ሰሙን ኣቢሉ ይገብር ሓደ ኣብ ለንደን ዝቕመጥ ሓወይ፡ ብስቓይ ናይቶም ዑቕባ ንኪሓቱ ናብ እስራኤል ዝስደዱ ዘለው’ሞ ኣብ ኢድ በደዊንን ራሻይዳን ዝሃልቁ ዝለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተቖጢዑን ሓዚኑን፣ ‘መዓስ ኮን ኢዩ ዝውዳእ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣሰንዩ ብራሚታ ናቫልን ፓውል ኪተልን ዝተዳለወ ናይ ቪድዮ ሪፖርት ይሰደለይ።  

እቲ ኣርእስቲ ንዓይ ሓድሽ ብዘይምንባሩ፡ ቅድሚ ሕጂ ‘ብኣጀነሲያ ሓበሺያ” (ኣባ ሙሴ ዘርኣይን መሳርሕቶምን) ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኪፍንውዎ ዝጸንሑ ጽሑፋት ዘርኢ መወክስ (link) እሰደሉ። ኣስዒበ’ውን፡ በቲ ጉዳይ ካብ ምስትምሳልን ምሕዛንን ሓሊፍና ስጉምቲ ክንወስድ ከም ዝግባእ ዘመልክት ሓጺር ለበዋ እሰደሉ። ድሒረ ከም ዝገምገምኩዎ ግን፡ ለበዋ ምሃብን ጽሑፍ ምቕራብን ቀሊልን ኩሉ ኪገብሮ ዝኽእልን ኮይኑ እየ ረኺበዮ። እቲ ዘይከኣልን ንኹላትና ሸጊሩና ዘሎን ግን ተወዲብካ ምስራሕ (ብፕሮጀክት ምስርሕ) ኢዩ - እመስለኒ።  

ተወዲብና ክንሰርሕ ኣይከኣልናን ማለተይ፣ ካብ መንግስትን ማሕበረ-ኮማትን ወጻኢ፡ ብዙሕ ዘይንፋለጥን ብሓባር ዘይንነብርን ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ኣዕሚቑና ክንዝትን ነቲ እንዝትየሉ ኣርእስቲ ድማ ንኹላትና ብዘዕግብ መንገዲ ናብ ምደምደምታ ከነብጽሕን ኣይከ ኣልናን ማለተይ ኢዩ እምበር፤ ካብዚ እንንየተሉን እንዝምረሉን ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ናይ ውዳበ ተመኩሮ ዘለዎ ህዝቢ ኣሎ ማለተይ ኣይኮነን። እኳ ድኣ ናይ ህዝብና ውዳበስ ዓረርን መድፍዕን ብምብዳህ።  

እቲ ሽግር ብቐዳምነት ናይ ፈተነ፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሪዑ ዝውድብ ውለቀ-ሰብ ወይ ጉጅለ ሰለዘየሎ (እንተሎ’ውን፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዕግርግ ምስራሕ ስለዝኸልኦ) ጥራይ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ስለዚ፣ እዚ ንሓደ ዕላማ ናብ ኣዕጋቢ መደምደምታ ንምብጻሕ ብቐረባ ዘይፋለጡ ሰባት ተወዲቦም ኪሰርሑ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ሓሳብ ምእንቲ ብንጹር ኪግምገም ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ ጊዜ ፈተነ የድሊ። ሎሚ፡ እዚ ቀሊል ዕማም ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። ሰባት በትዊተርን ፌስ-ቦክን (Twitter and Face-book) እንዳተወደቡ ቅድሚ ሕጂ ዘይከ ኣል ዝነበረ ስራሕ እዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ። ንሕና ድማ፡ ታሪኻዊ ሪምና ንዝኾነ ይኹን ዕንቅፋት ክንሰግር ዘኽእለና ዕቑር ሓይሊ ብምዃኑ፣ ነዚ ሽግር’ዚ ሰጊርና፡ ናይ ሓባር ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ውልቀ-ሰባት ሽግራት’ውን ብናይ ሓባር ኢድን መኸተን ክንብድህን ክንኣልን ከም እንኽእል እየ ዝኣምን። ንሱ እዩ እቲ ታሪኽና፤ ታሪኽ ሓቦ፡ ታሪኽ ጽንዓት፡ ታሪኽ መኽተ። ነዚ ኢና ከኣ መሰረት ጌርና ክንብገስ ዘለና። 

ንኹላትና ከገድስን ከዋስእን ዝኽእል ኣርእስቲ ካብቶም ብኣዝማሪኖን ብዶ/ር የዕብዮን ዝቐረቡ ሓሳባት ዝተፈለየ ኪኸውን ኣይክእልን ኢዩ፣ ንሳቶም ንኹላትና ብዛዕባ ዘሕዝንን ዘቖጥዕን ነገር እዮም ጽሒፎም ዘለው። እዚ ወገን፡ ሃይማኖት፡ ወይ ከኣ ፖለቲካዊ ጸግዒ ከይፈለየ ንኹላትና ዝትንክፈና ዘሎ ሽግር ነባሪ ፍታሕ ኪርከበሉ ናይ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ትጽቢት ኢዩ።ምእንት’ዚ ዘይንመያየጠሉን ሓይልታትና ወዲብና ዘይንሰርሓሉን ምኽንያት ኣሎ ኣይብልን፣ እንተልዩ ድማ ኣብ መስርሕ ዝፍታሕ ስለዝኾን ትዕግስቲ ጥራይ ኢዩ ዝሓትት። ብዛዕባ ናይ ቅድመ-ግንባር ጉጅለ ድማ ካብ ኣዝማሪኖ ንላዕሊ ዝበቅዕ፡ ውዳበን ዓቕምን ዘለዎ ኣካል ክንረክብ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣዝማሪኖ ኮም ነዚ ቅዱስ ጉዳይ’ዚ ባዕሉ፡ ብዘይ ምድፍፋእ ተበጊሱሉ ስለዘሎ ድማ፣ ንሓሳቡ ምድጋፍን ብግብሪ ንኪስራሓሉ ዘኽእል መንገዲ ምቕያስን ጥራይ ኢዩ ዝተርፈና። ኣብ መወዳእታ፣ ካብ’ዚ ፈተነ’ዚ ዝቕሰም ተመኩሮ ናብ ዝለዓሉ ደረጃታት ከሰጋግረናን፡ ዓበይትን ንኣሽቱን መደባት ዕዮ (ፐሮጀክታት) ቀይስና ንምስራሕ ከኽእለናን ግድን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ዝደገገም ምስርሕ ልምዲ ስለዝፈጥር።  

