25 ዓመት ድሕሪ ሃንቀውታዊ ‘ሐርነት’ ኤርትራ።

ንጽንብል ናይ 25 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ንምዝካርን ንመራሕቲ ህግደፍ ንምውዳስን ዓቢ ምሽብብ ይግበር ኣሎ። እዚ ብድሙቕ መልክዕ ዝስነ ሃገራዊ ዳንኬራ ብሽግ ምውላዕ ኢዩ ተጀሚሩ። እዚ ከም ባህሊ ዝተወስደ ናይ ህግደፍ ሀንደፍደ ሕጅ’ውን ዘመን ብዘምጽኦ ኤሌክትሮኒካዊ ብሪቕሪቕ ተሰንዩ ንፈታዊ ከይተረፈ ብዘስደምም ኩነታት ክሰላሰል ምዃኑ ዘየጠራጥር ኢዩ። ካብ ፍርቂ ዘመን ንላዕሊ ዝወሰደ ናይ ኤርትራ  ቃልሲ ምስ እንትንትን እዚ ዓቢ ምድላው ዝግበረሉ ዘሎ ምስሎይ ‘በዓል’ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ነገር ህዝቢ ብጥምየት መዕንጣኡ ተፋሒሱ መዓልታዊ ናብራኡ ብሜላ ንምምራሕ ህርድግ ኣብ ዝብለሉ ኩነታት: መኣዝኖም ዝስሓቱ ሽቶታት ከም ዓወት ኣቕሪብካ ሀገር ፌስታ ብፌስታ ክትገብራ ምህቃን ኢዩ። ብዝኾነ ኮይኑ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ምስ እንምልከት  ብአሻሓት ዝቑጽሩ ለይለይ ዝበሉ መንእሰያት ኣብ እቶን ሮግሪግካ ምስ ኣብቓዕካ ፡ ዛር ከምዝሓዘካ ወጋሕ ትበል ለይቲ ንሓፋሽ ተጋዳላይ አዳሊኻ ፡ መራሕቲ ግንባራት ድማ ችንችን ብውስኪ ዝብልሉ ኩነታት ፈጢርካ:  ትማሊ ምስ ተረክቦታታ ከምትርስዕ ምግባር ልሙድ ባህሊ ኢዩ ዝነበረ። ኤርትራ ኣብ ብርቱዕ ቅልውላው ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ መግቢ ቅልውላ ተዘፊቓ ክነሳ ነዚ እዝኒ  ከይሃብካ ‘ንሕና ብጽፍርና’ ብዝብል ጥርሖታት ተመሲጥካ ህዝቢ ኣደዳ ሃኪክን ጥምየትን ምግባር ምስ ዕብዳን’ምበር ምስ ጥዕና ኣይቁጸርን ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይንቡር ኩነታት ምስ እነስተንት  ‘ነቲ ዓሻ ዘይኮነስ ነቲ ሓዊ ዓሻ ኢዩ ከፊእዎ ዘሎ’ ከብሀል ይከአል። እምበኣርከስ ነዚ ብጽጉባት መራሕቲ ህግደፍ ዝተጠጀኤ ሃለውለ መሰረት ብምግባር፡ሓደ ኤርትራዊ ዌብ ሳይት ብዝተፈላለዩ ኣርእስትታ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዘንጸባርቑ ጽሑፋት ንምሕታም መደብ ኣውጺኡ ንዓይ ብዝምልከተኒ ኣርእስቲ ኣበርክቶይ ንኽውፊ ብዝሓተተኒ መሰረት እነሆ አብ መግብን ሕርሻን ኤርትራ ዘተኮረት ጽሑፍ የቕርብ። ካብዚ ተበጊሰ ድማ እዛ ጽሕፍቲ ምስ ኣስማሪኖ ዶት ካም ተኸታተልቲ ይካፈላ ኣሎኹ

