ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰል!!!

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሰ.ኣ.)

ግንቦት 30፡ 2016

*********

``ንሕና ኣህዛብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ኣብ ክብርን ዋጋን ኣካል ደቅሰብ፣ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሰብኡትን ኣንስትን ናይ ዓበይትን ንኣሽጡን ሃገራት እምነትና ብዳግመ -ምርግጋጽ ወሲንና።`` ናይ ሕቡራት ሃገራት ቻርተር

***

``ሓርነት ልዕልና ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኩሉ ማለት ኢዩ። ሓገዝና ናብቶም ነቶም መሰላት ንምርካብ ወይ ንምዕቃብ ዝቃለሱ ይኸይድ። ሓይልና ናይ ዕላማ ሓድነትና`ዩ። ነቲ ልዑል ኣምር ብዘይካ ዓወት ካልእ መወዳእታ የብሉን።`` ፍራንክሊን ዲ. ሩዘቨልት

***

``ንሰባት ሰብኣዊ መሰሎም ምኽሓድ ንገዛእ ርእሱ ንሰብኣዊነቶም ምብዳህ`ዩ።`` ነልሶን ማንዴላ

***

``ንዘይፍትሓውነት ክንክልክሎ ሓይሊ-ኣልቦ እንኾነሉ ጊዜያት ኪህሉ ይኽእል`ዩ፣ ካብ ምቅላሶም እንተርፈሉ ጊዜ ግን ፍጹም ኪህሉ ኣይግባእን።`` አሊ ዊዘል

********* 

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ሃገር፡-

እዚዝዓበየ ኣህጉራዊ ሰነድ ኣድማሳዊ መሰል፡ ሎሚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝያዳ ን ህዝቢ ኤርትራ ይግድስ። ወሸለ እዚ ሰነድ`ዚ ህዝቢ ኤርትራ ብቛንቋኡ ኣብ 1991 ነቢቡዎን ቀሲሙዎን ጸኒሑ እንተ ዝነብር፣ ነዚ ዘሎ ጥፍኣትን ዕንወትን፡ ጸልማትን ድሕረትን ኣብ እዋኑ ክምክቶ ምኸኣለ። ብዝኾነ፡ ኣብ 2009 ተርጒመዮ ክነሰይ፡ ክሳብ ሎሚ ናብ ህዝቢ ዘይምዝርገሐይ ንህዝበይ ይቕሬታ እሓትት። እዚ መሰረት ሓርነትን ፍትሕን ዝኾነ ልዑል ሕጊ ደቅሰብ ኣብ ልቢ ኩላትና የሕድሮ።

ታሪኽን ኣገዳስነትን ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት

መእተዊ፥

ኣቐዲመ ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት ዝተቓለሰሉ ዓንዲ ሕቖ ሓርነት ዝዀነ መትከል ሰብኣዊ መሰላት: ናብ ትግርኛ ክትርጕም ዕድል ምርካበይ ዝስምዓኒ ምቕሉል ሓበንን ዓሚቝ ትፍስህትን ክገልጽ እፈቱ። ክሳብ ሎሚ ቈላሕታ ከይረኸበ ምጽንሑ: ከምቲ ሕድሪ ስዉኣት ዝሓበሮ፣ ንመሰል ህዝቢ ብግብሪ ዝሓልን ዝከላኸልን መንግስቲ ክትከል ብዘይምኽኣሉ ኢዩ። ብኣንጻሩ: ነዚ መሰላት’ዚ ዝግህስን ዝድምስስን ሽፍታዊ ስርዓት ንህዝቢ የሳቕየሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምትርጓሙ: ንቓልሲ ሓርነትን ሰብኣዊ መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ከሐይሎን ከስፍሖን ተስፋ እገብር።