ቅድሚ ዝኣገር ግን ኪዝረበሎም ዘለዎም ነገራት ኣለዉ፣ ኣስዒበ ድማ በብሓደ ከልዕሎም ኢየ፦ 

  1. ኣብ ደገ እንርከብ ኤርትራውያን፡ ኣብ ንሓድነትና ዕንቅፋት ዝኾኑ ዘለው ጉጅለታት ማለት፣ ናይ ሃይማኖት፡ ናይ ብሄር ልዕሊ ኹሉ ድማ ናይ ፖለቲካዊ ጸግዒ ጉጅለታት ተኸፋፈልና ኢና እንርከብ። እዚኣቶም፡ እቶም ንናይ ሓባራዊ ዕላልን ዘተን ዕንቅፋት ኮይኖምና ዘለዉ ድኽመታት ኢዮም፤ ግዳ ከምቲ ቅንፍዝ “ንደቅኺ ከመይ ጌርኪ ኢኺ እትሓቚፍዮም” ንዝብል ሕቶ ክትምልስ እንከላ “ከከም ገጾም” ኢላ ዝመለሰት፣ ንሕና’ውን ነዞም መለለዪና ዝኾኑ ድኽመታት ከም ቅቡላት ወሲድና ኢና ውዳበን ጥርናፈን ናብ ዝሓትት ስራሕ ክንዋፈር እንኽእል። ብቐዳምነት ነዞም ዝጠቐስኩዎም ድኽመታት ከነወግድ ኣለና ዝብል ሓሳብ ምስ ዝለዓል ድማ ብላዕሊ ላዕሊ ቅኑዕ ዝመስል፡ ግን ከኣ ናይ ምክፍፋልን ጎነጽን መዘዝ ዝሓቖፈ ሰበብ ዝዕላማኡ ኣርእስቲ ምዃኑ ኣዐሪና ክንፈልጥን ኣብ ስራሕና ዕንቅፋት ንከይፈጥር ክንቋመትን ይግባእ። ብሓጺሩ፣ ብድኽመታትና ኣይኮንናን እንጥርነፍ፡ ብብልጫታትና እምበር። እቶም ዝዓበዩ ብልጫታትና ድማ ናይ ሓባር ታሪኽ ስለ ዘለናን፣ ንሃገርናን ህዝብናን ዘለና ትምኒት ድማ ሓደ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ካብዚኣቶም ዝበልጽ ብልጫ፡ ካብዚኣቶም ንላዕሊ ዝጥርንፍ ረቛሒ ስለዘየልቦ፣ ኩሉ ምክፍፋላትን ድኽመታትን ድማ ኣብ ውሽጦም ስለዝሓቅቁ፣ በዞም ብልጫታት እዚኣቶም ምስራሕ ይከኣል ኢዩ። በዞም ዝጠቐስኩዎም ብልጫታት ምስራሕ ማለት እምበዓርከስ፣ ናይ ጀብሃን ናይ ሻዕብያን፡ ናይ ህግደፍን ተቓውሞን፡ ኣስላማይን ክስታናይን፡ ከበሳን ቆላን ወ.ዘ.ተ. ዝብሉ ፍልልያት ኣብ ሞንጎ ኣትዮም ከይህዉጽና ክንጸናጸንን በብዝመጽዎ ልዙብን ተሪርን መልሲ ክንህበሎምን የደሊ። መልስና ግን ንሰብ ዝሓቁፍ እምበር ንሰብ ዘባህርርን ዘንፍጽን ኪኸውን የብሉን። እዚ ከኣ ኢዩ ዝለዓለ ጥንቃቐን ዲሲፕሊንን ዘድልዮ። ብፍላዪ እቶም ነቲ ፕሮጀክት ዝመርሑ ሰባት ብትዕግስቶም፡ ትሕትንኦም፡ ልዙብነቶም ዝልለዩ ለባማት ኪኾኑ ኣለዎም። ናይ ብሓቂ ድማ፡ ሽሕኳ እቲ ምእላይ ኣብ ዝባን ውሑዳት ለባማት እንተወንዘፍናዮ፣ ምስቶም ዝኣለዩ ሰባት ምትሕግጋዝን ኣብ ጎድኖም ከም ዘለና ወትሩ ምርግጋጽን ወሳኒን፡ ተወፋይነት ናይቶም ነቲ ዕላማ ንከነዐውት እንብገስ ሰባት ዝሓትትን ምዃኑ ገና ከይተበገስና  ክንኣትዎ ዝግብኣና ምብጽዓ ኢዩ።
  2. ምሁራትን ስነ-ጥበባውያንን ምኽባር፦ ብእንግሊዝኛ ኮይኑ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ናብ ዓዋተ ዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ነይሩ እዩ። ትዝ ይብለኒ ድማ፡ ሓደ ግርማይ  ፊሊፖ ዝብልዎ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሴ “ኣምሓረይቲ ተመርዒኻ’ባ፡ ክትፎ  ትበልዕ ኔርካ’ባ” ብምባል ኤርትራውነቱ ኪገፍፍ ዝፍትን ጽሑፍ ኣብ መርበብ ‘ወደ’ባት’  ብምንባበይ ተቖጢዐ ዝጸሓፍኩዎ ኢዩ ንይሩ። እንታይ ኣእተዎ’ስኪ ዋላ ጋውና ይመርዓው?

