ሰላም ሰላም ኩሉኹም ኢርትራውያን ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይ፡  ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡

ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም?   ኣነ እግዚኣቢሄር  ይመስገን ደሓን ኣሎኹ። እንሆ ካብ ካልእ ግዜ  ቅልጥፍ ኢለ መጺኤ ከመይ ስቃይ ህዝብና ከብ ዝኸፍኤ ናብ ዝኸፍኤ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ክጠቅም ይኽእል  ይኸውን ኢልካ ትሓስቦ  ሓሳባት ሻቡ ክትካፈሎ  ትደሊ።  እወ ሓደ ዝኾነ ይኹን ሽግር መፍትሒ ክርከቦ እንተድኣ  ኮይኑ፡ ኩላትና ከም ንፈልጦ፡  መጀምርታ ሽግር ከም ዘሎ ምእማን’ዩ። ብኣካል ተረኺብካ ኣብ እትዘረብሉ ይኹን ብጽሑፍ እዚ ዘለናዮ፡ ጸልማት ሰዓታት ሕጂ ብህድኣትን ምስትዎዓልን ሓቢርና ምምካት እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘየለ ኩላትና ዝኣመናሉ ኮይኑ ይስምዓኒ።

ብዕለት 8 ግንቦት 2017, “ሊቅነታዊ ንጽህና ዝውንን መትከላዊ መሪሕነት ቅድመ ኩነት ህላዌ ግዝኣተ-ሕጊ`ዩ!!” ብዝብል ኣርእስቶ ክቡር ሓወይ  ኣቶ ዑቕባይ ገብረመድህን ኩሉ ሰብ ክፈልጦን ክምሃሮን ዘሎዎ ዕሙቅ ዝበለ ጠቃሚ ኣስትምህሮ ሂቡ። ነቲ ኣርእስቱ ብስርዓት ተንቲኑ፡  ዋና  መልእኽቱ ድማ ሐቢርና ንስራሕ፡  ስዉኣትና ድማ ነኽብር እዩ ዝብል ነይሩ። ካብቲ ነዊሕ እንሆ መበገሲ እዛ ትስዕብ እጠቅስ፡

ህዝቢ ኤርትራ ንፋሺስታዊ ውልቀምልኪ ኣሻዅ መርበቡ ንምዝርጋሕ ዘኽኣሎ፡ ካብ ሓርነትና ከህድመና ዝጸንሐ ጠንቂ ባርነትና፡ ድንቍርና ዝሕላገቱ ናይ ጸቢብ ምፍልላይ ጸልማት ኣተሓሳስባ ምዃኑ ምስትውዓልን፡ ንዝዓፈነና ግመ ብንቕሓት ቀንጢጥና ምድርባዩ ናይ ነፍስወከፍ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። ከም ውልቀሰባት ንጻወቶ ዘለና ዓይነት ተራ ብሕልና ንመርምር።

