Eritrean refugees from all walks of life (elders, women, children, students, youngsters, former fighters, former national service personnel’s, disabled, veteran fighters, etc.) participated in a demonstration in Shimelba refugee camp in Ethiopia. The demonstrators came from Maiaini refugee camp – round 9,000 Eritrean refugees – and Shimelba refugee camp – over 7,000.

Some of the slogans which were prepared in five languages are as follows (English, Arab, Tigrigna, Kunama and Saho):-

“We are Political Refugees.”
“We are victims the dictatorial regime in Eritrea.”
“We condemn the statement of the Eritrean delegation in Geneva.”
“We condemn the faulty campaign against Eritrean Refugees.”
“We call for the international community attention over Eritrean Refugees.”
“We call for a guaranteed international protection for all Eritrean Refugees.”

A memorandum – a response to the statement given by the permanent Eritrean delegation to the UN – was prepared, read and submitted to different bodies.

The demonstration closed after it toured the whole camp for nearly one hour. The demonstrators gathered on a volley ball field of the learning centre and the memorandum was read by the organizers of the demonstration. It was followed with one minute silence, in remembrance of the Eritreans who have lost their lives while crossing the Eritrean border, the Sahara desert and the Mediterranean Sea.

መእተዊ፡-

ኤርትራ ብሓደ ገባቲ ሰልፊ እትመሓደር ሃገር ኢያ፡፡ እዚ ሰልፊ’ዚ ዉላድ ናይቲ ንስርዓት ደርጊ ሰዒሩ ናጽነት ዘዐወተ ሓይሊ እዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ትጽቢታት ነይርዎ፡ ገለ ኻብኡ ንምጥቃስ፡-

  1. ብደሞክራሲያዊ መንገዲ እትምሓደር ሃገር ክተክል
  2. ሓፈሻዊ ሰብኣዊን ደሞክራሲያዊን መሰላት ዝኽበረላ ሃገር ክዉንን
  3. ብቁጠባዊ፡ ፖሊቲካዊን ማሕበራዊን መዳይ ዝማዕበለት ሃገር ክትህልዎ
  4. ብጽቡቅ ዲፕሎማሲን ጉርብትናን እትልለ ሃገር ክምስርት
  5. ብፍልጠት፡ ሞያን ካልእ ተሞክሮን ዝዓጠቁ ዜጋታት ዘለዋ ሰላማዊትን ፍተሓዊትን ሃገር ከረጋግጽ….ወዘተ

ይኹን ደኣ እምበር፣ እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ጽቡቓት ባህግታት ኣብ ባይታ ክትግበሩ ኣይከኣሉን፡፡ እኳ ደኣ ኩነታት ኤርትራ፣ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳበኣሰ ይመጽእ ኣሎ፡፡ ጠንቂ ናይዚ ኩሉ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣረሜናዊ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ እዩ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኤርትራ ንዜጋታታ ምድራዊት ሲኦል ኾይና ትርከብ፡፡ ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንኽነብር ኮነ ኢሉ ደቀባት ህዝቢታት ኤርትራ ኣብ ምብስባስን ምክልባትን ተዋፊሩ፣ ሰላምን ርጉእ ናብራ ህዝቢ ምዝራግ ከም ቐንዲ ዋኒኑ ሒዙ ይሰርሓሉ ምህላዉ እዩ፡፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ጊዜ ደቂ መሬት ብዘይ ገበንን ብዘይፍርድን ዝሕረዱሉ፡ ዝሰራጠይሉን፡ ዝሕየርሉን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ናይ ማሕዩር ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከበላ ጸላም ነጥቢ ኾይና ትርከብ፡፡

ስለዚ እምበኣር ኩሉ ሰብኣዊን ደሞክራሲያዊን መስላት ደቂ ሃገር ዝተረገጸላ፡ ከምሳዕቤኑ ኸኣ ህዝባ ቀሲኑ ኽነብረላ ስለዘይክእል፣ ዝፈትዉዋ ዓዶምን ስድራቤቶምን ገዲፎም፡ ግዳይ ፍኑው ስደትን ሓሳረ መከራን ኾይኖም ንረኽቦም፡፡ ገለ ካብቶም ቀንዲ ጠንቅታት ዋሕዚ ስደት ኤረትራዉያን እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡-

