብሓርፋፍ ከም ጠለብ ህዝቢ ተገምቲሙ ኣይፈልጥን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኩሉ ዝተተግበረ ብዙሓት ተዋሲኦምን ተኣምር ፈጺሞን ከለዉ ብናቱ ሕንጻጽ ንኽፍጸም ዝተመደበ ኣብቲ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ እዋን ኢዩ ሃንደበት ዝመሓላለፍ። ብሓባር ዝቐረበ ክመስል ድማ እቲ ድሒሩ ዝመጽእ መግለጺ ኢዩ ከብርህ ዝፍትን። ኩለን እተን ዝተፈላለያ ናይ መሪሕነት በዚ ቅርጺ ተነዲቐን ኢሰያስ መሪጹ ዝሰርዐን ክመስላ ናቱ ብልህነትን ኣወዳባን ዘነጽር ኮይኑ ይግለጽ። ናይ ኩሉ ተሳታፊ ድልየት ንጸላኢ ከመይ ገይሩ ይጸርግ ድሙር ማሕበራዊ ሓይልን ዕማምን ተረሲዑ ስዒቡ ዝመጽእ ሃገራዊ ምሕደራ ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ጥራይ ትዕቀብ። እታ ትቐውም መንግስቲ ሃገር ናጻ ምስ ወጸት ሽዑ ብናይ ሓባር ድልየት ከም ትቐውም ገርካ ክውሰድ ጸኒሑ። እቲ ክመጽእ ዝኽእል ንምግማቱ ሓበሬታ ዝህብ ይንበር ግን ኣይተነበን። ስለምንታይ ኣይተነበን ከም ኣብነት ገለ ሓንቲ ዝተፈጸመት ክገልጽ።

“ብሓጺሩ እቲ ናጻ ዘውጸኣ መሪሕ ንሱ ይመርሓ““።

ሃገራዊ ሓድነትን ኣብ ስምረትን ገጹ ዝጠመተ መግለጺ እውን ነይሩ፣ ግን እቲ ውድብ ብዝኣምነሉ እንበር ገለ ሕድገታት ዘየፍቅድ ጸቓጢ ኢዩ ዝነበረ። ሕቶ ምስ ተፈቕደ ተጋደልቲ ዘቕርብዋ ዝነበሩ ብዛዕባ እታ መርዓ ትብል ተደጋጋሚት ኢያ ነይራ። ካብ ኩሉ ዝመሰጠትኒ ግን ናይ ሻምበል ባሻ ባህረ ሕቶ ኢያ ነይራ። ብዕድመ ድፍእ ዘበሉን ፍርህን ጸቕጥን ዘይስመዖም ወረጃ ሰብ ኢዮም ነይሮም። ድሕሪ ናጽነት ስለ ዝዓረፉ ንነብሶም ምሕረት ይሃብ እብል። ሕተኦም ድማ ፡- እጠቅስ፣ “እቲ ቀጻሊ ውድባዊ ጉባኤ ድሕሪ 2 ዓመታት ተባሂሉ። እንተ ነውሐ ድማ 6 ኣዋርሕ ይናዋሕ ዝብል ውሳኔ ከም ተበጽሐ ተገሊጹ። ደርጊ ኣብ ገለ ዘይተሓስበ ወጥሪ ኣትዩ ሃገር ናጻ እንተኾነት መን ይመርሓ?“ ክብሉ ሓተቱ። እቲ ዝገልጽ (ተጋዳላይን መሪሕነት መጎዓዝያን ባዓልኬር) ዝነበረ ምሉቕ ኢላቶ ድማ ከምዚ ዝስዕብ በለ፡- እጠቅስ፣ “ብሓጺሩ እቲ ናጻ ዘውጸኣ መሪሕ ንሱ ይመርሓ““።