ኣብ ናይ ኤርትራ ሕርሻ ኣቶኵረ ምስራሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን’ኳ እንተዘይኮነ ብመጠኑ ዝተዋሳእኩሉ ድሕሪ ኤርትራ ነጻነታ ምእዋጃ ኢዩ። እዚ’ውን ብመንገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረኒ ናይ ብሕታዊ ሕርሻ አማኻሪ ትካል ኮይኑ ፡ ምሩጻት ናይ እኽሊ ዘርእታት ብምቕራብ፤ ካብኡ ሓሊፉ በብግዜኡ ኣብ ኤርትራ እንዳተመላለስኩ ንሐረስቶት (ዓዃያት ዘይኮኑ) ሞያይ ዘበርክተሉ ዝነበርኩ እዋን ኢዩ። ብቐረባ ክሰርሓሉን ክዋሰኣሉን ዝጀመርኩ ግን ብ1998 ካብ ኢትዮጵያ  ምስተሰጎግኩ ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ ፈታውየይ ዶክቶር ብርሃነ ወልደሚካኤል ብደኒመርክ መንግስቲ ተደጊፉ ብሐበን ዝፍለጥ ናይ ባዕሉ local NGO ብምምስራቱ ሓገዘይ ንምውፋይ ካብ ኒውዮርክ ተላዒለ  ንኽልተ ዓመታት ምስ እንዳ ሕርሻ ተለጢፈ ሰሪሔ ኢየ (ዘርብሕ ደሞዝ እንዳተኸፍለኒ) ። ኣብ’ዚ ውሽጢ ክልተ ዓመት ድማ ናይ ኣትሓሕዛ ምሩጽ ዘርኢ (seed law) ኣርቒቔ ብመንግስቲ ተቐባልነት ረኺቡ ኣቓልቦ ከምዝግበረሉ  ካብቶም ሰበስልጣን ምኒስትሪ ሕርሻ ክርድእ ክኢለ። ስለዚ ነዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ዘይዑሙቕ ጽሑፍ ኣብ ሃዋሁ ተመርኩዘ ከምዘይኮንኩ ከስምረሉ ይደሊ።

ግደ ሓቒ ክንዛረብ እንተኾይኑ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብመደብ ዝተሓንጸጸ ዳንኬራን ከምኡ’ውን ኣብ ውድዓዊ ኩነታት ዘይተመርኮሰ ናይ ዓወት ጭርሖታት እንድንጽባረቕካ ግዜኻ ካብ ምጥፍእ፡ ብትሕትና ህሉው ኩነታትካ ምፍታሽ ኣዝዩ ጠቓሚ ይመስል። ኤርትራ ካብቶም ጥቓ ፍርቂ ሚልዮን ዝግመቱ ዜጋታታ  ተሓሲሞማ ኣብ ፈቐዶ ስደተኛ ካምፕ ተዳጉኖም ዝርከቡ ዋና መፍረይቲ ስደተኛታት ህገር ኢያ።  ካብኦም ዕሽር ዘይኮኑ ድማ ፈቐዶ ዓለም ተበታቲኖም ይሕመቕ ይንፋዕ መዓልታዊ ናብራኦም ዝመርሑ ዘለዉዋ አደ ኢያ። ብተወሳኺ ካብ ርብዒ ሚልዮን ዘይውሕድ መንእሰይ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ፍረ ኣልቦ ‘ማእቶት’ ጸሚዳ ሃገራዊ ዕብየት እትጽበ ህገር ኢያ። እዚ ብሓሶት ልዑላዊነት ዝተነድቀ ናይ ህግደፍ ሕሊና ከም ኣብ ሑጻ ዝተሀንጸ ኣዳራሽ ይቑጸር። ንምዃኑ ኣሽሓት ኣብ ማእሰርቲ ሞቝሕካ ሃገራዊ ዕርቂ ምትምናይ ትርጉሙ እንታይ ይኸውን?  እዚ ከይአክል ህዝብኻ ብጥምየት ሓሊብካ ከተብቅዕ ‘ንሕና ብጽፍርና’! ኢልካ ወግሐ ጸብሓ ምግዐር ትርጉሙ እንታይ ይኸውን። ዓሻስያ ሓደ ደርፉ። ንምዃኑ ናይ ኤርትራ ሕርሻ ጥዕናኡ ከመይ/እንታይ ይመስል።