“1. ታሪኽ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት፡-

እቲ ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 10 ታሕሳስ፡ 1948 ዝጸደቐ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት፡ ውጽኢት ናይ ካልኣይ ኲናት ዓለም`ዩ ነይሩ። ምስ ምኽታም ናይቲ ኲናትን፡ ምፍጣር ሕቡራት ሃገራትን፡ እዚ ኣህጉራዊ ኮምዩኒቱ ከምቶም ኣብቲ ግርጭት ዘጋጠሙ ግፍዒታት ብፍጹም እንደገና ከይፈቅድ ተማባጺዑ። ናይ ዓለም መራሕቲ ነቲ ናይ ሕ.ሃ. ቻርተር ኣብ ኩሉ ንመሰላት ነፍስወከፍ ውልቀሰብ ብዘውሕስ መደብ ክምልኡሉ ወሲኖም። እቲ ዝሓሰቡዎ ሰነድ፡ ደሓር ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላትዝኾነ፡ ኣብ 1946 ኣብቲ ቀዳማይ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ`ዩ ተላዒሉ። ባይቶ ነቲ ንድፊ ናይ ኣዋጅ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነታትን እንደገና ርእዩ፡ `` ነታ ኮሚሽን ናይ ሰብኣዊ መሰላት. . . ኣብ እትገብሮ ኣህጉራዊ እማመ-ሕጊ መሰላት ንመወከሲ ኣብ ግምት ከተእትዎ`` ናብ ናይ አኮኖሚያውን ማሕበራውን ቤት-ምኽሪ ኣመሓላሊፉዎ። እታ ሽማግለ፡ ኣብቲ ፈለማ ናይ 1947 መጀመርያ ኣኼባኣ፡ ንኣባላታ ናይቲ ``ናይ መጀመርያ ንድፊ ኣህጉራዊ እማመ-ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት`` ኢላ ዝሰየመቶ ንጹር መግለጺ ከውጽኡ መዚዛቶም። ድሕሪ`ዚ፡ እቲ ስራሕ ንጆግራፊያዊ ኣቀማምጣ ኣብ ግቡእ ግምት ዘእተወ፡ ካብ ትሸዓተ ስተይታት ዝቖሙ ወከልቲ ኣባላት ወግዓዊ ሰናዲ ሽማግለ ተወሲዱ።

እቲ ወካሊ ኣካል ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝተፈላለየ ፖለቲዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ሕሉፍ ታሪኻት ብ 18 ኣባላት ዝቖመ`ዩ ነይሩ። አለኖር ሩዘቨልት፡ ማእምን (ሰብኣያ ዝሞታ) ነፍሲ ሄር ፕረሲደንት ሩዘቨልት፡ ነታ ነዳፊት ኣ.ኣ.ሰ.መ. ሽማግለ ከም ኣደ መምበር ኮይና መሪሓታ፤ ምስኣ ኸኣ ወከልቲ ካብ ፈረንሳ፡ ለባኖን፡ ቻይና፡ ካናዳን ሰሪሖም። ኾይኑ ግን፡ ሚስስ ሩዘቨልት ከም ቀንዲ ደራኺት ምጽዳቕ ናይቲ ኣዋጅ ተፈሊጣ።

እቲ ቀዳማይ ንድፊ ኣዋጅ ኣብ መስከረም፡ 1948 ቀሪቡ፡ ካብ 50 ንላዕሊ መንግስታት ኣብቲ ናይ መወዳእታ ንድፊ ተሳቲፈን። ብውሳኔ 217 A (III) ናይ 10 ታሕሳስ፡ 1948፡ ሓፈሻዊ ባይቶ፡ ኣብ ፓሪስ ተራኺቡ፡ ን ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሸሞንተ ሃገራት ዘየድመጻ፡ ግን ዝተቓወማ ዘይነበርኦ ኣጽዲቑዎ።

ኣብ ትሕቲ ክልተ ዓመታት`ዩ እቲ ምሉእ ጽሑፍ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ። ዓለም ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ቀጽሪታት ተመቒላ ኣብ ዝነበረቱ ጊዜ፡ ነቲ ፍረ-ነገር ናይቲ ሰነድ ናይ ሓባር ባይታ ንኽትረኽበሉ ኣዚዩ ሰፊሕ ዕማም ምንባሩ ተረጋጊጹ።

ከም ዘመናዊ ሰነድ ዝፍለጥ እኳ እንተ ዀነ፣ ከም ሞራላውን: ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ፍልስፍናን ታሪኽን ግን ጥንታዊ መሰረት ዘሎዎ: ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ1948 ዝጸደቐ: እቲ ዝዓበየ ናይ መበል ዕስራ ዘመን ኣህጉራዊ ሰነድ ኢዩ ኪበሃል ይከኣል። ሓደ ሓሳብ መዓስ ኢዩ ተወሊዱ ብልክዕ ኪፍለጥ ዘጸግም እኳ እንተ ዀነ፣ እዚ ኣድማሳዊ ሰነድ`ዚ ካብ ነዊሕ ዘመናት ጀሚሩ፥

