ኣቀዲሙ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ን ትካላት እንዳ ኢንተርኔት (internet cafe)፡ ዒላማ ይገብሩ ከምዘለውን፡ ሰባት'ውን ከምዝቀየዱን ዝገልጽ ሓበሬታ ቀሪቡ ኔሩ

ከም መቀጸልታ ናይዚ ቀይዲ'ድማ ኣባላት ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ንኹለን ትካላት እንዳ ኢንተርኔት ዘዋሪ መልእኽቲ (circular notice) ዘርጊሖም ኣለው። ብመሰረት እዚ መምርሒ ኩለን ትካላት ትካላት እንዳ ኢንተርኔት፡ ንተጠቀምተን ክምዝግብኦም ክግደዳ እየን።

እቲ መዝገብ ምሉእስም፡ ኣድራሻ፡ ቁጽሪ መንነት፡ ዓይነት መንነት (ታሴራ፡ ፓስፖርት ወ.ዘ.ተ...) ዘጠቃልል ኮይኑ፡ ዝኾነ ኣብ ኮምፒዩተር ይኹን ብሞባይሉ ኣብ ገመድኣልቦ ኢንተርኔት (wireless internet) ዝጥቀም ሰብ ተጠቃምነት ንምርካብ ነዚ መዝገብ ክመልእ ይግደድ።

ከምዝፍለጥ ኤርትራ ዋላ'ውን ምስ ዞባና (ምብራቅ ኣፍሪቃ) ብምንጽጻር ዝደኸመ መስመር ኢንተርኔት ትውንን። ኣብ ኤርትራ ርሒብ ባንድ መስመር (Broadband network) ይኹን፡ ሲምካርድ ተሌፎን ዝሰረቱ መስመር ኢንተርኔት (Phone Simcard based internet network) የልቦን። ስለዚ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብተን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት (ኣስመራ፡ ከረን፡ መንደፈራ፡ ባጽዕ) ዝተደኮና ውሑዳት ትካላት እንዳ ኢንተርኔት  ዝተደረተ እዩ። ይኹን እንበር ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ኣዋርሕ እቲ ስርዓት መኽሰቡ ንምኽዕባት ክብል ዝኸፈቶ ምስ ዝሑል ፍጥነቱ ኣተኣሳሲርካ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ (20 ናቅፋ/ 1.33 ዶላር ንሓደ ሰዓትን 40MB) ኣብ ውሽጢ እዘን ትካላት እንዳ ኢንተርኔት ኮይንካ ክትጥቀመሉ ትኽእል፡ ገመድኣልቦ ኢንተርኔት (wireless internet) ንተጠቃምነት ዜጋታት ብዕጽፊ ብምዕባዩ እሞ ዜጋታት ኣጋጢምዎም ዝነበረ ናይ ሓበሬታ ምዕፋን ብተዛማዲ ብምቅንጣጡ በቲ ሓደ ወገን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ኣዋርሕ ብዙሕ ንጸይቅታት እቲ ስርዓት ዘቃልዕ ሓበሬታታት፡ ስእልትታትን ቪድዮታትን ካብ ውሽጢ ሃገር ንደገ ምውጻኡ'ድማ በቲ ኻልእ፡ ነቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ሻቅሎትን ሸበድበድን ኣእትይዎ ኣሎ።


ምስዚ ኣብ ዝተኣሳኣሳሰር፡ እቲ ኣብዘን ትካላት እንዳ ኢንተርኔት ዝርከብ፡ ገመድኣልቦ ኢንተርኔት (wireless internet) ኣብ ኣፍደገ ክሳብ ክልተ ሜትሮ ዝዝርጋሕ ዓንኬል ስለዝሰርሕ፡ ንተጠቀምቲ ተዛማዲ ናጽነት ይህቦም ብምንባሩ፡ እዚ ድማ ከም ስግኣት ስለዝተጠመተ፡ እተን ትካላት እንዳ ኢንተርኔት ኩሉ ተጠቃሚ ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ኮይኑ ክጥቀም ክሕብራ መጠንቀቅታ ተዋሂብወን ኣሎ። ድሮ'ውን ብዙሓት ትካላት ነዚ ዝምልከት ምልክታ ለጢፈን ኣለዋ። እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ኣቀዲሙ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ሰባት ነንሕድሕዶም ክተሓላለውን ከይተኣማመኑን ዝገብር ስርዓት ስለያ እዩ።