ስለምንታይ ጉዕዞይ ካብ ንኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተቐይሩ

ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ መጀመሪያ ንኤርትራ ብጀጋኑን ምዑታትን ሕዝባ ነጻ ምስወጸት ከም ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብስራሕ ምኽንያት ብዙሕ ግዜ ንኣስመራ ከምዝተመላለስኩን ዘጋጠመኒ ኩነታትን ክገልጽ እየ።

ኣብ ካልእይ ክፋል ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ስለምንታይ ኣብ ክንዲ ንኣስመራ ንኣዲስ ኣበባ ንምኻድ ከምዝወሰንኩን እንታይ ከምዝተዓዘብኩን ከብርህ እየ።

ቀዳማይ ክፋል (1)

ግንቦት 24፣ 1991፤ ኤርትራ ነጻ ምስወጸት ከም ኩሉ ኤርትራዊ ሓጎሰይ ወሰን ኣይነበሮን። ከም ብዙሓት ኤርትራውያን ድማ ንኤርትራ ንክኸይድ ምድላዋት ክገብር ጀሚረ። ኣብቲ እዋን’ቲ ሓንቲ ዘረባ ትዝ በለትኒ። ብ1986 ኣቢሉ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝመጸሉ እዋን፣ ጀግና ጴጥሮስ ሰሎሙን፣ ንኤርትራውያን መደረ ክህብ እንከሎ ኣብቲ ዘረብኡ “ኣብ ሜዳ ዘሎና ብረት ዓጢቕና ንወተሃደር ደርጊ ሲዒርና ንኤርትራ ነጻ ከነውጽእ ኢና፣ ንስኻትኩም ድማ ንኤርትራ ክትምለሱ ከለኹም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተጸቢና፣ ሓንቲ ሕቶ ኢና ንሓተኩም። እታ ሕቶ ድማ ‘ክንደይ ዝኣክል ትምህርቲ ወይ ፍልጠት ደሊብኩም ኣሎኹም - ንሃገርኩም ኤርትራ ንምህናጽን ንምምዕባልን?’ ኢና ንብለኩም። ካልእ ሕቶ ኣይንሓተኩምን ኢና” በለ።

እዘን ቃላቱ እናዘከርኩ እዩ ብወርሒ ሰነ 1992፣ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ፕረሲደንት ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ዝነበረ፣ ናብዚ ዘለኹዎ ከተማ ዝመጸን ዝተራኸብናን። መምጺእኡ ምኽንያት ምስ ናይ ዩኒቨርስቲ ድፓርትመንት ሓለፍቲ ንምዝርራብ ምዃኑ ገለጸለይ። ብወገነይ “ምስቶም ናይ ፋካልቲ ሓለፍትን ምስ ፕረሲደንት ዩኒቨርስቲኸ ከትራኽብ ዲኻ?” እንተበልኩዎ፤ “ምስኣቶም ምርኻብስ ቆጸራ ኣይሓዙለይን” በለኒ። ምስ ናይ ነቫዳ ኮነጃትን ዩኒቨርስታትን ቻንስለር እንተኣራኸብኩኻኸ? ምስበልኩዎ፣ ብወገኑ ከምኡ እንተጌርካ ድኣ ዝበለጸ እምበር ተወሳኺ ንዓይ ብዙሕ ግዜ ይቑጥበለይ ስለዝበለ፣ ንዕዑ ዝጥዕሞ ሓቲተ ሰዓት ክልተ ምስበለኒ፣ ቴለፎን ደዊለ ነታ ጸሓፊት ረኸብኩዋ። ስመይ ምስነገርኩዎም እንታይ ክሕግዝ በለትኒ። እቲ ጉዳይ ገለጽኩላ። ብወገና ነቲ ናይ ቻንሰለር ናይ ቆጸራ ዝተሓዘሉ መዝገብ ርእያ፣ “ደሓን ሰዓት ክልተ ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ንዓኻትኩም ከም ከምዝኸውን ገይረዮ ኣለኹ” ምስ በለትኒ ንዓንደብርሃን ነገርኩዎ። ዓንደብርሃን ተገሪሙ፣ ስለምንታይ በቲ ዝሓተትካያ ክትፍጽመልካ ኪኢላ በለኒሞ፣ ኣነ ድማ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ደሞዝ ኣብ ዝምድበሉ ግዜ ደሞዛ ምስቲ ሓላፍነታ ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ፣ ናብቲ ግቡኡ ደረጃ ሓፍ ከምዝብል ስለዝገበርኩ ብዙሕ ተመስግነኒ ነይራ በልኩዎ።