እታ በጨቕ ኢላ ዝወጸትስ መደብ ኢሰያስ ኢያ ነይራ። ሃገር ናጻ ትውጻእ እንበር ብናትይ ስነ-ጥበብ ስለ ዝወጸት ኣነ ክሳብ ብህይወተይ ዘለኹ ካልእ መራሒ ክህሉ ኣይክእልን ዝብል ሕንጻጽ ኢዩ ትመዲቡ። ኣባላት መሪሕነት ኢዮም ዝለዋወጡ እንበር ንዘልኣለም ክሳብ ዘሎ ሓደ ሰብ ከም ዝመርሓ ርዱእ ኢዩ ነይሩ። እሱ እውን እቲ ቅርጺ ናይቲ ውድብ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ልዕሊ 600 ዝተኻፈልዎ ኩሉ ናይ ኢሰያስ ሕንጻጽን ጠለብን ከተግብሩ እንበር ናቱ ርእይቶ ዘቕረበ ሓደ ሰብ እውን ኣይነበረን።

ካብዚ ዝዓቢ ጭብጢ እንታይ ኣሎ። ነታ ናይ ጉባኤ ኮሚቴ ዘቖማ እሱ ባዕሉ። ተጋደልቲ ኮሚትኦም ክመርጹ ዕድል እውን ኣይተዋህበን። ኣብ ከባቢ ናቕፋን ሕክምናን ዝተላዕለ ከቢድ ሕቶታት ነታ ኮሚቴ ንሕና ዘይመረጽናያ ዝብል ታዕ ታዕ ስለ ዘስዓቡ ክንደይ ጀጋኑን ተባዓት ሃገራዊያን ተኣሲሮም። ልዕሊ 600 ዝኾኑ ድማ ናብ ማርሳ ጉልቡብ መሸላ ክዓጽዱ ተባሂሎም ምስ ኩሎም ኣብቲ እዋን ኣብ ቤት ትምህርቲ ካድር ዝነበሩ ተኣሲሮም። ብኡ ኣቢሎም ዝሓቐቑ እውን ኣለዉ።

ንመራሕ ሓንቲ ኣሃዱ እቲ ተኸታታል ሜላን ስዉር ዝተላእከ ሰላይን ይዝውርዎ።

ሓደ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ዝወፍር ሰብ ክልሰ-ሓሳባዊ መስመር ዝሰርዕ ኣይኮነን ዘበግሶ። ብሓጺሩ ዕድመ መግዛእቲ ከሕጽር ኢዩ ዝስለፍ። እቲ ካልእ ጠለባት እታ ውድብ ግን እትው ምስ በለ ኢዩ ዘስተማቕሮ። እታ ብናይ ሸቃሎ ስነ-መጎት ትኸይድ ኣምሲላ ትሽቅጥ ኣዋናባዲት ውድብ ትኽተሎ መርገጺ ክኽተል ይግደድ። ነታ ጸቕጢ ወይ ሕብእቲ ሰልፊ እዛ ናይ ሎሚ ህግደፍ ኣብ እንግድዕድኡ ድማ ተሰኪምዋ ይነብር። ኣይፈልጣን ንግዳም እውን ኣይትጭኖን ግን ህልውቲ። እቶም ኣባላት ዝኾኑ ድማ ተሓርዮምን ተለልዮምን ኢዮም ኣብታ ሰልፊ ዝኣትዉ። ኣባላት መሪሕነት እውን እንተኾኑ ናይታ ሰልፊ ኣሰራርሓ ንሃገራዊ ናጽነትን ሓርነትን ዘስርሕ ሕንጻጽ ተኸቲሎም ዘተግብሩሉ መስርሕ ኢዮም መሲልዎም ዝኣምኑ ዝነብሩ፣ እንበር እቲ ኣብ ድሮ ናጽነት ክትግበር ዝተዋፈረ ደንጎዮም ኢዮም ተረዲኦሞ። ንመራሕ ሓንቲ ኣሃዱ እቲ ተኸታታል ሜላን ስዉር ዝተላእከ ሰላይን ይዝውርዎ። ኩሉ ዝተዋህቦ የተግብር። ብናቱ ተበግሶን መሃዝነትን ዝትግበር የለን። እቲ መርባብ በብቕሩንን በብዓቐንን ዛጊድ ተዘርጊሑ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታትን ድሒሩ ድማ ኣብ ህዝባዊ ግንባርን ኣባል ሰልፊ ዝብል መግለጺ ሰሚዖምን ተገሊጹሎም ኣይፈልጥን። ብትሒም ቲሒም እውን ኣዝዮም ውሑዳት ተጋደልቲ ኢዮም ዝፈልጡ። ገለ ኣባላት ሰልፊ ብጸይቲ ኣፍቂሮም ክዛመዱ ዝጀመሩ ንብጸይቶም ብምንጋሮም ክሳብ ከቢድ መቕጻዕቲ (ናብ ህይወትን ሞትን ዝብጽሕ) ክወርዶም ክም ዝኽእል ንብጸይቶም ብምግላጾም እሞ ንሳ ድማ ብትሒም ቲሒም ስለ ዝገለጸት ነብሶም ብቁምብላ (ቦምባ) ዘሕለፉ እኮ ኣለዉ ኢዮም።