    እግረ-መንገድና ሓደ ጊዜ፡ ኣሞይ ወረቅሃ ዝብሃላ ሓማተይ ዝብጽሓኒ ፈላሲት ኣብ ዓዲ- ባዕኬል ይነብራ’ሞ፣ ወደን ንሓደ ኣኩኡ ዝብጽሕዎ ሃለቃ ኣልዒሉ፡ “ንሱ’ኳ ስቕ ኢሉ ኢዩ፡  ዘይ ዓደየ ዓደይ ኢዩ ዝብል ነይሩ” ኢሉ ክዋራዘየሎም ምስ ሰምዓ፡ ትቕብል ኣቢለን “ኣንታ፣  ወደይ ክንደይ ትደፍር! ነቲ ታቦት!” ኢለን ተቖጥዕዖ ይብሃል። 

    ህዝብና ንሓደ ዝተማህረ ሰብ ከም ታቦት ኢዩ ዝርእዮ፣ ብርሃኑ ስለዝኾነ። ንኹሉ ነታ  ቀነዴል ንከጥፍእ ዝመጽእ ንፋስ መንጠሌን (ሕማቕ ንፋስ) ተኸላኺሉ ድማ እታ ቀንዴል  ብርሃና ናብ ኩሉ ከም እተብጽሕ ይገብር። እዚ እዩ ናይ ህዝብና ዛንታ። ሪሙ ንዓበይቲ፡  ንቀሳውስቲ፡ ንመሻይኽ፡ ንመማህራን፡ ንሓኻይም ምኽባር ኢዩ። ዝኾነት ስድራ-ቤት  ንዝምሃሩ ደቃ እተርእዮ ዝነበረት ከበሬታን ሓልዮትን ኣብ ልቢ ነፍስ-ወከፍ ብእኡ ዝሓለፈ  ሰብ ተሰሩቱ ስለዘሎ ውዳሴ ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ ጊዜ ምምሕዳር መንግስቲ ኤርትራ፡  ሓደ ካብቶም ዝለዓለ ኣኽብሮት ዝውሃቦም ዝነበሩ ሰባት ኣቦይ ይሳቕ ተወልደ-መድህን  ኢዮም። ኣብቲ ጊዜ’ቲ፡ ኣቦይ ይሳቕ ‘ኢንስፐክተር ኣብያት-ትምህርቲ መባእታ’ ኢዮም  ዝነበሩ፣ ልዕሊኦም ድማ ኣቶ ምስግና ኣልመዶም ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ (በዚ ናይ ሕጂ  እዋን ሚኒስተር ማለት ኢዩ) ኮይኑ ይሰርሕ ነበረ። ግዳ፡ ኣቶ ምስግና ክውከሶም እንከሎ  “ኣቦይ ይሳቕ” እንዳበለ እንተዘይኮይኑ “ኣንታ” ኢሉ ዘነጢልዎም ኣይፈልጥን፤ ኤረ  ክደልዮም እንከሎስ ናብ ቤ/ት ጽሕፈቶም ድኣ ይኸይድ እምበር ናብ ቤ/ጽሕፈቱስ ከቶ  ጸዊዕዎም’ውን ኣይፈልጥን።  

    ሎሚ፡ ዘበንያ ግርምቢጥ ኮይኑ፣ ሓደ መዋዕልቲ ኾማሮ ተንሲኡ ንሓደ ካብ ሃገራዊ  ቅርስታትና ከም ጉዚ ክመናጥሎ ምርኣይና ክብርና ከም ዝተዋረደ፡ ቅርስና ከም ዝሓሰረ  ዘርኢ አስደማሚ ሕንከት ኢዩ። ንሕማቕ ነገር፡ ካብ በሃሊኡ’ስ ደገሚኡ ከም ዝብሃል፣ እቲ  ንዕኡ ዘስተናገደ መርበብ (ወደ’ባት) ከይተረፈ እቕረታ ኪሓትት ኢዩ ዝግባእ። ከምዚ  ዝኣመሰለ ኣጸያፊ ነገር ንኸይርኤ ግን ብቐዳምነት ንኽብሪ ምሁራን ዝመልስን ግቡእ ናይ  ክብሪ ቦታኦም ዘትሕዝን ሓያል ጻዕሪ ከነበግስ ኣለና። ከም ሹም ንህቢ፡ ኩላትና  እንተዘይዓሲልናዮም ድማ ካብ ፍሬኦም ክንምገብ ኣይንኽእልን ኢና። ሕሉብናን ንጹፍና  ንሳቶም፡ እቶም ዘለዉ ምሁራትና ኢዮም። ወዮ ድኣ ኣይትኽበሩ ኢሉና ኢዩ’ምበር፡ ዓዲ  ሃገር እኳ ኣኽቢሩን ሓብሒቡን ይሕዞም ኣሎ። (ኣብዚ፡ ንዶከተር ተስፋይ ስባህቱ፡ ስለ እቲ  ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘለዎ ጽኑዕ መርገጽን ሰፊሕ ትንታኔን ከየምስገንኩ ክሓልፍ  ኣይደልን)። 

