ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት’ዩ ብትግረ።

   ኣትላንታ ጆርጅያ ካብ’ዛ ክነብረላ ዝተዓደልኩ “ብሚዛነይስ ገነት” ከተማ ቻርሎት ሰሜን ኣመሪካ ብመኪና ኣርባዕተ ሰዓት ዝወስድ ርሕቀት’ያ ትርከብ። ስለ ዝኾነ ድማ ቀብሪ መርዓ ሓዘን ዝመስል ምብጻሕ እንከጋጥም፤ ናብ ኣትላንታ ኣንጊህካ እንተ ገሽካ፡ ምሕዳርካ ናብ ቻርሎት  ምምላስ ዝመስል’ዩ ናብራናን ጉርብትናናን። እዛ ትማሊ ቐዳም ነሓሰ ኣርባዕተ ዝኸድኩዋ መገሻ ግን ንኤርትራውነት ብዝምልከት ፍልይ ዝበለ ትምህርትን ነጸብራቕን ክርእን ክሰምዕን ዝተጸበኹላ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣትላንታ 2018 ንምስታፍ ኢዩ ኔሩ።

ፈስቲቫል ኣትላንታ 2018.

  መደብ ፈስቲቫል ካብ ዓርቢ ክሳዕ ሰንበት’ዩ ተሰሪዑ። ንኣይ ግን ኣብ’ተን መዓልታት ክሰርሕ መደብ ወጺኡለይ ስለዝነበረ ዝቕይረኒ መሳርሕቲ ክረክብ ኔሩኒ። ኣብ መወዳእታ ዝሓሰብኩዎ ሰሊጡኒ፡ ኣብ’ዘን ቀዳመ ሰንበት እዚኣተን ኣብ ክንዳይ ዝሰርሕ ኣነ ድማ ኣብ’ተን ዝስዕባ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ክንድኡ ክሰርሕ ሕራይ ዝብለኒ ሕያዋይ መሳርሕቲ ምስ ረኸብኩ፡ ካብ’ቶም ደጋጊሞም ብዛዕባ’ቲ ፈስቲቫል ዘዘኻክሩና ግዱሳት ተቐማጦ ቻርሎት ትኬት ገዚአ ናብ ፈስቲቫል ከም ዝኸይድ ኣረጋገጽኩ። ስለ’ዚ ከም’ቲ ስሩዕ፡ ዓርቢ ክሳዕ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ምሸት ክሰርሕ ስለዝነበረኒ ቀዳም ኣንጊሀ ክኸይድ መዲበ ተሰናድኹ። ጽባሕ ክኸይድ እናበልኩ፡ ዓርቢ ምሸት ስራሕ ቅድሚ ምዕጻወይ ባኮታት ከመዓራሪ የማነ ጸጋም ክብል እነከለኹ ከኣ ኣብ’ዛ ዓንዲ ሕቖይ፡ በዚ መጺኣ ዘይብላ ውግኣት ሸቕ ተብለኒ’ሞ ኣይ ንላዕሊ ኣይ ንታሕቲ ትንፋስ ዝሓጸረኒ መሲሉ ተሰምዓኒ። ሓመድ ኣብ ጥቓይ ስለዘጸንሐ’ምበር ሰለስተ ግዜ በስመ ኣብ ወልደ መንፈስ ቅዱስ ኢለ ሓመድ ክለኽያ ኣይምጸላእኩን ኔረ።

  ኮይኑ ግን መንገደይ ምእንቲ ከይትተርፈኒ፡ ወዮ ንኻልኦት ኣብ’ዚ እነሀለ ግዝእዎ ዝብሎም ዝነበርኩ ናይ ሕቖ መደገፍታ Mueller Lumbar Back Brace ገዚአ ተዓጠቕኩ። ከምኡ’ውን Ibuprofen ዝበሃል ፈውሲ ቓንዛ ገዚአ ብዘይ ናይ ሓኪም ፍቓድ ክውሰድ ዘይግብኦ መጠኑ ሓሊፈ ከም’ታ ሓኪም ዝእዝዛ እናወሰድኩ ክኸይድ ተበገስኩ። መሓለውታ ድማ ቅድሚ ሳልስቲ ዝገዛእኩዋ

