1.      ማሕበረኮም/ኮምዩኒቲ ኤርትራ፡ መብዛሕተአን ትካላት ማሕበረኮም ኤርትራ ስድተኛታት ኣብ ክንዲ ጥዕንኦምን፡ ጉዳይ ኢሚግረሽንን፣ ትምህርትን፣ ስራሕን፣ ህዝበን ዘተኮረ ዝኸውን፣ ኣብ ናይ ጣዕሳ ፎርም መምልእን፣ 2% ቀረጽ መመዝመዝን፣ ንኣሽቱ ህግደፍ ምምልማልን፣ ስለላ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ምክያድን ኮይኑ’ሎ ። ኣብ ብሕጂ ዝግበር ለውጢ ናይ ማእከል (ሰንተር) ሕቶ ብምፍታሕ ስደተኛታትን ህጻናትን ዝግልገልሉ ክኸውን ከምዘለዎ ንፈልጥ። መብዛሕትአን ማሕበረ ኮማት ኤርትራ፡ ብፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ስርዓት ህግደፍ ተሓሚሰን ካብ’ቲ ስመን ዝሕብሮ ዘይትርፋዊ ማሕበርን ዘይፖለቲካዊ ጸጊዕነትን ነጻ ክኾና ኣይከኣላን። ኣብ ፍልልይ ሕብረተሰብና ተደቕዲቐን ከኣ ንዝሩግ ኣተሃላልዋና ዝያዳ ኣጋዲደንኦ ኣሎዋ። እዘን ትካላት እዚኣተን ንስደተኛታት መንእሰያት ይኹን ንነባር ኣረጋዊ ዜጋ ዘድልዮ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎታት የለን። ስለ ዝኾነ ከኣ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣመዝጊብናዮ ዘሎና ዓወት ንምድራብ፡ ኣብ መንጎ ህዝብና ስኒትን፣ሰላምን ክነግስ ብምግባር፣ ልቢ ህዝብና ክንስዕርን/ክንከስብን ብዙሕ ጻዕሪ ከም ዘድልየና ንርዳእ።

2.    ሲቪክ ማሕበራት ብዘርኢ ጉዳይ፣ ንሓዋሩ ንፖለቲካውን፣ ማሕበራውን፣ ቁጠባውን፣ ቅዋማውን ጉዕዞታት ከውሕሰኦ ክኽእላ ስለ ዘለወን ሕጂ ዋላኳ ብዝለዓለ ዓቕመንን ይገብራ እንተሃለዋ፤ ኣብ መንጕአን  ብእሂን ምሂን ተላዚበን ብኮንፈረንስ ኣቢለን ከዋሃህድኦ ዘለወን ዓቕሚታት ኣድማዒ ውጽኢት ምሃለዎ። ብዙሓት ክኢላታትን ውፍያት ዚጋታትን ኣብዚ መዳያት እዚ ተርኦም ዕዙዝ እዩ ጸኒሑ፣ ሓንቲ ተሪፋቶም ዘላ ተጠርኒፎም ናይ ስራሕ ምምቕቓል ጊሮም ናይ ብሓባር ምስራሕ ባህሊ ምጥራይ ኢያ። እዚኣ ፖለቲካዊ ውድባት ዝኽሰሳላ ግድለት ኣብ ሲቪካው ማሕበራት ክትርአ ኣይግባእን።    

3.    ህዝባዊ ሽማግለታት ንስኒትን ፍትሕን ዲሞክራስን ንምቅላስ በዚ ጀሚረንኦ ዘለዋ በቢከተምኡ እናተማሕበራ ብዞባ ደረጃ ተማእኪለን ድምጸን ከልዕላ/ከበርኻ እዋኑ ዝብጽሐ ዘይየኮነስ ዝደንጕየ እውን እዩ። ህዝባዊ ሽማግለታት፡ ከካብ ከተመአን ተወኪለን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ጸጊዕ ዘይብሉ ብቑዕ መሪሕነት ክገብራ ንትስፎ። ብኡ ኣቢለን ከኣ ንህዝቢ ኣብ ዞባአን ዘሎ ወኪለን ንፖለቲካዊ ውድባት ናይ ምቍጽጻር ተራ ክጻወታ ትጽቢት ይግበረለን። እዘን ትካላት እዚእተን ስሉሳዊ ሓላፍነተን ተሰኪመን፣ ሃናጺ ተርአን ክጻወታም’በር ምስ ሲቪካዊ ማሕበራት ክተሃላለኻን ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ክወዳደራን ግቡእ ከምዘይኮነን ነቲ መስርሕውን ዘበርዕን ምዃኑን ብሩህ ክኸውን ኣለዎ።