    ናብቲ ዘበገስኩዎ ነጥቢ ክምለስ ግን፣ ታርኽ ናይ ሓደ ሃገር ብዘይ ተራ ምሁራንን ስነ- ጥበባውያንን ኪገለጽ ኣይከኣልን ኢዩ፤ እዚ ሓቂ’ዚ ድማ ምሁራንን ስነ-ጥበባውያንን ኣብ  ጥርናፈ ሓደ ሃገርን፡ ስልጣኔ ሓደ ህዝብን ዓቢ ግደ ከም ዝጻወቱ’ዩ ዘረጋግጽ። እስቲ ንልቢ  ክኾነና ድማ፡ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ምስቲ ኣብ ግብጺ ዝተዓወተ ህዝባዊ  ቃልሲ ኣዛሚድና ንርኤ። 

    ናይ ክልቲኡ ውጽኢት ህዝባዊ ስልጣን ምርግጋጽ ኢዩ፣ ፍልልያት ግን ኣለዎም።  ፍልልዮም ድማ፣ እቲ ሓደ ኣብ ህልኽን ኵናትን፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ልዝብን ስኒትን  ዝተመስረቱ ምዃኖም ኢዩ። ኣየናይ ኢዩ ዝምረጽ? እቲ ህይወት ዘህልቕን፡ ኣባይቲ ዘዕኑን  ዘሎ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ንዝተደኮነ ባህላዊ ስልጣኔ ነበር ዝገብር ዘሎን ኵናትን ህልኽን’ዶ  ወይስ እቲ ብረት ዝዓጠቐ ሰራዊት ኣብ ሞንጎ ደው ብምባሉ ሕግን ስርዓትን ዝተኸብረሉን  ዕንወትን ሞትን ዝተወገደሉን ግብጻዊ ምንቅስቓስ? ስለምናታይ’ከ ክንድዚ ዝኣክል ፍልልይ  ኣብ ሞንጎ ብባህሊ፡ ብታሪኽ፡ ብሃይማኖት፡ ብቛንቋ፡ ብልምዲ ዝተኣሳሰሩን ኣሕዋት ዝኾኑን  ጎረባብቲ ህዝብታት፣ እሞ ኸኣ ኣብ ኣፈታትሓ ሓደ ዝዓይነቱ ሽግር? እቲ ፍልልይ  እምበዓርከስ ኣብ እኩብ ጻዕሪ ናይቶም ንኣሽሓት ዓመታት ብጽሞና፡ ተፈላጥነት ከይተጸበዩ፡  ሞገስን ክብርን ከይሓተቱ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንኽምጽኡ ዝጸዓሩ ግብጻውያን ምሁራንን  ስነ-ጥበባውያን ዝተሞርኮሰ ኢዩ። ንሱ ኢዩ እቲ ናይ ምሁራን ህያብ፣ ቀስ ኢሉ ስምዒታትና  ዝቆጻጸርን፡ ዝሓሹ ሰባት ንክንከውን ዝጓስየናን ህያብ። እንታይከ ዝሓትት ይመስለኩም? ነቲ  ብድርሰት፡ ብግጥሚ፡  ብስእሊ፡ ብዜማ ተቐሪጹን ተቓኒዩን ዝቐርበልና ውጽኢት ስራሖም  ምስትምቓር ጥራይ። 