   Hidden Motives in Every Day Life: The Elephant In the Brain – Kevin Simler Robin Hanson 2018 ትብል ሓዳስ መጽሓፍ ምሳይ ተማሊአ፡ ኣብ ጎረበተይ ካብ ትርከብ ስታርባክስ Grande latte + extra shot {ሓቂ’ሓይሽ ፍሪ-ድሪንክ ስለዝንበረት’የ ወስኹላ ኢለዮም!} ሒዘ፡ ኣብ ዩ-ቱይብ ዘሎ ሰበር ዜና ብዛዕባ ማዕበል ለውጢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሰሰሚዐ ንበይነይ እናሰሓቕኩ፡ ስሕት ኢለ ድማ ኣቫሎን 120 ኪሎ ሜትር ኣብ ሰዓት ትኸይድ ከምዝነበረት ከይዘንጋዕኩ ነቲ ብድምጺ ዝሰምዖ ቪድዮ ክርኢ እናፈተንኩ፡ መንገዲ ኣርባዕተ ሰዓት ጀሚረዮ። እንተስ ንግሆ ኮይኑ እንተስ ቀዳም ኮይኑ ግን ኣብ ማእከል ከተማ ይኹን ኣብ’ቲ ብማእከል ቻርሎት ሓሊፉ ንኣትላንታ ብሕምብርታ ዝስንጥቓ Interstate 85 (I - 85) ዝቆራቖሳ ብዙሓት መካይን ኣይነበራን። ስለ’ዚ ሰዓት ዓሰርተ ንግሆ ናብ’ቲ ናይ ፈስቲቫል ቦታ Eritrean community Center በጻሕኩ። እንተኾነ ግን ክሳዕ ሽዑ ዘይድሃብኩሉ ኩነታት ኔሩ። ናይ ቀዳም መደብ ፋዱስን ፈረቓን ተመሲሓካ ከምዝጅመር ተዓጽዩ ምስ ጸንሓኒ ኢየ ተለፈነይ ፈቲሸ ዝተገንዘብኩ።  ካብኡ ዝሓይሽ እማራጺ ስለዘይነበረ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ስታርባክስ ከየደ መጽሓፈይ ገንጸልኩዋ። ኣብ ገጽ 7 ምስ በጻሕኩ ዕላማ ናይ’ታ መጽሓፍ፡  “What will emerge from this investigation is a portrait of the human species as strategically self-deceived, not only as individuals but also as a society.” ዝብል ነጸብራቕ ባህርይ ደቂ-ኣዳም እናስተንተንኩ ሰዓት ኣኺሉ ናብ ኣኼባ ተጸንበርኩ።  ኣብ’ቲ ኣዳራሽ ዝነበርና ሰባት ንሚእቲ ንምልኣ ኣይመስለንን። ካብ’ቶም ተኣከብቲ ሓደ ኽልተ ፈውሲ ግስም እንተዘይኮይኑ ዳርጋ ኩላትና፡ ዝግዝጎ’ምበር ቆሎ ዓተር ክንቁርጥም ዘይንኽእል ኢና ኔርና። ስሩዕ መደብ ክሳዕ ዝጅመር በቦታና ሒዝና ቁሊሕሊሕ ምስ ጀመረና፡ ኣብ’ቲ ኣስተምሃርቲ ኮፍ ዝብሉሉ ጠረጴዛ ዝተዓዘብኩዎ፡ ተረፍ ናይ ዓርቢ ኮይኑ፡ ናብ ዓሰርተ ዝበጽሕ ኣብ ብጫ ወረቐት ዝሰፈረ ኣስማት ናይ ውድባት ኔሩ።

