መዓልቲ ናጽነት! ሓሳባት ዝዕድም ዕለት ኢዩ፣ ሓቀይዶ? እዚ እናጸሓፍኩ ኣብ ቅድመይ እትርከብ  ‘Soldiers, Martyrs, Traitors, and Exiles’  (‘ወታሃደራት፡ ስውኣት፡ ከዳዓትን ስደተዓታትን`) ዘርእስታ መጽሓፍ እጥምት ኣሎኹ። እዚ ኣርእስቲ`ዚ ብዛዕባ ከማይን ስድራይን ዝኣመሰሉ እንድዩ ደኣ ዝዛረብ ዘሎ ዝመስል። ኮይኑ ግን ነቶም ሕጂ በቲ ስርዓት ከዳዓት ዝቑጸሩ ኣብ ሰደት ዘለዉ ተጋደልቲ ወለደይ፣ ሰብ ምስቶም ህዝቢ ኤርትራ ስልጣን ዝመንዘዑ ሸፋቱ የደናግሮም ኣሎ። ናይ ኣኮይ መስዋእቲ ንብላሽ ኔሩ ማለት ድዩ? ብሓቂ፡ ብዙሕ ዘተሓሳስብ`ዩ። ኣነ‘ውን ኣብ ሰደት እነብር ኣሎኹ፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ነቶም መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. (ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን) ዝድግፉ ምሁራት መንእሰያት ኤርትራውያን ብወገነይ ስለምንታይ ነዚ መንግስቲ’ዚ ከምዝቃወሞ ከረድእ የሽግረኒ። ንኣብነት፣ ኣብቲ ዕላልና ደሞክራሲ ክጠልብ ከሎኹ፣ እሞ መልሲ ምስ ሰኣኑ፣ ኣብ ታሪኽ ዝበለጸ ምዕባለ ዘምጸኡ እቶም ብውልቀ መለኽቲ ዝተመርሑ ስርዓታት ከምዝኾኑ ብምግላጽ ግርምቢጥ ዝኾነ መልሲ የቕርቡ።

እዚ ድማ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ መንእሰይ ለቢሱዎ ዝነበረ ማልያ የዘክረኒ። ኣብቲ ማልያ፣ ናይ ጊዛ (ግብጺ) ጥንታዊ ፒራሚድ ተሳኢሉ ነበረ፣ ኣብ ትሕቲኡ ድማ  ‘SLAVERY: GET $**T DONE’   ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉዎ ነበረ። ካብቶም ኤርትራውያ ተመሳሳሊ ኣበሃህላ ክቀርብ ከሎ ድማ ኩሉ ግዜ የስደምመኒ። ብዙሕ ግዜ፡ እቶም ውልቀመላኽነት ዝበለጸ ኣማራጺ ኢዩ ኢሎም ዝዛረቡኒ ከማይ መንእሰያት ኢዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ፣ ስለምንታይ ኢዩ ህ.ግ.ደ.ፍ. ነቲ ደሞክራስን ፍትሕን ዝብሉ ኣምራት ብሓቂ ኣብ ግብሪ ዘይትርጉሞም ኢልና ኣብ ክንዲ ብሓባር ነመራመር፣ ብዛዕባ ጥቕሚን ትርጉምን ደሞክራሲ ጥራይ ኣብ ምክታዕ ንድረት። ኣብቲ ክትዕ፣ ኣዘራርባ ናይዞም ሰባት ነቶም ከማይ ዝኣመሰሉ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ዝቃወሙ ኤርትራውያን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታትን ዓለማዊ ፖሊቲካን ከም ዱሩት ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ከምዝቖጽሩና የንጸባርቕ።

እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘሎዉ ነጥብታት ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝጸሓፍኩዎም እዮም። ሕጂ’ውን እዋናዊ መልእኽቲ ዘሎዎም ኮይኑ ይስማዓኒ፣ ብዙሕ ለውጢ ስለዘይተራእየ ድማ ዝሓሸ መጻኢ ካብ ምጥላብ  ከቶ ድሕር ክንብል የብልናን። ኣብዞም ነጥብታት እዚኣቶም ብከፊል ካብቶም  ንመንግስቲ ዝቓወሙ ሰባት ዘሎዎም ኣረኣእያ ኣሕጽር ኣቢለ ከቕርብ እየ እዚ ድማ ነቲ ኣንጻር ተቓወምቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝዝርጋሕ ጠቐነ (ምክፋእ) ብምልኡ ዘቃልዕ’ኳ እንተዘይኮነ፣ ንገለ ኣገደስቲ ነጥብታት ዘብርህ ኮይኑ ይስማዓኒ፣

