ኣብ ሱዳን ድንጎላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ሕጹጽ ሓገዝ ድሕነትን ዝጽበዩ 365 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎዉ ኤርትራዉያን ንድሕነቶም ህጹጽ ምንቅስቓስ ከካይዱ ኣምሪሮም ይምሕጸኑ።

ኣስታት ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራይብ ብምህዳም ኣብ ኢድ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣብ መሸጣ ንግዲ ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ ተወላዶ ብሔረ ራሻ-ይዳ ዝወደቑ 94 ደቂኣንስትዮን ሓንቲ ነፍሰጾርን 10 ቆልዑኡ ዝርከብዎም 365 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ሽማል ዝተባህለ ቦታ ድሕሪ ምብጸሖም፡ ኣብ መንጎ እቶም ራሻይዳን ሓይልታት ጸጥታ ሱዳንን ብዝተገብረ ናይ ተኹሲ ልውዉጥ እቶም ራሻይዳ ድሕሪ ምህዳሞም፡ እዞም 365 ኤርትራዉያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ሱዳን ኣትዮም ሽማል ኣብ ዝተባህለ ቦታ ፍሉይ መጸዉዒኡ ድንጓላ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት ተኣሲሮም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
 
ስጋብ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘሎዉ ኤርትራዉያን፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ብምስምማዕ ብፍላይ ከኣ፡ ምስ ዘይሕጋዊ መሸጣን ዝውዉርን ስደተኛታት ምትእስሳር ዘሎዎ ሓደ ኣባል ጸጥታ ግደፍ ኣብ ሱዳን ብምዃን፡ ምእንቲ ገበናት ከይቃላዕ ንምስታሩ ተባሂሉ፡ ንኹሎም እቶም ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ንምጥራዞም ዉሳነ ተማሓላሊፉ ኣብ ምድላዉ ከምዘሎዉ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡
 
ስለዝኾነ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎኹም ኤርትራዉያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳይ ስደተኛታትን ብሓበራ፡ ነዞም ኣብ ህጹጽ ኩነታት ኣትዮም ድሕነት ዝጽበዩ ዘሎዉ ኤርትራዉያን ኩሉ ዝካኣለኩም ጻዕርን ስራሕ ድሕነትን ከተካይዱ እቶም ስደተኛታት ኣምሪሮም ሓቲቶም ኣሎዉ።
 
ዛጊት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ህጹጽ ናይ ድሕነት ስራሕ ካብ ዝሰርሑ ዘሎዉ ንጉዳይ ስደተኛታትን ሰብኣዊ ንጥፈታትን ኤርትራዉያን ካብ ዝሰርሑ ዘይመንግስታዉያን ማሕበራት እቲ ብ( ጋንዲ ዘይመንግስታዊ ሰብኣዊ ማሕበር) ዝተባህለ ማሕበር ድሮ ንድሕነት እዞም 365 ኤርትራዉያን ናብ ኤርትራ ከይምለሱን ሰብኣዊ ክብሮም ንኽሕሎን ኣድላይ ምንቅስቓስ የካይድ እንተሎ፡ ዝያዳ ጸቕጥን ምንቅስቓስን ከምዘድልይ ተሓቢሩ ኣሎ።  

መሓሪ ኣብራሃም 
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.      


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...