መቐጸልታ ናይ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ክካየድ ዝጸነሐ፣ ናይ ስደትኛ መሰሎም ክሕሎን ኣብ ልዕለኦም ዝግበር ሰብኣውነት ዝጎደሎ ኣተሓሕዛ ደው ክብልን ዝጠልብ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብዝጸንከረ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ብዕለት 02/02/2014 ከባቢ ስዓት 10፣00 ንግሆ ዝጀመረ ብዘይምቁራጽ ለይትን ማዓልትን ንዘይተወሰነ ግዜ ክቕጽል ምዃኑ ዝተገልጸ፣ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናትን ዓበይትን ዝርከብዎም ዳርጋ 80% ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣሽሓት ሓተቲ ፖለቲካዊ ዑቕባ ይሳተፍዎ ኣለዉ። እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ መሰረት ኣብ እዮርሳሌም፣ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ፓርላማ እስራኤል ክካየድ እኳ እንተነበሮ፣ መንግስቲ እስራኤል ቀጻልነት ናይ'ቲ ሰለማዊ ሰልፊ ንሙቕጻይን ካብ ዓይኒ መራኸቢ ብዙሃን ወጻእተኛታትን ህዝብን ንምኽዋልን ኣብ ምዉት ግዜ ዘይተኣደነ ጠለባት ዝሓዘ ኣማኢት ኣሽሓትን ነዊሕ ግዜን ዘድልዮ ቅድመ-ኩነት ብምቕራብ ከምዘይካየድ ተገይሩ።እቲ ዝተሓተተ ጠለብ ልዕሊ 120,000.00 ዶላርኣሜሪካ ዘድልዮ'ዩ።

ብተወሳኺ፣ እቲ ቅድመ-ኩነት፣

1. ተሳተፍቲ ክንዮ ኣብ ነብሶም ዘሎ ክዳውንቲ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ንብረት ንኸይማልኡ ይእግድ።

2. ኣቐዲሙ ናይ መጓዓዝያ ገንዘብ ንኣውቶቡሳት ብምኽፋል ናይ ውዕል ወረቐት ከቕርቡ ይሓትትን፣ ተሳተፍቲ ምስ ዝመጹለን ኣውቶቡሳት ክምለሱ ምዃኖም ዝሕብር ውዕል ይሓትትን።

3. ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝካየደሉ ቦታ ውሕስነት ክወስዱሉ ይጠልብ።

በዚ መሰረት እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ተል-ኣቪቭ ኣብ ለቭንስኪ ፓርክ ክግበር ግድን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ቦታ'ዚ ኣብ'ቲ ብደቡብ ተል-ኣቪቭ ዝፍለጥ ከም ስፈር ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝግለጽን እስራኤላውያንን ካልኦት ውጻእተኛታትን ብዙሕ ዘየዘውትርዎን ልጉስ ቦታ'ዩ።

እዚ ሎሚ ዝጀመረ፣ ህጻናትን ሽማግለታትን ዘካተተ፣ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል፣ ብዘይምቁራጽ ለይትን ማዓልትን ኣብ'ቲ ቦታ ኮፍ ኢልካ ድምጽኻ ብምስማዕ ንዘይተወሰነ ማዓልታት ክቕጽል ምዃኑን ካብ መንግስቲ እስራኤል መልሲ እንተዘይተዋሂቡ ካብኡ ብዝጸንከረ'ውን ክቕጽል ከምዝኽእልን ይግለጽ ኣሎ።

እስራኤል፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጀሚራ ዓሰርተታት ኤርትራውያን ካብ እስራኤል ናብ ሃገረ ስዊድን ከምዝተሰጋገሩን ካልኦት ክልተ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ዕቕባ ከምዝተዋህቡን ክትገልጽ ምጅማራ፣ ንጉዳይ ስደተኛታት ከምተጻርዮ ንምምሳልን ነቲ ተጀሚሩ ዘሎን ኣቓልቦ መራኸቢ ብዙሃን ዝረኸበን ምንቅስቓስ ስደተኛታት ንምጥምዛዝ ዝዓለመ ምኻኑ'ዩ ዝግለጽ።

ሳሚኤል ተስፋይ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...