ምሕዩ እኩባት ግን ዝተፈንጣሕና።

 

ከምቲ ኣብ ኣቐድም ኣቢለ ዝገለጽኽዎ ሓደ መሪሕ ዝበሃል ንናይ ምትግባር ስልጠን ምብሓት ነበይኑ እኹል ኣይኮነን። ናቱ ክንፍታት ዘጣጥሓሉ ዓቕሚ ንምጥራይ ኣጫፈርቲ ከበርክትን ከጥርን ናይ ግድን ይኸውን። ሓደ መሪሕ ከም ኣብነት ዝጥመትን መለክዕን ኮይኑ ስለ ዝውሰድ ንኹሉ ዝገብሮን ዝፍጽሞን መታን ክዕወት መስመር ዝውጥኑን ዝምድቡን ኣማኸርቲ ይነድቕ። እቶም ኣጫፈርቲ ናይ ምጥፋእን ናይ ምዕዋትን ምስቲ ዕድል ውልቀ-ሰብ ኢዩ ዝዕቀን። ኣብ መንጎ እቲ ቁርቁስ ድማ ዝዋስኡ ክልተ ስሕለት ዘለዎም ኣይሰኣኑን። እቲ ክብሕት ዝደሊ ተግባሩ ኩሉ ግዜ ኣብቲ ዘካይዶ መስርሕ ኣዝዩ ጠቓሚ ወይ ድማ ኣዝዩ ጎዳኢ ሳዕቤናት ኣለዎ። መምዘኒ ናይ ብሓባር ተጠርኒፎም ዘተግብሩ ጉጅለ ቀንዲ መማዕበሊ ትካል እቲ ሕጋዊ ቅርጺ ኢዩ። ህዝባዊ ሓይልታት ዝቖመ ሕግታት ዘይብላ ወይ ድማ ከም ሓደ ብደሞክራያዊ ኣገባብ ዝተወከለ ኣካል ዘይብላ፣ ግን በደል ስለ ዝተፈጸመ፣ ኣብቲ ናይ ትሕቲ ጀብሃዊ ቅርጺ ከተዐርን ከተኻኽልን ዘይከኣል ስለ ዝኾነ ዝብል መርገጺ ተወሲዱ ዝተፈልየት ኢያ። ስለዚ ብውሑዱ መሰልን ሕግን ንምትግባር ተነጺላ ዝብል መደምደምታ ንምትግባርን ንምብጻሕን ኢዩ ሓደ ደሞክራሲያዊ ውድብ ንምምስራት ምንጻል ዝተመርጸ። ምረትን ዘይሕጋዊ ንምእራም ዝተበገሱን ተጋደልቲ ብሓቂ ነይሮም ኢዮም። ኣብቲ ዝተነጸለ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብቲ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ዝተረፈ እውን መረረ ዝነበሮም ነይሮም ኢዮም። ተጻዋርነቱ ዝተጸንቀቐ ዘይተጸንቀቐን ኣብ ክልቲኡ መዳይ ክህሉ ድማ ንቡርን ኢዩ። ምስቲ ዝተነጸለ ግን እቲ ዝኸፍአ ኣካል ናይ ስልጣን ሕማሙ ሓቢኡ ኣብቲ ሓዲሽ ባይታ ከጣጥሕ ዕድል ዝረኽበሉ ኣናድዩ ዝተፈልየ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ተበላጺ ተባሂሉ ክጥቀስ ዘለዎ ንሱ ኢዩ። ንስልጣን ምብሓት ኢሉ ስለ ዝተበገሰ፣ ዕላምኡ ንክሃርም ኩሉ ዘድሊ ገበናት ከም ዝፍጽምን፣ ንዝኾነ ናይ ምእራም ስጉምትታት ቀንዲ ተጻራሪ ባህሪ ስለ ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነስ እታ ዝኸዳ መስመር ሜላ እንበር ዓላማ ክህልዋ ፈጺሙ ኣብ ኣሰራርሕኡ ቦታ የብላን። ሎሚ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ቅርጽና በቲ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይሕጋዊ መንግስቲ፣ ነዚ ባህርያዊ ዘይኮነ ማሕበራውን ሃገራዊን ቅርጺ ካብ ጥንታዊ ስርዓታትና ምሕዩ እኩባት ግን ዝተፈንጣሕና ውልቀ-ሰባት ገይሩ፣ ክሳብ መለለይ ከም ዘይብልና ገይሩና ይርከብ።

