ሓለንጊ ሰውራ ድሕሪ ናጽነት መገደሰትዶ?

እስከ ናብታ ማዕልቲ ናጽነት ኢልና እንሰምያ 24 ግንቦት 1991 ንመለስ፡ ናጽነት ስለዝተረኽበ ኩሉ ኤርትራዊ ዘበለ  ብዝተፈላለየ መልክዕ ሓጎሱ ክግልጽ። ገለ ኣብ ልዕሊ ታንክታት ፡ ገለ ኣብ ልዕሊ መኻይን ፡ ገለ ድማ ፍቖዶ ጽርግያታት ፋሕ ብምባል ባንዴራ ሒዙ ዘንበልብል ቆጽሊ ሒዙ ዘጫፍር ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ከተማታት ኤርትራ ቁጽሪ ኣይነበሮን ። ሰብ ካብ መግዛእቲ ሓራ ኮይኑ ድማ ብሓጎስ ክስርነቕ ዘገርም ኣይኮነን ። ንስለ ናጽነት ደም ዝኸፈለ ጎበዝ፡ኣዕጽምታ ዝሓማሸሸት ጎርዞ፡ እታ ክብርቲ ሂወቱ ዘወፈየ ተጋዳላይ፡ ደቁ ዝለኣኸ ህዝቢ ፡ ንብረቱ ዘወፈየ ህዝቢ ናጽነቱ ስለዝጨበጠ ብሓጎስ ክፍንጫሕ ይግብኦዩ ኢለ ጥራሕ ክሓልፎ- ይግብኦዩ ድማ መስለኒ። እዚ ናጽነት ግን ረዚን ትርጉምዩ ክህልዎ ኔርዎ ። ናጽነቱ ዝረኸበ ህዝቢ ብሰላም ኣብታ ዓደይ ዝብላ ክነብር ምተገብኦ ። ዝኾነ ዜጋ ተማሂሩ በብዓቕሙ ንሃገሩ እንተዘገልግል ትርጉም ናጽነት ምተሰወጦ። ህዝቢ ዘገልግሎ ውድብ ወይ መራሒ እንተዝመርጽ ዓስቢ ናጽነት መስተማቐርና። ሃገር ዓዲ ሕግን ፍትሕን እንተትነብር ኔራ በጃዛ ሃገር ዝዛረየ ደም፡ በጃዛ ሃገር ዝጠፍአ ሂወት ሕጂ ተመሊሱ ኣምበይምጓሃየሉን ኔሩ ህዝቢ። ኣምበይምሓረረሉን’ውን። ከምቲ ኣብ ፈለማ ናጽነት ዝበሃሎ ዝነበረ ቴማ  ማለት “ ሃብትና ዓቕሚ ሰብናዩ” እንትዝቕጽል ኣበይ ኣበይ ምሃለና ሕጂ !? ሕጂ’ውን እወ ንኤርትራ ሰባዩ ዕቑር ሃብታ። ነዚ ዕቑር ሃብቲ ዘይዋሓጠሎም መራሕቲ ግን ኣጥሪና ። ዓደይ ዓደይ ንዝበለ ሰብ ዝብንቁሱ ውድብ ንርኢ ኣለና። ንህዝባ ኣለናልኪ ዝበለት ንብሲ ፍቖዶ ጎቦን ስንጭሮታትን፡ ፍቖዶ ጽርግያን ቤትን ተሰጢሓ ዘይረኣናን ዘይሰምዓናን ኣይኮናን ። እዚድማ ብሓለንጊ ሰውራ እናተብሃለ ከምዝዕየ ንዓመታት ዝሰምዓናዮን ፡ ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ ከብድና ኣትዩ ዘርዓደናን ገና ዘርዕደናን ዘሎ ሻሙጥ መራሕትና’ዩ።