ኤርትራ ካብ ዘበናት ወይ ድማ ካብ ዕስራ ዘበን ጀሚርካ ብሕጽረት መግቢ’ኳ እንተዘይተሳቓየት ጽጉብ ህዝቢ ኣይነበራን። እዚ ሎሚ ብድርቂ ዝፍለጥ ኣውራጃታት ኢትዮጵያ ቅድሚ በኣጻምእ ምጥቅዑ መጀመርያ ኣደዳ ድርቅ ከምኡ’ውን ናይ ዘመተ ሓሰኻ ኮይኑ ንነዊሕ እዋን  ዝጽንሔ ኤርትራን ትግራይን ኢዩ። ናይ ቀደም መዛግብ ከምዘመልክትዎ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመጀመርያ ግዜ ብ1959/60 ረዲኤት እኽሊ ዝተላእከሉ ቦታ ኣብ ክልተ ኣውራጃታት ኤርትራ ኢዩ(1)። ጣልያን ነዚ በብግዜኡ ኣብ ከበሳታትን ቆላታትን ዝገሃድ ዝነበረ ርኡይ ናይ መግቢ ሕጽረት ብኸመይ ዝአመሰለ መንገዲ ይፈትሖ ከም ዝነበረ ንጹር መረዳእታ የብለይን። የግዳስ ምስቲ ስርዓት ተኣሳሲሮም ዝነበሩ ውልዶ/ፈለምቲ ከተማታት ተጠቀምቲ ናይ ምግቢ ኣህልኾ ከም ዝነበሩ ኣደይ ተዘንቱ።  ብመጀመርያ ሓምሳታት ፈረንጂ ሀገር ለቂቖም ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብዝተፈላለየ ስርዓት ሓበሻ (ህግደፍ ደሚርካ) ክምሐደር ምስ ጀመረ፡ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳኸፍኤ ኢዩ ዝኸደ። ህዝቢ ኣብ መዓልታዊ ተዋስእኦም  ‘ኣንታ እቲ ረዲኤት ድአ ደንጉዩ’ ‘ኣብ ዓዲ እከለ ረዲኤት ምዕዳል ጀሚሮም’ ‘ብረዲኤት ዝዕደል እኽሊ ስዋ፡ግዓት፡ ጎጎ ኣይከውንን ኢዩ’ ክብል ምስ ደፈረ ኢዩ ኩነታት ሕርሻ ኤርትራ ጥዕና ዘይብሉ  ምዃኑ ዘመስከረ።

ህዝባዊ ግንባር ድሐር ህግደፍ በትረ ስልጣን ምስ ጨበጠት ክሳብ ክንደይ ናይ ኤርትራ ሕርሻ ምዕባሌ ኣርእዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ምሉእ ዘይኮነ እንታይድኣ ከፊላዊ ገጽታ ናይ ድሕረነጻነት ኤርትራ ኣብ ዘመልክቱ ዳታታት(data) ምምርኳስ ትግደድ። ብወገነይ ናይ ኣድልዎ ዝንባሌ ኣለዎ (መሻረዊ) ኢለ ክይክሰስ ዝጠቕሶም ፍጻሜታት  ካብ 1994 ንነጀው ዘሎ ግዜ ዝምልከት ጥራይ ኢዩ። እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ እዋን (1991 199) ከም ናይ መሳለይ ወይ ናይ ጸጋ ጊዜ ቖጺረ ኣብ ጸብጻብ ኣይእትዎን ኢየ። ብምቕጻል፡ ኣብዛሑ ህዝቢ ዓለም ናይ ኤርትራ ህዝቢ ወሲኽካ እቲ ብብዝሒ ዝምገቦ ጻዕዳ እኽሊ (grains) ስለ ዝኾነ ግምገማይ ኣብ ጻዕዳ እኽሊ ዘተኮረ ክኸውን ኢዩ።

