{autoremote linkfromdisplay="false" shuffle="false" autostart="true" width="320" height="20"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-VoDSept182005821.mp3{/autoremote}

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ሬድዮ ድምጺ ደሊና፡-

ሎሚ፡ ዕለት 18 መስከረም 2005 ኢዩ።

ኣብ ሃገርና፡ መስከረም፡ ብብዙሕ ምኽንያታት፡ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዋ ወርሒ ኢያ።  ብዓይኒ ሓረስታይ፡ ካብ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ኣትሒዙ፡ “ቁራዕ ሓምሊ ውጻእ፡ ገዓት ጠስሚ እቶ!” እናበለን፡ ሸዊቱ እናበልዐን፣ ጻማ ጻዕርን ርሃጽን ክራማት፡ ቀለብ ሓጋይ ክሓፍስ፡ ንእቶት ቀውዒ ዝዳለወላ ወርሒ ኢያ።

ብተወሳኺ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝሰፈኖ ሃዋህዉ ኮይኑ፡ ቀሲኑ ስርሕ ስርሕ ኣቢሉ፡ መስከረሙ መሊሳ ክትልምልም እሞ፡ ብጻዕሩ ክስልጥንን ክምዕብልን ዘሰላሰሎ ናይ 30 ዓመታት ህዝባዊ ተጋድሎና፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ብዝተተኮሰት ፋልማዊት ጥይት ዝተጀመረ ስለዝኾነ፣ ወርሒ ሃንሰ መስቀለ፡ ድርብ ሓጎስን ዕልልታን ክስምዓላ ዝግባእ ወርሒ ኢያ።

እዛ ዘለናያ መስከረም ግን ከምኡ ድያ?  ኣይኮነትን።

መስከረም ሎሚ፡ ብህይወት ወዲ ገጠር ምስ እንርእያ፣ ሓረስታይ ሃገርና፡ ዓውድን ቆፎን ኣዋዲዱ፡ እቶት ግራቱ ብሰላም ክሓፍስ ዝዳለወላ ኣይኮነትን። እንታይ ድኣ፡ ዓሚ ስርናይ ኣውስትራልያ ዝተቐበለሉ መሸማዐê ተተርኢሱ፣ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝተተኾበ ስርናይ ልማኖ ከቕበል ዝምህለለላ ዘሎ ወርሒ ኢያ።

 ብህይወት ሸቃላይን ከተመኛን ምስ እንመዝና ድማ፣ ዝገደደት'ምበር፡ ዝሓሸት ኣይኮነትን። ቆልዑትን ኣንስትን ከተማ፡ ቁጽሪ ስድራቤት ብዘየገድስ፡ ንመግቢ እለት፡ ሓሙሽተ ባኒ ንስድራ ንክረኽቡ፡ ሰዓት ሓሙሽተ ናያ ንግሆ ኣብ ድኳናት ቀበሌ ህግደፍ ተሰሪዖም ዘርፍዱላ ወርሒ ኢያ። ጨው በርበረ ብኩቦን ዝዕደለላ ወርሒ ኢያ። ሽኮር ብኮንትሮ ባንዶ፡ ብዕስራን ሰላሳን ኣቕራሽ ንኪሎ ዝህድነላ ወርሒ ኢያ።

ብሕጽር ዝበለ፡ እዛ መስከረም እዚኣ፡ ወርሒ ድርብ ሓጎስን ዕልልታን ኣይኮነትን። በንጻሩ፡ ካብተን ዝሓለፋ ሓያል ግናይ መስከረማት ብዝበኣሰ፣ ጥሙይ ከብድን ዕሩቕ ዝባንን፡ "ካብዚ ዝኸፍእ ኣይምጻ" እንዳበሉ፣ ብስርናያ ልማኖ ክሳብ ንዓመታ ክጻንሑ ዝምህለሉላ፣ ወርሒ ዓጸባን ጸበባን፣ ወርሒ ስእነትን ጥሜትን ኢያ።  

ከብዲ ጥራይ እንተዝጠሚ ግን፡ ኣይምከፍአን። ብልማኖ ምንብባር፡ ዘይባህሊ ኤርትራውያንን ነውርን ወላ እንተኾነ፣ ምኽንያት እዚ ጥሜት ብዘየገድስ፡፣ ካብ ወረደ፡ እዚ ህዝቢ'ዚ፡ ነዚ ግናይ እዋን ብስርናይ ልማኖ ምሓለፎ። ከይወዓለ ከይሓደረ ድማ፡ ንዓመታ መስከረም ለምለም ክትኮነሉ፡ ጻዕሩ መዛየደ።

ጸገሙ'ሞ፡ መዓስ ንሱ ጥራይ ኮይኑ። ጸገሙስ፡ ህዝቢ ሓኾትኮት ከይብል፡ ኢደ እግሩ ዝቕፍድ፣ ንጥሙይ ኣብራኽ መሊሱ ዝኹርሚ፣ ንጽሙእ ጎሮሮ መሪር ዕረ ዘመንግግ መንግስትን፡ ካብ ዕሩቕ ዝባን ንላዕሊ "እሔው" ዘብል ጸብጺብካ ዘይወዳእ ግፍዕታቱን ኢዩ። 