  1. ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንመንእሰያት ናይ ምልማስን ባርያ ናይ ምግባርን ሜላ
  2. ንዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ምእሳር፡ ምጭዋይ፡ ምሕቃቅ….ወዘተ
  3. ምሕራም መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት። ከም ኣብነት፡-ናይ ምዝራብ ናጽነት፡ ናይ ምእካብ ናጽነት፡ ናይ ምንቕስቓስ ናጽነት፡ ብሕታዊ ሂወት ናይ ምምራሕ ናጽነት….ወዘተ.
  4. ናይ ትምህርቲ ዕድላት ምዕጻው። ንኣብነት ምዕጻው ኣሰመራ ዩኒቨርሲቲ፡ ኣብ ዘይመረጽካዮ ዓውዲ ትምህርቲ ምምዳብ…ወዘተ
  5. ፖሊቲካዊ፡ ሃይማኖታዊን ብሄራውን ዓመጽ
  6. ግዱድ ሰፈራታት ህዝቢ (ህዝቢ ምምዝባል)
  7. ብዘይፍቃድን ካሕሳን ምምንዛዕ መሬት

ሽሕ እኳ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ እንተሃለወ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዓይኒ ማሕበረሰብ ዓለም ከዐዉርን ንሰማዒት እዝኒ ከታልልን፡ ነቲ ርኡይ ፖሊቲካዉን ጸጥታዉን ሽግራት ህዝብታት ኤርትራ ክኽሕድ ይረአ ኣሎ፡፡ ገለ ኻብቲ ልሙድ ናይ ምኽሓድ ኣመሎም ድማ እቲ ብልኡኽ መንግሰቲ ኤርትራ ኣብ ጀኔቫ ኣብቲ ካብ ዕለት 28 መስከረም ክሳብ 02 ጥቅምቲ ዝተጋበኤ መበል 60 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ሰደተኛታት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራትን (UNHCR) ካልኦት ለገስቲ ሃገራትን ዝተዋህበ ክሕደት ዝማእከሉ ናይ ሓሶት ጠቀነ እዩ፡፡ 
 
ግብሪ-መልሲ ንክሕደት መንግስቲ ኤርትራ፤

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝተገልጸ ብዙሓት ኤርትራዊያን በቲ ኣብ ሃገሮም ኤርትራ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸጥታዉን ፖሊቲካዉን ጸገማት ክስደዱን ክንከራተቱን ይርኣዩ ኣለዉ፡፡ እዚ ድማ ንዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራዊያን ብዝለዓለ ናህሪ ይዉስኽ ኣሎ፡፡ እዞም ሃገሮም ገዲፎም ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራዊያን ኣብ ዝተፈላያ ሃገራት ተዓቒቦም ይርከቡ። ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ሊብያ፡ ግብጺ፡ እስራኤል፡ ዓዲ ጣሊያን….ወዘተ ተዘርጊሖም ይርከቡ፡፡ ናብዚ መዕቆቢ ቦታታት ንኽበጽሑ ድማ ብዙሕ ሽግራትን ጸገማትን የጋጥሞም ከምዘሎ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር እዩ፡፡ ገለ ካብቲ መዓልታዊ ንኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግራት ንምጥቃስ፤ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ግፍዕታት፡ ምዝመዛ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ስርቂ…ወዘተ እዮም፡፡

እቲ ሓቂ እዚ እንዳ ሃለወ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዓማጺ ባህርያቱ ንምጉልባብ ነቲ ሓቂ ብተደጋጋሚ ክኽሕዶ ይረአ፡፡ ካብቲ ክሕድቱ እንኮ እቲ ብቀዋሚ ልኡኽ መንግሰቲ ኤርትራ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ኣብ መበል 60 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 28 መስከረም ክሳብ 02 ጥቅምቲ  2009 ኣብ ጀኔቫ ዝቀረበ እዩ፡፡

