ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ " ንዛተ - ዘተ፡ መፍትሒ ኩሉ ሽግራት'ዩ!" ብዝብል ኣርእስቲ ዝጀመረ ዓምዲ ዘተ፡ ሎሚ እውን ኣብ ቀንዲ ሕመረት እቲ ዓምዲ ኣብ ዝኾነ ዛዕባ ከተኩር'ዩ ምክትታልኩም ንዕድም።

ተራን ኣገዳስነትን ዘተን ልዝብን ብግቡእ ዝተገንዘቡ፡ ወራዙ ኣበዋት ዓለምን  ምሁራትን ሊቃውንትን በበአህጉሩን ከባቢኡን ዝጥቀሙሉ ኣገባብን ፍታሕን ንምህሮን ተመኩሮን ሰኒዶሙልና ኣለው።

ኣፈታትሓ ጎንጽን ግርጭትን፡ ኣብ ዝለዓለ ትካላት ትምህርቲ፡ ኣብ ኮሌጃትን ዩኒቨርሲታትን ከም ኣገዳሲ ዓውደ ፍልጠትን ክእለትን ዝወሃበሉ ዘሎ ምኽንያት ከኣ ርጉእ ሕብረተሰብ ኣብ ምፍጣር ልዑል ተራን ኣበርክቶን ስለዘለዎ እዩ።  ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ጎ ንጽን ግጭትን ዝኣተዋ  ሃገራት ኮነ ብኩናት ሓድሕድ ንሓድሕዶም ዝተፋለሱ ውድባትን ጉጅለታትን፡ ኣብ መወዳእታ ጉዳዮም ብዘተን ልዝብን እዮም ዝፈትሑ።

ሕብረተሰብ ዓለምና ካብቲ ደምን ሞትን ዘስዕብ፡ ብጥይትን ብረትን ዝካየድ ጎንጽን ግጭትን፡  ክሳብ  እቲ ብቓላትን በትርን ዝግበር ጸርፍን ትንዕንዕን ዘዕርፍን ዘዳቕስን ምስ ባህልን ልምድታቱን ዝተኣሳሰር ናይ ገዛእ ርእሱ ዝድነቕ  ጥበብ  ኣፈታትሕ ግርጭት ኣለዎ።

ዋላኳ ሕብረተሰብና በብልማዱን ባህሉን ዝጥቀመሉ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ጽጹይ መጽናዕትን ምርምርን ተገይርሉ፡ ከም መወከስን መመሃርን  ተጠርኒፉ ኣብ ሓደ መጽሓፍ እንተዘይሰፈረ፡ ነፍሲ ወከፍ ብሄራት ሃገርና ዝጥቀማሉ ዝድነቕ ኣገባባት ኣፈታትሓ ግርጭት ከምዘለወን ፍሉጥ እዩ። ኣኣብ መበቆል ዓድታትና፡ ኣብ  ከብዲ ዓድን ምስ ጎደቦን ዘጋጥም ጎንጽን ግርጭት፡ ብውሕሉል ኣገባብ፡ ዘተን ልዝብን፡ ብዕርቅን ካሕሳን ክዳቐስ  ርኢናን ተሞኲርናን ንኸውን።

ኤርትራውያን ከም ዝኾነ  ሕብረተሰብ ዓለም  ብዙሕ ዝምስገንን ዝድነቕን ክብርታት እኳ እንተለና፡  ክንመሃሮን ከነማዕብሎን ዝግበኣና  ብዙሕ ዝጎድለና ነገራት ከምዘሎ  እውን ክንግንዘብ ይግባእ። 

ኣበዋትና ኣብ ዕሙር ጽላል ተጋቢኦም ዘርቀቑዎን ዘጽደቑዎን፡ ንኹሉ ዓውድታት ህይወት ዝውከስ ምዕቡልን ክቡርን ሕግታት እንዳባ እንከለና፣ ኣኣብ ዓድታትና ውሽጣዊ ጸገማትና እንፈትሓሉ ዘኹርዕ ባህሊ ኣሎና እናበልና፡  ትማል ኮነ ሎሚ፡ ካብ ኣርብዓታት ክሳብ እዛ ሰዓት ስለምንታይ ኢና ብዘተን ልዝብን ፖለቲካዊ ጸገማትና ክንፈትሕ ዘይከኣልና ዝብል ሕቶ እምበኣር መልሲ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።

ነዚ ጉዳይ'ዚ  ርእይቶን ተመኩሮን ለባማትን መጽናዕትን ምርምርን ምሁራትን ኣገናዚብና ክንዝትየሉ ኢና። ብዛዕባኡ ብዝምልከት ርእይቶኡን ሓሳቡን ከካፍል ንዝደሊ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ከኣ ንኣቕራቢ እዚ መደብ'ዚ  በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ረኺቡ ከዛራርቦን ወይ፡  ናብ "ዓምዲ ንዛተ" መልእኽቱ ክልእኽ ንምሕጸን።

