{autoremote linkfromdisplay="false" shuffle="false" autostart="true" width="640" height="510"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-adiAbeyto631.flv{/autoremote}
ሕዳር 5፡ 2006 
      
ናብ ሹማምንቲ ህግደፍ ኩልኹም፡-

ልባዊ ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ነዞም ኣስማትኩም ስዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ሰበ ስልጣን ስርዓት ህግደፍ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ሰማእታት ዓዲ ኣበይቶ ንዘዳሎናዮ፡ ብድምር ሸውዓተ ገጽ ዘለዎ መልእኽቲ፡ ብፋክስ ንሰደልኩም ኣለና።

ምናልባት፡ ገሌኹም ከምቲ ዝደለናዮ እንተዘይበጺሒኩም፡ ባዕልኹም ብእትብልውዎ መሰረት፡ ሹማምንቲ ህግደፍ ኣብ ሓድሕድኩም፡ ስኒትን፡ ምርድዳእን፡ ምትእምማንን ከም ዘለኩም ብምግማት፣ (1) ኣቶ ሓጎስ ክሻ ወይ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ (2) ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡
(3) ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፡ ኣባዚሖም ክልእክልኩም፡ ብቅዳሕ ናይዚ ደብዳቤ መሰል ንህቦም ኣለና። ኣይፍለጥን ምትእምማን ኣጥፊእኩም እንተኮይንኩም ድማ፡ ካብተን ድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ዘቃልሓ ዘለዋ መርበባት ሓበሬታን ዜናን ኤርትራውያን ክትረኽቡዎ ከም እትኽእሉ፡ ንሕብረኩም። 

ኣስዒብና፡ ዝርዝር ኣስማት ናይ ገለ ካብቶም ደብዳቤና ዝተላእከልኩም ሹማምንቲ ህግደፍ፡ ነቕርብ።

ጉጅለ 1፡
ኣሰይድ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
ኣቶ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ)
ኣሰይድ ዓብደላ ጃብር
ኣቶ ዘምሕረት ዮሃንስ
ኣቶ ሓጎስ ገብርሂወት (ክሻ)

ጉጅለ 2
ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ
ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል
ኮሎኔል ጋይም
ብ/ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ 

ጉጅለ 3
ኮሎኔል ተስፋልደት 
ኣሰይድ ዓሊ ዓብዱ
ኮሎኔል ጠዓመ ኣብርሃም (መቐለ)
ኣቶ የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ)
ዶክተር ወልዳይ ፍጡር
ኣሰይድ ሙስጣፋ ኑርሕሸን
 

ጉጅለ 4
ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንድማርያም (ውጩ)
ሚጀር ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ
ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና)
ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ
ብ/ጀነራል ፍጹም (ወዲ መምህር)
ብ/ጀነራል ተኽለ (ማንጁስ) 

ጉጀል 5
ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም
ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ካካይ
ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ 
ሜጀር ጀነራል ዑመር ጠዊል
ሜጀር ጀነራል ሮመዳን ኣውልያይ
ብ/ጀነራል ኣማኑኤል ተወልደ(ሃንጀማ)
ብ/ጀነራል ኣስመሮም ገረዝጊሄር

ጉጅለ 6
ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ - ወዲ ዓሸራ
ኣሰይድ ዑስማን ሳልሕ
ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ
ወይዘሮ ፎዝያ ሃሽም
ዶክተር ጊዮርጊስ ተ/ሚካኤል
ወይዘሮ ኣስካሉ መንቀርዮስ
ኣሰይድ ሙሳ ናይብ
ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ
ወይዘሪት ወርቁ ተስፋሚካኤል
ኣቶ ወልደንኪኤል ገረማርያም
ኣቶ ወልደንኪኤል ኣብርሃ
ኣሰይድ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ
ኣቶ ተስፋይ ገብረስላሴ

