ትዕዝብተይ ኣብ ሕብረተሰብ:  ህቡባት ገጠምትን ደረፍትን ሃገርና ይሕመዩ’ዶ?

ንዓይ ኮይኑ ዝርኣየኒ፡ ገጣማይ ካብታ ንኽገጥም ምሕንታጥ ዝጅምረላ እዋን ከምእውን ደራፋይ ካብታ ማይክረፎን ንኽደርፍ ዝጭብጠላ ህሞት ዘሎ ዕለት ንድሓር ወዲ ሕዝቢ ምኻኑየ ዝፈልጥ ። እዚ ድማ ፡ሂወቱ ኣብ ልብታት ህዝቢ ምንባር ስለትጅምር ፡ እቲ ደራፋይ ወይ ገጣማይ ድምጺ ትርግታ ህዝቢ ከድምጽ  ግድን ይገብሮ። እቲ ህዝቢ ክሕጎስ ምስኡ ይሕጎስ ፡ እቲ ህዝቢ ከዐልል ምስኡ የዐልል ፡፡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ንህዝቢ ሓጎስ ይፈጥረሉ ፡ ንህዝቢ ተምሳሌት ቅንዕናን ፍቕርን ይኾኖ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ህዝቢ ክሓዝን ምስኡ ክሓዝን ኣለዎ። ህዝቢ ክነብዕ ምስኡ ክነብዕ ኣለዎ። ካብዚ ዝሓለፈ ድማ ፡ ንህዝቢ ምዓት ክወርዶ እንከሎ ኣብ ጎኑ ክኸውን ኣለዎ። ኣባይካ ህዝበይ እናበለ ብብርዑን ብጎሮርኡን ክጽሕፍን ክጭንድርን ኣለዎ። ምስ ህዝቡ እንተነብዐ ንብዓቱ ንብዓት እታ ሓያወይቲ ኣደዩ፡ ንብዓቱ ንብዓትቲ ሕያዋይ ኣቦዩ ። ንብዓቱ ንብዓት’ታ ሞሳ ዘይረኸበት ጎርዞዩ። ንብዓቱ ንብዓትቲ ሞስኡ ዘይረኸቦ መዋእሉ ከርተት ዝብል ዘሎ ጎበዝዩ። እዚ ምስ ዘይከውን ግን፡ እቲ ዝደርፍ ደራፋይ ኣይኮነን፡ እቲ ዝገጥም’ውን ገጣማይ ኣይኮነን ንዓይ። ምዓት ህዝቡ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ ንህዝቢ ዓለም እናስደሞሞ ንሓንቲ መዓልቲስ ግደፍዎ ነታ ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ትኹን ሰለም ዘብል ደራፋይን ገጣማይ ክብሎ ከመይ’ሉ ይውሓጠለይ ? ነቲ ምስ ልቡን ሕልንኡን ክብኣስ ዝውዕል ዘሎ ደራፋይን ገጣማይን ኣሎ ብሂወት እንተተባሃልኩስ ብኸመይ ህላምነቱ ከረጋግጽ? ስለዝስ ንዑ ኣታሓምዩኒ’ኳ ኣይብለክሙንየ፡ ኣነ ግን ሎሚ ይሓሚ ኣለኹ። ሕሜታ ቅርሕንትን ምንእኣስን ዘይኮነ ግን ህሜታ ሰናይን ፍቕርንዩ።

