ዘይርብርብ መንኮብ ሃማደኤ ጀርመን

ከተማ ጎፒንገን ኣብ ደቡብ ምዕራብ ጀርመን እትርከብ ንእሽቶ ከተማ እያ። ህግደፍ ኣብታ ከተማ ብምኽንያት ጽብምል መበል 35 ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ምኽንያት ብምግባር ዳንኬራ ምስ ኣዳለወ፣ ካብ በበይኑ ኣንፈታት ተቓውሞታት ክስማዕ ጀሚሩ። ከንቲባ ናይታ ከተማ  ኣብቲ ጽምብል ናይ ክብሪ ዕዱም ኮይኑ ክውዕል ዝቐረበሉ ሕቶ ነጺግዎ፣ ጋዜጣ እታ ከተማ፣ ወላ እኳ ኣብ መጀመርያ ከም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምትእኽኻብ ገይራ ኣፋኺሳ እንተረኣየቶ ጸኒሓ ግን እቲ ውራይ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ፈሊጣቶ ጥራሕ ዘይኮነት ከሺሓቶ‘ውን።
 
ኣደ ለዋህ‘ያ፣ ኣብ ሽምግልናኣ ሕማቕ ከይትሪኢ ትምህለል፣ ብደቃ ትሻቐል፣ ቅድሜኹም ይስጥሓኒ እንዳበለት ቅድሚ ደቃ ክትሓልፍ ትምነ፣ ሎሚ ሳላ ህግደፍ፣ ክብርታት ኤርትራ ምስ ፈረሰ፣ ፍልይ ዝበላ ምስ ሕብረተሰብና ዘይከይድ ነውሪ ዘቐድማ ኣዴታት ክንዕዘብ ክኢልና ኣለና። ገሊኤን ደቂ ሰብዓ ገሊኤን ደቂ ሱሳ ድምጺ ከበሮ ዝናፍቓ፣ በምዑት ደቀን ዝጻወታ፣ ሞት፣ ስደትን ምብትታን ህዝበን ዘይዓጠን፣ ታቦት ኣበዋት ገዲፈን ኣብ ጣኦት ኢሳያስ ዘምልኻ ኣዴታት ፈርየን።
 
ዝሓለፈ ቀዳም ድምጺ ደሊና መስትያት ቤትና ኣብ ጎፒንገን ጀርመን ብኣካል ተረኺባ ዝረኣየቶ ሕማቕ ትርኢት ነይሩ። ኣዳራሽ ህግደፍ ከማዕርጋ ብኣውቶቡሳት ከካብ ከተሙኡ ዝተኣኻኸባ ደቂ ኣንስትዮን፣ ውሑዳት ደቂ ተባዕትዩ መሰነይተአንን፣ ከም ወራዶ መርዓ ሂር እንዳበሉ ነቲ ኣብ ፊት ኮይኑ ነቲ ፕሮፓጋንዳዊ ጽምብል ዝቃወም ደለይ ፍትሒ ሞራሉ ንምንትንካፍ ሕጉሳት ክመስላ ብባንደራ ኤርትራ ዝተሰለመ ጽላላት እናወጣወጣ፣ ድማዕን ጥማዕን ኣዋርቐን ጨርባሕባሕ እንዳበላ፣ ዙርያን ዕጥርጥርን ተኸዲነን ገለ ሑሉፋት‘ውን ብ ሴፍ እናደበላን ኣሳእል ኢሳያስ እናሰዓማን ከዕበድብዳ ተራእየን። ሓንቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረት ጀርመናዊት ነቲ ድራማ ርእሳ ብምንውናው ዝኸፈአ ናይ ኣእምሮ ሕማም ክትብል ገሊጻቶ። ልዕሊ ኹሉ ዝገርም ከኣ የዕልላ ኣለዋየ ይዕልላ ኣደታት ጀጋኑ ይዕልላ ኣለዋ እናበላ ምድራፈን እዩ። እምበኣር እታ ጓላ ኣብ ሳዋ ብመራሕቲ ህግደፍ መጻወቲት ዝኾነት፣ ኣብ ሲና በረኻ መፍቶ በደዊን ዝኾነት፣ ኣብ ባሕሪ ኢጣልያ ብጽሕቲ ወርሒ ሂወታ እናሰኣነት ብዘይንቡር ኣብ ቀላይ ምስ ወዳ እናሓረሰት ዝጠሓለት‘ሲ እልልታ ተራእዩዋ እዩ ኣቱም ሰባት ሕልና እኮ እቲ ብዘይ ምምልላስ ቤት ትምህርቲ ዝወሃበና ጸጋ እዩ። ቀንዲ ካብ እንስሳ ዝፈልየና ከኣ ንሱ እዩ። እቲ ዝገርም እቲ ነቲ ውራይ ዝኽውን እኽለማይ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ምድላዉ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ በለጽ እዩ። ብመንግስቲ ጀርመን ዝኽፈል ነጻ ኤለክትሪክ ምጥቓም። እተን ኣዴታት ብቕንያቱ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ክመላለሳሉ ዝቐነያ ቀንዲ ካልእ ምስጢር ከኣ፣ ነተን ሓደስቲ ብባሕሪ ዛኣተዋ ደቅ ኣንስትዮ ቁሩብ ቁራቦ ሂብካ ንመሳዕስዒ ዝኸውን ቁኖ ኣርተፍሻል ሓዊስካ ምቑናን እዩ።
 
ብዝኾነ ካብ ደምበ ተቓውሞ ሓያል መኸተ ኣጋጢምወን። ልበን ስለ ዝተረረ ግን ዝተሰመዐን ኣይመስላን። ሰብ ክንድር ክስሕቃ ዊዒለን፣ ሰብ ኣብ ቁሪ ደሪቑ ንሰን ክለሃያ ኣምስየን፣ ሰብ ክውንነት ክዛረብ ንሰን ብምስሉይነት ከውደኽድኻ ተራእየን። ዘሕዝንን ዘሕፍርን ዳንኬራ ደቂ ኣንስትዮ ህግደፍ ጀርመን። ተካል ዘመን፣ ብዕድመ ዝደፈኣ ከም ብተይ ዝዘላሉ ሰብ ጊዜ ተኾርምዮም ፍትሒ ዝምህለልሉ። ታሪኽ ምስክር‘ዩ ሰነድ‘ዩ። ኣብ ከምዚ ዛኣመሰለ ሕስረት ምውዓል ከኣ ገበን‘ዩ። ብደም የሕዋትካ ሰኺርካ ምስዕሳዕን ምጥቓዕን ሃገራውነት ኣይኮነን። ንኢሳያስ  ምምላኽ‘ውን ኤርትራውነት ኣይኮነን። ሎሚ ርእሱ ኣድኒኑ ተዋሪዱ ዝነብር ዘሎ ጽባሕ ርእሱ ከቕንዕ‘ዩ። እቲ ሎሚ ምስ ሰብ ጊዜ ዘራይ ረኺቡ ዘውደኽድኽ ከኣ ጽባሕ ንውርደቱ ክኸውን‘ዩ። ደቂ ኣንስትዩ ህግደፍ ዓገብ ይብለክን ኣሎ ዓደቦ፣ ልቢ ግበራ፣ ብዳንኬራኽን ሃገር ትጠፍእ ኣላ።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...