ዝኽሪ ሰማእታት ዓዲ ኣበይቶ
ሕዳር ሓሙሽተ፡ 2006


ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋት፡

ልክዕ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ዕለት ኣርባዕተ፡ ወርሒ ሕዳር 2004፡  ገለ፡ ዓቕመ ኣዳም ዘይኣኸሉ፡ ዕሸላት ተመሃሮ፣  ገለ፡ ንዕረፍቲ ከም ዝመጹ መረጋገጺ ዝነበሮም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣
 ገለ፡ ኣብ ምዱብ ስርሖም ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ብድምር በሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፡ ካብ ጎደናታት ኣስመራ ተገፊፎም። ሽዑ መዓልቲ ድማ፡ ኣብታ ብዘይካ ግፍዕን፡ ጸበባን፡ ዓመጽን፡ ኩሉ ዝሃደማ መስኪን ኤርትራና፣ ካብ መኻዚኖ ኣቕሑት ናብ መኻዚኖ ንጹሓት ኤርትራውያን ናብ ዝተቐየረ ህንጻታት ቤት ማሕቡስ ዓዲ ኣበይቶ፡ ተወሲዶም።

ሽዑ ምሸትን፡ ናብ ዕለት ሓሙሽተ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ድማ፡ እዞም ኣስማቶም ስዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ብዘይካ ኣብ ልዕሊ ዝባኖም ዝነበረ ክዳውንትን፡ ኣብ ጀጁባኦም ዝነበረ፡    ኩስተ ወዲ ኩስቶ፡ ተመሃራይ ኤርትራዊ፣  እገለ ጓል እገለ፡ ተመሃሪት ኤርትራዊት፣  እገለ ወዲ እገለ፡ ንዕረፍቲ ዝመጸ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት፣  ኩስቶ ወዲ ኩስቶ፡ ኣብ ከምዚ ኣሃዱ ተመዲቡ ዘሎ ኣባል ሃገራዊ ገልግሎት፣  ዝብል፡ መለለዪ መንነት ወረቓቕቶም፡ ወላ ሓንቲ ዕጥቂ ዘይነበሮም ንጹሓት ኤርትራውያን፡ ብጠያይት ተዘልዚሎም። በሕዋቶም ተቐቲሎም።

እዚ ግፍዒ'ዚ፡ ካብቲ፡ ሰበልጣን ጓኖት፡ ኣብ ጎሮቤት ዓዲ ኣበይቶ፡ ኣብ ወኪ ድባ ዝፈጸሙዎ ግፍዒ፡ ብምንታይ ይፍለ? ካብ ግፍዒ ዑና ብምንታይ ይፍለ? ካብ ግፍዒ ሽዕብ፡ ብምንታይ ይፍለ?

እንታይ ስለ ዝኣበሱ?
እንታይ ኢዩ ገበኖም?
እንታይ ኢዩ ሓጥያቶም?
ናይ መን ድያ 'ዛሃገር?
ናይ መን ኢያ 'ዛመሬት?

ሞትን መቕተልትን ከይኣክል ድማ፡ ደቂ ስብ ክቡራት፡ ስድራ ቤታቶም ኣብ ኣስመራን ከባቢ ኣስመራን እንከለዉ፣ ከም ኣናጹ ማይ በላ፡ ብዘይ መርድእ፡ ብዘይ ኣውያት፡ ኣብ ጋህሲ ተቐቢሮም።

ኣብዛ ንሓርነት ህዝባ 65 ሽሕ ደቃ መስዋእቲ ዝኾኑላ፡ ኣብዛ መብዛሕትኹም እዚ ጽሑፍ ዝለኣኸልኩም ዘሎ ሰባት፡ ፍርቂ ዕድሜኹም ዝተጋደልኩምላ፡ ዝኸርተትኩምላ፡ ዝዓረቕኩምላ፡ ርሃጽ ገዲፍኩም ደም ዝነዛዕኩምላ ሕያወይቲ ኤርትራና ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ እዚ ጥራይ ኣይኮነን።

እወ፡ ብዓቐን፡ ብስፍሓት፡ ብብዝሒ ግፉዓት ምስ ዝመዘን፡ ኣብዘን 15 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣነዲሩ ጠበንጃ ዘዕጠቖ ናይ ሃይለስላሴን ደርግን ግፍዕታት 30 ዓመት፡ ብዕጽፊ ዝበዝሕ፡ መጻሕፍቲ ዝመልእ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ተፈጺሙ ኢዩ።
እዚ መጸዋዕታ'ዚ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ዕለት ግፍዒ ዓዲ ኣበይቶ ይለኣኽ ስለዘሎ ግን፣ ብዛዕባቶም፡ ኣብ 1994፡ ኣብ ክሳድ ለዓይተን ዝተረሸኑ፡ ንሓርነት ፍርቂ ኣካላቶም ዝወፈዩ ስንኩላን ማይ ሓባር፡ ኣይንዛረብን።

ብዛዕባቶም ካብ 1993 ክሳብ ሎሚ ኣብ ማሕዩር ዝበልዩ ዘለዉ፡ መዋእሎም ዝተጋደሉ ሓርበኛታት፡ ኣይንዛረብን።

ነቶም፡ "ጅሃድ ኮይኖም፡ ሓምሻይ መስርዕ ኮይኖም!" ብምባል፡ ከካብ ቤቶም ብምጭዋይ፡ ኣዕጽምቶም ክሳብ ዝሰባበር ድሕሪ ምቕጥቃጥ ዝተረሸኑ ኤርትራውያን፡ ኣይንጠቅስን።

ብርዱእ ምኽንያታት ዓው ኢልኩም ወላ ኣይትዛረብዎ፡ ኣብዚ ክሳብ ሕጂ መደምደምታ ዘይተገብረሉ ብሰበብ ባድመ ዝተወል ኩናት፡ ስለምንታይ ከምቲ ህዝቢ ኤርትርን ዓለምን ዝፈልጦ ሳዕቤን ወሪዱና፡ ትፈልጡዎ ኢኹም። መራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ስለምንታይ ብብይን ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ምቕያድ ከም ዝኣበየ'ውን፡ ትፈልጡ ኢኹም።

ንሕና'ውን፡ ንፈልጥ። ኣጸቢቕና ንፈልጥ። እንዳፈለጥና ግን፡ ብጓሂ ሕርር መታን ከይንብል፡ "ኣሕ፡ ጴጥሮስ እንተዝህሉ! ዑቕበ ኣብርሃ እንተዝህሉ! ኣድሓኖም ገብረማርያም እንተዝህሉ! መስፍን ሓጎስ እንተዝህሉ!" ዝብል ነዊሕ ሓተታ ኣይነቕርብን።

ልብኹም ስለዝዓቢ፣ ኤርትራ፡ ከማና ዓድኹም፣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከማና ህዝብኹም ከም ዝኾነ ስለእንፈልጥ፣ ቅንዕና በራኺ፣ ትብዓት ድሩዕን ሸሪፎን፣ ኒሕ ሑመድ መሓመድ፡ መርገጺ ብርሃነን እስቲፋኖስን፣ጽንዓት ኣስቴር፣መትከል ኬኪያን ጀርማኖን፡ ኮታ ብሓፈሻ፡ ሰናይ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተመነዩ፡ ኣብ ጎዳጉዲ ተደርብይም ዘለዉ፡ ብቅኑዕ ኣቡዓረን፡ ብርሕርሕቲ ኣስቴር ዮሃንስን ክንውክሎም ዝመረጽና፡ ፈተውቲ ሓርነት ብጾትናን ኣሕዋትኩምን ኣልዒልና፡ ኣዳዕዲዕኩም ንእትፈልጡዎ ጉዳይ፡ ከም ሓድሽ ኣርእስቲ ክንዛረበሉ ኣይንደልን።

ድዉይ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣቶ ኢሳያስ ንምጉልባብ፡ ተተወጢጦም ከም ጠበቕ ዝተረሸኑ ኣመና ብዙሓት ንጹሓት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት'ውን፡ መዓልቶም ስለዘይኮነ፡ ብዛዕብኦም ጸብጻብ ኣይነቕርብን።