ብርግጽ ሓለንጊ ሰውራ ከምቲ ዝበሃል ወይ ዝውረየላ ነዊሕ’ዩ ኢዳ። ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ፈለማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ማእከል ዓዱ ንናጽነት እናጨፈረ እንከሎ ሓለንጊ ሰውራ ግን ኣስናናያ ትሕርቅም ኔራ ። ኣበይ ኣሎ ደመኛይ እናበለትያ ትግዕር ኔራ። በትራ እናወጣወጠት ድማ ወይልኻ ናበይ ግጽካ ጽንጽያ ዓይንኻ ዘንፈርካ እናበለት ክትፍክር ድሕሪ ናጽነት ሓንቲ ካልኢት ከማን ኣይጸንሐትን። ደም ምስኪን ወዲ ህዝቢ ክትመጹ ሓዱሽ ብዘይምንባሩ ነቶም ተጻይ ናተይ እዮም ዝበለቶም ብስነሓሳብ ዝረትዕዋን ዝማጎትዋን ኣብ በረኻ ምስኣ ከርተት ዝበሉ ዶብ ብምስጋር ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን በትራ ብምውጥዋጥ በብሓደ ኮስተረቶም። እዞም ሰባት መንዮም እንተበልካ  ደቂ ህዝቢዮም ። ዘለዎም ስነሓሳብ ግን ምስ ህዝቢ ክወሃሃድ ኣይተደልየን። ሓለንጊ ሰውራ  ሓንሳብ ጂሃድዮም፡ ሓንሳብ 5ይ መስርዕዮም እናበለት  እናሓንሳብ ድማ ከምደስትኣ ስም እናጠመቐት ማእለያ ዘይብሎም ደቂ ህዝቢ ኣጥፊኣ። ሓለንጊ ሰውራ በዚ ኣየዕረፈትን ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ይኽእልዩ ኢልካ ፍጽም ክትግምቶ ዘይትኽእል ዓቢ በደል ፈጸመት። ነቶም ምእንቲዛ ሃገር ምስ ህዝባ ቀሲና ክትንብር ኣካላቶም ዘሰንከሉ ምዑታት ስንኩላን ተጋደልቲ ጥይት ጸላኢ ዘይቐተለቶም ክንሶም ፡ ሓለንጊ ሰውራ ግን ሕርሕራይ ጌራ ተሳሃለቶም ። ነዞም ሰባት ነቲ ንዓመታት ንስለናጽነት ኣብ በረኻታት ኤርትራ  ከርተት ዝበልዎ ኣይዘከረትን ። ሓለንጊ ሰውራ ናይ በይና ዓለም ስለዘለዋ ኣድላይነቶም ስለዘይተርኣያ ኣብዛ መሬቶም ረሽረሸቶም። እዚ ባርባራዊ ጭካነ ገና ሓጎስ ናጽነት ኣብ ጥርዙ ዝነበረሉ እዋን ብምንባሩ እንታይ ዓይነት ትርጉም ክህቦ ክሳብዛ ዕለት ክብድ ካብዝብሉኒ ነገራት ሓንቲያ።

ድሕሪ’ዚ ፍጻመ ድማ  ህዝቢ ኤርትራ ርዓደ - ፍጽም ተረበሸ። እቲ ናይ ሓለንጊ ሰውራ ብወረ ዝፈልጦ ዝነበረ እኩያት ነገራት ብዓይኑ ክሪኦ ስለዝበቕዐ ፍርሃት ኣብ ከብዱ ኣተዎ ። “ እዚኦም  ንስንኩላት ኣሕዋቶም ከማን ዘይምሓሩስ ንዓና” እትብል ስነሓሳብ ካብሸዑ ኣትሒዙ ኣብ ከብዱ ስለዘንበረ ህዝቢ ኤርትራ እንሆ ክሳብ ሕጂ ክሳቐ ተፈሪዱ ይርከብ ። እቲ ዝገርም ድማ እዚ ህዝቢዚ ዋላ ናብ ስደት ዓዲ ሕግን ፍትሕን እንተኸደ ገና ነዛ ኢድ ሓለንጊ ሰውራ እዝክራን እሽቑረለላን ብምኻኑዩ ። እቲ ስቅያት ውሽጢ ዓዲ እሞ ይጽንሓልና፡ እቲ ተሰዲዱ ኣብ ዓዲ ሕጊ ዘሎ ሰብ ብዝዓባ ዓዱ ብጭቕ ኢሉ ክዛረብ ዓቕሚ ይስእን ። ስቅያት ህዝቡ ድማ ርእዩ ከምዘይርየን ይኸውን ። ምንባር ካብ ሕልና ውጻኢ ንኽነብር ይህቅን። ከምቲ ዝበሃልዩ ሓለንጊ ሰውራ ኢዳ ነዊሕ ስለዝኾነ ባሕሪ ሰጊራ ኣብ ኣፍደገ ቤቱ ከይትመጾን ከይትቕንጽሎን ስለዝፈርሕዩ ። ንሓለንጊ ሰውራ  ኣብ መሬት እናነበርና ኣይኮነን ዕድል ምንባር ኣብ ማርስ እንተዝዋሃበና ከማን ካብ ምፍርሃ ዓዲ ኣምበይ ምውዓልናን። እቲ ሕቶ ኮይንኒ ዘሎ እቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉስ ደሓን ኣብ ትሕቲ ሓለንጊ ሰውራ ስለዘለዋ ግድን’ዮም ከም ቆልቃል ኣብ ጥቓ ጭዓ ዝቦቖለት  ዝርንባዕ ክነብዑን ክሳቐዩን። እቶም ኣብ ፍቖዶ ዓለም እንነብር ግን ስለምንታይ ኢና ብዝዓባ ሃገርና ብዘሎ ሓቂ ኣክንዲ ንዛረብ ፍርሃት ሓለንጊ ሰውራ ኣብ ከብድና ስለ ዘእተና ጥራሕ ነገራት ከንጠዋዊ ንፍትን? ስለምንታይ ኢና እዚኦም እናበልና ንነብስና ገሊልና እታ ሃገር ኩላሃና እንብላ እናተሳቐየት እንከላ ስቓያ ብኣብ ከብድና ዘሎ ፍርሃት ሓለንጊ ሰውራ ነዕነውንው? ንምናት ሓላይ ሃገር ወይ ዓደይ ዝበለ ውልቀሰብ ብሓለንጊ ሰውራ ክስላዕ እንከሎ “ ኣብዚሕዎ እንድዩ! “ ፥ “ ዘየረኻኽብሉ መሲልዎ እንድዩ “ ፡ “ ኣፉ ከይእርንብ ስሒንዋ’ባ “ እናበልና ኣብ ጎደና ዕሽነትን ዘይቅርዑይ ሓሳባትን ንነብር? እዚ ኹሉ ዝዝርዝር ዘለኹ ከቢብና እንዛተየሉ ሕጂ ኮይኑ ስለዝተሰምዓኒየ ።

