http://en.wikipedia.org/wiki/F._A._Hayek

Perhaps the fact that we have seen millions voting themselves into complete dependence on a tyrant has made our generation understand that to choose one's government is not necessarily to secure freedom.


Friedrich August von Hayek

እዚ ዓምዲ እዚ ንልሙድ ርእይቶ ብዛዕባ መጽሓፍ ብፍልይ ዝበለ መልክዕ ኢዩ ዘቕርቦ። ደቅ ሰብ ስለምንታይ ኣብ ትሕቲ ፋሽስትን ግፍዐኛታትን ይወድቁ ንዝብል ሕቶ ምምላስ ካብ ዝፍትኑ ክላሲካል ኣብነታት መንገዲጊልያነት ትብል ናይ ሃይክ መጽሓፍ እያ። ስለዚ ብዝከኣል መጠን ብኸመይን እዩ እቲ መንገዲ ተኻይዱ ንዝብል ታሪኽ ይትንትን።

http://en.wikipedia.org/wiki/Book_review

እዚኣ መጽሓፍ እዚኣ ናይ 50 ሕታማ ብ1994 ኔሩ። ስለዚ ሎሚ ኣብ 2014 ናብ 70 ዓመታት ተገማጊማን ትሕዝቶኣ ድማ ኣገዳስነቱ ጌና ኣሎ። ሃይክ ነዚኣ መጽሓፍ ብ1944 ክጽሕፍ እንከሎ “ናብ ኩሎም ኣብ ስልፍታት ዝርከቡ ማሕበርነታውያን ብዝብል ኢዩ ተበጊሱ። ብመሰረቱ ናይ “ሓባር (collectivist) መደባት ናይ ማሕበርነታውያንን ሕሉፋውያን ናይ የማን ሓይልታትን ከም ቀንዲ ኣብነት ናዚን ፋሽስት ኢጣልያን ናይ ሶቭየት ሕብረትን ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ከምዘይነበሮ ብዝርዝር የረድእ።

ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሓባር ዝብል ኣተሓሳስባ ዝጠፍአን ናይ ነጻ ውልቀ ሰባዊን ኣብ ርእሰ ማልነት ዝምርኲስን ኣሰራርሓ ዝሰዓረ እኳ እንተመሰለስ፡ ጌና እቲ ክፉኣት ሰባት እንተዝለግሱ እሞ ብጥዑያት ሰባት እንተዝትክኡ ነገራት ይመሓየሽ ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባስ ኣሎ። እዚ ድማ ሓደ ስልጣን ዘይብሉ ውልቀ ሰብ ያኢ ብድልየቱ ምስ ጎረባብቱ ይኹን ኣብ ጉዳዩ ጽቡቕ ነገር ከፍሪ ይኽእል ኢዩ ዝብል ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ኣሎ። እዚ ንግፍዕን ጭቆናን ዝፈጠረ ናይ “ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ነቲ ኣብ ትሕቲ ነጻ ውልቀ ሰብ ዝፈረየ ነጻነትን ሃብትን ኣብ ግምት ኣየእቱን።

ዝተጎነየ መንገዲ ዝበሃል ኣብ ሓደ መስርሕ ጉዕዞ ታሪኽ ንድሕሪት ተመሊስና ምስእንዕዘብ ምስ ሕሉፍ ዝሰብርን ናይ ምዕራብን ናይ ኣፍሪቃን ናይ ዓለም ብሓፈሻ ንዝነበረ ዝሰብር ተርኣዮታት ኣጋጢሙ ኢዩ። ናይ ናዚነት ምንቅስቓስ ንሙሉእ ናይ ምዕራብ ስልጣነ ከጥፍእ እዩ ተላዒሉ። እዚ ግን ነቲ ውልቃዊ ነጻነትን ናይ ደቂ ሰብ መሃዚ ክእለትን ዝፍኑ ኣገባብ ዘዐወቶ መስርሕ ከውድቕ ኣይከኣለን። ዋላኳ ኣብዚ መንገዲ እዚ ዝጽላእን ሕብረተ ሰብ ክጻወሮ ዘይክእል ነገራት እንተኣጋጠመ፡ ብዓቢኡ ነቲ መትከል ኣይቀየሮን። ብሕግን ታሪኽን ኣግባብን እውን ከዕርዮ ይርአ። ነጻነት ናይ ውድድር፣ ንኹሉ ኣባል ሕብረተሰብ ከምዝጠቕሞን ትካላት ኣብ ምእማንን ተቐቢሉ ይኸይድ። ብዓቢኡ ዓለምለኻዊ ቁጠባዊ ጉዳያትን መንግስታውያንን ኣህጉራያውያን ትካላት ተጠቒምና ንክፉእን ጽቡቕን ንኽንጥቀመሎም ስልጣንን ተስፋን ኣሎ።