ብዛዕባ ተመሃሮን ዊዓን፡ ኣይንምድርን። ብዛዕባ ቢትወደድን ፓፓዮን፡ ኣይነልዕልን።

ብዛዕባቶም ኣብ ክንዲ ካብ ሳዋን ሰራዊትን ዝተሰወሩ ደቅኹም፡ ሓምሳ ሽሕ ክፈሉ ብዛዕባ ዝተባህሉ ወለዲ፡ ኣይንትንትንን።

ብዛዕባ ሳዋን ዓመጻን፡ ኣይንዛረብን። ብዛዕባ ባንን እኽልን፡ ብዛዕባ ላምባን ቁጠባን፡ ኣይንዝክርን።

ብዛዕባቶም "ባባየ፡ ተጋደልቲ ይቐትሉኒ ኣለዉ! ማማ፡ ንዒባ ርድእኒ!" እናበሉ፡ ከም ሰብ ተወሊዶም ከም እንስሳ ዝተሃድኑ ግዳያት ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ሎም መዓልቲ፡ ንሰማእታት ዓዲ ኣበይቶ ዝተፈልየት መዓልቲ ስለዝኾነት፡ እንሆ በቲ ዓቕምና ዝፈቕዶ ንዝርዝሮም ኣለና።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣
ነዚ ጽሑፍ ኣብ እተንብብሉ ግዜ፡ "እዚ ዝተቕትለ፡ ኣበይ ኮን ኢዩ ገዝኡ? ክንደይ ኔሩ ዕድሜኡ? መን ኢዩ ኣቦኣ? ክንደይ ኔሩ ዕድሜኣ? ደቀይ እንተዝኾኑስ፡ ከመይ ምተሰመዓኒ?" ንዝብላ ሕቶታ፡ ንነብስኹም ሓቲትኩም፡ ፍርቂ ዕድሜኹም ተቓሊስኩም፡ እንታይ ኣምጺእኩም ከም ዘለኹም ገምግሙ።

"እወ፡ ከምቲ ኣቶ ኢሳያስ ዝበሎ፡ ከምቲ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ድማ ዘመቓቐሮ፡ "እዚኣቶም፡ ኣብ ብዕሉግ ስርሓት ዝተዋፈሩ ስለዝኾኑ፡ ክቕተሉ ይግብኦም ኢዩ!" ዝብል ሕልና እንተለኩም፡ መን ምዃንኩም፡ ትነግሩና ኣለኹም። "ሰብ ክቡር፡ ከም እንስሳ ሃድን ክቕተል ኣይግባእን። ወላዲት ብደዋ፡ ከም ኣንጭዋ ኣይጎሓፍን!" ትብሉ ምስ እትኾኑ ድማ፡ መን ምዃንኩም፡ ትሕብሩና ኣለኹም። 

መንግስቲ ሓላፊ ኢዩ። ኣብ ዕድሜና ጥራይ፡ ምስዚ "መንግስቲ" ዝብል ስም ክትህቦ ዘጸግም፡ ባዕሉ ኢደ እግሩ እናቖርጠመ ሎሚዶ ጽባሕዶ ዝብል ዘሎ ስርዓት ደሚርካ፡ ኣርባዕተ መንግስታት ርኢና።  ንሓምሻይ ድማ፡ መንገዲ ነጣጥሓሉ ኣለና።

ብመስዋእቲ 65 ሓሙሽተን ኣሽሓት ናብ ስልጣን ዝደየበ፣ ብደም መንእሰያት ኤርትራ ዝመጸ፣ ዝተጋደልናሉ፣ ዕልል ዝበልናሉ መንግስቲ፡ ነበር ክኸውን፡ የሕዝነና። እቲ ምንታይ፡ ባዕልና ዝዓደግናዮ ሕማም፣ ባዕልና ዘምጻእናዮ ዕዳ ስለዝኾነ። ናብ ናይ ታሪኽ ሓተላ ከም ዝጎሓፍ ግን፡ ታሪኻዊ ግድነት ከም ዝኾነ ኣይንጠራጠርን። መንኮርኮር ታሪኽ ከይድንጒ ድማ፡ ከይተሓለልና፡ ለይትን መዓልትን፡ ንሰርሓሉ ኣለና።