    ምሁራንን ስነ-ጥበባውያንን ከነኽብር ኣለና ማለት ግን ክንነቀፍ የብልናን ማለት ከምዘይኮነ  መቸም መብርሂ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ምሁራንን ስነ-ጥበባወያንን ውጽኢት ስራሓቶም  ንህዝቢ ከቕርቡ እንከለው ስራሖም ደገፍን ነቐፌታን ከም ዘበግስ ይፈልጡ ኢዮም። ነቐፌታ  ግን ስም  ብምጥፋእ፡ ብምዝንጣል፡ ኣእማን ብምድርባይን ኣይኮነን ዝሰምር። ከምኡ ዝበለ  ነቐፌታ ኣብ ሞንጎ ኮይኑ ንዝፈርድ ኣንባቢ/ተዓዛቢ እውን ኣይጠቅምን ኢዩ። ከሎ ገና  ብሉዝብ ቃላትን ትሕትና ብዝመልኦ መንገድን ሓሳብካ ክትገልጽ ምፍታንን፡ ካብ ኣርእስቲ  ዘይምውጻእን ጭውነት  ጥራይ ዘይኮነ ውሕስነት እውን ኢዩ። ብኻልኦት ንከይትጽረፍን  ንኸይትዝንጠልን ውሕስነት። ካብ ኣርእስቲ ምውጻእ እውን ዘይነበረ ምስሕሓብ ኢዩ  ዝፈጥር። ልክዕ እምኒ ንዝድርብየልካ ዱላ ጌረካ ኢኻ እትዘብጦ፡ ግን ቦታን ጊዜን ምሕላው  የደሊ። ብማይ ቀጠነ  ዝራቐቑ ምሁራን እንተልዮም ድማ ተዓዚበካ ንተዓዛቢ ኢኻ  እትሓድጎም እምበር ምስኣታቶም  ኮለል ኣይትብልን። ከይተተንከፍካ ሰባት ምትንካፍ ግን  ሕምቀት እምበር ክእለት ኣይኮነን፤ ልዕሊ ኹሉ ድማ ካብቲ ዝቐረበ ጽሑፍ ወይ ስነ-ጥበባዊ  ስራሕ ክትምሃር፡ ክትምኮር፡ ክትከስብ ናይ ዘይምኽኣል ሕምቀት ።  
  3. ንመንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ተራ ምሃብ፦ ብፕሮጀክት ምስራሕ ተራ ምሁራን ብፍላይ  ከኣ ተራ መንእሰያት ምሁራን ዝሓትት ስራሕ ኢዩ፣ ነዚ ኣዐሪና ምፍላጥን፡ ካብኡ ተበጊስና  ድማ ተራና ምውሳንን የድልየና። ሎሚ እቲ ጊዜ ከም ዝተቐየረ፡ ኩሉ ውደባ ዘድልዮ ስራሕ  (ሰብ፡ ንዋትን ገንዘብን ኣወሃሂድካ ሓደ መደብ ስራሕ ምጅማርን ምፍጻምን) ናይቶም ምስ  ዘመናዊ ተክኖሎጂ ዝተላለዩን ንዕኡ ዝመልኩን ሰባት ግደ ምዃኑ ኪርድኣና ይግባእ። መብዛሕትኤን ፖለቲካዊ ውድባት ክሳብ ሕጂ ሓደ ነገር ከየፍረያ ዝህውትታ ዘለዋ ድማ እዚ  ሓቂ’ዚ ስለዘይተኸስተለንን፡ ምስ ኣረጊት ምምሕዳር ኮለል ይብላን ስለዘለዋን ኢዩ። ሎሚ፡  ዘበነ ትዊተርን ፌስ-ቡክን (Twitter and Face-book) ኢዩ፡ በዞም ምሳርሒታት እዚኣቶም  ክንዓዪ ከኣ ግድን ክኸውን ኣለዎ። ንሱ ስለዝኾነ ዘዐውተና። ነዞም መሳርሒታት እዚኣቶም  ብግቡእ ክጥቀሙሎም ዝኽእሉ ግን መንእሰያት ስለዝኾኑ፡ ነዚ ዝእመት ዘሎ ፕሮጀክታዊ  ስራሕ ዝምርሑ’ውን ንሳቶም ኪኾኑ ኣለዎም። ብዘይካ’ዚ መንእሰያት ንጹሃት ኢዮም፡ ቂም  የብሎምን። ካብቶም ንዓና ንዓበይቲ ዝጸልዉ ፍልልያት ናጻ ስለዝኾኑ ከኣ ሓቢሮም ናይ  ምስራሕ ጸገም የብሎምን። እዚ ጠባይ’ዚ ድማ ፕሮጀከታዊ ስራሕ ንምምራሕ ብቑዓት  ይገብሮም። 

ካብዚ ብዘይፍለ፡ ፕሮጀከታዊ ስራሕና ምእንቲ ኪዕወት ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ምርግጋጽን ግቡእ  ቦታኤን ከም ዝሕዛ ምግባርን ሓላፍነታዊ ግቡእና ምዃኑ ኪፍለጥ ኣለዎ። ብቐዳምነት፡ እቲ  እነበግሶ ፕሮጀክት ናይ ሓባር ምዃኑ ዝረጋገጽ፡ ናይ ጾታ ፍልልይ ብዘይብሉ መንገዲ ምስ  ዝውደብን ምስ ዝዕየየሉን ጥራይ ኢዩ። ቀጺሉ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ቀልጢፈን ናይ ምውዳብን  ናይ ምስምማዕን ባህሪ ስለዘለወን፣ ምስሕሓብን ግርጭትን ኣይፈጥራን ኢየን። ብዘይካዚ፡  ኣብ ምጥፍፋእን ገበንን እትኣቱ ጓል-ኣንሰተየቲ ዳረጋ የላን። እዚ ሓቂ’ዚ ንብዙሓት ደቂ- ተባዕትዮ የሰንብድ ይኸውን፣ ግን ከኣ ሓቂ እዩ። ክንጥቀመሉ ከኣ ይግባእ። ስለዚ፡ እቲ  ንፕሮጀክትና ኪመርሕ ዝምዘዝ ኣካል ብመንእሰያት ደቂ-ተባዕትዮን መንእሰያት ደቂ- ኣንስትዮን ዝቖመ ምስ ዝኸውን ዝያዳ ውጽኢታዊ ከም ዝኸውን እኣምን።  

ኣርእስቲ ፕሮጀክት

ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለጽኩዎ፡ እቲ እንመርጾ ኣርእስቲ ንኹላትና ዘገድስን ዘሳትፍን ምስ ዝኸውን ተቐባልነት ከም ዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብወገነይ፡ ካብ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይን ኣብ ባሕሪ መዲተራነያን ዝጸንቱ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንላዕሊ ዘነድረናን ዘለዓዕለናን ኣርእስቲ ዘሎ ኣይመስለንን። ብዛዕባ እዚ ኣርእርቲ’ዚ ብዙሓት ጻዕርታት ተገይሮም ኣለዉ፣ ካብቶም ዝተገብሩ ጻዕርታት ድማ እዞም ዝስዕቡ ክንጠቅስ ንኽእል፦ 

  • ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ሚያዝያ 29፣ 2009 ብኣዝማሪኖ ዝተዳለወ ናይ ቪድዮ፡ ስእልን ጽሑፍን ሪፖረት፣
  • Refugees who perished in the Mediterranean sea in March 2011” ብዝብል ኣርእስቲ ብኣዝማሪኖ ዝተዳለወን፡ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ መጋቢት 2011 ኣብ ባሕሪ መዲተራንያ ዝሃለቑ አሰታት 320 ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝሓዘን ናይ ቪድዮ ሪፖርት፣
  • Unreported World” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብ እስራኤል ንኪኣትዉ ዝፍትኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብበደዊንን ራሻይዳን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ዝገልጽ ብ Ramita Naval and Paul kittel ዝተዳለወ ናይ ቪድዮ ሪፖርት፣
 ብመሰረት እዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ጸብጻባት፡ ሕጂ ኣቓልቦ ኩሉ ሰብ ስሒቡ ዘሎ ሽግር እምበዓርከስ፣ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይን ባሕሪ መዲተራነያንን ዝሃለቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ኢዩ፤ እዚ ኽኣ ናይ ፕሮጀክትና ኣርእስቲ ኪኸውን ግድን ኢዩ። እዚ ኩላትና እንሰማማዓሉን፡ ንኹላትና ብማዕረ ዝትንክፍን ኣርእስቲ ብምዃኑ፣ ብሓባር ንክንሰርሕ ዘኽእለና ኣርእስቲ ኢዩ። ምናልባት ኣብ መጀመርታ፡ ብዝተፈላለዩ ውሁባት ምኽንያታት ዘርጠብጠብ ዝብል ቁጽሪ ተሳተፍቲ ምስ ዚህሉ ከም ባህርያዊ ኪውሰድ ዘለዎ ነገር ይኸውን፣ ምኽንያቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ናይ መጀመርታና ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ተስፋን ትዕግስትን ዝሓትት ስለዝኾነ። ብቐንዱ ናይ ምቅላሕ ጉዳይ ኣሎ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ንኣዝማሪኖ ይከታተል ኢዩ ኢልካ ኪሕሰብ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዝኾን ግን፡ እቲ ጉዳይ በብእዋኑ እንዳሳዕረረ ከም ዝኸይድን ቁጽሪ ተሳተፍቲ ከም ዝዛይድን ዘጠራጥር ይልቦን። እቲ ዝዓበየ ነገር ድማ ምጅማሩ ጥራይ ኢዩ። 

እቲ ናይ ፕሮጀክትና ኣርእስቲ፡ “ጉዳይ ናይቶም ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይን ባሕሪ መዲተራነያንን ዝሃለቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት” ኢልና እኳ እንተሰመናዮ፣ ዝያዳ ኪንጸርን ዘየደናግር መደብ ዕዮ ኮይኑ ኪቕመጥን ከም ዘለዎ ዘማትእ ኣይኮነን። ማንም ሰብ ከስተውዕሎ ከም ዝኽእል ድማ፡ እቲ ኣርእስቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ኢዩ። እቲ ኣርእስቲ እንታይ ዕማም ክንዓምም ከም እንደሊ ከነጽር፣ እቲ ዕማም ኪጭበጥ ወይ ኪብጻሕ (feasibility) ዝካኣል ምዃኑን ዘይምዃኑን ኪረጋገጽን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ብጊዜን ብዓቕምን ዝተለክዐ መደብ ስራሕ ኪህልዎን የድሊ። ማለት፣ ኣርእትስና ኣብ ሓደ ዝተወሰነ እዋን ሓደ ዝተወሰነ ውጽኢት ኪህበና ኣለዎ። ውዳበናን ኣስተዋጽኦናን ድማ ብጠለብ ናይቲ ዝተወሰነ ውጽኢት ንኪህበና እነሰላስሎ ዕማም ይምእዘዝ። ስለዚ፣ ብርግጽ እንታይ ኢና ከነሰላስል ንደሊ ዘለና ንዝብል ሕቶ ናይ ሓባር መልሲ ክንረኽበሉ ኣለና። ተመሊስና ነቶም ኣብ ላዕሉ ተጠቒሶም ዘለው ጻዕርታት ምስ እንውከስ ድማ፣ ኣብታ ቀዳመይትን (“ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት” ብኣዝማሪኖ) እታ ራብዓይትን (“ጅማሬ ኤርትራዊ ስደትን ኣፈታትሓኡን” ብዶ/ር  የዕብዮ) ዝቐረቡ ሓሰባት/ርእይቶታት ስለዘለዉ ንዓታቶም ከም መበገሲ ንውሰድ። 

ብኣዝማሪኖ ኮም ካብ ዝቐረቡ ሓሳባት

  • ቤ/ጽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሽግር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኪርእን ኪፈትሕን ምእንቲ ናብቲ ኣብ ኒዩ-ዮርክ ዝርከብ ቤ/ት ጽሕፍት ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ምቕራብ፣
  • ንተሳትፎ ህዝቢ ዘሳልጣ ሽማግለታት በብዞባኡ ምምራጽን፡ ካብዚኣተን ዝተዋጽኤት ሃገራዊት ሽማገለ ምቛምን፣
  • ወጻኢታት ናይታ ሽማገለ ንምሽፋን፡ ካብ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ሓሓደ ወይ ከክልተ ቅርሺ ምእካብ።

ብዶ/ር የዕብዮ ካብ ዝቐረቡ ሓሳባት

  • ንዋይ ምእካብ፣
  • ዲፕሎማሲያዊ ዘመተ ምክያድ፣
  • መሰል ስደተኛታት ንኪኽበር ምቅላስ፣
  • ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ዝሰፍርሉ መንገዲ ሃሰውሰው ምባል፣
  • ገበነኛታት ኣብ ቤ/ፍርዲ ዝቐርብሉ ሜላታት ምንዳይ፣
  • ምስ ኩነታት ስደተኛታት ንምምሕያሸ ተወዲበን ዝሰርሓ ዘለዋ ማሕበራት ምድግጋፍ። 