ብ1994 ኣብ ኤርትራ ብጻዕዳ እኽሊ ዝተሸፈነ መሬት 31200 ሄክታር ኮይኑ አብዚ ዓመት’ዚ ድምራዊ እቶት 148400 ኩንታል ኢዩ ኔሩ። ኣብ 2014 ዝአተወ እኽልን ዝተዘርኤ ስፍሓት መሬትን  ምስ 1994 ክነጻጸር እንከሎ ፡ ምህርቲ ብ47% ከምዝወሰኸ፡ ናይ ግራውቲ ስፍሓት ድማ ካብ 300% ንላዕሊ ምድያቡ ይሕብር።  ይኹን እምበር ናይ ምህርቲ ዕብየት ክምዝገብ ዝተኽእለሉ ዋና ምኽንያት  ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ተዘሪኦም ዘይፈልጡ ወይ ድማ ባዲሞም ዝጸንሑ መሬታት ብሰፊሑ ስለ ዝትሓርሱ ክኸውን ይኸእል። ካባኡ ዝተረፈ ምህርቲ ክዓቢ ዝኸኣለ ብዘመክሕ ተክኒካዊ ደገፍ ተሰንዩ ከም ዘይኮነ ርዱእ ኢዩ።  ብገምጋም ካብ ሓደ ሄክታር ዝተረኽበ ምህርቲ ዳርጋ ንዓመታት ምምሕያሽ ከየርአየ ኢዩ ጽኒሑ። (2) ክሳብ ሕጂ ዘቕረብክዎ ቁንጽል ስእሊ ሕርሻ ኤርትራ ካብ ዘባህርር ዘፈስሀ፥ ካብ ቀቢጸተስፋ ናብ ብሩህን ዘመክሕን ዘመን ዘሰጋግር  ይመስል። ምኽንያቱ ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተስምዩ ረቛሒታ ሓደኳ ይኹን ኣሉታዊ ገጽታ ስለ ዘየርአየ ኢዩ።  እቲ ሓቂ ግን ኣብ ውሽጢ እዘን ከም መኣዝን እምኒ  ጌረ ዘቐመጥክዎን ዓመታት’ውን እንተኾነ ብዙሕ ሕርሻዊ ላዕልን ታሕትን ኔሩ ኢዩ። ኣብ እተወሰኑ ዓመታት ሓደ ከም ጠንቂ ኮይኑ ናይ ምህርቲ ምንቑልቛዋል ዘስዓበ ድርቂ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሃገር ብተደጋጋሚ ብድርቂ ክሽበብ ምጽንሑ ወግዓዊ ኣፍልጦ’ኳ እንተተነፍገና ብቢሕል ጎቦ በቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማልያ ከምኡ’ውን ሱዳን በብግዜኡ ዝኽሰቱ ክሊማዊ ቀውስታት ናይ ኤርትራ ኩነታት ክንፈልጥ የኽእለና ኢዩ። ቀጻሊ ናይ ሳተላይት መልክዕ ወይ ስእሊ ከምዘመልክቶ ድማ ኤርትራ ሕምብርቲ ናይቶም ብድርቂ ዝጥቅዑ ሃገር ምዃና ንኽትርዳእ ናይ ክሊማ መዓርግ ሊቅነት ኣይድልየካን ኢዩ።  እቲ ሕቶ  ነዚ ተፈጥሮኣዊ ብድሆ ንምቅላስ ዝተቐየሰ መንገዲ ኣሎዶ ኢዩ?  ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ፈላሚ ክትዔይ ተመሊሰ ንኣንባቢ ኣንፈት ከትሕዝ እዚ ተወሳኪ መረዳእታ እነሆ። ጃምላዊ ምህርቲ ናይ 1995/96/97 ካብ ዝሐለፉ ዓመታት ብክልተ ሲሶ ክቅንስ እንከሎ ናይ ዝተዘርኤ መሬት ስፍሓት ድማ ካብ 31200 ሄክታር ብ1994፡ ብገምጋም ናብ 18392 ለጠቕ ኢሉ ንርእዮ። ካብዚ ብምቕጻል ቅድሚ 5 ዓመት ዘጓነፈ ሑሱም ተረክቦ ከይኣክል እንደገና  ብ 2002 ን ብ 2003 ሰፊሕ መሬት ይዳሎም’በር ምህርቲ ኣይግድን ኢዩ ዝነበረ። ናይ ክልቲኡ ዓመታት ገምጋማዊ  እቶት ካብ 50000 ኩንታል ዘይበዝሕ ፍጹም ኣሰካፊ ውጽኢት ኢዩ ዝነበረ። እዚ ምስቲ 1994 ዝተመርተ እኽሊ  ክወዳደር ኣንከሎ ብ 200% ወሪዱ ንረኽቦ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብድርቂ ዝተሃስዩ ዜጋታት ቁጽሪ ክሳብ 1.04 ሚልዮን ክግመት እንከሎ፡ ንምዕንጋሉ ድማ 1400000 ኩንታል እኽሊ ከምዘድሊ ብወሃብቲ ረዲኤት ትካላት ይንገር።