  • ንመንግስቲ ዝቃወም እንተኾንኩ፣ ንሃገረይ ኣይግደሰላን ማለት ኣይኮነን። ሃገረይ ክብል ከሎኹ፣ ኣብቲ መሬት ዝነብር ህዝቢ ማለተይ እየ፣ መሬት ማለት ድማ እቲ ሰብ ዝነብረሉን ባህርያዊ ጸጋታቱ ዝጥቀመሉን ቦታ ማለት ኢዩ። እዚ ቦታ ድማ በቶም ናይ ኤርትራ ዶባት ዝተወሰነ ኢዩ።
  • ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ዶብ ጉዳይ ኣቃሊለ ዝርእዮ ኣይኮንኩን። ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ከምዘየኽበረቶ እፈልጥ እየ። ዋላ`ኳ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ውዕል ከምዝኸበር ግንገብር ኢና እንተበሉ፣ ብኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ዝኾነ ይኹን ጸቕቲ ከምዘይመጸ እፈልጥ እየ። ብናተይ ኣረኣእያ፣ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ክተኽብሮ ከምዘሎዋን ኣህጉራዊ ሕብረተስብ ድማ ዝግባእ ጸቕጢ ክገብር ከምዘለዎ ኢለ ይኣምን።
  • ገሊኦም ሰባት ነዚ ሕጂ ዝዛረበሉ ዘሎኹ ናይ ሓርነትን ፍትሕን ቃላት ንውልቃዊ ጥቕሞም ክጥቀሙሉ ከምዝፍትኑ እፈልጥ እየ። እዚ ድማ ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ገሊኦም ሰባት ብሓቂ ናይ ፍትሕን ሓርነትን ኣምራት ክድግፉ ከሎዉ፣ ገሊኦም ግን ንጥቕሞም ጥራይ ኢሎም ተመሳሳሊ ሓረጋት ከምዝጥቀሙ እፈልጥ እየ። እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካ ዝነብረን ዘሎን ኢዩ። ንመንግስቲ ስለዝቃወም፣ ተገሪሀ ነቶም ቆርበት በጊዕ ዝለበሱ ቶኽላታት ንምልላይ ጥንቃቐ ኣየዘውትርን ማለት ኣይኮነን።
  • ኣብ ታሪኽ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ብምስምስ ሓገዝ ንብዙሓት ሃገራት ከምዝመዝመዛ እፈልጥ እየ። ንኤርትራ ድማ ብተመሳሳሊ ክጥቀሙላ ከምዝህቅኑ እፈልጥ እየ። ንመንግስቲ ዝቃወም`ኳ እንተኾንኩ፣ ህዝቢ ኤርትራን ከምኡ`ውን ዝኾነ ይኹን መንግስቲ ኤርትራ ንዝኾነ ናይ ወጻኢ ጸቕጢ ተምበርኪኾም መጻኢ ዕድልና ንሓደጋ ከቃልዑ ኣይድግፍን።
  • ገሊኦም ኤርትራውያን ንሃገርና ምስ ኢትዮጵያ ክትጽምበር ከምዝደልዩ እፈልጥ እየ። እዚ ድማ ብዙሓት ኤርትራውያን ምእንቲ ናጽነት ሃገርና ስለዝተሰወኡ ኣይሰማማዓሉን እየ። ኤርትራ ከም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ወይ ኣብ ትሕቲ ፈደሬሽን ከም ዝነበርረቶ ዘይኮነ፡ ከም ነጻ ሃገር ዝቖመትሉ ኣብ 1991 ኢዩ። ንመንግስቲ ስለዝቃወም፣ እታ ብመስዋእቲ ዝቖመት ሃገርና ኤርትራ ታሪኻ ክርሳዕን ካብ ካርታ ዓለም ክትስረዝን እደሊ ማለት ኣይኮነን።
  • ገሊኦም ኤርትራውያን መሳርሒ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ድማ ናይ ካልእ ሃገር መሳርሒ ብምዃን ኩርኩር መንግስቲ ከቑሙ ከምዝደልዩ እፈልጥ እየ። ንመንግስቲ ስለዝቃወም፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩርኩር መንግስቲ ይድግፍ ማለት ኣይኮነን።
  • ብዙሓት ሓያላት መንግስታት ከምቲ ንሳተን ዝብሎኦ ናይ ብሓቂ ደሞክራሲ ከምዘይኮና እፈልጥ እየ። ናተን ፖሊሲ ንረብሓ ናይተን ኣብ ናይ ቁጠባን፣ ሕክምናን፡ ውትህድርናን ወዘተ ዝሳተፋ ናይ ውልቂ ትካላት እምበር፡ ንረብሓ ዜጋታተን ከምዘይኮነ እፈልጥ እየ። ኣዘን ሃገራት እዚኣተን ድማ ናይ ዓለም ምሉእ ጸጋታት እናመዝመዛ ንድኻታት ሃገራት ብቁጠባ ይኹን ብትምህርቲ መመሊሰን ኣብ ከቢድ ድኽነት ከምዘብጸሓ እፈልጥ እየ። ንመንግስቲ ስለዝቃወም፣ ነዚ ክውንነት ኣይፈልጥን እየ ማለት ኣይኮነን፣ ኣንጻሩ ድማ ኣይቃለስን ማለት ኣይኮነን። ንመንግስቲ ስለዝቃወም፣ ኤርትራ ባህርያውን ሰብኣውን ጸጋታታ ተጓሕጒሑ ንጥቕሚ ናይዘን ዜጋታተን`ውን ዘየኽብራ ሃገራት ክውዕል እድግፍ ማለት ኣይኮነን።
  • ኤርትራ ድኻ ሃገር ምዃና እፈልጥ እየ፣ ካብ ድኽነት ክትገላልገል ድማ ህዝባ ብምልኡ ክቃለስ ከምዘሎዎ ኣይስሕቶን። ንመንግስቲ ስለዝቃወም፣ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ይኹን ብደረጃ ሕብረተሰብ ብዙሕ ጻዕሪ ከድሊ ምዃኑ ይርደኣኒ`ዩ።
  • ኣብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብዙሓት ካብ ዝየጋታትና ኣብ ኢድ ጨወይትን ዓመጽትን ኣትዮም ኣካላቶም ኣብ መሸጣ ከምዝውዕል እፈልጥ። ንመንግስቲ ስለዝቃወም፣ ናይ ሰባትን ናይ ኣካላት ደቂ ሰብ መሸጣ እድግፍ ማለት ኣይኮነን።
  • ንህ.ግ.ደ.ፍ. ስለዝቃወም፣ ሓደ ካልእ ኣንጻር ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝኾነ ሰብ ኩሉ ዝብሎ ወይ ድማ ዝገብሮ እድግፎ ወይ ይሰማማዓሉ ማለት ኣይኮነን። ብርግጽ፡ ኣብ ብዙሓት ነጥብታት ንሰመማዓሉ ኣብ ገሊኡ ድማ ዘይንሰመማዓሉ ክህሉ ኢዩ፣ ብሓፈሻ ግን ክልቴና ንህ.ግ.ደ.ፍ. ከም ናይ ኩላትና ኤርትራውያን መሰላት ዝግህስን ዝጭቑንን ስርዓት ንቖጽሮ ማለት ኢዩ።