ካብ ርእይቶታት ዶ/ር የዕብዮ፡ እተን ብዛዕባ ‘ኣብ ኣውሮጳን ኣምሪካን ስደተኛታት ምስፋርን’ ‘ገበነኛታት ናብ ቤ/ፍርዲ ምቕራብን’ ዝብላ ክልተ ሓሳባት ብዞባ ደረጃ ዝተወደበን ዝተሞከረን ሓይሊ ስለ ዝሓታን፣ ከምዚ ዝበለ ውዳበ ድማ ክሳብ ሕጂ ስለዘይተበጽሐን ንጊዜኡ ንጎደኒ ገዲፍና፣ ነተን ዝተረፋ ርእይቶታት ምስተን ብኣዝማሪኖ ዝቐረባ ከነጠቓልል ንፈትን፤ ኣብዘን ዝስዕባ ሓሳባት ከኣ ንወድቕ፦ 

  1. ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ምቕራብ
    •  
      • መሰል ስደተኛታት ምኽባር
      • ዲፕሎማሲያዊ ዘመተ ምክያድ
  2. ኣሳላጢት ሽማገለ ምምራጽ (ምምዛዝ)
    •  
      • ገንዘብ ምውጻእ
      • ንዋይ ምእካብ
  3. ምስ ህሉዋት ማሕበራት ምድግጋፍ
እንሆ እምበዓር፡ እተን ርእይቶታት ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ሓሳባት ተጠቓሊለን ኣለዋ፡ ማለት፦ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ምቕራብ፡ ኣወሃሃዲት ሽማገለ ምምራጽ፡ ምስተን ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝከታተላ ህሉዋት ማሕበራት ምትሕግጋዝን። እቶም ኣብ ውሽጠን ተታሒዞም ዘለው ንኣሽቱ ክፋላት (ንኣብነት፡ ‘መሰል ስደተኛታት ምኽባርን’ ‘ዲፕሎማሲያዊ ዘመተ ምክያድን’ ኣብ ውሽጢ እታ ቀዳማይ ኣርእስቲ) ከም ናይተን ዓበይቲ ኣርእስትታት ዝርዝር ስራሓት ኪውሰዱ ይከኣል። ናይ ፕሮጀክት ኣርእስትና እምበዓር ዝያዳ እንዳበርሀ ይኸይድ ኣሎ። ብመሰረት እዞም ኣብ ላዕሊ ጠርኒፍናዮም ዘለና ርእይቶታት ቀንዲ ኣርእስትና ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ምቕራብ ኮይኑ፡ ነቲ ዕማም እተሳልጥ ሽማገለ ምምራጽን ኣድላዪ ንዋት ምቕራብን ዝብሉ ዝርዝራት ይሓቁፍ። ብዕቑር ክእለትን ተመኩሮን ህሉዋት ምሕበራት

ንምጥቃም ድማ ምስተን ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝከታተላ ዘለዋ ሃገራውያን ማሕበራት ጋድማዊ ዝምድና ምምስራት። ኣርእስትና ግን ገና ናብ መደብ ዕዮ ኣይተሰጋገረን፣ ምኽንያቱ ኪንጸር ስለዘለዎ። ንኣብነት፦ 

  • ‘ናብ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ምቕራብ’ ዝብል ሓሳብ ዝስዕቡ ሕቶታት/ስክፍታታት የበግስ፦
    • ነቲ ሽግር ምንጻር፣ ብዙሓት ሽግራት ዝሓቁፍ ምስ ዝኸውን ድማ፡ ነቲ ሕ/ሃገራት ከተኵረሉ ዝተደልየ ቀነዲ ሽግር ምንጻር።
    • ነቲ ሽግር ንምውጋድ ብሕ/ሃገራት ኪውሰዱ ዝድለዩ ዘለዉ ስጉምታት ምንጻር።
    • ብሕ/ሃገራት ኪውሰዱ ዝድለዩ ዘለዉ ስጉምትታት ምስ ተግባራት (mandate) ሕቡራት ሃገራት ዝሰማምዑ ምዃኖም ምርግጋጽ።
    • እቲ ሽግር ናብ መን ኪቐርብ ከም ዝግብኦ ምፍላጥ። እቲ ጥርዓን ናብ መን ምስ ዝቐርብ ኢዩ መልሲ ዝረክብን ዝዕየየሉን? ናብ’ቲ ኣብ ኒዩ-ዮርክ ዝርከብ ቤት  ጽሕፈት ሕ/ሃገራት’ዶ ወይስ ናብ’ቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት (UNHCR)?
    • ኣብ መወዳእታ እቲ ጥርዓን ፖለቲካዊ መልክዕ ንከይሕዝ ምጥንቃቕ፤ ቅድሚ ሕጂ ተምሳሳሊ ጉዳይ ምስ ዘቕረቡ ኣካላት ምምይያጥን ተመኩሮ ምቕሳምን
  • ‘ንህልዋት ማሕበራት ምድጋፍ’። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነጥቢ ኢዩ። ነቲ ጉዳይ ብወለነታ ዝስርሓሉ ዘለዋ ማሕበራት ኣለዋ፡ ንዓታተን ምሕያል ድማ እቲ ዝቐለለ ኣማራጺ ኪኽውን ይኽእል። ነቲ ሽግር ብዝተወደበን ቀጻሊን መንገዲ ዝሰርሓሉ ማሕበራት ምህላወን ኣዝዩ ዓቢ ዕድል ኢዩ፡ ንሳተን እንዳሃለዋ ድማ ካልእ ተደራቢ ዝመስል መደብ-ስራሕ ምብጋስ ሓይልታትና ምክፍፋል ስዝኸውን ኣይምረጽን። ውጽኢት’ውን የብሉን። ስለዚ፡ እቲ ዝምረጽ ምንገዲ ንዓታተን ምሕያል ኢዩ፣ ኵኖ ምሕያለን ድማ፡ ነዚ ናብ ሕ/ሃገራት ጥርዓን ምቕራብ ዝብል ጉዳይ ናይ ሓባር ገምጋም ንኪግበረሉ ምድፍፋእ።
  • ሽማግለ ምምራጽን ገንዘብ ምውጻእን። እዚ ተክኒካዊ ሕቶ እዩ፣ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ክልተ ሕቶታት ብግቡእ እንተተገምጊሞምን አንተተወሃሂዶምን ከኣ ሽማገለ ምቛምን ገንዘብ ምውጻእን ሽግር ዘለዎ ኣይመስለንን፤ ምኽንያቱ ብዙሓት ወለንታን ፍቕሪ ሃገር ዘለዎምን ሰባት ስለዘለዉ።   