ስለዚ፡ ነዚ ጽሑፍ እተንብቡ ዘለኹም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡-

ውጹዓት፡ ኣሕዋት ግፉዓት፡ ስድራ ብዱላት ምስ እትኾኑ፣ ነሕዋትኩምን ደቅኹምን ብግፍዒ ዝቐተለ ስርዓት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝምብርከኸላ መዓልቲ ክትመጽእ ምኳና ፈሊጥኩም፣ ሹማምንቲ ህግደፍ ዝገብሩዎ እከይ፡ ኣብ መዓልቱ ሕነ መታን ክፍደየሉ፡ መዝግቡዎ። ነታ መዓልቲ ከተቀላጥፉዋ ድማ፡ ተመባጽዑ።

ኣብ መቓብር ኣሕዋትኩም ዘይትድብሉ፣ ብንብዓት ኣዴታትኩም ዘይትኩሓሉ፣ "ውሽጡ ሕሩር"፡ ናይ ሓሶት ፍሽኽታ ኣሰኒኹም፡ ምእንቲ እንጀራ ምእንቲ መሃያ፡ ተመሳሲልኩም እትኸዱ ምስ እትኾኑ፣ ሰብ፡ ንከብዱ ጥራይ ከም ዘይነብር ብምዝካር፡ ምስ ነብስኹም ተመራመሩ።

ኣይንብልን'ምበር፡ ጽርግያ ምስራሕ፡ ምምዕባል ቁጠባ ዝመስለኩም፣ኣብ ዓዲ ኣጓዱ፡ ኣብ ዓዲ ሃዳሙ፡ ቤት ጽሕፈትን መንበርን ኣመሓደርቲ ዝኸውን መረባዕን ቪላን ምስራሕ፡ ምዕባሌ ሃገር ዝመስለኩም፣ ቁጠባዊ ጸገም ኤርትራ፡ ብሰንኪ ወያኔ ዝመጸ ዝመስለኩም፣ ኣብ ገዛኻ ሓዊ ተኣጒዱ እንከሎ፡ ሓዊ እንዳ ጎሮቤት ከተጥፍእ ምጉያይ፡ ልቦናን ሜላን ዝመስለኩም፣ ሓረስታይ ኣብ ዘይብሉ ዓዲ፡ ዲጋ ምስራሕ፡ ብመግቢ ነብስኻ ንምኽኣል ዝሕግዝ ዝመስለኩም፣ ንሃገራዊ ኣገልግሎት፡ 10 ዓመታት ደሞዝ ዘይከፍል ስርዓት፡ መንግስቲ ዝመስለኩም፣ብሓጺሩ፡ ስርዓት ህግደፍ መንግስቲ ዝመስለኩም ምስ እትኾኑ፣ ኩሉኹም ነዚ ጽሑፍ እተንብቡ፡ ተቐማጦ ከተማ ከም ዝኾንኩም ብምግማት፣
ሰብዶ ብከምዚ ይቕተል ኢዩ? እሞ ብተጋደልቲ?
ወዲ ሓውቦይ፡ ዓሰርተ ዓመቱ ጠበንጃ ካብ ዝስከም። ግራቱ መን ይሓርሰሉ ኣሎ? ደቁ እንታይ ይበልዑ ኣለዉ?
ሓትነይ፡ ወዳ ጠፊኡ፡ ሓምሳ ሽሕ ክፈሊ ተባሂላ። ካባይ ከተምጽኦ ኢያ? እዚ ርትዒ ድዩ?
ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝብሃል ከመይ ድዩ? እቲ ሕጊ 18 ወርሒ እንድዩ ዝብል? 18 ወርሒ ምስ ኣገልገሉ ደሞዝ ዘይክፈሉ ስለምንታይ? ዘይክፈሉ እንተኾይኖም፡ ወይ፡ ኩሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ወላ ሚኒስቴር ወላ ጀነራል፡ ደሞዝ ከይተኸፍለ ይስራሕ። እንተዘይኮነ ግን፡ ኣገልግሎት ሃገር ተባሂሉ፡ እቲ ሓደ ብደምዞ፡ እቲ ሓደ ብዘይ ደሞዝ ክነብሩ፡ ፍትሒ ድዩ?" ኢልኩም ሕተቱዋ ንነብስኹም።