እወ፡ ሕልናና ምምርማር ነቲ ዝተሰርቅናዮ ሀገራዊ  ሰላምና ንምምላስ ኣብ ነካይዶ ጻዕሪ ዓቢ ኣወንታዊ ተራ ኣለዎ።  ኣብ ውሽጡ ሰላም ዘይብሉ ሰብ፡ ግን ሰላም ከምጽእ ኣይክእልን’ዩ። ሕልናና ብጽሞና ምስ እንምርምር፡ እቲ ጉድለታትና ጎሊሁ ይርኣየና። ኣብቲ ውሽጥና ኣቅሊብናሉ ዘይንፈልጥ ባህርያት ከም በዓል ቅርሕንቲ፡  ቅንኢ፡ ሕርቃን፡ ኣንነት፡ ክቱር ሸለልትነት፡ ወዘተ ከም ዘለውና እዉን ክብርሃልና ይኽእል እዩ። ሕልናና ኣዋጢሩ ምስ ዝሕዘና ክንልውጥ ንደሊ ንኸውን።  ክትልዉጥ ግን መጀመርታ ትብዓት የድሊ። ንነውሕ ጊዜ ዝኣመንካሉ ሓሳብት፡ ዝገብርካዮ ተግባራት ፎእ ክትበሎ ከለኻ ብፈተውትኻ ይኹኑ መቅርብካ ተቀባልነት ኣይትረክብን ትኸውን።  እቲ ትብዓት ዘድሊ ድማ ኣብዚ’ዩ። ሓሳብካ ምልዋጥ ርእሰ-ልውጥ ምግባር ዋጋ ይኽፈሎ እዩ።  ካልኣይ ትሕትና humility ይጥይቅ ማለት ርእስኻ ከም ሰብካ ድኣምበር ልዕሊ ሰብ ጌርካ ክትርእያ የብልካን። ዝበደልካዮ “ይቅረ  በለልይ”  ክትብሎ ትሑት ክትክውን ኣሎካ። ሳልሳይ ልብኻ ፍቅሪ ክህልዎ ኣለዎ። ፍቅሪ እንተድኣ ኣልዩካ ኣብ ክንዲ ስለ ርእስኻ ጥራይ ምሕሳብ ናይ ሓባር ጽብቅ ትሓስብ ንኹሉ ዝሓይሽ፡ ንኹሉ ዝጠቅም ትገብር።  ክትሓስቦ ከለኻ እቲ መሰል ካልእ ረጊጹ መስሉ ጥራይ ዝሕሉ ንዓኻ ኣጥሚዩ ንርእሱ ዝጸግብ፡ ንኻልእ ቀቲሉ ኣብ ዓለም ደው ኢሉ ዝከይድ ነቲ ሙሉእ  ህብረተ ሰብ ከምዚ ሕጂ ዘለናዮ አዳዳ ጥፍኣትን ሓዘንን ይገብሮ።  ኣባል እቲ ህብረተሰብ ስለ ዝኾነ ግን ኣብ መወዳእታ ንባዕሉ ይልከም።

ስውኣትና ነኽብር’ዶ ኣለና ንዝብል ሕቶ ኩላትና ከም ንፈልጦ መልሱ ዘሕፍር’ዩ። እወ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ወዱ ምስ ጓሉ በጽሑ  ምስ ሽማግሊኡ ይሳቀ ኣሎ፡ ኣይ ከም ናይ ጓል ኣንስተይትን፡  ኣይ ከም ናይ ወላዲትን ግን። እታ ትሽዓተ ወርሒ ኣብ ከብዳ፡ ሰልስተ ዓመት ኣብ ዝባና ገይራ፡ ብዓል እንድኣ፡  ኣቦ ደቃ  ዝባላዕ ሒዙ እንተመጻ መርሓባ ኢላ ትቅበሎ፡  ጥራይ ኢዱ እንተመጸ ድማ፡  ‘ኣጆኻ ካብ ሎሚ ጽባሕ ክሓይሽ እንድዩ”  ኢላ መርፍእን ጥጡን ኣላጊባ ዘዕበየቶም ደቃ ሎሚ ኣደዳ ሳዋን፡ መግዛእትን፡  ስደትን፡  ድራር ሴፍን ባሕርን ኮይኖማ ፡ እታ  ኣምሂራ ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሓ ኣመርዕያ ዉላዳ ክትሓቁፍ ትጽበ ዝነበረት ወላዲት፡ ጓላ በሕዋታ ተደፊራ ኣቦ ዘይብሉ ቆልዓ ተሰኪማ መእተዊ ጨኒቅዋ ብማዕዶ ወሪኣ እናሰምዓቶ ትሕመስ ኣላ። ናይቶም ኣብ ሜዳ ዝተስውኡ ደቃ “ደቃይ ደቀይ” ኢላ በኽያ ሓዘና ከይተፋኹስ “ከይትበኽይ” ተባሂላ ተኣዚዛ  ከብዳ በሰላ ገይሩ ጸኒሑ ብብርቱዕ ሓዝን እፎይ ከይበልት ኣብ ኣምላኻ ከይዳ፡  ኣደይ ማዓረይ፡ ወላላ ናተይ ማማ፡ ማሚና ማማየ ርኤኺ’ሞ ሓሊፉልና፡፡ ደስ ይብልኪ  ስሓቂ፡ ተደበሲ ቁረቢ ስገዲ፡ ኣሓትና ንብላሽ ኣይተሰውኣን፡ ኣሕዋትና ንብላሽ ኣይተሰውኡን፡ ከይተባህለት ዓዲ እግዚኣቢሄራ ከይዳ። ዝተፈፈት ድማ ብዘይ ማዓልታ ኣሪጋን ሓሚማን፡  ተኾርምያን ካብ ዘለው ንታሕቲ ካብ ዝሞቱ ንላዕሊ ኮይና ምድራዊ ህይወታ ተሕልፎ ኣላ። 