መደምደምታ፣

ጽሑፈይ ነቲ ንጉዳይ ናይቶም በብዋኑ ኣብ በረኻታት ሲናይን ባሕሪ መዲተራነያንን ዝሃለቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣመልኪትና ‘ናብ ቤ/ጽ ሕቡራት ሃገራት ጥርዓን ነቕርብ’ ዝብል ሓሳብ ብምድጋፍ ዝቐረበ ኢዩ፣ ካብ ደረጃ ሓሳብ ናብ መደብ ዕዮ (ፕሮጀክት) ንምስግጋሩ ድማ ፈተነ ተገይሩ ኣሎ። እቲ መስርሕ ግን ኣይተፈጸመን፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ሓሳብ ገና ዘይተመለሱ ሕቶታት ሓቑፉ ስለዘሎ። ነቶም ሕቶታት/ስክፍታታት ንምምላሽ ሓደ መጽናዕቶ ምክያድ’ውን ይድለ ይኽውን፣ ብዓቢኡ ከኣ ነዚ ሓሳብ’ዚ ካብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ናብ መደብ ስራሕ ዘሰጋግር ኣሰተዋጽኦ የድሊ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ርእይቶ ንምድምዳም ዝኣክል፣ ነዚ ከም ኣርእስቲ ተወሲዱ ዘሎ ብኣዝማሪኖ ዝቐረበ ሓሳብ ናብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ኣብ ግምት ኪኣትዉ ዘለዎም ነገራት ኣስዒበ እንዳዘርዘርኩ፡ ናይ ካልኦት ርእይቶ ንኪውሰኾ ብልቢ አማሕጽን።  

  1. እዚ ሓሳብ’ዚ ብኣዝማሪኖ ዝተበገሰ፡ ዶ/ር የዕብዮ ድማ ዝወሰኸሉ ይኹን’ምበር፣ ብዓቢኡ እተን ኣብ ናይ ዶ/ር የዕብዮ ጽሑፍ ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራውያን ማሕበራት ኪዓያሉ ዝጸንሓን ሕጂ’ዊን ዝዓያሉ ዘለዋን ጉዳይ ኢዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ከም ሓሳብ ንዝተፈላለያ ሃገራውያን ውድባት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ናይ ኢንተርነት መርበብ ጋዜጣታት፡ ምሁራን ወዘተ ዝትንክፍ ስለዝኾነ፣ ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱን ካልኦትን ከም ዝፈልጥዎን ሓሳብ ከም ዝህብሉን ምግባር።
  2. እዚ ሓሳብ’ዚ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ተቐባልነት ከም ዘለዎ ንምፍላጥ ሓደ ናይ ኢንተርነት ዳህሳስ (survey) ምክያድ።
  3. ኣብ መወዳእታ፣ እዚ ሓሳብ’ዚ ቅሂሙ ከይተርፍ ምእንቲ ሓደ ንዕኡ ዝከታተል፡ ዝመርሕ፡ ምስ ግዱሳት ኣካላት ርክብ ዘካይድን፡ እማመታት ዘቕርብን ኣካል ምምዳብ። እዚ ድማ ንኣዝማሪኖ ዝግደፍ ኮይኑ ይስምዓኒ። 

ርእይቶ፣

“መርዓዊ ከይሓዛስ፡ ዓርኪ ሓዛ” ከይከውን ምእንቲ፣ እቶም ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብቐድመ-ግንባር ተሰሪዖም ሽግሮም ከም ዘቃልሑ ምግባር እቲ ዝበለጸን ዝቐለለን መበገሲ ኢዩ። ስለዚ፡ ብቐዳምነት ንዓታቶም ምውዳብ፡ እንተተኻኢሉ ድማ ኣቤቱታኦም ናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኪጋባእ ተሓሲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ከም ዘቕርቡ ምግባር ብቐሊሉ ኪጒሰ ዘይብሉ ሓሳብ ኢዩ። ወከልቲ ናይቶም ስደተኛታት ኣብቲ ዋዕላ ከም ዝሳተፉ ንምግባር ዝድለ መደብ ስራሕን ወጻኢታቱን ንምውዳብ ድማ ዝቐለለ ይመስለኒ። ነዚ ብዝምልከት ርእይቶታት እንተልዩ ድማ መርሓባ። 

በረኽት-ኣብ ሃብተማርያም

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

16/06/2011 
 
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...