  • ብፈላስፋታት በዓል ጆን ሎክ: ሞንተስኪዩ: ሩሶ: ቮልተየር: ኢማኑአል ካንት: በንታም: ጆን ስቲዎርት ሚል: ጆን ዱኢን ካልኦትን፣
     
  • ብናይቲ ከም “ዘመነ ደሞክራሲያዊ ሰውራ” ዝፍለጥ እዋን ዓበይቲ ሰነዳት: ከም ማግና ካርታ ናይ ዓዲ እንግሊዝ(1215): ናይ እንግሊዝ ቢል ኦቭ ራይትስ(1689): ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣዋጅ ናጽነት (1776): ቅዋም ሕቡራት መንግስታት (1789)፣ ናይ ፈረንሳ ኣዋጅ መሰል ናይ ሰባትን ዜጋታትን (1789)፣
     
  • ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ስምምዓትን...ወ.ዘ.ተ. መንፈስ ሰብኣዊ መሰላት ሓቚፉ ዝሃብተመ ታሪኻዊ ሰነድ ኢዩ።
     
  • ሰብኣዊ መሰላት ቅድም ብባህሪያዊ መሰላት ዝፍለጡ ዝነበሩ ኢዮም። ሰብኣዊ መሰላት ብሕጋዊ መሰላት፡ ወይ “ፍትሓዊ መሰላት፡ ከኣ ይፍለጡ ኢዮም።

2. ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላትን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡-

ኣብ ጕዕዞ ፍጻሜታት ታሪኽ: ``ሓደ ህዝቢ ምስ ካልእ ህዝቢ ዘተኣሳስሮ ኩነት ዘይባህሪያዊ: ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ምስ ዝኸውን፣ ኪበትኮን ኪቕይሮን መሰሉን ሓላፍነቱ ምዃኑ`` ንዘመናት ዝተረጋገጸ ሓቂ ኢዩ። ናይ ቀረባ ኣብነት: ሕዝቢ ኤርትራ ምስ መንግስታዊ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝቘረኖ ሰንሰለት፣ ንባህሪያዊ ምዕባሌኡ ዝዓንቀፈ ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን መግዛእታዊ ማእሰርቲ ብምንባሩ፣ ዓለም ብዝተኣመነሉ ሓቂ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ናጽነቱ ኪጭብጥ ክኢሉ ኢዩ። ሕማቕ ዕጫኡ ኰይኑ ዲዩስ ወይ ድኽመታት፣ ኣብ ዘይተጸበዮ ዝኸፍአ ፋሺስታዊ ውሽጣዊ መግዛእቲ ወዲቑ ይሳቐ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ጸልማት ውሽጣዊ ጭቆና ንምውጻእ ክንግንዘቦ ዝግብኣና ሓቂ ካብ ናይ ኣዋጅ ናጽነት ሕ.መ.ኣ. ክጠቅስ እደሊ። ከምዚ ኸኣ ይብል፥

``“ርእሰ ግሉጻት ዝኾኑ ሓቅታት፣ ደቂ ሰባት ማዕረ ከም ዝፍጠሩን፣ ብፈጣሪኦም ከኣ ዘይገሃሱ መሰላት - ካብዚኣቶም ህይወት: ሓርነት: ዳህሳስ ፍሱህ ህይወትን ይርክቡዎም።ነዞም ዝተጠቕሱ መሰላት ንምውሓስ: ኣብ መንጎ ሰባት ብፍቓድ ናይቲ ዝመሓደር ህዝቢ ፍትሓዊ ስልጣናት ዝወስዱ መንግስታት ይትከሉ። ዝዀነ ዓይነት መንግስቲ ነዞም ዝተጠቕሱ ዕላማታት ኣዕናዊ ዀይኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፣ ንዕኡ የዕኒዩ ናይ ምቕያርን: ንድሕነቱን ንሓጐሱን የገልግል ብዝብሎ መትከላት መሰረት መልክዕ ስልጣናት ሰሪዑ ሓዲስ መንግስቲ ናይ ምትካል መሰል ህዝቢ ኢዩ::``

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መሰል`ዚ ህያው ንምግባር`ዩ ንናጽነት ክቡር ዋጋ ከፊሉ። እዚ ህሉው ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ማንም ሓይሊ ኪግህሶ ዘይግደፍ ቅዱስ መሰሉ፡ ማንም ሓይሊ ከተግብረሉ ዘይኽእል ሓላፍነቱ ምዃኑ ኪግንዘቦ ይግባእ።