ንጽብሒቱ ምስ ቻንስለር ተራኺብና ብዛዕባ መምጽኢ ዓንደብርሃን ድሕሪ ምዝርራብና፣ ናብ ሓደ ካልእ ብሕቲ ላቦራቶሪ ከድና። ኣብኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኣቐድም ኣቢለ ብዛዕባ ኤርትራ ኣዕሊለዮም ስለዝነበርኩ ዝከኣሎም ከምዝተሓጋገዙኒ’ውን ነጊሮምኒ ስለጸንሑ ኢና ዝረኸብናዮም። ብወገኖም እቲ ንኤርትራ ይጠቕማ እዩ ዝብልዎ ነገራትን ናይ ከሚካልስ ፎርሙላን ኣርኣዩና። ድሕሪ ውሑድ መዓልቲ ከምዝድውሉለይ ሓቢሮም ተፈላለና። ብወገነይ ንገዛና ንድራር ዓደምኩዎም። ብቆጸረኦም መሰረት መጺኦም ጽቡቕ ናይ ምርድዳእ ዕድመ ሓለፈ። ድሕሪ ገለ መዓልታት ምስተመለስኩዎም ንኤርትራ ዝኸውን ሃቡኒ። ካብቲ ዝሃቡኒ ገሊኡ ከሚካል ስለዝነበረ፣ ንጥንቃቐ ዝኣክል ነቲ ኣቑሑት ብግቡእ ኣዳልየ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ሊኢኸ፣ ንሚኒስትሪ ጸዓት ወይ’ውን ናብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ከምዝስደድ መልእኽቲ ኣተሓሒዘ ላእኽኩዎ። እዚ ብ67 ዶላር ከፊለ ዝለኣኽኩዎ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኤምባሲ ኤርትራ 78 ዶላር ከፊሎም መሊሶም ሰደዱለይ።

ናብቲ ኤምባሲ ደዊለ ስለምንታይ ዘይሰደድኩምዎ እንተበልኩዎም፣ እዚ ውልቃዊ ጉዳይካ ስለዝኾነ ባዕልኻ ስደዶ በሉኒ። ኣነ ድማ እዚኦም ጌና በቲ ናይ ቀደም ናይ እዋን ገድሊ እዮም ዝሓስቡ ዘለዉ ኢለ ሱቕ ብምባል ገደፍኩዎ።

ድሕሪ ቁሩብ ሰሙናት፣ ሓደ ጡረታ ዝወጸ ናይ ኣግሮ ኤኮኖሚክስ ምዃኑ ዝፈልጦ ሊቕ ረኺበ ድሕሪ ምዝርራበይ፣ ንኤርትራ ከይዱ ብነጻ ክሰርሕ ኣነ ድማ ናይ መጎዓዓዚኡ ክኸፍለሉ ተሰማማዕና። ንሱ ብወገኑ ብናይ ኣሜሪካ ክረምቲ እዋን ክኸውን ከምዘለዎን ካብ 4 ክሳብ 6 ወርሒ ዝኣክል ግዜ ብነጻ ንክሰርሕ ድልዊ ምዃኑ ሓበረኒ። ኣነ ኣዝየ ተሓጒስኩ። ሓንቲ ሕጽር ዝበለት ደብዳበ ኣዳልየ ንኤምባሲ ኤርትራ ለኣኽኩ። ኣብዚኣ እዚ ሰብ ምእንቲ ብሰናይ ድሌቱ ብነጻ ከገልግል ምእንቲ፣ ንኤርትራ ክኸይድ፣ ካብ ኤምባሲ ዕላዊ ናይ ዕድመ ደብዳበ ወረቐት ጺሒፍኩም፣ ብኣምባሳደር ተፈሪሙ ናብቲ ፕሮፈሰር ንክለኣኽ ትብል ነይራ። ትሕዝቶኣ ናይ ምስጋናን ክኸደሉ ዝኽእል ግዜን ኩነታትን ትገልጽ ነይራ።