ሕሜታይ ካብ 1993 ክጅምርየ ። ኣብዚ እዋንዚ ተጋዳልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣድማ ጌሮም ምስ ተስምዐ ዳርጋ ንኹሉ ሰብ ኣስደሚምዎን ኣሰንቢድዎንዩ ። ኣብዚኣ ዝተዓዘብክዎ ወይ ተመሊሰ ዝገንጸልክዎ እንተሃልዩ ግን ኣድማ ምግባርን ዘይምግባርን ዘይኮነ ፡ ኣዝዩ ዝገርም ነገር’ዩ ፡ ካብቶም ኣብቲ ኣድማ ዝነበሩ ተጋደልቲ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ ገጠምትን ደረፍትን ብምንባሮምዩ። ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባስ ብእግራ ትሕክኽ ድዩ ዝበሃል፡ እዞም ሰባት ወነንቲ ዋሕይዙ ዘይውዳእ ቀለም ፡ ነጎድጓ ዝጥዕም ድምጺ እንከለዎም ንምንታይ ናብ ጽርግያ ወጺኦም ኣመንያ ተሕስበኒ ። ካብታ ንነብሶም ፍትሒ ዝሰኣነትላ ዕለት ዝተጋደልናሉ ነዚ ኣይነበረን ብምባል ብዝርድኣና ቋንቃ እንተዝገጥሙን እንተዝደርፉንሲ ክሳብ ሕጂ’ዶ ምዓሸናን ምደመናን መስለኩም? ጽቡቕ ክኣ ኣይረኸቡን ገለ ተሰዲዶም ገለ ድማ ኣብዛ ምሓይሮም ድኣ ተሳሃልዋ። እዚኹሉ ድማ ስኣን ጸግዒ ሕዝቢ ዘይምሓዝዩ። እትቕጽል ዓመት 1994’ውን ንኽትዛረበላኳ ትስክፍ ፡ ካልእ ጉድ ተሰምዐ ። መናባብሮና ይማሓየሸልና ንዝበሉ ሱንኩላት ተጋደልቲ ኣብ ጽርግያ ተረፍረፉ ። እዚ ስንኩል ተጋዳላይ እኮ ትማሊ “ ሎሚ ዘይከተተ ብደው ከምዝሞተ” እናበልካ ኣንታ ህቡብ ደራፋይ ካብ ዓዱ ንበረኻ ከምዝወጽእ ዝገበርካዮ ደራፋይ ኢኻ’ኮ!  “ይክኣሎ ኩሉ ዝክኣሎ ዘይብሉ ጎደሎ “ እናበልካ ምስ ሕጺን ከምዝራጸም ዝገበርካዮ ተጋዳላይ’ዶ ኣይኮነን? “ኪንዮ ማዕዶ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ጋርሳ ሓየት ኣሎ ኣሳሪ ፋረ ኣንበሳ……..” ትብሎ ዝነበርካ ምዑት ተጋዳላይ’ዶ ኣይኮነን?  ኣንታ ህቡብ ገጣማይ እቲ ናይ ሽዑ ስንኩል እኮ እቲ “ ሓርበኛ ኣይነብሪንዩ ታሪኹዩ ዝወርስ” እናበልካዮ ታሪኽ ከምዝሰርሐ ዝገበርካዮ ስንኩል ተጋዳላዩ። ነዚ ደም ንጹህ ስንኩል ተጋዳላይ ግን ሓንቲ ቃላት በቒቕካሉ ። እቲ  ዘሕምየካ ዘሎ’ኮ ስለምንታይ ዘይተማጎትካሉ ኣይኮነን ፡ ስለምንታይ ዘየልቀስካሉ በቲ ሞያኻዩ። ነዚ ጸሊም ታሪኽ ንወለዶ ዝዝከር ነጥቢ ስለዘይገበርካሉዩ ። ምስ ህዝብኻ ኮይንካ ስለዘይነብዓኻን ዘለዘየልቀስካንዩ ።