ነቲ ሕብረተሰብ ነጻ ብምግዳፍ ዝመጽእ ምዕባለ ክቆጻጽር ዝፍትን ዝምባለ፣ ካብ 18 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ሕጅውን ይቕጽል ኣሎ። ገለ ገለ ካብዚኣቶም ጀርመናውያን - ሓሳባቶምን ምህዞታቶም ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ኣሜሪካን ተቐባለነት እናረኸበ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፤ ነጻ ዕዳጋ ንጥቕሚ ዓዲ እንግሊዝ ዝውዕል ኣተሓሳስባ እዩን፣ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣሜሪካን እንግሊዝን ግዜኡ ዝሓለፎን ኣዝዩ ዘሕፍርን እዩ፤ ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ኣብ ቅድሚ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ግዜ ኣናበዝሐ ከደ።

እዚኣቶም ኣብ ዓለም መንግስተ ሰማይ ክፈጥሩ ዝፍትኑን፣ ዩቶፕያ ማለት ከም ኣብነት ሓዳስ ኤርትራ፣ ብነጻ ጉልበት ዜጋታታ እትስራሕ ዘላ “ምዕብልትን ከምቲ ናይ ዜና ማዕከናታ ዝብልኦ፣ ብኹለንትናኣ ኣብ ሰማይ ትንሳፈፍ ዘላ ሃገር ከምዘላ ንምምሳል ዝግበር ፈተነ ክጥቀስ ይከኣል።

ማሕበርነታውያን ሰልፍታት ንዝያዳ ነጻነት እዩ እቲ ዓቢ ፕሮፓጋንደአን። ልክዕ ከም ፋሽስታትውያን፣ ማሕበርነታውያን ድማ ሓደ ሓቀኛን ርትዓዊ ዝኾነ ኣገባብ ከምዘምጽእ ይኣምኑ። እዚ ንዝያዳ ነጻነት ዝተባህለ መንገዲ ግን እንድሕር ናብ መንገዲ ጊልያነት ዘምርሕ ኮይኑ እቲ ዝዓበየ ውድቀት ኢዩ። ምኽንያቱ ንብዙሓት ናብ ማሕበርነት ከምዝዝምብሉ ዝገበረ መስርሕ ዝያዳ ነጻነት ይርከቦ እዩ ብዝብል እምነት ኢዩ ኔሩ። ኣብ ምዕራብ ዝነበሩ ናይዚ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ምሁራት፣ ናብዚ ዓይነት ዝኣተዉ፣ ካብቲ ነጻነታዊ ኣመተ ዝያዳ ከድምዕ ኢሎም ስለዝኣመኑሉ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ማሕበርነት ናብቲ ሓደ ኣንጻሩ ዝኾነ ገጹ ምስኣምርሐ ንምርዳኡ ዘጸግሞም።

እቲ ን12 ዓመታት ከም ጋዜጠኛ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ዝነበረ ው.ኤች. ቸምበርለን፣ ኩሉ እምነቱ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ምስተሓምሸሸ፣ ከምዚ በለ። “ማሕበርነት ኣብቲ መጀመርታ እንተወሓደ መንገዲ ነጻነት ዘይኮነስ መንገዲ ንዲክተተርነትን ዳግመ ዲክተተርነትን፣ ዘስካሕክሕ ውግእ ሕድሕድን የምርሕ። ብደሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝካየድ ማሕበርነት ኣብ ዩቶፕያ (ሕልማዊ ዓለም) ጥራሕ እዩ ዝርከብ።