ጽንሕ ኢለ እታ ደብዳበ ተላኢኻ እንተኾነት ንምፍላጥ ናብቲ ኤምባሲ ደወልኩ። ኩሎም ኣይፈለጥናን ስለዝበሉኒ እምበኣር ነቲ ኣምባሳደር ከዘራርቦ ደልዩ ኣሎኹ በልኩዎም። ድሕሪ ውረድ ደይብ ኣራኸቡኒ። ስመይ ነጊረ ንሱ’ውን ስሙ ሓጎስ ገብረሂወት ምዃኑ ገለጸለይ። እታ ደብዳበ ሰዲድካያዶ? እንተበልኩዎ፣ ኣይሰደድኩን በለኒ። ስለምንታይ? እንተበልኩዎ። መንግስቲ ኤርትራ ገና ኣይተዳለወን በለኒ። ብወገነይ እቲ ፕሮፈሰር ብዛዕባ ኤርትራ ይፈልጥ እዩ። ብ1960ታት ኣብ ኣለማያ ዝበሃል ናይ ኢትዮጵያ ሕርሻ ኮለጅ ካብቶም ዝጀመርዎ ሓደ እዩ። ጡረታ ካብ ዝወጽእ ከም በዓል ፓኪስታን ግብጽን ዝኣመሰላ ብዙሓት ሃገራት እዚ ዘይበሃል ኣሽሓት ገንዘብ እንዳከፈላ እየን ንሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ ዝወስድዎ። ንስኻ ግን ኣምባሳደር ተባሂልካስ ኣብ ክንዲ ተበረታዓናስ ብድፍንኡ ኣይከኣልን’ዩ ክትብል ጌጋ ኢዩ ኢለ ተፋነኹዎ። ናብ ዝፈልጥዎ ሰባት ደዊለ እዚ ሓጎስ ገብረሂወት ዝበሃል ከምዚ ጌሩኒሞ፣ መን’ዩ እንተበልኩዎም፣ ንሱ ድኣ ብዘይካ ገንዘብ ካብ ኤርትራውያን ኣኪቡ ንኢሳያስ ምርካብ ካልእ ዝፈልጦ ዝኽእሎን ነገር የብሉን ምስበሉኒ ብዙሕ ሓዚነ።

እዘን ክልተ ፈተነታተይ ከይተፈጸመ ይተረፋ ድኣምበር ንሃገረይ ኣብ ምህናጽ ተሳታፍነተይ ከምዘየብኲሮ ስለዝፈልጥ ናይ መገሻ ምድላዋተይ ቀጸልኩ። በቲ ምስ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ዝተዛራረብኩሉ መሰረት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስትን ከምኡ’ውን ኣብ ኣሜሪካ ናይ ማስተርስ ዲግሪ መምህረይ ዝነበረ፣ ኣብ ዓለም ናይ ምዕባለ ምምሕዳር ዓቢ ተፋላጥነት ዘለዎ ምሳይ ንኤርትራ ንክኸይድ ሓቲተዮ ናይ መጎዓዝይኡን ካልእ ወጻእታት ኣነ ከምዝሽፍኖ ገሊጸሉ ስለዝነበርኩ ዓንደብርሃን ብወገኑ ዘድሊ ምድላዋት ይገብር ነይሩ።
 