ክቡራት ሰማዕቲ እዚ ዝብሎ ዘለኹ ዋላ ትፈልጦ ከለኻ ክትሰምዖ ኣይትደልን ኢኻ ግን ንምሕዛንን ሞራል ንምትንካፍን ዘይኮነስክ ከምቲ ደርሆ መሬት ጻሕቲራ ኩሉ እንትናኣ ሐመድ ተኸዲና ጸኒሓ “ክት” ምስ ተባህለት ክንቲታ ነጊፋ፡ ጨቃዊታ ከተናዲ ክትሓቁፍ ትኽይድ ኣነ ድማ ነቶም ንጽቡቅ ትጓየዩ ዘለኹም ኣጆኹም ክብል ነቶም ማእከላይ መነገዲ ሒዝና ስቅ ኢልና ዘለና ድማ  ከመዮ ሓወይ ኣቶ ዑቅባይ ዝበሎ ካብዚ ዘልማት እዚ ምውጻእ ናይ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ሓፍነት ከም ዝኾነ ከዛኻኽር፡ እቲ ዘየዋጽእ መልክዕ ዘይብሉ፡ ዘይባህልና ኣንነት ego ፡ ትምክሕቲ ናተይ ስድራ፡ ናተይ ሃይማኖት፡  ናተይ ተመክሮ፡ ናተይ ስራሕ፡ ናተይ ክእለት ናተይ፡ ናተይ ምባል ገዲፍና ናትና፡ ናትን ናትና  ክንበል፡  ክንራዳዳእ፡ሓቢርና ነዚ መግለጺ ዝተሳኣኖ ጨካን ኣጋዛዝኣ ክንብድህ፡  ኣበይ ኣለው  እሱራትና እንተለው ንፍርዲ ይቅረቡ፡  እንተሞይቶም ድማ ኣፍልጡና ክንብል፡  ንሰማይ ከነንቃዕርር፡ ገጽና ናብ ኣምላኽና ምእንቲ ክንመልስ ኢለ’የ።

ደብብ ኣፍሪቃ ብስርዓት ኣፓርተይድ Apartheid ትግዝእ እብ ዝነበረትሉ እዋን ሓንቲ ኣመሪካዊት መንእሰይ ምስ ብጾታ ኮይና ክትሕግዝ ትኸይድ።  ኣብኡ ዝነበረ ኩነታት ብሕልፊ ናይ መንእሰያት ብቀጻሊ ንኣቦኣን ኣዲኣን ትጽሕፈሎም ነይራ። ብትገብሮ ዝነበረት ድማ ይሕጎሱላን ይኾርዑላን ኔይሮም።  ኮይኑ ግን ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ግርግር ካብቶም መንእሰያት ቀቲልዋ። ስድራ ሬሳ ጓሎም ኣምጺኦም ቀቢሮም።  ካብ ስንባዴ ወጺኦም መስዋእቲ ጓሎም ምስ ተቀብልዎ፡ ድሕሪ ገለ ግዝያት ናይ ጓሎም ኩነታት ኣማውታ ክፈልጡ ንደቡብ ኣፍሪቃ ተመሊሶም።  ቀታል ጓሎም ተኣሲሩ ጸኒሕዎም።  ብቀረባ መን ሙዃኑ ክፈልጡ ድማ ናብ ቤቱ ከይዶም። ነቲ ከባቢውን ብኹሉ ተዓዚቦሞ። እቲ ወዲ ኣቡኡ ንባዕሉ ኣብ ቤት ማደእሰርቲ ነይሩ። ኣዲኡ ኣብ ሓንቲ ኣጉዶ ክልተ ንኣሽቱ ቆልዑ ሒዛ ብድኽነት ተዋሒጣ ጭልም፡ ጭልም ክትብል ምስ ጸንሓቶም፡ ደበሶም ሂቦም ጽንዓት ይሃብኪ ኢሎማ ከይዶም።  “ኣብዚ ሃዋህው እዚ ዝዓበዩ ቆሉዑ ድኣ እንተይከ ክኾኑ፡ ሓደ ነገርሲ ክንገብር ኣለና” ኢሎም ናብ መንግስቲ ከይዶም ቀታል ጓሎም ከም ዝፍታሕ ገይሮም። እዞም ወለዲ እዚኣቶም ኣብኡ ጠጠው ኣይበሉን፡ ንዕኡን ንኻልኦት ሸውዓተ ከምኡ ዝኣመሉ ብኺኢላታት ኣካይይድኦምን ኣታሓሳስብኦምን ክልወጥ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ስልጠና/ትምህርቲ ሂቦም ኣብ ፈቀዶ ከተማታትን ገጥራትን እናኸዱ ንዓና ምሰሉ እናበሉ የምህሩ ኔይሮም፡ እዞም ወለዲ እዚእቶም ሓንቲ ናይ ዘይመንግስታዊት ማሕበር NGO ኣቁሞም ካብ ህዝቢ ኣመሪካ ውን ብዙሕ ሐገዝ ረኺቦም እቲ ንመንእሰያት  ናብ ትምህርትን ቁምነገርን ዝመልስን ዝሕግዝን መደባት ቀጺሎሞ። ስውእቲ ጓሎም ኣኽቢሮም፡ ንባዕሎም እውን እንተኾነ ሓዲሽ ህይወት ረኺቦም። 