* * * * * * * * *


ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት

ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ

ታሕሳስ 10፡ 1948

 
መእተዊ:-

ምልላይ ባህሪያዊ ክብረት ናይቶም ማዕረን ዘይግሃሱን መሰላት ናይ ኩሎም ኣባላት ስድራ ቤት ደቂሰብ መሰረት ናይ ሓርነትን: ፍትሕን ሰላምን ስለ ዝዀነ፤

ንሰብኣዊ መሰላት ዘይምግዳስን ምንዓቕን ነቲ ንሕልና ደቂሰባት ዘቘጥዐ ኣረሜናዊ ተግባራት ስለ ዘስዓበን፣ ደቂሰባት ናይ ምዝራብን እምነትን ሓርነት ዝረኽቡላ: ካብ ፍርሕን ስእነትን ሓራ ዝዀኑላ ዓለም ምምጻእ ዝለዓለ ድልየት ሓፋሽ ህዝቢ ምዃኑ ተኣዊጁ ብምህላዉ፤

ወድሰብ ኣንጻር ጭካነን ጭኮናን ከም ናይ መጠረስታ ምርጫ መንገዲ ጎነጻዊ ምልዕዓል ንኺወስድ ከይግደድ እንተ ድኣ ኮይኑ: ሰብኣዊ መሰላት ብ ግዝኣተ-ሕጊ ምሕላዎም ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፤

ኣብ መንጎ ሃገራት ምዕባለ ምሕዝነታዊ ዝምድናታት ምድጋፍ ኣዚዩ ኣድላዪ ብምዃኑ፤

ህዝቢታት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ቻርተር ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት: ኣብ ክብረትን ዋጋን ሰብኣዊ ኣካል: ኣብ ማዕረ መሰላት ሰብኡትን ኣንስትን እምነቶም ኣረጋጊጾም: ማሕበራዊ ምዕባለን ዝሓሸ ደረጃ ህይወትን ናብ ዝዓበየ ሓርነት ንምብጽሑ ክድግፉ ወሲኖም ብምህላዎም፤

ኣባላት ሃገራት: ባዕላተን ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕግጋዝ: ንድጋፍ ኣድማሳዊ ክብርን: ምኽታል ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ሓርነታትን ንኸዐውታ መብጽዓ ኣቲየን ብምህላወን፤

ንምሉእ ትግባረ ናይዚ መብጽዓ: ናይዞም መሰላትን ሓርነታትን ናይ ሓባር መረዳእታ ኪህሉ ኣገዳስነቱ ዝለዓለ ስለ ዝዀነ፤

ስለዚ ሕጂ: ንኹሎም ህዝብታትን ኩለን ሃገራትን ከም ናይ ሓባር ዕላማ ንነፍስወከፍ ውልቀሰብን ነፍስወከፍ ኣካል ሕብረተሰብን ብዘመልክት: ነዚ ኣዋጅ`ዚ ብቐጻሊ ብምዝካር፣ ብጐስጓስን ብትምህርትን: ብገስጋሲ መዐቀኒታት ሃገራውን ኣህጉራውን፣ ክልቲኡ: ኣብ መንጎቶም ህዝብታት ናይተን ኣባላት ሃገራት ባዕላቶምን: ኣብ መንጎቶም ኣብ ትሕቲ ሕጋዊ ስልጣኖም ዝኾነ መሬታት ዝርከቡ ህዝብታትን: ክብሪ ናይዞም መሰላትን ሓርነታትን ንምድጋፍ ኪጽዕሩ፣ ኣድማሳውን ውጽኢታውን ምልላዮምን ኣብ ግብሪ ምውዓሎምን ንምርግጋጽ: ሓፈሻዊ ባይቶ ነዚ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ይእውጅ።

ዓንቀጽ 1

ኩሎም ደቂሰባት ሓራ ኢዮም ዝውለዱ፣ ኣብ ክብረትን መሰላትን ከኣ ማዕረ ኢዮም። ርትዕን ሕልናን ዝተዓደሉ ኢዮም፣ ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ብመንፈስ ሕውነት ኪሰርሑ ይግብኦም።