ርግጸኛየ ሎሚ  ኣነ ኣብ ጎደና ተሰጢሐ እንትዝርከብ እዚ ፍልስፍናዩ ኣብ ልዕለይ ክዘንብ ። በቃ “ ዘየረኻኸብሉ መሲልዎ’ባ ኣስሒኖሞ!” “ ሓለንጊ ሰውራ ኢዳ ኣርእያቶ!” “ እንታይ ኣእቲዎ ትም ዘይብል ኣፉ ሒዙ ሕጂ ደሞ ይሓይሽ!” ምተብሃለ ። እቲ ሕቶ ምሟትን ዘይሙሟትን ናተይ ኣይኮነን ዘጽሕፈኒ ዘሎ ። እቲ እንኩዓሰይ ገበርዎ ናይ ዘስምዕ ስነሓሳብ ክጠፍእ ኣለዎ ብሃላይ’የ። እዚ ስነሓሳብዚ ስኣን ምስዓር ክንደይ ወጽዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሃገርን  ሃገር ንባዕላን ኣኸቲሉ ኣሎ ኩላሃና ንምስክሮ ሓቂዩ ። ኣክንዲ ስለምንታይ ተቐቲሉ ? ስለምንታይ ተኣሲሩ? ክስቶ ኣበይ ኣሎ? ንብል ኣኸለ ሓለንጊ ሰውራ ዘዝገበረቶ ነጣቕዓላ። ብዘይዝኾነ ሕቶን ርኢቶን ውልቀ ሓሳብን ሓለንጊ ሰውራ ከምዚ ገበረት ተተብሃለ “ ሓቃ” ይበሃለላ ። እቲ ዝገርም ድማ ገለ ገለ ደቂ ህዝቢ ሓለንጊ ሰውራ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንድሕነት ሃገር ኮይኑ ይስምዖም ብምዃኑዩ። ኣንቱም ሰባት ብተፈጥሮ ዝኾነ ዜጋ ኣንጻር ዓዱ ወይ ሃገሩ ዝልዓል የልቦን ። ኣንጻር ውድብ ወይ ስርዓት ክህልዉ ግን ግድን ይገብሮ ። እዚ ድማ ንምዕባለ ሃገርን ህዝብንዩ መስለኒ። ስለዚስ ዝኾነ ሰብ ኣንጻር ህላወ ውድብ ወይ ስርዓት ደው ስለዝበለ ጥራሕ ዝቕንጸል እንተኾይኑ ፡ እሞ ድማ እቲ ስርዓት ከምዚ ናህና  ብጭካንኡን ጋሕማጥ  ምሕደርኡን ዝልለ እንተኾይኑ መንኦም ንሃገር መገደሰ ? እቲ ፍትሕን ስርዓትን ዘይብሉ ህላላ መንግስቲየ ዝብል’ዶ ወይስ እቲ ኣይፋልኩምን ሕግን ስርዓትን ኣቑሙ ዝበለ?  ክምልስ ኣይፍትንንየ ። ክትምልሱ ግን ኣንቱም ደቂ ህዝቢ ናባኹም እገድፎ ኣለኹ።