እምበኣር ንስዉእ በዚ ከምዚ ወለዲ’ዛ ኣመሪካዊት መንእሰይ ዝገበርዎ ጌርካ ኢኻ ተኽብሮ። ንስውእ ነቲ ዝተሰዋኣሉ ዓላማ ብምፍጻም ኢኻ ተኽብሮ። ዉሉዱን ወላድን ዝተሓቋቆፈላ፡ መንእሰይ  ብኣካል ብኣእሞሮ፡  ብመንፈስ ተመልሚሉ ዝዓብየላ፡ ጓል ኣንስተይቲ ከቢራ ኣደን መራሕትን ትኾነላ፡ ብዝሒ ኣውራጃታት መፋላለይ ዘኮነስ፡ ድርዕ ስልማት ዝኮነላ፡ ሃይሞኖት ናይ ብሕቲ ኮይኑ ሃገር ግን ንኹሉ ብምዕረ ትብጽሖ ሰላምን ፍቅርን ዝመልኣ ሃገር ምእንቲ ክትኮነሎም ኢሎም’ዮም ተሰዊኣም። 

ክቡራት ሰማዕቲ፡ ወይዘሮ ምሕረት ባይሩ ዝተባህላ፡ ሓብቶም ንኽቡር ደጅዝማች ተድላ ባይሩ ሓንቲ ካብተን ኣለዋና ኢልና ንሕበነለን መምህርን ኣደን፡ ህዝቢ ኢርትራ ካብ ናይ ባዕዲ መግዛእቲ ፈጺሙ ወጺኡ ብሰላም ክነብር፡ መንእሰያት ብሕልፊ ደቂ ኣንስትዮ ዝልዓለ  ትምህርቲ ቀሲመን፡  ኣብ ኩሉ ዓይነት ስራሓት  ክሰርሓን መራሕቲ ክኾናን ዓቢ ትምኒትን ሃረርታን ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ እዋነን በታ ዓቅመን ዘበርከታ ሃገራዊት እየን። ድሕሪ ነጸናት ጓይላ ምስ ቀጸለ ኣብ ስክፍታ ኣትየን።  ኢለን ድማ፡