ብተመሳሳሊ ኤፍ.አ.ቮይት ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ጸሓፋይ፣ ንሱ እውን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ሰብ፣ “ማርክስነት ናብ ፋሺዝምን ናዚዝምን ኣምሪሑ፤ ምኽንያቱ ንባዕሉ (ማሕበርነት) ፋሺዝምን ናዚዝምን ስለዝኾነ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሑ። ዋልት ሊፕማን እውን ብተመሳሳሊ “እዚ ናህና ትውልዲ እዚ (ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ማለት እዩ) ሰባት ካብ ነጻነት ኣዝሊቖም ናብ ሓደ ንጉድያዮም ብሓይሊ ዝውድብ መስርሕ እንተኣትዮም ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ ተመኲሮም እዮም። ንዝያዳ ብሩህ መጻኢ ኢሎም እኳ እንተገብርዎ፣ ኣብ መወዳእታኡ ናይ ዩኒፎርሚቲን የምርሕ በለ። ከምዚ ዝኣመሰለ ካብቲ ኣብኡ ዝነበሩ ዝገልጽ ብዙሕ ምስክርነት ኣሎ።  

ናዚዝም (ሃገራዊ ማሕበርነት) ዝመርሕ ዝነበረ ሂትለር፣ ንርእሱ ከም ናይ ብሓቂ ደሞክራሲያውን ሓቀኛ ማሕበረነታውን ጌሩ እዩ ዘቕርብ ኔሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከም ናይ ክርስትና ተሓላቒ ጌሩ እውን ነብሱ የቕርባ ኔሩ። ካብዚ ኣዝዩ ሕሉፍ ዝኾነ ስእሊ ዝመጽእ ነገር እንታይ እዩ፤ ሂትለር ሓቀኛ ሊበራልነት ማለት ነጻነት ዝብሃል ከምዘይኣምን ዝነበረ ባዕሉ ይምስክር እዩ። እኳ ድኣ ሓደ ካብቲ ንሱ ዝጸልኦ ዝነበረ ኣተሓሳስባ እዩ ኔሩ። ሂትለር ኣብ ስልጣን ምስመጸ ሊበራልነት ፈጺሙ ተደሚሲሱ እዩ፤ እቲ ቀታሊኡ ድማ ሃገራዊ ማሕበረንት (ናዚዝም) ኔሩ። (ይቕጽል..)

ውልቃውነትን “ሓባራውነት collectivism

ብፕላን ሃገር ምምሕዳር ዝብል ነቲ “ምእንቲ ነዚ ክንገብር ክንጭቁንን ዲክተተርነት የድልየና እዩ ዝብል ምኽንያት የምጽእ። እቲ ናይ “ሓባር “ሃገር “ሕዝቢ ኢልና እንገበሮ መንግስታዊ ስርሓት ገፋዕቲ ክንከውን የገድድና ናብ ዝብል ዝምቡል መደምደምታ የብጽሖም። 

እዚ ዘሕዝን ይብል ሃይክ፣ ኣብ ናይ ውልቃውነት ዝተመስረተ ኣግባብ ኣሰራርሓ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ኣሉታዊ ሸነኻቱ ክቃላዕ ይረአ። ነጻ ዕዳጋ ንኹሉ ማዕረ ዕድል ዝህብ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ዕድል እዚ ብሕቡእ ይኹን ብቃልዕ ዝኽልክል ክህሉ የብሉን። ንዋጋታት ክትቆጻጸርን ቁጽሪ ምህርቲ ክትዕቅን ምፍታን ነቲ ውድድር ዘምጽኦ ናይ ምትሕሓዝ ዕዳጋን መሃዚ ክእልነት ናይ ውልቀ ሰባትን ይዕንቅፍ። ምኽንያቱ ዋጋ እንተድኣ ደስኪሉ ኣብቲ ከባቢ ንዝመጽእን ዝካየድን ኩነታት ኣብ ግምት ስለዘየእቱ እቲ ውልቀ ሰብ ይኹን ነጋዳይ ዓዳጋይ ኩሎም ብዛዕባ እቲ ዝግዛእን ዝሸይጠን ሚዛን ዘለዎ ርእይቶ ኣይህልዎምን።

