እቲ ብዕልት 05/01/2014 ዝጀመረ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ብስደተኛታት ዝተገብረ ሰለማዊ ሰልፊ ብብዝሑ ዝልዓለ ቁጽሪ ተሳታፊ ዝተረኽበሉ ምዃኑ ዝተገልጸ፣ ልዕሊ 35 ሽሕ ፣ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝኾኑ፣ ብዙሓት ህጻናትን ዓበይትን፣ ስደተኛታት ዝሳተፍዎ ዘለዉ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ንሳልሳይ ማዓልቱ ቀጺሉ። እቲ ንፖሊሲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብተደጋጋሚ ብውሑዳት ተሳተፍቲ ይካየድ ምንባሩ ዝዝከር እዩ፣ እዚ ናይ ሕጂ ሰለማዊ ሰልፊ መቐጸልታ ኮይኑ፣ ነቲ ብመንግስቲ እስራኤል ዝተወሰነ፣ ስደተኛታት ናብ "ሆሎት" ዝተባህለ ኣብ ምድ-ረበዳ ዝተደኮነ ማዓስከር ናይ ምጥርናፍ መደብን ግፋን ንምቅዋምን ብቐንዱ ድማ፣ እስራኤል ናይ ስደተኛ መሰሎም ክትሕልወሎምን ከም ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ኣፍልጦ ክትህቦምን ዝጠልብ'ዩ።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ቀዳማይ ማዓልቱ፣ ብጭርሖታት ኣብ ሓደ ቦታ ብምእካብ ድምጺ ብምስማዕ ጀሚሩ። ኣብ'ቲ ቦታ ዝተፈላለዩ ተደናገጽትን ወከልቲ ማሕበራትን እስራኤላውያን ናይ ደገፍ ድምጾም ኣስሚዖም።

ኣብ ካልኣይ ማዓልቲ፣ ሰልፈኛታት ከም'ቲ ልሙድ ካብ'ቲ ኩሉ ግዜ ከም መበገሲ ዝጥቀምሉ "ለቭንስኪ ፓርክ" ዝብሃል ቦታ፣ ናብ ዝተፈላላያ ኤምባሲታትን ቤት-ጽሕፈት ዝተፈላለያ ማሕበራትን በብጉጅለ ብምኻድ ድምጾም ኣስሚዖምን ብወከልቶም ኣቢሎም ጠለባቶም ዝሓዘ ጽሑፍ ኣረኪቦምን። እቲ ናብ ኤምባሲታት ኣሜሪካ፣ ፈረንሳ፣ ካናዳ፣ ጣልያንን ካልኦት ልዕሊ ዓሰርተ ኤምባሲታትን ከምኡ'ውን ናብ ቤት-ጽሕፈት UNHCR ዝተላእከ ጽሑፍ ገለ ካብ ትሕዝትኡ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፣

መንግስቲ እስራኤል፣

1. ስደተኛታት ምእሳር ጠጠው ከብልን ተኣሲሮም ዘለዉ ስደተኛታት ክፈትሕን።

2. ናይ ነፍስ-ወከፍ ስደተኛ ጉዳይ ብተናጸል ክርአን ክጽናዕን ።

3. መሰረታዊ መሰላት ስደተኛታት ከኽብርን ብውዕል ጀነቫ ክቅየድን።

ጸቕጢ ይገበረ.ሉ፣ ዝብልን ካልእን ይርከቦ።

ሳልሳይ ማዓልቲ፣ ሰልፈኛታት ኣብ ለቭንስኪ ፓርክ ብምእካብ ድምጾም ከስምዑ ውዒሎም።

ኣካይድቲ ናይ'ቲ ሰልፊ ከምዝገለጽዎ; እቲ ሰልፊ ቀጻሊ ምዃኑን ሓደ ንጹር መልሲ ከይረኸቡ ከምዘየቋርጽዎን ይሕበር። ራብዓይ ማዕልቲ'ቲ ሰልፊ ፍቓድ ካብ ፖሊስ ብምሕታት ናይ እግሪ ጉዕዞ ካብ ከተማ ተል-ኣቪቭ ናብ ከተማ ዮርሳሌም ክኸውን ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ብሄልኮፕተራትን ብብዝሒ ኣባላት ጸጥታን ዝተሰነየ ሰለማዊ ሰልፊ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዓለምን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ይረክብ ኣሎ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...