መስከረም ድማ፡ ብዝርኣየቶን ዝወዓለትሉን ሓቅታት፡ ቀንዲ ምስክር ናይዚ ኣስካሕካሒ ግፍዒ ኢያ።

ግደ ሓቂ፡ ግፍዕታት እዚ መንግስቲ እዚ፡ ኣብዛ ፍልይቲ ዕለተ መስከረም ዝጀመረ ኣይኮነን። ግፍዕን ዓመጽንስ፣ ካብ ብዓንተቦኡ፡ ኣንጊሁ ዝጀመሮ ስለዝኾነ፣ ቅድሚ እዛ ዕለት እዚኣ ኣዝዩ ብዙሕ ዓመጻትን ግፍዕታትን ተፈጺሙ ኢዩ።

ሓደ ክልተ ኣብነታት ንምጥቃስ፡ ኣብ 1994፡ ኣብ ማይሓባር ዝነበሩ ጀጋኑ ስንኩላን ኲናት ብረታዊ ተጋድሎ፣ ኣብ ክሳድ ዓዲ ንፋስ፡ ብጥይት ኮማንዶ ተመንኪሎም። ኣብ 1999ን 2000ን፡ ቁጽሪ ዘይብሎም መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብትእዛዝ መንግስቲ፡ ብዘይ ክሳን ዳኛን፡ ተረሽኖም። ካልእ ኣብዚ ምዝርዛሩ ግዜ ዝወስድ ብዙሕ ጉዳያት እውን ኣጋጢñሙ ኢዩ። 

ይኹን'ምበር፡ ሎሚ ዕለት 18 መስከረም ከም ምዃኑ መጠን፣ ኣብ ፍጻሜታት እዛ ፍልይቲ ዕለት ብምትኳር፡ ኩላትና ኤርትራውያን ንእንፈልጦም ሓቅታት ምዝኽኻር፣ ብብዙሕ ምኽንያታት ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ ንብል።

በቲ ሓደ መዳይ፡ ንሓቀኛ ምስልን እንታይነትን እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብሪሁ፡ ኤርትራውያን ኣብ ጎደና ራህዋን ፍትሕን ከም ዘየለና ንምንጻር ክሕግዝ ዝኽእል ይመስለና።

በቲ ካልእ፡

  1. ነቶም ስልጣንን ናይ በይንኻ ምቾትን ከየተዓሻሸዎም፣
    1. ንትርግታ ልቢ ህዝቢ ሰሚዖም፡ ምእንቲ ህዝቢን ሃገርን ድምጾም ዘስምዑ
    2. ነቶም ብለይቲ ከካብ ቤቶም ዝተጨውዩ ዜጋታት፣ 
    3. ነቶም መዋእሎም ስለ ናጽነትን ሓርነትን ህዝቦም ከርቲቶም ህጣሞም ዘጥፍኡ ተባዓት ተጋደልቲ፣
  2. ነቶም መሰሎም ስለዝሓተቱ፡ ኣብ ክራማት 2001፡ ኣብ ሃሩር ዊዓ ክጥበሱ ምስ ተበየነሎም ክልተ mበጾቶም ብግፍዒ ዝሞቱዎም ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፣
  3. ነቶም ምዕቡል ዜጋ ዘለዋ ብልጽግትን ውሕስትን ሕፍርትን ኤርትራ ክትህሉ ብሂጎም ሓቀኛ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ስለዘመሓላለፉ፡ በብሓደ ተጨውዮም ብዘይ ኣሰር  ዝተሰወሩ ጋዜጠኛታትን፣
  4. ነቶም ስኒት ደቆምን ጽቡቕ ኤርትራን ብሂጎም፡ ኣብ መንጎ መተዓብይቲ ዕርቂ ክገብሩ ምስ ፈተነê ኣብ ማሕቡስ ዝተዳጎኑ ኣረጋውያንን ኤርትራ ምዝካር፣

ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዝኣምነሉ ቅዱስ ተበግሶ ኢዩ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ንፍጻሜታት 18 መስከረም 2001 ምዝካር፣ ኣሽማቶም ብዘየገድስ፡ ንኩሎም በዚ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ዝተበደሉ፡ ዝተገፍዑ፡ ዝተሰዱ፡ ዝተኣስሩን ዝተቐትሉን ኤርትራውያን እውን ምዝካር ኢዩ።

ክንዲ ዝኾነ፡ ድምጺ ደሊና፡ ካብዚ ምኽንያታት እዚ ብምብጋስ፣ ናይ ሎሚ መዓልቲ መደባ፣ ናብ ፍጻሜታት እዛ ዕለትን፣ ናብኣ ዘምርሐ ኩነታትን፡ ድሕሪ እዛ ዕለት ኣብ ዝቐጸለ ወፍሪ እርያ ሰብ ሕልና ኤርትራውያንን ዘተኮረ፡ ፍሉይ መደብ ሒዛ ቀሪባ ኣላ።