ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ሓንቲ ናይ ቻይና ናይ ማካይን ፋብሪካ ሓደ  ቢልዮን ዶላር ከምዘዋፈረ ምስ ኣንበብኩ ብዙሕ ኣተሓሳሲቡኒ፡፡ ኣብ ዘበናት-ቃልሲ ንናጽነት ይኹን፤ ከምኡውን ኣብ ናይ ዶብ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብሉ ዝተዋጽአ ገንዘብ ሕዝቢ ካኣ ተዘከረኒ።

ኣብ ግዜ ቃልሲ ንሃገርን ተጋዳላይን ዝተወፈየ ገንዘብ ሕዝቢ፤ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ሃገር  ጠፍአት ብወያነ ተወረረት እናተባህለ ዝተኣከበ ገንዘብ ሕዝቢ ኣብ ረብሓ ሃገርዶ ዊዒሉ ይኸውን ዝብል ዝነበረኒ ጥርጣሬ፤ ኣብ ረብሓ ኢሳያስ ድኣ እምበር ኣብ ረብሓ ሃገርን ሕዝብን ከምዘይወዓለ በርሃለይ።

ኣብ ግዜ ቃልሲ"ንጸላኢ ብብረቱ ብንብረቱ" ብዝብል ጭርሖ ብደም ተጋደልቲ ኣሕዋትና ብዝተኸፍለ ካብ ጸላኢ ብዝተመንዝዐ ብረታት ኢዩ መብዛሕትኡ ውግኣት ተኻይዱ፤ ተጋደልቲ አብቲ ግዝያት እቲ ከኣ ክንደይ ዕርቃንን ሽግርን ጥምየትን ከምዘሕለፉ ብዘይካ ወዲ-ዓከር ካልእ ዓይነት መግቢ ሪኦም ከምዘይፈልጡን እዮም ዘዘንትውልካ፤  ኣብ ወጻኢ ግን ድራር ተጋደልቲ እናተባህለ ዝተኣከበ ገንዘብ ማእለያ ኣይነበሮን ኣበይ ኣትዩ ግን ክሳብ ሕጂ ብንጹር ዝፈልጥ ሰብ የለን።

ኣብ ናይ ደብ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ እንተኾነ እውን ብዘይካ እቲ ብግዜ ደርጊ ዝተማረኸ ኣረገውቲ ብረታትን ታንክታትን ሓደስቲ መሳርያ ውግእ ከምዘይነበረ ኣብቲ ውግኣት ዝተኻፈሉ የዘንትዉ፤ ብኣንጻሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካኣ ኣሎ ዝተባህለ ሓደስቲ መሳርያታት ውግእ ከምዝነበሮም ይፍለጥ።

ስለዚ እዚ ኩሉ ካብ ሕዝቢ ዝተዋጽአ ገንዘብ ድኣ ኣበይ ኣተወ ንዝብል ሕቶ እኒሆ ግዜ ዘየውጽኦ ሓቂ ስለ ዘየለ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ይዋፈር ከምዝነበረን ዘሎን እዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝወጸ ጽሑፍ ሓደ ዓቢይ ጭብጢ ኢዩ፤ እዚ ጥራይ እውን ኣይመስለንን፡ ግን ግዜ ባዕሉ ክሳብ ዘውጽኦ ንጸበ።