ዓንቀጽ 2

ኣብዚ ኣዋጅ`ዚ ዝወጹ ኩሎም መሰላትን ሓርነታትን: ብዘይ ናይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣፈላላይ: ከም ዓሌት: ሕብሪ: ጾታ: ቋንቋ: ሃይማኖት: ፖለቲካዊ ወይ ካልእ ርእይቶ: ሃገራዊ ወይ ማሕበራዊ መበቈል: ንብረት: ትውልዲ ወይ ካልእ ደረጃ: ኩሉ ሰብ መሰል ኣሎዎ። ብተወሳኺ: ብመሰረት ፖለቲካዊ: ሕጋዊ ወይ ኣህጉራዊ ኩነታት ናይታ ንሓደ ሰብ እትብጽሖ ሃገር ወይ መሬት፣ ናጻ ትኹን ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት: ዘይርእሰ-ምምሕዳራዊት ወይ ኣብ ትሕቲ ካልእ ድሩት ልኡላውነት: ዝኾነ ኣፈላላይ ኣይግበርን።

ዓንቀጽ 3

ኩሉ ሰብ ንህይወት: ንሓርነትን ድሕነት ሰብነትን መሰል ኣሎዎ።

ዓንቀጽ 4

ማንም ሰብ ብባርነት ወይ ብጊልያነት ኪተሓዝ ኣይፍቀድን፤ ባርነትን ናይ ባርነት ንግድን ብኹሉ መልክዓቶም ውጉዳት ኢዮም።

ዓንቀጽ 5

ማንም ሰብ ንኣሳቓዪ ምስርጣይ (ቶርቸር): ኢሰብኣዊ ወይ ኣዋራዲ ኣተሓሕዛ ወይ መቕጻዕቲ ግዳይ ኪኸውን ኣይፍቀድን።

ዓንቀጽ 6

ኩሉ ሰብ ኣብ ኩሉ ቦታ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከም ሰብ ክረአ መሰል ኣሎዎ።

ዓንቀጽ 7

ኩሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ኢዮም፣ ብዘይ ዝዀነ ኣፈላላይ ከኣ ማዕረ መሰል ዑቝባ ሕጊ ኣሎዎም። ኩሎም ሰባት ኣንጻር ብኣፈላላይ ነዚ ኣዋጅ`ዚ ዝጥሕስን ኣንጻር ከምኡ ንዝኣመሰለ ኣፈላላይ ዘለዓዕልን: ማዕረ ናይ ዑቝባ መሰል ኣሎዎም።

ዓንቀጽ 8

ኩሉ ኣብ ልዕሊ`ቶም ብቕዋም ወይ ብሕጊ ዝተዋህቡዎ መሰረታውያን መሰላት ዝፍጸሙ ናይ ምጥሓስ ተግባራት: በቶም ብቕዓት ዘሎዎም ሃገራዊ ኣብያተ ፍርዲ ዘዕግብ ፍታሕ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎ።

ዓንቀጽ 9

ማንም ሰብ ናይ ዘይሕጋዊ ቐይዲ: ማእሰርቲ ወይ ማሕዩር ግዳይ ኪኸውን ኣይፍቀድን።

ዓንቀጽ 10

ነፍስ-ወከፍ: ኣብ ምውሳን መሰላቱን ግቡኣቱን: ኣብ ዝዀነ ኣንጻሩ ንዝቐርብ ገበናዊ ክስን: ኣብ ናጻን ሻርነት ዘይብሉን ቤት ፍርዲ: ብምሉእ ማዕርነት ኣብ ቕሉዕ መጋባኣያ ብብቕዓት ንኺስማዕ መሰል ኣሎዎ።

ዓንቀጽ 11

  1. ነፍስ-ወከፍ ብገበናዊ ሕጊ ዝኽሰስ: በቲ ብሕጊ መሰረት ንመከላኸሊኡ ዘድልዩ ውሕስነታት ዝረኽበሉ ቕሉዕ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ተባሂሉ ክሳብ ዝረጋገጽ ከም ንጹህ ኪረአ መሰል ኣሎዎ።
     
  2. ማንም ሰብ: ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ወይ ኣህጉራዊ ሕጊ: ኣብ ዝተፈጸመሉ ግዜ ገበናዊ በደል ንዘይቝጸር ዝነበረ ተግባር ወይ ዘይተግባር: ከም ገበነኛ ብሓላፍነት ኣይሕተትን። ከምኡ`ውን: ካብቲ እቲ ገበናዊ በደል ዝተፈጸመሉ እዋን ተፈጻምነት ዝነበሮ ሕጊ ዝፈቕዶ ንላዕሊ ዝኸበደ መቕጻዕቲ ኪወሃብ ኣይፍቀድን።