ካብ ኩሉ ዘገርም ነገር እንተሃለወ ዘበን ኣብ ዝልግሰሉ ማለት ኣኸዛ ብዓንተብኡ  ኣብ ዘበስረሉ ግዜ ስአን ናውቲ ሕርሻ ኣቕርቦትን ካልኦት ክሚካላውን ኦርጋኒካውን ኣገደስቲ ናይ ምህርቲ ልፍንትን ብመጠንን ብግዜን ክቐርቡ ብዘይምኽኣሎም እቲ ብሓረስቶት ሰናይ/‘ጡዑም’  ዘበን ተባሂሉ ዝፍለጥ ከይተጠቐምካሉ ይሓልፍ። ኤርትራ ካብተን ኣዝዩ ዉሑድ ዘመናዊ ዱኽዕን ጸረ ኣባልዕን እትጥቀም ምዃና ናይ ህቡራት መንግስታት ናይ መግብን ሕርሻን ውድበ ጹሑፋት የመልክት። 

ተፈጥሮ ዘስዕቦ ሽግራት ንጎኒ ገዲፍና፡ እቲ ቀጻሊ ናይ ምግቢ ሕጽረት ከግድዶ ዝኸአለ እንታይ ኢዩ ኢልካ ትምህርታዊ ሓዘል ምርምር ምስተካይድ፡ መልሱ ብዘይ ዐወንወን ትረኽቦ። ንሱ ድማ ሓላፍዘላፍ ዝኾነ ፖለትካዊ፡ ኤኮኖሚካዊ፡ ህብረተሰባዊን ፖሊሲ ናይ ትማል ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኢዩ። መፍረይ ዜጋ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ ናይ ሂወትን ሞትን ሕቶ ንኸይምልስ ኣደዳ ዓረር ምግባር ሓደ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልእ ድማ ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ከምዝብሃል በብዓመቱ ንሓረስታይ ዘየርብሑ ኣዋጃት ምውጻእ ኢዩ። 