4.    ናይ ተቓውሞ ዜናን ሓበሬታን ማዕከናት እውን ከምተን ናይ ሲቪክ ማሕበራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ናይ ጋዜጣነት ጥራይ ዘየኮነስ ኣንጻር እቲ ስርዓት ናይ ምንቕቓሕ ተራ እውን ኣለወን። ግን ከኣ ወድዓዊ ሪፖርት ናይ ምቕራብን ሓቂ ናይ ምንጋርን ወገን ናይ ዘይምውሳድን ፕሮፈሽናሊዝም ናይ ምምዕባል ሓላፍነት ከኣ ኣለወን። ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ዝመጽእ ኮንፈራንሳትን ጉብኤታትን ነናተን ዴስክ/ጠረጴዛ ኣዳልየን ዝከታተላሉ ኣሰራርሓ ንምድላው ተዓዘብቲ እንተላይ ኮይነን እውን ናይ ዓይኒ ምስክርነት ንህዝብና መታን ከመሓልላፋ ብሓባር ተኣኪበን ክዳለዋሉ ኣለወን። ናይ ዜናን ሓበሬታን ማዕከናት፣ ካብ ፖለቲካዊ ጸጊዕነት ነጻ ኮይነን ሓቅን ወድዓውን ሓበሬታ ንህዝቢ ከስንቓ ትጽቢት ይግበረለን።

5.    ፖለቲካዊ ውድባት ብዘርኢ ጉዳይ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ ናይ የማናውን ጸጋማውን ሊበራላውን ትሒዘጸኒሓውን (ኮንሰርቫቲቭ) ስነሓሳባት ኣመቓቕላ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ተቓውሞ ኣልዕሊና ክንርኢ ዘኽእለና ዕምቍታት እኳ ኣይሃሉ እምበር ተግባራዊ ጉዕዞ ጽላላዊ ትካላት ኤርትራ፡

(I)           ጽላል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሓቍፍወን ዘሎ ውዳባትን

(II)         ናይ ብሄራዊ ኣወዳድባ ፕሮግራም ዘለወንን መሓዙተን ዝኾና ፈደራላውያን ውድባትን

(III)         ኣብ ክልቲኡ እዚ ጽላላት ዘየለዋ ፖለቲካዊ ውድባትን ኮይነን ይጠቓለላ። እዘን ጽላላት እዚኣተን ጉዳየን ብሓደ ዝጥርንፋሉ መስርሕ ብህጹጽ ክጅምራ የድሊ።

6.    ሃገራዊ ባይቶ ብዘርኢ ጉዳይ፡  ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ሕጋውን መትከላውን ኣሰራርሓ ተኸቲሉ ካብ ዘይሰርሕ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ገሩ’ሎ። ፖለቲካዊ ውድባት ባይቶ ምስ ህዝብን ሲቪካዊ ማሕበራትን ዝኣተውኦ ኪዳን ወይ ፓርትነርሺፕ ጠሊመን ብጉዳይ ባይቶ ንበይነን ጥራይ ክዝትያን ክውስናን ክልተ ዓመታት ሓሊፍወን ኣሎ። እዚ ሕጂ ንታሕሳስ ተባሂሉ ዘሎ ኣኼባ፣ ኣባላቱ ኣብ ምውሳንስ ይትረፍ ክሳብ ሕጂውን ንሚድያ ዝተእከ ፕረስ ረሊዝ ብኢማይል ኣይተላእከሎምን።እተን ልዕል ኢለን ተቒሰን ዘለዋ ጽላላትን፣ ፖለቲካዊ ውድባትን ናይ ባዕላተን ኮንፈረንስ ጌረን ጉዳያተን ድሕሪ ምውጋን፣ ምስተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ኣካላት ደሞክርስያዊ ቃልሲ ዝኾና ህዝባውን፣ ሲቪካውን ማሕበራት ኮይነን ከኣ ናይ ሓባር ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብምቛም ዝተሓደሰ ሃገራዊ ጉባኤ የምርሓ። እዚ ንኸይቃላጠፍ ዓጊቱ ዘሎ ኩነታት፤ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ዳርጋ ሓደ ዝዕላምኡ ግን ከኣ ክልተ ቃራና (ፕሮንግስ) ዘለዎ ተጋራጫዊ መስርሕ ናይ ናይሮቢን ናይ ኣዋሳን ክልተ ዝተወሳሰበ መቖምያታት ተጋሕቲኑ ዝሰርሕ ኣሰናዳዊ ሽማግለታት ጸይረን ይጕዓዛ ስለ ዘለዋ እዩ ኣብ ደውታን ምድስካልን ኣትዩ ዘሎ።