እዚ ማለት ኣብ ማእቶታዊ ኣገባባት ዝካየድ መስርሕ የልቦን ማለት ኣይኮነን። እዚ ግን ንኹሎም ወነንቲ ማእቶት ብማዕረ ዝምልከት ክሳብ ዝኾነን ንዋጋታት ድማ ዘይቆጻጸር ክሳብ ዝኾነ ቅቡል እዩ። እዚ ማለት ንኣብነት መርዛም ዝኾኑ ኣቑሑ ምኽልካልን፣ ወይ ካኣ ንውጽኢት ኣድላዪ እንተኾይኖም ፍሉይ መከላኻሊ ምግባር፣ ናይ ስራሕ ሰዓታት ገደብ ምግባር፣ ወይ ድማ ናይ ጽሬትን ጥዕናን ምሕላው ምስ ምዕቃብ ነጻ ውድድር ዝኸይድ ተግባራት እዩ። ናይዚ መዕቀኒ ነዚ ክትግበር ዝወጽእ ክፍሊት ካብቲ ማሕበራዊ ኣወንታ ይበዝሕ ድዩ ይንኪ ዝብል እዩ። ብተወሳኺ፣ ናይ ውድድርነት ዕቃበ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝቃደወሉ ክሳብ ነቲ ውድድር ከምዘይሰርሕን ኣብ ምዕንቃፉ ክሳብ ዘይብጸሐ ጥራሕ ኢዩ። 

ኣዳም ስሚዝ ብዛዕባ ምግባር መደብ ኣብ ቁጠባ ከምዚ ኢሉ። “ንናይ ገዛእ ርእሶም ሃብቲ ማለት ርእሰ ማል ኣበይን ብኸመይን ክኸውን ኣለዎ ዝብል መራሒ ዘየድሊ ጠመተ ኣብ ልዕሊ ነብሱ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ ናይ ምሩጽን ባይቶን እኩባት እውን ብድሓን ክስከምዎ ዘይክእሉ ክነሱ፣ ኣብ ሕቖ ሓደ ውልቀ ሰብ እሞ ዝገደደን ኣዝዩ ሓደገኛን ንባዕሉ ክሳብ ክንደይ ንነብሱ ኣልዒሉ ስለዝግምታን ከተግብር ይኽእል ኢየ ኢሉ ስለዝኣምን ይገብሮ፤ ካብ መበገሲ ምዕራፍ 5 ዝተወስደ ጥቕሲ።

ልዕልና ሕጊ እንታይ ኢዩ ንዝብል ሕቶ ሃይክ ካብቲ ተክኒካዊ መንጸፋቱ እንተኣልጊስካዮ፣ ብሓደ ቅድም ዝተሓንጸጸን ብውግዒ ዝተነግረሉ ኣገባባት (rules) ዝቕየድ መንግስቲ ማለት ኢዩ። እዚኦም ኣገባባት ኣብ ስልጣን ዘሎ ነቲ ዘለዎ ናይ ሓይሊ ኣበየናይ ኩነታትን ብኸመይ መንገዲን ከምዝጥቀመሉ ኣቐዲምካ ክትግምቶ ከምትኽእልን ውልቃዊ ጉዳያካ ድማ ኣብዚ መሰረት ብምግባር ናብ ውሳነ ከምዘጸሓካ ከምዝኽእል ዘርኢ ኲነት ዝርከበሉ ኢዩ። ኣብዚ ንአ.ቪ. ዳይሲ ዝሃቦ ፍሉጥ ኣገላልጻ ይጠቅስ። ማለት ልዕልና ሕጊ “ኣብ መጀመርታኡ ፍጹም ልዕልና ወይ ከኣ ቀዳምነት ልሙድ ሕጊ ማለት ኮይኑ፣ ንብድሌት ዝካየድ ስልጣን ዘትርፍን ስፍሕ ዝበለ ስልጣን መንግስቲ እውን ዘይፈቅድ እዩ።

ምጣነ ሃብቲ ንዘምጽእ ማእቶት ምቁጽጻር ማለት ንናይ ሰብ ህይወት ባዕሉ ምቁጽጻር ማለት እዩ።” ሂለሪ በሎክ (The control of the production of wealth is the control of human life itself)