ገለ ካብቲ ኣገራሚ መግለጺ ናይቲ ልኡኽ፤
"ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህልው ፖለቲካውን ጸጥታውን ሽግራት ናይ ኤርትራ ክዛረብ ከሎ እንታይ ክብል ከምዝደለየ ኣይተረዳኣንን። ምናልባት ኢትዮጵያ ክብል ከይከዉን ኤርትራ ዝብል ዘሎ፡፡"  እዚ መግለጺ እዚ ንመረዳእታ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንመረዳእታን ብልሕን ኤርትራውያን ኣብ ጉዳዮም ድማ ብፍላይ ጸርፊ እዩ፡፡ ብተወሳኺ እቲ ልኡኽ ከምዚ ክብል ገሊጹ፡፡

"እዞም ብልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ኤርትራውያን ስደተኛታት ጌይሩ ዘቕረበልኩም ስድተኛታት ኣይኮኑን"፡"እዚኦም ኣብ  ወተሃደራዊ መዳጎኒ መዓስከራት ተሓዪሮም ዝረከቡ ኤርትራዊያን እዮም። እቲ መዓስከራት እዉን ብወተሃደራውን ጸጥታውን መሓዉራት ኢትዮጵያ እዩ ዝመሓደር። እዞም ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለየ ኣካላት ሕብረተ-ሰብ ኮይኖም ብናይ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ዘይተጨበጠ መብጸዓታት ተነጊሩዎም ብዝተውሃሃደ ፕሮፓጋንዳ መራኸቢ ብዙሃን፡ ብወተሃደራውን ጸጥታውን መሓዉራት ኢትዮጵያ ተታሊሎምን ተደሊሎምን ዝኸዱ ግዳያት ዘይሕጋዊ ናይ  ሰባት ምዝውውርን  እዮም" ይብል።

እዚ መግለጺ እዚ መቐጸልታ ናይ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዎ ንዕቐትን ኣቃልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንምጥምዛዝን ዝግበር ዘሎ ሽርሒ እዩ፡፡ ብተወሳኺ፣ እዚ መግለጺ እዚ፣ እቲ ስርዓት ነቲ ናይ 1951 ውዕል ብዛዕባ ስደተኛታት ዘለዎ ክድዓት ዘርኢ እዩ፡፡ እቲ ሓቂ ግን፡ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ዘቕረቦ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ እዩ፡፡ እዚኦም ዝበታተኑ ዘለው ኤርትራውያን ግዳያት ናይቲ ጨካንን ገፋዕን ምሕደራን ካልእ ኢ-ሰብኣዊ ፖሊስን ኣተሓሕዛን እቲ ስርዓት እዮም፡፡ ስለዚ ንሕና ትኽክል ዝኾነ ጸጥታውን ፖለቲካውን ሽግር ዘለና ናይ ብሓቂ ስደተኛታት ኢና፡፡

ምሕጽንታ ናብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም  

ንሕና ኣብ መዓሰከራት ስደኛታት ኢትዮጵያ እንርከብ ኣብ ትሕቲ ጽላል ማሕበረ-ሰብ ዓለም (UNHCR) እንነብር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኢና፡፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ በደል፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሓፈሻ፣ ኣዕቖብቲ ሃገራት ከኣ ብፍላይ፣ ዝለዓለ ቆላሕታ ክገብራሉን ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ድማ ኣኣብ ዘለዉዎ ቦታ ኣድላዪ ዘበለ ምትሕብባር ክገብራሉን ንምሕጸን፡፡ ኣብ መወዳእታ ነዘን ንኤርትራዊ ስደተኛ ድሕነቱን ጸጥትኡን ሓልየን ኣድላዪ ሓገዝ ዝገብራ ዘለዋ ሃገራት ብሓፈሻ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ እንዳመስግና ሓገዘን ብዝለዓለ ደረጃ ክቕጽልኦ ንላቦ፡፡

ሰንትራል ኮሚቴ ካምፕ
ግዚያዊት ኮሚቴ ኣወሃሃዲት ሰላማዊ ሰልፊ
መዓሰከር ስደተኛታት ሽመልባ
ኢትዮጵያ
 
29 ሕዳር 2009