   ኣይደጎየን ግን፡ ንሱ ተላዒሉ፡ መደብ ቀዳም ዝጀመሩ ካብ ፈስቲቫል ደንቨር ዝረቐቐ ወረቐት ሒዞም፡ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ጸቒጦም፡ Think Tank ዝመስል’ዩ ኣኻይዳና ዝመስል ኣቐራርባ ከንጸባርቑ ዝፍትኑ ይመስሉ ኔሮም። ብዘይምግናን ግን ኣፈታትሓ ህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ትሕዝቶ ኣይነበሮን መጽናዕቶም። ልዕሊ ኹሉ ንኣይ ዘሰምበደኒ ድማ ካብ’ቶም ኣስተምሃርቲ ሓደ ምስ ዘውድን ደርግን፡ ሻዕብያን ወያነን ዘሎ መረረ ዓበይትን መራሕትን ሓሊፉ “ንደመር ብቛንቋ ትግረ ም(ን)ጥፋእ ማለት’ዩ” ምስ በለ ዝተቓልሐ ጣቕዒት ኢዩ።

ኣብ’ዚ ልበይ ዘሎ ናብ ባይታ ዱብ ከብሎ ኢየ።

   ማለት’ሲ ብወገነይ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣስተምህሮ ክግንዘብ ጽን ክብል እንከለኹ፡ ኣኳ ኡንኮ ትብላዕ ከይነኸስኩ ጣቕዒት ምስ ሰማዕኩ፡ እታ ናይ ሕቖይ ውግኣት ሸቕ ክሳዕ ተብለኒ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ጠሚተ ኣበይን ምስ መንን ከም ዝነበርኩ ክፍትሽ ፈተንኩ። ምናልባት ዓይነይ ዝመልኣለይ እንተ ረኸብኩ ሃሰስ እናበልኩ ግን ስነይ ነኺሰ ቃንዛይ ተጸሚመ ኣብ ዝነበርኩዎ ኮፍ ምባል ቀጸልኩ። ይኹን ደኣ’ምበር ካብ ኣትላንታ ዝመጽኡ ብዙሓት ከም ዘይነበሩ ተገንዘብኩ። ካብ ቻርሎት ድማ ካልእስ ይትረፍ እቶም ትኬት ዝሸጡለይ ሰባት’ውን ኣይነበሩን። ንመብዛሕትኦም ተሳተፍቲ፡ ካብ ዕላሎምን ኣዘራርባኦምን እንኪግምቶም ኣጸቢቖም ዝፋለጡ ዓበይትን መራሕትን ዝበዝሕዎ ኣኼባ’ዩ ኔሩ። እቶም ካብ ቻርሎት ዝመጽኡ’ውን ዳርጋ ኩላቶም ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጋደልቲ ዝነብሩ እዮም። ይኹን ደኣ’ምበር ኣብ መንጎ ኣስተምህሮ ካብ ገለ ሰባት ጣልቃ ናይ ምእታው ፈተነታት ይንጸባረቑ ኔሮም። ብፍላይ ሓደ ንጡፍ ኣባል ደለይቲ ፍትሒ ዝመስል መንእሰይ ዘርእዮ ዝነበረ ኣገባብ ግን ዝገርም ጥራይ ዘይኮነ ዳርጋ ዘስግእ’ውን ይመስል ኔሩ። ደጋጊሙ ካብ ምቕማጡ ክትንስእ፡ ብናህሪ ክዛረብ፡ ስሕት ኢሉ ድማ ማይክሮፎን መንጢሉ ክምድር ይረአ ኔሩ። ተዛሪቡ ተዛሪቡ ኣብ መወዳእታ፡ እንተ ዘይኮነ ግን ኣብ’ዚ ልበይ ዘሎ ናብ ባይታ ዱብ ከብሎ’የ ብምባል፡ ኣብ’ቲ ፈስቲቫል ንሓሳባቱ ንድሌቱ ንጸገሙ …. ተረዲኡ ኣጆኻ ዝብሎስ ይትረፍ ናይ ልቡ ክዛርብ ዝፈቕደሉ መድረኽ’ውን ከምዘይነበረ ኣስተማሲሉ ከደ። ኣነ ድማ ንበይነይ ከምዘይነበርኩ ተገንዘብኩ። ኣስተምህሮ ተወዲኡ ናብ ሕቶን መልስን ምስ ተሰግረ፡ ኣብ ኣኼባ ዝነበሩ ሰባት ምናልባት 100 እንተኾይኖም 70 ምናልባት 70 እንተኔሮም ድማ 50 ዝግመቱ ንሕቶ ኣእዳዎም ኣልዒሎም ምቅድዳም ኮነ’ሞ፡ ብትሕዝቶ ናይ’ቲ ዝቐረበ ኣስተምህሮ ዝግረም ዝነበረ ንበይነይ ከምዘይነበርኩ ተገንዘብኩ።

