ጽልኣትን አፈጣጥርኡን

ጽልዓት ዝፍጠር ብሰንኪ ሕሱም ስቓይን ውርደትን እዩ ።  አበይ ይፍጠር ? አብ ውሽጢ  መዓሙቕ ከብዲ። ብኡ ንብኡ መዓንጣ የሕርር።ይድይብ ንልቢ  የንድድ። ሰውነት የቃጸል። አፍልቢ ኪዓብስ ይዳናደን ትንፋስ ይቆራርጽ። ስኒ የሀርቅም። ዓይኒ የደፍርስ ይበትዕ ደም የልብስ።ነድሪ ይፈጥር በርቅን ነጎዳን የግዕር ። መዓት አይሒ የዝንብ ዚጋላበጥ ማዕበል  ነገር ይፈጥር።    አምባጓሮ  እሳተ ጎመራ ይትኩስ።

አብ አዝዩ ፈታኒ ኩነት ጽንዓቱ ዚመክን  እምነት አለኒ ክብል አይክእልን። ፈጣሪ ይብል ብፍጹምን ምልኡን ልብኹም እመኑ እምበር አብ ገዛእ ርእስኹም ምስትውዓል ብዚምርኮስ ሚዛን ዓቀን ከይከውን።

ንእግዜብሄር ጸሊኤዮ  ! ሐሕራይ ገይረ ጸሊኤዮ !  ዝበልናሉ እዋን የለን? መሪር ሓዘን ምስወረደና ብሕሱም ጓሂ ሕርር ኢልና ምስተሃሰና ግዜ ኩነትን ክፉአት ሰባትን ተዘራርዮም ተስፋ ክሳብ ንቆርጽ ክርትምትም አቢሎም  ሰባቢሮም ምስ ደርበዩና  መዓልትና  ጸልማት ገይሮም ሎሚ ዘይናትና ምስገበርዋ  ለይትና  ድቕድቅ ጸላም ቀይሮም ንጽባሕ ከምዘይነርክባ ገይሮም   ዲሂኾም   አብ አፍ መቃብር ምሰብጹሑና ሽዑ እንታይ ንብል?  ፈጣሪ የለኻን ።

እቲ ዝከፍኤ ዝብሃል ጓህን ሓዘንን ዕሸል ውላድካ ብሃንደብት አብ ዘይግዚኡ  ብሞት ምስትስእን እዩ ይብሃል ሐቅነት አለዎ ኢለ ይአምን። ከምዚ ዘአመሰለ ሕሱምን መሪሪን ሓዘን ብዝፈጠሮ ጓሂ ንሰማይ አንቓዕሪሩ ንእግዜብሕኤር ጸሊኤካ ኢሉ ዝወቅስ ወላዲ እንተዘጋጥመካ እንታይ ትብል? እንታይከ ይስምዓካ? ፍርድኻኸ እንታይ ይኸውን? ቢቲ እቲ ወላዲ ኪዛረብ ቢዝሰማዕካ አብ ገዛእ ርእስኻ ምስትውዓል ተመርኪስካ  ዲኻ ክትፈርዶ ወይስ ብዓቀን ፍቕሪን ርህራሄ ፈጣሪን ይቅረ ክትብሎ ኢኻ? ንስኻ ዲኻ ወይስ ንሱ ዚያዳ ንፈጣሪ ዘፍቀረን ዝአመነን? ንሱ አብ ገዛእ ርእሱ ምስትውዓል ተመርኪሱ አብ መንጉኡን አብ መንጎ ፈጣሪኡን ዘሎ ርሕቀት ከምዘሎ የስተብህል አሎ? እዚ ብሰንኪ አብ ግዜ ረዚን ፈተና ዝመኸነ እምነቱ ዝተፈጥረ ጌጋ ምዃኑ ግልጺ እዩ። ንሱ ብስቓይ እዩ ተፈቲኑ ንስኻ ግን ብእትሰምዖ ዘለኻ ኢኻ ፍርዲ አብ ምሃብ ፈተና ትወድቕ ዘለኻ። እምበር ብምልኡን ፍጹም ልብን ንእግዜብሔር ንእመን እምበር አብ ገዛ ርእስና ምስትውዓል አይንመርኮስ ንዝብል ዓሙቕ ጥበብን ፍልጠትን  ትርጉሙ ምርዳእ ከድልየና እዩ።

ቅድሚ ዚአገረ  ንኸቢድ ፈተና ብጽንዓት ክሳብ ዘይሓለፍና እቲ እምነት ደአ አበይ አሎ? እምነት አብ ሚዛን ረዚን ፈተና  ወዲቑ  ዚያዳ እቲ ዘጋጠመ ፈተና ረዚኑ ክብ ምስ ዝብል እዩ ሐቅነቱን ምልኡነቱን ዚረጋገጽ።

ክንቅይሮ ንዘይንኽእል ኩነት እናኮምሳዕና ማእለያ ስቃይ እንፈጥርን ንቕንዞን ንምንታይ? አብ ከሚዚ ዜመሰለ ትርጉም ዘይርከቦ ኩነት ምስ እንወድቅ ከ እንታይ ክንገብር ንኽእል? 

እንታይ ከ ዝግበር አሎ? የግዳስ ነቲ ትርጉም አልቦ  ዚመስል ኩነት ተቐቢልና ካብ ውሽጡ  ትርጉም ዝህብን ዘለዎን ጉዳይ ክንፈጥር ክንፍትን’ዩ ዝሓይሽ ምጽዓርን ምኸአልንዩ ድማ  ካብ ስቓይ ዝጋላግል መኽሰብ ዘኽስበና ። 

ንነብሶም ከም ተበዓትን ሓቀኛታትን ክብ አቢሎም ዝርእዩ ሰባት፡ ካልኦት ተጋጊና ኢሎም ንዝበደልዎም ይቕሬታ ክሓቱን ትሕት ኢሎም ንውርደት ኽቕበሉ  ምርአይ፡ አዝዩ ባህ የብሎ። ከም ሓደ መትከልን ሚዛን  መዐቀኒ ክብረቶም ጌየሮም ድማ ይርእይዎ። እዚ ጽንኩርን ድኹምን ሸንኾም’ዩ ።እንተድአ አብ ቅድሚኦም ልምሉምን ትሑት ኲንካ ንነብስኻ ከም ሓደ ውርደተኛ አምሲልካ አቕሪብካሎም ዚሓተትካዮም ኩሉ ዘበለ ክፍጽሙ ድልዋትዮም።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...