መጸት ድማ ግንቦት 1998 ኩናት ባድመ, “ ጎበዝ ተሻሞ” ተብሃለ ። “ እዞም ሰባት መንዮም ተድግመ” “ እንታይ ዝዓብስ ምንባር ተዘየመ” ግሪም እባ ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ። ኣብዚ ዝተዓዘብክዎ እንተነበረ እቲ ደቂሱ ዝነበረ ህቡብ ደራፋይን ገጣማይን ተበራቢሩ። ካብቲ ዝነበሮ ሓይሊ ካልእ ሓይሊ ደሊቡ። ንህዝቢ ኤርትራ መጹኻ ሓራዱኻ ጎሞዱኻ እናበሉ ኣብ ታኼላ ሸሞምዋ። ኦ ! ደራፋይን ገጣማይን ኩናት ከምዘንቁሓካ ድማ ተገንዚበ። ነዚ ህዝቢ ድኣ ውግእን ወረን ውግእን ምዓስ ሓዱሽ ኮይንዎ? እዚ ህዝቢ’ኮ ካብ ዘመናት ኣይዐረፈን። ገና’ውን ክሳብ ሕጂ ምስ ቅሳነትን ሕግን ፍትሕን ኣይተራኸበን ዘሎ። ነዚ ህዝቢ ብድምጹኹምን ብቃላትኩምን ጅግና ኢኻ፡ መን ከማኻ ኣንታ ህዝቢ፡ ንስኻ ፍሉይ ኢኻ እንተበልኩሞ’ኮ ዘይ መከራን ጸበባን ስደትን ዘምጽኣኽምሉ። ሓደ ካባኹም ግን ክሳብ’ዛ ዕለት መከራ ህዝቢ ኣይነገረን። ኣደራዕ ህዝቢ ኣይሓበረን። ህዝበይ ሕጂስ ይኣኽለካ ካብ ኩናት ትዐርፈሉ እዋንዩ ኣይበለን። ብግልባጡ ግን ነቶም ትማሊ ኣብ በረኻ መራሓትኹም ዝነበሩ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ ዝበሉ ጀጋኑ ንዝኣሰረን ዘከላበተን መራሒ “ ኣድሃ ንበር” አልኩም ዘይምኩም። ኣድሃ እንታይ ይገብር ኣሎ ድማ እዚ ንዕዘቦ ዘለናዩ መስለኒ። ደሓን እስከ እዚ ኹሉ ኣብ ዝሓለፈ ዝተገብረ ጌጋታት ሃገር ከይትበታተን ወይ እትኣምንሉ ውድብ ስለዝኾነ ከይትኸስሮ ስለእትፈርሕ ኢለ ሸለል ክብሎ።ሸለል ዘይብሃሎ ከይፈተኻ ግን ሸለል ትብሎዩ።

ድሕሪ 2000 ዓ.ም ግን መከራ’ዛ ሃገር ካብ ሕማቕ ናብ ዝባኣሰ እናተወናጨፈ እንከሎ፡ ደቂ ህዝቢ ፍቖዶ ሃገራት እናተበታተኑ እንከሎዉ ። ንባዕልኹም ኣቶም ህቡባት ደረፍትን ገጠምትን እናበልና እንምክሓልኩም ዕጫ ህዝብኹም በጺሕኩም ናብ እግርኹም ዝመርሓኩም እናተሰደድኩም እንከለኹም ርኢኹም ከምዘይርኣኹም ክትኾኑሲ ሃየ እንታ ኣለዎ!  ኣበይ ኣተወ እቲ ነበልባል ድምጺ? ኣበይ ኣበለ እቲ ዘይጽንቀቕ ቀለም ? ሰብኩም ኩሊቱ  እናተሸጠ፡ ወዲ ህዝቢ ወዲ መሬት ኣብ ገዛእ ዓዱ እናተንቦንቀሰ ነዚ ዘይዘመረ ጎረረኹም ፡ ነዚ ቀለሙ ዘየፍሰሰ ብርዕኹም ንመን’ዩ ክኸውን? ኣንቱም ደረፍትናን ገጠምትናን ኣብ ሓደ ለይቲ 360 ክፋል መሰንገልኩም ዝኾኑ ኣሕዋትኩም ባሕሪ ምስ ውሓጦም’ኮ ትም አኹም አልኩም። ከመይ ጌሩ ነብስኹም ጌርልኩም እንድዒ! እዚ መንእሰይ እኮ ዋርሳይ እናተብሃለ ሃገሩ ዘውሓሰዩ። እዚ መንእሰይኮ ትማሊ ኣብ ትሕቲ መድረኽኩም ኮይኑ ብድምጽኹሙን ብግጥምታትኩም ተመሲጡ ዓሽ ዝብልን ዝዘልልን ዝነበረንዩ። ብሕጊ ሞያኹምሲ ይትረፍ በታ ሕልናኹም’ከ ንምንታይ ገለ ዘይበልኩም? ዓለም ደንጺዋ ንስለ ሰብኣውነት በዞም ኣብ ባሕሪ ዝጠለቑ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ዕሸላት ዝርከብዎም ኣህዛብ ባንዴርአ  ኣብ ፍርቂ እናገበረት’ኮ እትኣምንሉ ውድብ ግን ኣሽንካይዶ ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ክገብርስ ይትረፍ ፡ ነዛ ኤርትራውያን ምኻኖም ከማን ክሒድዎም’ኮ። እታ ኣብ ዓለም ዘይነበረ ዘስደምም ታሪኽ ዘገደፈት ኣብ ባሕሪ ዕለተ ሕርሳ ዝኣኸላ’ሞ ባሕሪ ከሐርሳ መንጸፍ ዝኾና ንውላዳ ዓሳ ዝተቐበሎ ምስኪን ኣደ’ኮ ሓብትናያ ናህናያ ክዝየመላን ክግጠመላን ዝነበሮዩ ።ስቕታኹም ሂወት ህዝቢ ኤርትራ የበላሹ ኣሎ። ስቕታኹም ደቂ ህዝቢ ይበታትን ኣሎ። ስቕታኹም ሃገር ከይበታትን የፍርህ ኣሎ።

ሕጂውን ማይ ኣይሓለፎን ። ኣውያት ህዝብኹም ዓው ኢልኩም ኣስምዑ ። እዚ ህዝቢ ይኣኽሎ ከም ዓለሙ ሓርነትን ሰላምን ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ክትገብርዎ ዘለኩም ዝበለጸ ነገር ኢለ ዝኣምን ነቲ ብምትላል ብዘሎ ስርዓት ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ዘሎ ህዝቢ ኣንፈቱ ከተትሕዝዎ’ዩ። ነቲ ብደጋፍን ተቓውምን ዝብል ኣዕናዊ ቃላት ነንሕድሕዱ ዝጠማመት ዘሎ ህዝቢ ዕርቂ ምስእትገብሩሉዩ። ንስኹም ንሰላም ዘሚርኩም ህዝቢ ሰላም ከምዝዝምር ምስእትገብሩዩ። ብቅኑዕ ምስሊ ኤርትራ ዝያዳ ድረፉን ግጠሙን ፡፡ ካብዚ ዘሎ ምስሊ ኤርትራ ሃዲምኩም ዘለኩም ፍርሒኩም እትገልጹልና እምበር እተንጸባርቕዎ ጅግንነት የብልኩምን። ዘይወግሕ ማዓልቲ ዘይስነፍ መራሒ ዘይበርስ ውድብ የልቦን። ደቂ ህዝቢ ኢኹም ምዓስ ብዘይገድስ ድማ ታሪኽ ባዕሉ እንታይ ኣፍረኹም ክብለኩምዩ። ሃገር ምስ ህዝባ ኣእጋራ ተሮኽሚሹ እንከሎ ፡ምርኩስ ነቲ ኣእጋሩ ጠሊምዎ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ዝብል ዘሎ ስርዓት ኣይትኹንዎ።