 “እዚ ነጻነት እዚ ብቀሊል ኣይመጸን 30 ዓመታት ዝኣክል ወሲዱ፡  ህይወት ኣሽሓት መንእሰያት ጠፊኡ፡ ክንደይ ሓዳር ተበቲኑ፡ ክንደይ ስድራቤት ተፋላልዩ፡ ክንደይ ህዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ወዲቁ፡ ክንዳይ ገዛዊቲ ተዓጽዩ፡ ክንደይ ኣግራብ በሪሱ፡ ክንደይ ኡንዱስትራያታት ዓንዩ፡ ሕጂ ነጻነት ተረኺቡ፡ ዎ ኣምላኽ ሓግዘና ሙሉእ ምሕረት ግበረልና ኢልካ እጅጌኻ ሰብሲብካ ለይትን መዕልትን እናሰራሕካ  ምንም ዘይነበራዝተረከብካያ  ሃገር ትሃንጸሉ እምበር ኣብ ጥራይ ከብድኻ፡ ዕሩቅ ዝባንካ፡ ባዶ ገዛኻ ጓይላን ዳንኬራን ዝገበረሉ ስዓት ኣይኮነን። ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ብቤተክርስትያናትን መሳጊድን ክእለ ይኽእል’ዩ፡ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ብሕልፊ ኣብ ኣመሪካ ክምሃሩ ኢሎም መጺኦም ኣብ ቃልሲ ኣትዮም፡ ኣብ ዓዲ ምሁራት ዘውርቲ ታክሲ ኮይኖም፡ ሕጂ ትምህርቶም ክቅጽሉ መናባብርኦም ከማሓይሽሉ ዝግባዕም ግዜ እዩ። ድንቁርና ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢ ሕማም’ዩ። ከም ኣቦታቶም ቤት ኣምላኽ ክኽዱ፡ ጸሎት ክዘውትሩ ናይ ግድን’ዩ” ኢለን።  መምህር ምሕረት ግን ኣብ ዘረባን ሓሳብን ተሓጺረን ስቅ ዝብላ ሰበይቲ ኣይኮናን። 

 

ነታ ብ ወንጌላዊ ዶክሮር ጆን በይሊ ኣብ 1949 ዝተጻሕፈት ናይ መዓልታዊ ጸሎት ኣብ ትግርኝ ኣተርጉመን ዘርጊሔንኣ። ኣብ ትገረ ከተርጉምኣ እናሓሰባ ከለዋ ዕድመ ከይዱ ጥኣዕናውን ምስኡ።  እሞ ካብታ መጽሓፍ መዓልታዊ ጸሎት ኣንበበ ዘረባይ ንሕጂ  ኣብዚኣ ክዓጹ’የ

‘”ዎ ኣታ ብሓደ እዋን ኣብ ኩሉ ቦታ ዘለኻ፡ በዛ መስዋእቲ ስጋና እንገብሮ ኩሉ ድማ እትርኢ ኣምላኽ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንስኻ ንበይንኻ ኢኻ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ነገራት እትፈልጥ እሞ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰዓት ጥቃና ኹን።

 ህይወትና ባዕልኻ ሓዛ ኩሉ ሓሳባትናን ስሚዕትናን ባዕልኻ ምለኮን ኣዝዞን፡ ንሓይልና ምርሓዮ፡ ንሓንጎልና ምሃሮ። ንትሚኒትና ምለኮ።

 ንዓኻ ንምግልጋል ኣእዳውና ሒዝካ ምርሓየን፡ ኣእጋርና ትእዛዛትካ ንምፍጻም ኣቃላጥፈን። ንኸናፍርና ፍቕርኻ ክምስክራ ምርሓየን።

ኣብዛ ዓለም እዚኣ ክንነብር ናታ ግን ከይንኸውን፡  ምድራዊ ነገራት ሓለፋቲ ዝግብኦም ሚዛን ከይንህብ ሐግዘና፡

ዘይጠቅምን፡ ዘየሓጉስን፡ ሓሳባት ከኣ ካብ ኣእምሮና ኣርሕቅ።

ንፈተውትና ነኽብር ንተቃወምትና ነህድእ ግበራና።

 እቲ ኣዝዩ ዘገድስ ገንዘብ ወይ ንብረት፡ ቤት ወይ መሬት፡ ተድላ፡  ወይ ጣዕሚ ናይ ምድሪ ዘይኮነስ፡ ሓቂ ምስ ክብሪ፡ ምስ ትሕትና፡ ምስ ንኻልኦት ምርዳእ ኣብ ኣእሙሮና ክሰርጽ ባዕልኻ ርድኣና።   ኣሜን።

ድሓን ሕደሩ ልዋም ለይቲ

የቀንየለይ