ኣብ ውድድራዊ ሕብረተሰብ፣ ሓደ ሰብ እንተድኣ ዝደለናዮ ከቕርበልና ዘይኪኢሉ፣ ዘለና ምርጫ ናብ ካልእ ክንከይድ ምኽኣልና ኢዩ። ምርጫ  ዘይብሉ ገባቲ ስርዓት ወይ ሰብ እንተድኣ ኣሎ ግን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ድሌት ናይዚ ባእታ ኢና ንተርፍ ማለት ኢዩ። ምግባት ናይ ማእቶትን ዋጋታትን ዳርጋ ዘይውዳእ ስልጣን ኢዩ። ኣብ ሓደ ውድድራዊ ሕብረተሰብ ዋጋ ናይ ሓደ ነገር፣ ነዚ እንተድኣ ወሲድናዮ ኣብቲ ሕብረተሰብ እዚ ብምጉዳሉ ቁጽሪ ካልኦት ነገራት ኣብ ዕዳጋ ዘምጽኦ መልሰ ግብሪ እዩ ዝምስረት። ዋጋ ናይቲ ነገር ብኮነ ኢልካ ዝተገብረ ድሌት ናይ ዝኾነ ሰብ ኣይኮነን ዝውሰን። እዚ እንተኸቢሩና ካልእ መንገዲ ናይ ምድላይ ዕድል ኣለና። ኣብዚ ነቲ ንደልዮ ነገር ካብ ምርካብ ዝዕንቅፈና ነገር እንተሎ፣ ምኽልካል ብሓደ ኣካል ዘይኮነስ እቲ ካልእ ኣገባባት እውን ንኻልኦት ስለዘለዎም ኢዩ። ፍጹም ምቁጽጻር ኣብ ዘለወሉ ስርዓት እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ንገለ ዕላማ ክወቅዕን ንገለን ከሰናኽልን ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ይትረፍ እቲ ንበልዖ እቲ እቶትና እውን ብኸመይ ከምንጥቀመሉ ክነገረና ክቆጻጸረናን ኢዩ።

ዓቕሚ ጌርና ወይ እውን ሰሪሕና ወይ እውን ዝኽፈል ኸፊልና ካብ ኲነታት ክንሃድምን ክንቕይሮን ዘለና ተኽእሎ ክሳብ ዘሎ እቲ ኣዝዩ ዘይጽወር እውን ክንጻወሮ ንኽእል ኢና። እዚ ግን እንድሕር ዘየለ፣ ካብዚ ንላዕሊ ዝኸፍአ ናብራ የልቦን። እዚ ማለት ኣብ ሓደ ነጻን ውድድራዊ ዓለም ኩሉ ሰናይ ኢዩ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ኣብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንግዲ ፖለቲካ ኩሉ ዓይነት ዕማማት ብሓደ ጥራሕ ዝተገበተ እንተድኣ ኮይኑ ግን ዋላ ሓንቲ ምርጫ እውን የልቦን ማለት ኢዩ። ፖለቲካዊ ነጻነት ብዘይ ቁጠባዊ ነጻነት ዋጋ የብሉን ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ሓቂ እዩ፤ ግን ከምቲ በቶም ንቑጠባ ክግብቱ ዝደልዩ ዝዋሃብ ትርጉም ዘይኮነስ፣ ነጻነት ቁጠባ ከም ቅድመ-ኩነት ናይ ኩሉ ዓይነት ነጻነት ክኸውን እንከሎ ብናይ ውልቀ ሰብ ዘሕድግ ምርጫ ዝዋግኡን ብተወሳኺ ድማ ነቲ ሕብረተሰብ ኩሉ ነጻነት ኣብ ቁጠባዊ ህይወቱ ብምሕዳግ ስለዝመጽእ እዩ ዋጋ ዘይብሉ።

መንንን ንመንንን - “*ናይ ማዕርነት ስሚዒት ንናይ ነጻነት ተስፋ ስለዝዓብለሎ ዓለም ዝዓበየ ዕድል ኣምሊጥዋ* ሎርድ ኣክቶን። ነነጻ ዕዳጋ ዝጸልኡ ሰባት “ዕውር” እዩ ብምባል ይነቕፍዎ። ናይ ጥንቲ ፈላስፋታት ንዕውር ዝብል ኣምር ከም ናይ ፍትሒ ጌሮም ይቖጽርዎ ከምዝነበሩ ንዘክር። እቲ ምርጫ ኣብ መንጎ ኣብ ሓደ ፍጹምን ልዑልን መዐቀኒ ዝተመርኲሰ ኩሉ ሰብ ከም ድላዩን ዝረኽበሉ ስርዓትን ኣብ መንጎ ውልቀ ስባት ከም ዕድሎምን ከም ስራሖምን እቶት ዝረኽቡሉ ስርዓትን ኣይኮነን። እቲ ምርጫ ኣብ መንጎ ኣብ ሓደ ብዉሑዳት ዝውሰንን ኣብ መንጎ ብዙሓትን ተለዋወጥቲ ኩነታት ዘምጽኦ ዓይነት ስርዓታት ኢዩ። ክፉት ስርዓት ካብ ንድኻታት ንሃብታማት ዝያዳ ዕድል ዝኸፍት እኳ እንተኾነ ኣብዚ ስርዓት እዚ ካብቶም ኣብ ፍጹም ቁጽጽር ዘሎ ሃብታም፣ እቶም ድኻታት ዝያዳ ነጻነት ኣለዎም።