በቲ ዘውጻእናዮ ፕሮግራምን ኣጀንዳን መሰረት ብሕዳር 9፣ 1992  ምስቲ ፕሮፈሰር ተታሓሒዝና ኣስመራ ኣተና። ኣስማቶም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ኤርትራ ግዚያዊ መንግስቲ ካብ ሕዳር 13፣ 1992 ክሳብ ሕዳር 19፣ 1992 ጽዑቕ ትምህርቲ ሃብናዮም። ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ቀዳማይ ገጽ እዞም ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ኔሮም።
  1. ግርማ ስዩም፣ ሕርሻ
  2. እስቲፋኖስ ሃብተ፣ መጎዓዝያ
  3. ገብረትንሳኤ ተወልደ፣ ምክልኻል
  4. ሃይለ ወልደትንሳኤ፣ ቁጠባ
  5. ኪዳነ ሰሎሙን፣ ኢንቨስትመንት
  6. ዳንኤል ተስፋልደት፣ ቁጠባ
  7. ዓብደላ ዳውድ፣ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር
  8. ብርሃነ ኣርኣያ፣ ኢንዱስትሪ
  9. ተወልደ ወ/ሚካኤል፣ ቁጠባ
  10. ዑቕባይ ዓስቡ፣ ም/መ/ሰራሕተኛታት
  11. ኣብርሃ ካሳ፣ ምምሕዳር ኣውራጃ
  12. ኣስመሮም መስፍን፣ ማዕድን
  13. መኮነን ጎይትኦም፣ ምምሕዳር
  14. ተስፋማርያም ተኽስተ፣ ትምህርቲ
  15. ኣማሃ ኪዳነ፣ ኢንዱስትሪ
  16. በረኸትኣብ ሃ/ማርያም፣ ንግዲ
  17. የማነ ገብረመግስቀል፣ ስክረታርያት
  18. ተስፋልደት ዮውሃንስ፣ ቁጠባ
  19. ተስፋንኪኤል ገራህቱ፣ ትምህርቲ
  20. ተወልደ ኣማሃ፣ ምምሕዳር
  21. ተስፋሚካኤል ሓወልቲ፣ ምክልኻል
  22. ተስፋይ ገብረማርያም፣ ንግዲ
  23. ብርሃነ ገ/እግዚሄር፣ ኢንዱስትሪ
  24. ብርሃነ ኣብርሃ፣ ቁጠባ
  25. ኣርኣያ ጸጋይ፣ ብሄራዊ ባንክ
  26. ሃብተልኡል ገብረመድህን፣ ህንጻ
  27. ሰመረ ሰሎሙን፣ ትምህርቲ
  28. ስብሓት ኤፍረም፣ ኣስመራ ማዘጋጃ ቤት
  29. ሳልሕ ከክያ፣ ሰክረታርያት
  30. ዓሊ ስዒድ ዓብደላ፣ ውሽጣዊ ጉዳያት
  31. ገብረስላሴ ዮሴፍ፣ ቁጠባ
  32. ክብሮም ዳፍላ፣ ገንዘብ
  33. ሓድሽ ተስፋንኪኤል፣ ህንጻ
  34.  ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፣ ምምሕዳር
  35. መኩርያ ወልዳይ፣ ህዝባዊ ምምሕዳር
  36. በራኺ ገብረስላሴ፣ ትምህርቲ
  37. ሰንጋል ወ/ትንሳኤ፣ ንግዲ
ሓዳስ ኤርትራ ጋዜጣ ቀዳም 14 ሕዳር 1992፣ 2ይ ዓመት፣ ቁ.22 ዋግኡ 0.25 ሳንቲም፤ “ኣስተምህሮ ብዛዕባ ምምሕዳራዊ ብቕዓት ብ12 ሕዳር ንግሆ ኣብ ኣዳራሽ ትካል ምርምርን ልምዓታዊ መጽናዕትን ኣስመራ ‘ህዝባዊ ምምሕዳር ብቕዓት ንምድላብ’ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ኣገዳስነት ውጥንን መስርሕ ልምዓትን ኣተገባብርኡን፣ ምንጻር ዕላማታትን ምልላይ ቀዳምነታትን ፕሮጀክታትን ን40 ዝኾኑ ሓልፍቲ መንግስታዊ ትካላት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ” ይብል። 

ቀጺሉ “እቶም ነዚ ኣስተምህሮ ዝሃቡ ኣቶ ተወልደ ሃብተሚኪኤል ኣብ ኣመሪካ ነቫዳ ስተት ናይ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ሓላፍን ፕሮፈሰር ፒተር ኮሀን ኣብ ሞንታና ዲረክተር ኣህጉራዊ ፕሮግራምን ኢዮም። እዚ ትማሊ ዝጀመረ ሰሚናር እዚ ክሳብ ዝመጽሕ ሰሉስ ከምዝቕጽል ተፈሊጡ ኣሎ” ይብል። ማሕሙድ ሽሪፎን ጴጥሮስ ሰለሙንን ንኣልጀርያ ከይዶም ስለዝነበሩ ክሳተፉ ኣይከኣሉን። መስፍን ሓጎስ ኣብ ናይ ምክልኻል ስለዝነበረ ኣይዓደምዎን። ብድሕሪ እዚ ሰሚናር እዚ ድማ ነቶም ትሕቲኦም ዘለዉ ሰብ በብጉጅለ ጌረ ኣስተምህሮ ሂበዮም እየ። 

ይቕጽል………………..

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...