ሰብ እኳ እንተኾንኩም ኣብዚ ሓንኳል ጊዜ ከም ሰብ ኣይትንበሩ። ምኽንያቱ ንስኹም ንህዝብኹም ሰብ ናይ ሰብ ስለዝኾንኩም። ዘድምዕ ጎሮሮ ፡ ዝውሕዝ ቀለም ቦትኡ ኣባኹም ስለዝኾነ። ንስኹም ልቢ ህዝብኹም ክትመልሱ ኣነ ድማ ምሕማይኩም ዘቋርጾ ሒጂ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ’ሞ ሃየ ድምጺ ጎሮሮኹምን ብርዕኹምን ኣስምዑ። እንተዘየሎ ምሕማይ ክሳብ ዘሐሚ ምስራሕ ዘየቋረጽኩም ምስ ህዝበይ ኮይነ ክሓማሚየ።

እቶም ንኣሽቱ ህቡባት ደረፍትን ገጠምትን’ከ ዝብል ኣብ ኣእምሮይ ይድወለኒ ኣሎ ።ግን ክኣ ይብል ፡ ኣብ “ ዓቢ ዘይብሉ ዓዲ፡ ንፋስ ዘይብሉ ዓውዲ” እሞ እንታይ ኢና ክንጽበ? ዝምህር ዓቢ ዘየለ ፡ ገፈልመፈል እትፈልየሉ ንፋስ ካብ ዘየለ ትም ምባልዩ ዝምረጽ።እዞም ንኣሽቱ ገጠምትን ደረፍትን ልዕሊ ንቡር ሃገረይ ዓደይ ኢሎም፡ እዛ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ዛ’ዓለም ዝተደርፈላን ዝተዘመየላን ሃገር ድማ ምስ ህዝባ ልዕሊ ዝተደርፈላ  መከራን ጸበባን ስም ሒዛ ኣብ ዓለም ደሚቓ ኣላ።እንታይ ከምዝገብሩ ፈጣሪ ዋንኦም እምበር ክሳብ ሕጂስ ገለ ዝገበርዎ’ካ የለን። ልቢ ጌሮም ነዚ ጨካን ስርዓት ራሕሪሖም ሎምስ ገለ እገብሩዶኾን ኢለ’ሞ  ኔረ እንተርኣኹስ ”ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይ ጨባዩ “ ነገራቱ። እቲ ሓደ “ሸጥ ማዕንጣና” ምስ በለ ህልም በለ። እቲ ሓደ ድማ ንፈጣሪ ከገልግል ኢሉ ሽርብ ድኣ በለ። ሎምስ ድምጾም ብሞይኦም ከስምዑ ኣይኮነን ነዛ ብሂወት ኣለዉዶ የለውን ክንፈልጥ ከማን ጋዶ ኮይኑ።ይፍተዉ ይጽልኡ ግን ዘሐሚ ስራሕ እሰርሑ ስለዘለዉ ሓሜየዮም ኣለኹ። ዝብሎም እንተለኒ ድማ ንህዝብኹም  ኣብዚ ሞትን ስደትን መለለይኡ ኮይኑ ዘሎ እዋን ዘይጠቐምኩሞ ኣብ ካልእ እዋንት ክንጠቕሞ ኢና ኢልኩም  ኣይትሕሰቡ ምባልያ። ኣብዛ ጸልማት ግዜ ብርሃን ኩንዎ። ኣብዛ ናይ ደርገፍገፍ ጊዜ ጸግዒ ኩንዎ ። ካብ ጸየቕቲ ሕልና ኣልቦ ጸገንቲ ፍቕሪ ህዝብኹም ኩኑ። ዓብይትኹም ንኣሽትኹም ገጠምትን ደረፍትን ብዘየገድስ ኩልሃኹም ህዝብና ዝደልየኩም ሕጂዩ ። ህዝብና ሰብ ሰኢኑ’ሎ ሰብ ኩንዎ። ብዓብዩ ድማ እታ ሃገር ኣላትና እንብላ ከም ሃገር ምስ ህዝባ ክትቕጽል።

ሃብቶም ገብረማርያም (ቲዕቲዕ)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...