ምእንቲ ሰላም ወላ ምስ ሰይጣን።

   ኣማስያይ ኣይሓሰመንን! በ’ተሓሕዛ ጸጉሪ ርእሱ ምስ’ቲ ዝበሃል ዝነበረ ምውሓጥ ዝኣበዮ ዝመስል ዝነበረ መንእሰይ ዝመሳሰል፡ ኣርቲስት ግርማይ ዓንዶም መደቡ ሒዙ ቀረበ። ግርማይ ሰላምታ ኣቐዲሙ ዘረብኡ ንምጅማር፡ ኣብ’ቲ ናብ ፈስቲቫል ከቕርቦ ዘምጽኦ መልእኽቲ፡ ምናልባት ቅር ክብሎ ዝኽእል ሰማዒ እንተ ሃልዩ፡ ስምዒት ናይ ሰባት ንምትንካፍ ዕላማ ከምዘይብሉ ገሊጹ፡ ይቕረታ ብምቕዳም’ዩ ነቒሉ። ዘረብኡ ሕጽር ምጥን ዝበለ፡ ወለም-ዘለም ዘይብሉ፡ ናይ ትግርኛ ይኹን ናይ እንግሊዝ ቃላት ዘይውሕዱዎ፡ ሰባት ክብሉኒ እዮም ዘይብል፡ ኣብ ርእሱን ኣብ ትሕዝቶ መልእኽቱን ዝተኣማመን፡ ብሞይኡ ዝሕበን፡ ንኻልኦት ኣረአያ ዝኸውን ድሙቕ  ኮኾብ ኢዩ። ጸብጻቡ ናብ ደርፊ ዘተኩር ኮይኑ፡ ስነ ጥበባውያን ወይ ድማ ደረፍቲ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥሞም ጸገም ካብ ሕዱር ባህሊ ናይ ህዝቢ ዝጅምር’ዩ ይብል’ሞ፡ ምግዳል ክሳብ ክንደይ ከምዝበደሎ ብኣንክሮ የዘኻኽር። ነቲ ክብሎ ዝጽዕር ዝነበረ ሓሳባት፡ ኣብ ስራሓቱ ዘጋጠሞ ኣብነት ሓዊሱ ንምብራህ ድማ ኣብ ሓንቲ ጻዕሩ ካብ ደገፍቲ ዘጋጠሞ ዘለፋ ሓደ ብምባል፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ባንዴራ ኤርትራ ሒዙ መንገዲ ሰላም እንቋዕ ተኸፍተ ዝብል ድምጺ ንምቅላሕ ምስ ኢትዮጵያውያን ስለ ዝተሓወሰ ካብ ተቓወምቲ ዘጋጠሞ ዘይተጸበዮ ኩነታት ብተምስጦ ይዝክር’ሞ፡ ምእንቲ ሰላም ወላ ምስ ሰይጣን ክሰርሕ ድሕር ከምዘይብል ኣትሪሩ ብምዝራብ ምሳሉ ኣነጺሩ፡ ሓጺር መልእኽቱ፡ ኣብ’ተን ዝተመደባሉ ውሑዳት ደቓይቕ ወድአ።