ኣብ ዘይንፈልጦን ዘይተጸበናዮን ንኣትዎ ዘለና ሃንደበት ዝወረደና ዲዩ?

ሃገርና ኣብ ሓድነት ህዝባ ኢያ ክትማሙቕ ዝግበኣ ዝነበረ። ነቲ ንመግዛእቲ ዝኸፈልናዮ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከቢድን ንኹለን ስድራ-በታት ንነዊሕ ግዜ ዘስዓቦ ምፍልላይ ኣብ ቀጻልነት ናይ ወለዶ ምስሳን ሃጓፍ ከይኣክል ኣብ ባህላውን ማሕበራውን ውርሻታትና ከፋትን ንምዕባሱ ዘጸግም ጨዲዱ፣ ክንዲ ኣብ መላግቦን ምትዕርራያት ዘብጽሕ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብኹሎም ክኢላታትና ዓቕምናን ተረፍ ዕቑር ሓይልታትና ነዋፍር እንሆ፣ ነቲ ሓዲሽ ወለዶ ዝህውትተሉን ቆላሕትኡ ዝስሕተሉን ኣዕናዊ ወራር ንሃገርና ናብ ዘይተፈልጠ ህጉም ከም ትኣቱ ይትግባር ኣሎ። ብረታዊ ቃልስና ንመግዛእቲ ክሕግሕግ እንበር፣ ብድሕሪት ኮይኑ ነቲ እንምክቶ ናይ መግዛእቲ መስመር፣ እንዳ ተዋደቕና ንሃንጽ፣ ኩናትናን ጭማራናን ብድሕሪት ኣንጻርና ሎሚ ብወገን ንብሎ ንደሚ ኣለና። እንሆ 18 ዓመታት ፋይዳ ዘይብለን ሓሊፈን። ብኹሉ መዳያት ተበግሶናን ስጉምትና ጎደናናን ተጣሒሱ፣ ከም ሃገራውያን ዘይንራዳድኣሉ ናይ ምብትታን መሰምር ንኽተል ኣለና። ንኹሉ ግድኣትና እነለልየሉ ሕጋውን ፍትሓውን ባይታ ስኢና። ካብ ዓለምና ተነጺልናን ሓርነታዊ ቃልስና ከም ዘይደመናሉን ንሓደ ውልቀ-ሰብ ከነንግስ ኢልና ከም ዝፈጸምናዮ፣ ርሱዓትን ህሱሳትን ኮና ተሪፍና። እዚ ሕጂ ዘየሰማምዕ ባህሪ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ስሰዐን በለጽን ዝተላዕጠጠ፣ እሞ ብፍርህን ብራዕድን ዝተሰነየ ናይ ጥለመትን ክሕደትን ጉዕዞና ኣብ ዘይንፈልጦን ዘይተጸበናዮን ንኣትዎ ዘለና ሃንደበት ዝወረደና ዲዩ? ነብስና ኣይነተዓሻሹ።