  እዚ መንግስቲ፣ ናይ ኤርትራውያን ሰብኣዊ መሰላት ዝግህስን ንትምህርትን ቁጠባዊ ምዕባለን ዝኾልፍን ከምኡ`ውን ንመጻኢ ዕድል ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ምዃኑ ስለዝኣምን እየ ዝቃወሞ። እዚ መንግስቲ፣ ብጉድለታቱ ክሕተትን ካብ ስልጣን ክወርድን እደሊ። ናይ ስልጣን ሃጓፍ (void of power) ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል እፈልጥ። በዚ ምኽንያት`ዚ ኢዩ ድማ እቶም ለውጢ ዝደልዩ ኤርትራውያን ብዝሓሸ ኣገባብ ክዓዩን ብዝሓሸ ኣገባብ ንናይ ሓባር መጻኢና ዝኾኑ ግባራዊ ፍታሓት ከናድዩ ከምዝግባእ ይኣምን። ድሮ ብዙሕ ድኻማት ኣርኢና ኣሎና፣ ዝተፈላለያ ሃገራት ድማ ኣብ ናትና ጉዳያት ጣልቃ ክኣትዋ ጀሚረን ኣሎዋ። ንጉዳያትና ባዕላትና ክንፈትሕ እንተዘይኺኢልና፣ ካልኦት ኢዶም ከእትዉሉ ኢዮም፣ እዚ ድማ መፈለምታ ናይ መወዳእታ ውድቀት ኪኸውን ኢዩ።

ብርግጽ ካልኦት ክዘርበሎም ዝግቦኦም ጉዳያት ኣለዉ፣ እዚ ዝጸሓፍኩዎ ድማ ንኹሉ ከምዘይሽፍን ርዱእ ኢዩ። እዚ ናይ ውልቀይ ርእይቶ`ዩ ምበልኩ፡ ግን ናይ ብዙሓት ካልኦት ርእይቶ`ውን ምዃኑ እፈልጥ እየ። ንመንግስቲ ዝድግፉ ሰባት ከም ኣረሜን ወይ እንስሳ ጌርካ ምቕራብ ኣድላዪ ኣይኮነን፣ ምስኣታቶም ብሰላም ክነብር ዝደልዮም ደቂ ሰባት ኢዮም። ንሳቶም`ውን ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም። ንመንግስቲ ትቃወም ወይ ትድግፍ ምዃንካ ብዘየገድስ፡ እቲ ካልእ ወገን`ውን ናይቲ ፍታሕ ረቛሒ ስለዝኾነ፡ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ብጎነጽ ከተጥፍ ኢልካ ምሕሳብ ኣይግባእን።

እንጻር ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃን እምበኣር ብዛዕባ ሃገር ዘይምግዳስ ወይ ኩነታት ዓለም ዘይምርዳእ ማለት ኣይኮነን። ሰለዚ፡ ኣብ መጻኢ ምስ ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝግበር ዘተ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ኣብ ግምት ዘእቱ ክኸውን እትስፎ።

ሻም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...