ዓንቀጽ 12

ማንም ሰብ: ብዘይ ሕጋዊ ዕንቅፋት ኣብ ብሑትነቱ: ስድራ ቤቱ: ቤቱ ወይ ርክባቱ፣ ከምኡ`ውን ኣብ ልዕሊ ክብሩን ጽቡቕ ስሙን ናይ መጥቃዕቲ ግዳይ ኪኸውን ኣይፍቀድን። ኩሉ ሰብ ኣንጻር ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእትታው ወይ መጥቃዕቲታት ናይ ሕጊ ዑቝባ መሰል ኣሎዎ።

ዓንቀጽ 13

  1. ኩሉ ሰብ ኣብ ውሽጢ ዶባት ናይ ነፍስወከፍ ሃገር ናይ ምንቅስቓስን ናይ ምንባርን ሓርነት መሰል ኣሎዎ።
     
  2. ኩሉ ሰብ ካብ ዝኾነ ሃገር: ካብ ናቱ`ውን: ኪወጽእን ናብ ሃገሩ ኪምለስን መሰል ኣሎዎ።

ዓንቀጽ 14

  1. ኩሉ ሰብ ኣብ ካልኦት ሃገራት ካብ ኣሳቓዪ ማህደንቲ (ፐርሰኪዩሽን) ዑቝባ ኪሓትትን ኪረክብን መሰል ኣሎዎ።
     
  2. ካብ ዘይፖለቲካዊ ገበናት ወይ ካብ ንዕላማታትን መትከላትን ሕቡራት ሃገራት ዝጻረሩ ተግባራት ኣብ ዝለ`ዓሉ ናይ ሓቂ ክስታት እዚ መሰል`ዚ ክትሓተሉ ኣይፍቀድን።

ዓንቀጽ 15

  1. ኩሉ ሰብ ናይ ዜግነት መሰል ኣሎዎ።
     
  2. ማንም ሰብ ብዘይ ሕጊ ዜግነቱ ኪሕደግ፣ወይ ዜግነቱ ናይ ምቕያር መሰል ኪንፈጎ ኣይፍቀድን።

ዓንቀጽ 16

  1. ሰብ ምሉእ ዕደመ ዝኾኑ (ዓቕመ ኣዳምን ሄዋንን ዝበጽሑ) ሰብኡትን ኣንስትን: ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ናይ ዓሌት: ዜግነት ወይ ሃይማኖት ምድራት: ክምርዓዉን ስድራ ቤት ክምስርቱን መሰል ኣሎዎም። ኣብ ግዜ መርዓን: ኣብ ሓዳሮምን ኣብ ፍትሕን ማዕረ መሰል ኪረኽቡ ግቡኦም`ዩ።
     
  2. መርዓ ብናጻን ብምሉእ ፍቓድን ናይቶም ሰብኣይን ሰበይትን ኪኾኑ ዝሕልኑ ጥራይ`ዩ ኪፍጸም ዝከኣል።
     
  3. ስድራቤት ባህሪያዊትን መሰረታዊትን ክፍሊ ኣሃዱ ሕብረትሰብ ኢያ፣ ሕብረተሰብን ሃገርን ኪከላኸሉላ ከኣ መሰላ ኢዩ።

ዓንቀጽ 17

  1. ኩሉ ሰብ: ንብሕቱ ከምኡ`ውን ምስ ካልኦት ብምትሕብባር: ንብረት ኪውንን መሰል ኣሎዎ።
     
  2. ማንም ሰብ ንብረቱ ብዘይ ሕጊ ኪሕደግ ኣይፍቀድን።

ዓንቀጽ 18

ኩሉ ሰብ ናይ ምሕሳብ: ናይ ሕልናን ናይ ሃይማኖትን ሓርነት መሰል ኣሎዎ፤ እዚ መሰል`ዚ: ሃይማኖት ወይ እምነት ናይ ምቕያር ሓርነት፣ ንብሕቲ ወይ ምስ ካልኦት ብምሕባር: ብጋህዲ ወይ ብስቱር: ሃይማኖቱ ወይ እምነቱ ኣብ ምስትምሃር: ምትግባር: ምምላኽን ምኽታልን ናይ ምዝውታር የጠቓልል።