ህዝብና ንኹሉ ተግባር ኢሰያስ ለቢስዎስ ናቱ መሳርሒ ክኸውን ፈቒዱ።

ህዝብና ንኹሉ ተግባር ኢሰያስ ለቢስዎስ ናቱ መሳርሒ ክኸውን ፈቒዱ ኣሎ እንተዘይ በልኩ፣ ይረደኣዮ ኣይረዳኣዮ የተግብሮ ኣሎ። ዓለም ናበይ ገጻ ትጓዓዝ ኣላ ፈሊጥና ናብ ኩሉ ኩርናዓት ገጽና ንውሕዝ ንስደድን ኣለና። ኣብ ዝኸድናዮን ዝዓለብናዮን ድማ ንናጽነትን ሓርነተን ከነስተማቕረሉ ንኽእል ዕድላት እውን እንመሃረሉ ባይታ’ውን ጸኒሑና። ፍትሕን ሕግን ኣብ ዝነገስሉ ከባቢ ስለ ዝዓለብና ካልእስ ይትረፍ እቲ መባእታዊ መሰልና ተሓልዩ ማሚቕና ንድቅሰሉ ሰላም ረኺብና። ነቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ነዚ ረኺብናዮ ዘለና ክረክብ ይትረፍስ ናይ ስድራ-ቤት ቅርጹ ተፈንጢሑ ኣደዳ ሕሰምን ኣደራዕን ኮይኑ ብጭቡጥ እንዳ ተዓዘብና ክሳብ ኣብ ጭካነ ገጹ ዘምርሕ ክሕደት ነተግብርን ንፍጸምን። ኣብ ሃገርና ዘሎ መግዛእቲ እሞ ሕጊ-ኣልቦ ከም ዘሎ እንዳ ፈለጥና ከም ዘይተፈጸመን ንስጉምን ንምዕብልን ኣለና ንብል። ዓለም ንሃገርና ፎእ ኢላታ ከላ ዓለም ኢያ ተጋግያ ዘላ ዝብል ትምክሕቲ ዓብሊኹና ይርከብ።