  ክወጽእ እንከሎ እግሪ እግሩ ስዒበ፡ ወደይ ሃብሮም ልዕሊ ኩሎም፡ ናብ’ዚ ፈስቲቫል ብምምጽአይ ክጣዓስ’የ ውዒለ’ሞ መደብካ ምስ ሰማዕኩ ተሓጒሰ፡ መምለሲ እግሪ ኣስኒቕካኒ ብምባል፡ ምስጋናይን ኣድንቖተይን ገሊጸ፡ ንመዘከርታ ናይ ክልቴና ስእሊ ተሳኢልና። ኣሕጽር ኣቢለ ድማ ከም’ቲ ዝበልካዮ ስነ ጥበብ ብዘይ ጥየት ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዝልውጥ ዓውዲ ፍልጠት ኢዩ። ስነ ጥበብ ማለት (art) እንተ ኾይኑ፡ ደርፊ ሓደ ክፋሉ ስለዝኾነ ከም’ዚ ከማኻ ዝመስሉ ከዋኽብቲ ይዋስኡሉ። ካልኣይ ስነ ጥበብ (art) ማለት ድርሰት ዝሕውስ እንተ ኾይኑ ባቢሎን ትብል መጽሓፍ ዶክተር ክብረኣብ ፍረ ኣንቢብካያ ክትከውን ተስፋ እገብር። ሳልሳይ ስነ ጥበበ (art) ማለት ኣባሃህላ (communication) እንተኾይኑ ማዕበል ለውጢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንወያነን ሻዕብያን ምስ መዳፍዖምን ወተሃደራቶምን ቀባሕባሕ ከብሎም ንርኢ ኣለና። ራብዓይ ስነጥበብ (art) ምብህሃል (negotiation) እንተኾይኑ፡ ምስ ጎደለ ከም’ዚ ዝወዓልናዮ ንምቑጻሮም ዘሕፍር ውድባትን ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ከም ታሓግ ኣሳፊሖም ዓድን ዓውድን ቀባሕባሕ ዘብሉሉ ፈስቲቫል ክረአ ይኽእል’ዩ፡ በልኩዎ’ሞ ብድጋሚ ኣድንቖተይን ምስጋናይን ገሊጸ ናብ መደቡ ክኸይድ ተፋነኹዎ።

  ንእግረ መንገደይ፡ ሀ) ፖለቲካዊ ዓውደ ንቕሓት ህዝባዊ ዘተ ኣብ ጉዳይ ሃገር - ሃብተማርያም ሚካኤል 2016 ለ) RESILIENCE volume 1 – JAMAL SHOKAY 2018  መጻሕፍቲ ገዚአ፡ ብኽልተ ኣእዳወይ ሕቖይ እናደገፍኩ ብእዋኑ ናብ መሓድሮይ ከድኩ። መጻሕፍተይ ሕልፍ ሕልፍ ኢለ ምስ ረኣኹወን፡ ቀስ ኢለ ክርእየክን ይሕሸኒ ብምባል፡ ምስ’ታ ንግሆ ዝጀመርኩዋ The Elephant In The Brain መጽሓፈይ ኣምሰኹ።