ዓንቀጽ 19

ኩሉ ሰብ ናይ ርእይቶን ሓሳብ ናይ ምግላጽን ሓርነት መሰል ኣሎዎ፤

እዚ መሰል`ዚ ብዘይ ዕንቅፋት ርእይቶ ናይ ምህላውን: ዶብ በዘየገድስ ብዝኾነ ማዕከን ሓበሬታ ናይ ምድላይን: ናይ ምቕባልን ናይ ምሃብን ሓርነት የጠቓልል።

ዓንቅጽ 20

  1. ኩሉ ሰብ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምክያድን ማሕበር ናይ ምቛምን ሓርነት መሰል ኣሎዎ።
     
  2. ማንም ሰብ ኣባል ሓደ ማሕበር ኪኸውን ኣይግደድን።

ዓንቅጽ 21

  1. ኩሉ ሰብ ብቐጥታ ወይ ብናጻ ብዝተመርጹ ወከልቲ ኣብ መንግስቱ ናይ ምስታፍ መሰል ኣሎዎ።
     
  2. ኩሉ ሰብ ኣብ ሃገሩ ህዝባዊ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ ማዕረ መሰል ኣሎዎ።
     
  3. ድልየት ህዝቢ መሰረት ስልጣን መንግስቲ ይኸውን፤ እዚ ብስቱር ድምጺ ወይ ብተመሳሳሊ ናጻዊ ምድማጽ መስርሓት ኣድማሳውን ማዕረን ብዝዀነ ሕርያ: ኣብ ናይ በብእዋኑን ቅኑዕን ምርጫታት ይግለጽ።

ዓንቅጽ22

ኩሉ ሰብ: ከም ኣባል ሕብረተሰብ: ናይ ማሕበራዊ ድሕነት (ሶሻል ሰኪዩሪቲ) መሰል ኣሎዎ፤ ብሃገራዊ ጻዕርን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን፣ ብመሰረት ውድብን ባህሪያዊ ጸጋን ነፍስወከፍ ሃገር፣ ንኽብሩን ንናጻ ምዕባለ ሰብኣውነቱን ኣዚዩ ኣድላዪ ዝኾነ ቁጠባውን: ማሕበራውን: ባህላውን መሰላት ናይ ምርግጋጽ መሰል ኣሎዎ።

ዓንቅጽ 23

  1. ኩሉ ሰብ ናይ ምስራሕ: ናይ ናጻ ምርጫ ስራሕ: ናይ ፍትሓውን ምቹእን ኩነታት ስራሕን: ንድሕነት ኣንጻር ሽቕለት ኣልቦነትን መሰል ኣሎዎ።
     
  2. ኩሉ ሰብ: ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ: ንማዕረ ክፍሊት ንሓደ ዓይነት ስራሕ መሰል ኣሎዎ።
     
  3. ኩሉ ዝሰርሕ ሰብ ንገዛእ ርእሱን ንስድራ ቤቱን ንሰብኣዊ ክብሪ ዝበቅዕ ህላዌ ዘረጋግጽ፣ ኣድላዪ ምስ ዝኸውን: ብኻልእ መንገድታት ስርዓት ማሕበራዊ ድሕነት መመላእታ ዝሽፈን: ፍትሓውን ምቹእን ክፍሊት ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎ።
     
  4. ኩሉ ሰብ ረብሓታቱ ንምሕላው ናይ ሞያ ማሕበራት ከቕውምን ኣብ ዝቖማ ክጽምበርን መሰል ኣሎዎ።

ዓንቅጽ 24

ኩሉ ሰብ ርትዓዊ ደረት ናይ ስራሕ ሰዓታት ምስ ዝኽፈሎም በዓላት ዘጠቓልል: በብእዋኑ ናይ ምዕራፍን ናይ ምዝናይን መሰል ኣሎዎ።

ዓንቅጽ 25

  1. ኩሉ ሰብ መግቢ: ክዳን: ገዛን ሕክምናዊ ክንክንን: ኣድለይቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዘጠቓለለ፣ ንጥዕናን ራህዋን ናቱን ናይ ስድራ ቤቱን ዝበቅዕ ደረጃ ህይወት ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎ። ሽቕለት ኣልቦነት: ሕማም: ስንክልና: ሞት በዓል ቤት: እርጋን ወይ ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ብዝኾኑ ኩነታት ስእነት መነባብሮ ምስ ዘጋጥም ከኣ ናይ መድሕን መሰል ኣሎዎ።
     