ሓለንጊ ሰውራ ንኹሉያ ተረኻኽበሉ ። ንሚኒስተር ፡ ሰብ ማዕረግ ፡ደራፋይ ፡ ደራሲ ፡ሃብታም ፡ ጸሓፊ፡ ነጋዳይ ፡ ተማሃራይ ፡ መራሕ ሃይማኖት በቃ ንኩሎም ዓንዲ ሃገር ዘቑሙ ንበሎም። ገለ ሚኒስተር ልቡ ሰቲዃቶ ገለ ሚኒስተር ድማ ሃገር ክሸይጥ ሓሲቡ ተባሂሉ ተርኣዩ ብዘይፈልጥ ሕጊ ተቕርፊዱ ሞይቱ ይበሃል ፡ ጀነራል ሓደጋ መኪና ገጢምዎ ይበሃል ፡ ሃብታም ነጋዳይ ብጎቦ ጸዲፉ ንሰምዕ ። ተማሃራይ ኣብ ጽርግያ ተሰጢሑ ተረኺቡ ይበሃለና ።ደራፋይ ገለ ሃንደበታዊ ሕማም ገለ ድማ  ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ገጢምዎ ይብሉና። መራሕ ሃይማኖት ተሓይሩ ንሰምዕ ። እዚ ኹሉ ዓንዲ ሃገርን ምርኩስ ህዝብን ዝኾነ ዜጋ በቲ ሓለንጊ ሰውራ እትብሎ እንተኾይኑስ ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ ።

ስለዚ ኣንቱም ህላወ ሓለንጊ ሰውራ ተዳኺማያ ትብሉ፡ ኣንቱም ንሓለንጊ ሰውራ እትሽቑረሉላ ዘለኹም ፡ ኣንቱም ብሓለንጊ ሰውራ እትምክሑን ንህላወ ሃገርያ ትሰርሕ ዘለ ትብሉ ዘለኹም ኩሉኹም ደቂ ሃገር ፡ ሎሚ ምህላዊን ዘይምህላውን እንሓስበሉ ኣይኮነን ። ሎሚ እንሽቑረለሉ ኣይኮነን ብፍላይ ኣብ ስደት እንነብር ህዝቢ ። ሎሚ ሓለንጊ ሰውራ ኣይኮነን እንተይላይ ንባዕሎም እቶም መራሕቲ ሓለንጊ ሰውራ ተደለይቲ ኣይኮኑን ። ኩሉ ገዲፍና ሰብዩ ሃብትና ንዓደይ ዝበለ ሓው/ሓብቲ ንሓልዎ ። ዓደይ ዝበለ ኣባይካ ንበሎ ። ንኣገዳስነት ሓለንጊ ሰውራ ድሕሪ ናጽነት ኣይፋል እንትንብል ኔርና እዚ ኹሉ ኣደራዕ ሕጂ ኣባና ኣምበይምበጽሐን። ልዕሊኹሉ ድማ እቲ ብዘይርድኢት ምስ ደምና ኣብ ውሽጥና ተሓዋዊሱ ዘረማሲሰና ዘሎ ፍርሃት ሓለንጊ ሰውራ ሕጂ ከነወግዶ እዋኑዩ ። ዓደይ ንዝዝበልካ፡ ህዝበይ ንዝበልካ ሓለንጊ ሰውራ ዋላ’ውን እንተዓንቀፈትካ እዚ ንዓኻ ሓላልዩ። ኣብ መወድኣታ ዝብሎ ድማ ኣሽንካይዶ ድሕሪ ናጽነት ኣገዳስነት ሓለንጊ ሰውራ ክዉን ክኸውን ፡ እቲ ቅድሚ ናጽነት ዝመጸየቶ ደም ደቂ ህዝቢ ከማን ኣገዳስነት ኣይነበሮን  እብል ኣለኹ። ደጊመ “ ኤርትራ ሃብታ ዓቕሚ ሰባዩ” እዚ ዓቕሚታት ድማ ኣክንዲ ንዓዲ ሃገር ንሃገርና ኣብ ማእከል ዓድና ኣብ ትሕቲ ሕግን ስርዓትን ንፍስሶ ።

ሃብቶም ገብረማሪያም( ቲዕቲዕ)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...