ጸጥታን ነጻነትን ብዝምልከት ሎዮን ትሮትስኪ ብ1937 “ኣብ ሃገር እቲ መንግስቲ ጥራሕ እንተኾይኑ ዘስርሕ፣ ምቅዋም ማለት ብጥሜት ምሟት እዩ። እቲ ናይ ቀደም ዘይሰርሕ ኣይበልዕን ኢዩ ዝብል፣ ብዘይእዘዝ ኣይበልዕን እዩ ዝብል ቢሂል ተተኪኡ” ኢሉ። ኣብ ሓደ ነጻነት ዝለመደ ሕብረተሰብ ምእንቲ ጸጥታ ክብል ዋጋ ናብ ግፍዕን ወተሃድራዊ ቁጽጽርን መስል ዘይምህላውን ዘለዎ ዋጋ ንክኸፍል ድልዉ ኣይኮነን። (እዚ መጽሓፍ ብ1944 ኢዩ ተጻሒፉ) ከም ናይ ጀርመን ዝነበረ ንላዕለዋይ ኣካል ናይ ምእዛዝን ብላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝካየድ ናይ በአምተን ስራሕን ካልእን ነዚ ድሓር ዝሰዓበ ኣገባብ ድሕረ ባይታ ዘጽንዑ ጠቒሶምዎ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ናይ ፋሽስትን ግፍዐኛ ስርዓታት ድማ ነዚ ዘተግብሩ እቶም ዝኸፍኡ እዮም ኣብ ላዕሊ ዝመጹ። (Chapter 10: Why the worst come to the top)።

እቲ ቀንዲ ክምርመር ዘለዎ ዲክተተርነት ከም ብሓደ ታሪኻዊ ሓደጋ ዝመጸን ብገለ ገለ ገበነኛታትን ዓዋሉን ዝካየድ ኢዩ ዝብል እምነት ኢዩ። ኩሉ ሰብ ደሞክራስያዊ እዩ ኢልና ንነብስና ከነዕሹ የብልናን። እረ ዝበዝሑስ ነቲ ኣብ መንግስቲ ምስታፍ ንኻልኦት ክገድፉዎ እዮም ዝመርጹ። ንዲክተተርነት ክንፈርሖ የብልናን እንታይ ድኣ ብኽፋኣት ሰባት ከይካየድ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣሎ። እዚ ግን ነቲ ቀንዲ ሕመረት ናይ ዲክተተርነት (ቶታልሪኣኒዝም) ይርስዕ። ማለት ዲክተተራዊ ስርዓት ኣብቲ መስርሕ ናይ ቁጠባዊ ማሕበራዊን ካልእን መደባት ክሰርዕ እንከሎ ምእንቲ ክዕወት ስነ ምግባር ከልግስ ከምዝግደደ ኢዩ።

ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ዲክተተርነት እቶም ዝዕግቶም ዘይብሎምን ናይ ስነ ምግባርን ስነ ስርዓት ልጓም ዘይብሎም ሰባት ዝያዳ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ዝዕወቱ። ነዚ ክርዳእ ዘይክእል ሰብ ነቲ ኣብ መንጎ ዲክተተርነትን ነጻ ሕብረተ ሰብን ዘሎ ዓቢ ጋግ ብጉዳይ ስነ ምግባር ማለት ኣብ ናይ “ሓባር ( ) ውልቃዊ ምዕራባዊ ስልጣነን ኣይተረድኦን ማለት ኢዩ።

ብዛዕባ ሰነ ምግባራዊ መሰረት ናይ ሓባርነት ብዙሕ ክትዕ ተኻይዱ ኢዩ። ኣብዚ ግን እቲ ናይ ስነ ምግባር መሰረት ዘይኮነስ እቲ ውጺኢት እዩ ዝግደሰና ዘሎ።  

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...