ደይመደይ ኢልካ ናይ ጠንቖልቲ ፖሊሲ ምርቃቕ ነቲ መፍረይ ኣካል መሀነኑ ኣጥፊኡ ካብ ግብረ ሰናይ ትካላት ሓገዝ ኣብ ክረኽበሉ ዘይክእል ኩነታት ሽሚምዎ ይርከብ። ‘ጹጉብ’ስያ ጡምይ ዘሎ ነይመስሎ’ ዝብሃል ምስላ ፡ መራሕቲ ህግደፍ ብጻዕዳ ጣፍን ብናይ ፈረንጂ መስተን ክላድዩ ሓፋሽ ግን ምጥማዩ’ኳ ከይገልጽ  ብሞትን ብማሕዩርን የፈራርህዎ ምህላዎም ዝከሓድ ኣይኮነን። ነዚ ኩነታት’ዚ ዘይርኢ ባሃም ጥራይ ኢዩ።

ኣብ ላዕሊ ክገልጾ ከምዝፈተንኩ ፡ እቲ ኣብ ምፍራይ ዕድመ ደረጃ ዘሎ መንእሰይ ኣብቲ ብዕስክርና ዝፍልጥ ባርነት ተጸሚዱ ወይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ፤ ሱዳን፤ ጁቡቲ፤ እስራኤል፤ ከምኡውን ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ስደተኟታት ካምፕ ተዳጉኑ ይርከብ። መንእሰይ ዝተፋኦ ሃገር ድማ ስሕግ ኣንዳበለ ይነብር’ምበር ከድምዕ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዓቃብ ማይ ግድብ ይኹን ሰለሎ መንገዲ ይሰራሕ ብዘየገድስ፡ እታ ሃገር ዝረኤ/ዝድህሰስ ሃብቲ ዘይብላ ከም ዑኮት ተናዳፊት ፍንፍንቲ ኢያ።  ኣይ ካብ ናይ ውሽጢ ሓብሓብታ  ኣይ ካብ ደጋ መራሕታ ዘርምዞርሞ ዝተርፈት ዘይተመኒ ሃገር ኢያ። ናይ ወጻኢ ሕሳብ ባንኮም ብስርቂ ዝዘቕበበ፡ ናይ ቀድም ሽዳ ወደይቲ ናይ ሕጂ ኣስካርባ ዓጥጥ ለበስቲ ዝኾኑ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ምስ ናይ ቀረባ ጎረባብቲ ዘሎ ሕለፍያ ከይኣኽሎም  እንደገና ምስ ኣፍርይቲ ናይ ጥፍአት መሳርያን ምስ ናይ ላምባ አምረትን (ተቛመርቲ ኣዕራብ)  ብምሽራኽ ነታ ሃገር ኣብ ዘይትወጾ መዓሙቓ ክሸምዋ ይሰናደዉ ኣለዉ።

ውጽኢት እዚ ኩሉ ድማ ነታ ሃገር ካብ መግቢ ውሕስነት ናብ ተመጽዋትነት፤ ካብ ዞባዊ ተሐባባርነት ናብ ኣህጉራዊ ተጸባኢነት፤ካብ ሓበንነት ናብ ድከትነት የምርሓ ኣሎ። እምበኣርከስ ነዚ ተገንዚቦም እቶም ኣብዚ እከይን ዝምቡዕ ኣመሓዳድራ ህግደፍ ዘይትቛማጥዑ ናይ ኤርትራ ሰበ ስልጣናት ምስ ተደናገጽቲ በርጌሳውያን ተሐባቢሮም ሃገራዊ ግዴታኦም ክገብሩ ንጽበ። ኤርትራ ሰባን ማላን ክተድሕኑ እትኽእሉ ድማ ኣቱም ኣብ ውሽጢ ሃገር እትርከቡ ግዳይ ናይዚ ዝንቡዕ ኣመሓድራ ሕፍንቲ ዘይአኽሉ ጎሓላሉ ቀትሪ ምዃንኩም ኣይትረስዑ። ሃየ ነዚ ዓንቧኽ ስርዓት (paper Tiger) ካብ ሱሩ ጓሕጒኩም ኣብ ታሪኽ ጓሓፍ ሰንድውዎ። 

(1)Margaret Bonner, USAID/ Ethiopia Program from FY 1951 to FY 1978. (Addis Abeba Mission, 1978). 

(2 ) FAO statistics


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...