ብዘይ ፍርህን ምዩቕ ከይበለ ክነብር ገዲፍናዮ።

ሓዊ ሓዉ ስድርኡ ብኣልማማ ዝተኣስሩ ረሲዑ ሓደ ዜጋ ኣብ ኣስመራ ገዛ ስለ ዘስረሐ ሃገርና ፍርሕን ሕግን ኣይፈጸማ እንበር ኣነ ዘድልየኒ ሃሪመ ኣለኹ ክንብል የጥዕመልናዶ? እዚ እኩይ መሪሕነት ኢሉ ነብሱ ዝሰየመ ብቲቪ ኤረ ገይሩ፤ “መገልገል ሓቂ ዝብል (Serving the truth)” ሓሶቱ ኣቐድም ኣቢሉ ሓፋሽ ምስ ትብል ናይ ሸፈጥ ቃል ከምቲ ልሙድ ኣብIጡን ላዕጢጡን ጸበል ኢሉ ስምን መርዝን ንቡዙሓት ብስም ህዝቢ ክዛረብ እሞ እቲ ህዝቢ ክንዲ ነድሩን ቁጠዕኡን ዘርኢ፣ ብኣንጻሩ ተሸቕሪሩን ኣንቀጥቂጡን ክነብር መሪጹ። ህዝቢ እንታይ ክገብር ፈሪሁ ዝብል መልሲ ምኽኑይ ኣይኮነን። ከም ፍጡር ናይ ፍጥረት መሰሉ ተጋሂሱ እንዳ ረኣየ ክነብር ዘጽቀጠ ባዕሉ ክግዛእ ዝፈረደ ኢዩ። ነዚ ኩሉ ሕጂ ዝወርድ ዘሎ ጌጋታት ንምእራም እኹል ግፍዕታትን ጸበባን ኢና ገና ነሕልፍ ዘለና። ገለ እውን ንኹሉ እቲ ዝወርድ ዝሕብር ዘይኮነስ ክኒኡ ዝተፈጸመን ዘስካሕክሕን ግፍዕታትን ምብራስ ተካኢ ሰባዊ ዓቕምናን ቅርስና ዓነውነው ይብል ኣሎ። ዝኾነ ትሕቲ ጸሓይ ዝነብር ፍጡር ክጾሮ ዘይክእል ጾር ምስካምና ዓለማውያን ናይ እምነት ትካላት ናይ መሰል ተጣበቕቲ ናይ ዜና ማዕከናት እውን ከይተረፋ ተጻዋርነትና ዲዩ ካልእ መዝገበ ቃላት ክገልጾ ዘይክእል ሕሰምና ኣስደሚምወን ብዛዕባና ዜና ዝበሃል ካብ ዘይህባ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ሞት፡ መከራ፡ ድኽነት፡ ዓጸቦ፡ ኩሉ ኣባና ንቡር ኮይኑ። ንሱ እውን ምጽዋርና ከይኣክል ብለይቲ ንዶባትና ዝጥሕሱ ደቅና ናብ ናይ ለይቲ ኣዛብእ-ዶብ ተለዊጦም። ንብዓትና ዲዩ ተጸንቂቑ ወይስ ከብድና እምኒ ኣትይዎ ኣይፍለጥን ክንሓዝነሎም ኣይተራኣናን።

ሓዉ ዘይሓቖፈ ሰብ ከይዱ ከይዱ ኣብ ምፍራስ ገጹ ኢዩ ዘድህብ።

እዚ ኣራዊት ዝኾነ ሕጊ-ግደፍ ንዕርቃና ከም ዘሕብን ጋቢን ካባን፣ ንጽምዬትን ዓጸቦናን ከም ሕንቃቐን፣ ንኸይንሰርሕ ኩሉ ስራሕን ጉልበትናን ናብ ጊላነት ቀይሩ፣ ንተነጽሎና ድማ ከም ድማሞቕና ገይሩ ዝገልጽ ሽፍታ ስለ ዝነዓቐናን ንናይ ምብትታን ዕላምኡ ከም ዝሃረመ ተኣማሚኑ ብዘይ ፍርህን ምዩቕ ከይበለ ክነብር ገዲፍናዮ። መልእኽቲ እውን ኣለዎ። ከመይ ዝበለ መልእኽቲ።  እቲ ዝጠቕሶ ገበን እውን ሕጂ ይፍጸም ኣሎ። ኣይተማሃርናን ገና። ንሓደ ሰብ ኣሚና ንሓደ ግማዕ ህዝብና ዝኾነ ክንጽሎ ንርአ። ሓዉ ዘይሓቖፈ ሰብ ከይዱ ከይዱ ኣብ ምፍራስ ገጹ ኢዩ ዘድህብ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...