ኣብ ሕጊ ኣልቦነት ዝነገሰላ ሃገርን፤ ተሓታትነት ኣብ ዘይብሎም መራሕትን ከምዚ ከጋጥሙ ናይ ግደን ኢዮም፤ በዚ ምኽንያት ኢዩ ከኣ ውልቀ መላኺ ኢሳያሰ ኣፍወርቂ ከምድሌቱ ምእንቲ ክገብር፡ ስልጣን ሕዝቢ ብሓይሉ ብሒቱን ገቢቱን ዝነብር ዘሎ፤ ብሒም ዝበለ ካኣ ከምዚ በብግዜኡ እንሰምዖ ዘሎና ብሃንደበታዊ ሞት ሞይቱ ፡ ባዕሉ ተሓኒቑ፡ ካብ ኣስካላ ወዲቑ፡ ካብ መኪና ጸዲፉ፡ ልቡ ጠሊማቶ ወዘተ….. እናተባሃህለ ዝጠፍኡ ዘለዉ ኣሕዋት ውሑዳት ኣይኮኑን ወይ ከኣ ኣብ ጎዳጉዱ ዔራዔሮ ሞቶምን ህላዌኦምን ኣብ ዘይፍለጠሉ ቦታ ሰፊሮም ይርከቡ።

ስለዚ ኣብ ህይወት ወዲሰብ እኳ ተሓታትነት ዘየለስ ኣብ ገንዘብን ንብረት ሃገርን ተሓታትነት ክህሉ ኢልካ ምጽባይ ኣይክኣልን። ብሓጺር ኣዘራርባ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጉልበት መንእሰይ ኤርትራን፤ ንብረትን ገንዘብን ሃገር፤ ኣብ ረብሓ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ውሑዳት ደቂ መዛሙርቱን ይውዕል ምህላዉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ናይ ሎሚ ኤርትራ ናይ ኢሳያስን ውሑዳት ሰዓብቱን ጥራይ ኢያ።

ኣብ ኣስመራ እትው ምስበሉ ንህዝቢ ኣኪቦም ዓው ኢሎም ዕላማና "ንሃብታማት ማዕረ እዞም ድኻታት ክንገብሮም ኢና" በሉ፡ ገይሮሞ ከኣ፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ንሳቶም ሓደስቲ ሃብታማት፤ ጥር ዝብሉ ናይ ቀደም ሃብታማት ዝበሃሉ የለውን።  ናይ ቀደም ዓበይቲ ነጋዶን ሃብታማትን ኩሎም ናብ ስደቶም ኣምሪሖም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ሎሚ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ድኻ መደኽደኽ ተቐይሩ ካብ ዑማኾ እኽሊ ንላዕሊ ኣብ ገዝኡ ከቐምጥ ዘይፍቀደሉ ህዝቢ ኮይኑ ኢዩ ተሪፉ ዘሎ፤ እዚ ከኣ ኩሉ ኣብ ኤርትራ በጺሑ ዝመጸ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

ኤርትራ ምስቲ ጻዕረኛ ሕዝባን ምስቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሓገዚ ቤተሰቡን ህዝቡን፤ ይትረፍዶ ሎሚ ናጽነት ኣብ ዝወጻትሉን ባንደሬኣ ኣብ ዘንጠልጠለትሉን እዋንሲ  ኣብ ግዜ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲኳ ሕዝባ ከምዚ ሎሚ ተጨቁኑን ተዳሂሉን ጠምዩን ኣይፈልጥን። እዚ ግን ከምኡ ንኽትከውን ስለዝተደልየ ድኣ እምበር ዓቕሚ  ስለ ዝተሳእነውን ኣይመስለንን። ሎሚ ሕዝብና ሓሲሩን ተዋሪዱን ነብሰ ተኣማንነት ኣጥፊኡን ብኸብዱ ተታሒዙን ለማኒ ናይ ዑማኾ እኽሊ ሕጊ ግደፍ ኮይኑ፤ ኣብ ናይ ሕዝቢ ሰሜን ኮረያ ኩነታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ጸልማት ዝዓሰሎ ግዜ ኣብ ታሪኽና ክበሃል ይካአል። ስለዚ ሎሚ እንታይ ድኣ ንግበር ንዝበል ሕቶን መልሱን ምርካብ ናይ ኩሉ ልቢ ዘለዎ ኤርትራዊ  ሓላፈነት ኢዩ።

ዓወት ንጩቁን ሕዝብና

ኣብርሃም ተኽለ
13.04.2009


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...