    ዝኾነ ኾይኑ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሕቆን ዘሎ ናይ ለውጢ ፖለቲካ መኣስ ከም ዝጽዒ እንድ ዒ’ምባር፡ ንኢትዮጵያ/ኣምሓራ ከም ጸላእቲ ናይ ኤርትራ ጠሚቱ ፖለቲካ ክጸሙቕ መዋእሉ ዝበልዐ ናይ ምግዳል ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምልካዊ ቅዲ ኣመራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዘይፈርስ ጎቦ ዝጥምት ናይ ምቅዋም ኣረኣእያ ምንቅስቓስ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ’ውን ሕውዝውዝ ዘብሎ ማዕበልዩ ኣጋጢሙዎ ዘሎ። ካልእ ንምባል ዘይኮነ’ሲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኢትዮጵያ/ኣምሓራ ጸላእትና እዮም ክብለኩም ዝጸናሕኩኮ ቀሺሸኩም ኢየ’ምበር፡ ጽልኢ ዝበሃል የብልናን። ጎረባብትናን መነባብርትናን ጥራይ ዘይኮነ እንታይዶ ፍልልይ ኣለና ኢዩ፡ ሓደ’ኮ ኢና ምስ ኢትዮጵያ ብምባል መንገዲ ሰላም ኣስፊሉ ታሪኹ ምሰ’ሐደሰ፡

https://www.economist.com/middle-east-and-africa/2018/08/04/eritrea-africas-most-repressive-state-begins-to-open-up

https://www.economist.com/leaders/2018/08/02/how-to-make-eritrea-africas-north-korea-less-horrible

ንተቓውሞ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ፈተና ቀሊል ኣይኮነን። ዓንዲ ሕቖ ፖለቲካኦም ብኢሳያስን ብህግደፍን ጥራይ ዘይኮነ ብኢትዮጵያን ኣምሓራን ዝሓደሮም ስግኣትን ህልኽን ኢዩ ዝመስል። ዝገርም’ዩ። ብወገነይ ማዕበል ለውጢ Team Lema ሓይሎምን ህላወኦምን ከም ዘይዘንግዖ ዝዘንግዑ ኣይመስለንን። ይኹን ደኣ’ምበር ከም ኣተሓሕዛኦም ይትረፍ ንኢሳያስን ህግደፍን ክፍንቅሉ፡ ብዕላማ ክጥርንፎም ዝኽእል ናይ ሓባር ረቛሒ ክረኽቡ ስለዘይከኣሉ፡ ብዝሖምን ኣኻይዳኦምን ተስፋ ዘቑርጽ ኮይኑ ንተጸበይቱ ከም ዘረብረበ’ውን ዝዘንግዕዎ ኣይመስለንን። ልዕሊ ኹሉ ግን ፕረሲደንት ኢሳያስ ምስ ማዕበል ለውጢ Team Lema ተመሳሲሉ ነታ ብዘይካ ህላወኡ ሂወት ዘይብላ ውድቡ፡ ሓዲሽ ኣየር እተተንፍሰሉ መስኮት ኣርሕዩ፡ ንታሪኹ ንስሙን ምስ ሰላም ዘተኣሳስር ሓዲሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ኣመዝጊቡ ከም ዘሎ ምዝኽኻር ዝደልዩ ኣይመስለንን። እዚ ኩነታት’ዚ ፍሉይ ኣድህቦ ደቂ እዋን ዝሓትት እምበር ዘባህርር መልክዕ የብሉን። እንድዕሉ እንታይን ስለምንታይን ከም ዝኾነ ግን ካብ ዓንኬል ጽልእን ህልኽን ዝወጽእ ሓሳባት መድረኽ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ንደለይቲ ለውጢ ወይ ድማ ንደለይቲ ፍትሒ ዘሰክሞ ዕዮ ገዛ ቀሊል ኣይኮነን። ሓሳባት ልበይ እንተ ዝሰምረለይ ከም’ዚ ትማሊ ብስም ዝተንጸባረቐ ኣስተምህሮ ነ’ተሓሳስባ ካልኦት ክልውጥ ቅድሚ ምህንዳዱ ንባዕሉ ምስ ጠለባት እዋን ዝመሳሰለሉ ሓሳባት እንተ ዘማዕብል ኔሩ ትምህርቱ ክሰምዕ ዝእከብ ህዝቢ ካብ ኣዳራሽ ሓሊፉ ስታድየም ምመልአ ኔሩ።  

ራህዋን ሰላምን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ዳን ኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ።

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. 08/05/18


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...