ደቅኹም፡ ኣሕዋትኩም፡ ወላ'ውን ባዕልኹም፡ ዕጫ ናይዞም ኣሽማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ሰማእታት ዓዲ ኣበይቶ ከይበጽሓኩም፡ ውሕስነት ከም ዘይብልኩም ድማ፡ ክበርሃልኩም ኢዩ።

ሹመኛታት ህግደፍ ምስ እትኾኑ ግን፡ እዚ መልእኽቲ ብቀንዱ ናባኻትኩም ዝቐንዐ ስለዝኾነ፡ ናይቶም ሰራውር እከይ ምዃንኩም ሰባት፡ ዘረባ ኣይብሉን። እቶም ንቑጻት መጉሃርቲ ሓዊ፡ ድሓን ተፋሊጥና ኣለና። እቶም ላንግላንጋ ከም ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ድማ፡ ድሕሪ ደምዓዶ ዘረባ ኣለዎ? ኣይሰሓትናኩምን!! እቶም ጥሉላት ግን፡ "ብሰንኪ ንቑጽ፡ ይነድድ ጥሉል" ዝብሃል ምስላ ክትዝክሩ ንምሕጸን።
እቲ ምንታይ፡
 ብሞት እዞም ሎሚ ዝኽሪ ዕለቶም መዛረቢና ኮይኑ ዘሎ 64 ሰማእታት ዓዲ  ኣበይቶ፣
 ብምርሻን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣
ብህይወት ኣብ ጎደና ስደት፡ ኣብ ሰሃራን ውቅያኖስ ዝቕዘፉ ዘለዉ ዕሸላት፣ ብቃንዛ  እቶም ብምቕጥቃጥን ዓመታት ስቓይን፡ ኣብ ፈቐዶ ኣድራሻ ዘይብሉ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉን፡ ዝተቐትሉን ኣሽሓት ኤርትራውያን፣
  ብሞት ተመሃሮ ዊዓ፣
 ብንብዓት ኣዴታት ኤርትራ፡
 ብቃንዛን ዝኽትምናን ሕጻናት ኤርትራ፡ ዝሕተተሉ መድረኽ፡ ክመጽእ ኢዩ።

እወ ርግጽ፡ እዚ ሕጂ "መንግስቲ ኢዩ ጌሩዎ" ብምባል ዝሕለፍ ዘሎ ጉድያት፣ "ሕራይ፡ መንግስቲ ዝነበሩ በዓል መን ኢዮም?" ዝብሃለሉ ዕለት፡ ክመጽእ ኢዩ። ውድቀት ህግደፍ ትሑዝ፣ መዓልቲ ፍትሒ ርጉጽ ኢዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ፡ "ግዜ ከለካ፡ ግዜ ኣይትጸበ!" ከም ዝብሃል፣  እንተኾነ፡ ህግደፍ ስርዓት ሸፋቱ ምዃኑ ኣለሊኹም - ብቕንዕና ብልቦና፣ እንተዘይኮነ ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ተጋሂጹ ዝተወድአ ሓኸለ ከም ዝኾነ ተረዲእኩም - ብሜላ፣ ንፋስ ባሕሪ፡ ኣንፈት ከም ዝቐየረ ኣስተብሂልኩም - ወላ ብጉርሒ፡ መኣዝን ህይወትኩም ከተቕንዑ ሓደራ እንዳበልና፣ መልእኽትና ብዕቱብነት መታን ክትርእዩዎ፣
 ብንብዓት ኣዴታትና ንዝኮሓል፣
 ብስቓይ መንእሰያት ኤርትራ ንዘሽካዕልል፣
ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙ፡ ገድሊ ሰላሳ ዓመትን መስገደሉን ንውልቃዊ ሃብቱን ሽመቱን ዝጨወየ ሃንዳስን ወዳስን ኩሉ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኢዱ ዝረኽበላ መዓልቲ ከይመጸት፡ ወላ ንሓንቲ ህሞት ሩፍታ ከም ዘይንረክብ፡ ነዘኻኽረኩም። እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ህዝቢ ኣንጻር ህግደፍ ስለዝኾነ ድማ፡ ውድቀት ህግደፍ ትሑዝ፡ መዓልቲ ሓርነት ርጉጽ ከም ዝኾነ፡ ደጊምና፡ ደጋጊምና ነረጋግጸልኩም። 

ወደሓንኩም!

ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሓደ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ኢዩ!
ሓርነት ህዝብና፡ ብድምጽና!

 

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ዝሃለቑ ዜጋታት

1. መልኣከ ሰሎሞን ሃይለ
2. ቢላል ሳይቕ ኑረዲን
3. መንከም እዝራ ብኢዱ
4. ሽደን ጊልያጋብር ሽሞንዲ
5. ሩፋኤል በራኺ ዝግታ
6. ደንደን ኣሰፋው ብላታ
7. ዮሪን ተስፋይ ኣስመላሽ
8. ነስረዲን ዑስማን ዓሊ ሓጅ
9. ምናሴ ክብርኣብ ዓብለሎም
10. ጎሹ ወንድሙ በራኺ
11. ህብታይ ረዘነ ኣድጎይ
12. ሰለሞን ሓድሽ በረኸተኣብ
13. ኣልማዝ እንድርያስ ንገቱ
14. ጽገሬዳ መድሃኔ ተስፋዝጊ
15. ሄኖክ ሃብተ ሕድራይ
16. ናትና መርሃጸን ህዳድ
17. ሩታ በርሀ ጊላይ
18. እምነቱ ተኸስተ ዓንደብርሃን
19. ያሲን በላይ ሰለሞን
20. ኣማኒኤል ተስፎም ሃይለዝጊ
21. ኢብራሂም መሓመድ ስሌማን
22. ስራጅ ያቆብ ዓብዱ
23. ኢብራሂም ዓፋ ተመልሶ ንጉሩ
24. ፋሲል መብራህቱ ዓንደመስቀል
25. ሊያ በረኸት ጉላይ
26. ሳህለ መንቆርዮስ ሓድጉ
27. ጽላለት የዕብዮ መርሃይ
28. ተስፋኣለም ባህልቢ ሰደቕያስ
29. ተስፋልደት ምሩጽ ባሀበሎም
30. ዳኒኤል ግርማይ ነጸረ
31. ናቕፋ ሰሎሞን ብእምነት
32. ዓፋ ሽሞንዲ ሃይለመለኮት
33. ዓጣ መርሃዊ ኣገይ
34. ዘቢት ኣንጀሎ ዘራጼን
35. ሆሚብ ንኣምን ዘፈሩ
36. ረቕያ ሓሚድ ተሰመን
37. ኣኽሊሉ መድሃኔ ርባብ
38. ያፌት መንበሩ ሃብቶም።
39. ዮናታን ሰመረ ወልዱ
40. ናትናኤል መረስዕ ሓድጉ
41. ሽፋ ኢማም ስዒድ
42. ደጀን ጊልያጋብር ኣርዓዶም
43. ፍርቱና ኣንጎሶም ምራጭ
44. ለይላ ምሕጹንቱ ነጸረኣብ
45. ሂልቱም ኣብርሃም ኪሮስ
46. ወልደገብርኤል የማናኣብ ተስፋይ
47. ዮውሃንስ ሰዓረ ሃብተማርያም
48. እንዳልካቸው መኩርያ በየነ

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ ሓለዋ እንከለዉ ዝሞቱ፡ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፡-

1. ሮሞዳን ስሄል ዳርና
2. ዑስማን ሓምድ ሕመድ
3. ከራር ፋርገይ ኣደንጎ
4. ለተዝጊ ድራር ለባሲ
5. ብርሃነመስቀል ትኩእ ተስፋብርሃን
6. ሃይለ ሞባጸን ምሕረቱ