  2. ኣደነትን ቍልዕነትን ንፍሉይ ክንክንን ረዲኤትን መሰል ኣሎዎም። ኩሎም ቍልዑ: ብመርዓ ወይ ብወሰን ይወለዱ: ማዕረ ማሕበራዊ ሓለዋ ኪረኽቡ ይግብኦም።

ዓንቅጽ 26

  1. ኩሉ ሰብ ናይ ትምህርቲ መሰል ኣሎዎ። ትምህርቲ: ብውሑዱ ኣብ መባእታውን መሰረታዊ ደረጃን ናጻ ይኸውን። መባእታዊ ደረጃ ትምህርቲ ግድነታዊ ይኸውን። ኪነታውን ሞያውን ትምህርቲ ብሓፈሻ ክርከብ ከም ዝከኣል ይግበር፣ ዝለዓለ ደረጃ ትምህሪቲ ከኣ ብመሰረት ብቕዓት ንኹሉ ብማዕረ ክፉት ይኸውን።
     
  2. ትምህርቲ ናብ ምሉእ ምዕባለ ሰብኣዊ መንነትን ናብ ምሕያል ክብሪ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ሓርነታትን ክቐንዕ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኩለን ሃገራት: ዓሌታዊ ወይ ሃማኖታዊ ጕጅለታት: ምርድዳእ: ምጽውዋርን ዕርክነትን ይድግፍ፤ ንንጥፈታት ምዕቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገር ከኣ ይደፍኣሉ።
     
  3. ወለዲ ንደቆም ዝወሃብ ዓይነት ትምህርቲ ንኽመርጹ ናይ ቀዳምነት መሰል ኣሎዎም።

ዓንቅጽ 27

  1. ኩሉ ሰብ ኣብ ባህላዊ ህይወት ማሕበረሰብ ኪሳተፍ: ብኪነ-ጥበባት ኪድሰትን ኣብቲ ናይ ስነ-ፍልጣዊ ድንፋዐን ረብሓን ኪካፈል መሰል ኣሎዎ።
     
  2. ኩሉ ሰብ ካብ ናይ ዝደረሶም ስነ-ፍልጠታዊ: ስነ-ጽሑፋውን ስነ-ጥበባውን ማእቶት ዝምንጩ ሞራላውን ነገራውን ጥቕምታት ሓለዋ ናይ ምርካብ መሰል ኣሎዎ።

ዓንቅጽ 28

ኩሉ ሰብ ኣብዚ ኣዋጅ`ዚ ዝተገልጹ መሰላትን ሓርነታትን ብምሉእ ዝረጋገጹሉ ናይ ማሕበራውን ኣህጉራውን ርግኣት መሰል ኣሎዎ።

ዓንቅጽ 29

  1. ኩሉ ሰብ ኣብቲ ንበይኑ ነቲ ሓራን ምሉእ ምዕባለን ናይ ሰብኣዊ መንነቱ ዝከኣል ዝገብሮ ማሕበረሰብ ሓላፍነታት ኣሎዎ።
     
  2. ኩሉ ሰብ ኣብ ምትግባር መሰላቱን ሓርነታቱን: ብፍላይ ምእንቲ`ቲ ግቡእ ኣቓልቦን ምኽባርን መሰላትን ሓርነታትን ናይ ካልኦት: ምም`ምላእ ናይቶም ፍትሓዊ ኣድላይነታት ናይ ሞራልን ህዝባዊ ጸጥታን: ሓፈሻዊ ራህዋ ኣብ ደሞክራሲያዊ ሕብረተሰብን: በቲ ብሕጊ ዝተወሰነ ደራታት ጥራይ ይግዛእ።
     
  3. እዞም መሰላትን ሓርነታትን ብዝኾነ ይኹን ነገር ብኣንጻር ናይቲ ዕላማን መትከልን ሕቡራት ሃገራት ኪትግበሩ ኣይከኣልን።

ዓንቅጽ 30

ንዝኾነት ሃገር: ጕጅለ ወይ ሰብ: ንዋላ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ኣዋጅ`ዚ ዝተገልጹ መሰላትን ሓርነታትን ንምዕናው ኣብ ዝዓለመ ምንቅስቓስ ኪሳተፍ ወይ ዝኾነ ተግባር ኪፍጽም መሰል ከም ዘለዎ ዝእምት ኰይኑ ኪትርጐም ኣይኽእልን።

***ተፈጸመ***

ትርጉም፡- ብዑቝባይ ገብረመድህን ( ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

20 ሰነ(JUNE): 2009


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...