ብዛዕባ ዘተን ልዝብን  ብዝምልከት ኣብ መርበባት ሓበሬታ ብዙሕ ተባሂሉን ተጻሒፉን እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ዝጸሓፈ ነፍሲ ወከፍ ጸሓፊ ከኣ ጸገማትና ብዘተን ልዝብን ኣሊናን ፈቲሕናን ሓቢርና ክንሰርሕ ዘይጽውዕን ዘይምሕጸንን የሎን። ግን ከኣ ካብ ኣርብዓታት እዋን ዓደይ ዓደይ፡ ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ፡ ብዘይካ ብሓይልን ቅልጽምን ብዘትን ልዝብን ዝተፈትሐ ዘነይት ሃገራዊ ጉዳይን ዛዕባን ኣይዝክርን።

ዝኾነ ኮይኑ ንሎሚ ክልተ ኤርትራውያን አሕዋት ንዝጸሓፉወን ዓንቀጻት ሓድሕደን ብምንጽጻር ንተመላላኢ ሓሳባት እተን ዓንቀጻት ከቕርብ ክፍትን'የ ክትስዕቡኒ እምሕጸን።

እታ ቐዳመይቲ ዓንቀጽ " ዓመት 2013፡ ዓመት ሃገራዊ ዘተ፡ ንምህናጽ እምነት ሓድሕድ" ብዝብል ኣርእስቲ  ብ10 ለካቲት 2013  ኣብ መርበብ ሓበሬታ "ዓንሰባ" ብፍስሃ ናይር ዝተጻሕፈ ኮይና  እታ ኻልአይቲ ዓንቀጽ ከኣ  " ኣገዳስነት ምኣዲ ዘተ ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ሕብረተሰብ ኤርትራ!" ብዝብል ኣርእስቲ ብ14 ሕዳር 2014 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና፡ ብዑቕባይ ገብረመድህን ዝተጻሕፈት እያ።

ክልቲኤን ዓናቅጽ ብጉዳይ ዘተን ልዝብን እየን ዝዛረባ። ጸሓፍቲ እተን ዓናቅጽ ከኣ እኹልን ዓሚቝን ኣፍልጦን ርድኢትን ፖለቲካዊ  ኩነታት ኤርትራ ዘለዎም ይመስሉ። እቲ ንዓናቕጾም ዘሰነየ ጉርዲ ኣሳእሎም ከኣ ኣብ ዕድመኦም ብዙሕ ከምዝተሞኮሩ     ይሕብር።

እቲ ንጽሕፉ ብትርጉም ዘተ ዝፈለመ ኣቶ ፍስሃ ናይር፡ ዘተ ማለት ሓሳባትካ ብናጻ ምቕራብን ናይ ካልኦት ሓሳባት ምስማዕን ማለት ምዃኑን፡  ደሞክራስያውያን ግርጭታት ንምፍታሕ ዝጥቀመሉ  ኣገባብ ምኻኑ ይሕብር'ሞ፡ ንሕና ግን፡ ካብ ኤርትራዊ ሃገራውነት ጀሚርና ክሳብ ሕጂ፡ ፖለቲካዊ ግርጭታትና ንምፍታሕ  ክንጥቀመሉ ዘይምኽኣልና ይሕብር። ፍልልያትና ንምፍታሕ ኣብ ዘተን ልዝብን ስለዘይረዓምና ከኣ ጎንጽን ግርጭትን ህልኽን ምንጽጻግን  ቀንዲ መለለዩ ፖለቲካዊ ቃልስና ምዃኑ ይገልጽ።

ኣቶ ዑቕባይ ገብረመድህን ብወገኑ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሎሚ ኣገዳስነት ዘተን ልዝብን ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ'ዩ ሓሳቡ ዝፍልም። ይኹን እምበር ብሰንኪ ሻራይ ሻራኻ ጉዳይና ከየቕናዕና ሰብኣዊ ክብረትና ተገፊፍና ንርከብ ምህላዉና ይሕብር።

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሉ እቲ ዘሕብንን ዘኹርዑን ባህሉን ክብርታቱን ሎሚ ንህላዌኡ ወሳኒ ረቛሒ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ሓድነት ብሓድሕዳዊ ክብርን ጽሮትን ተዛትዩ ጉዳዩ ንምፍታሕ ተጸጊሙ ምህላዉ ብምግላጽ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዓስኪሮም ምልኪ ንቃወም ኣሎና ዝብሉ ተቓወምቲ አሕዋት ይወቅስ።

እቲ ወቐሳ ግን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዓስኪሩ ዘሎ ጉጅለ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ኩላትና ኣንጻር ምልኪ ንቃለስ ዘሎና፡ ኣብ ውድባት ዝተጠርነፍና ኮነ ኣብ ማሕበራት ዝተሓቖፍና ዋላ እውን እቶም በብውልቅና እንዋሳእ ተቓለስቲ፡ እዚ ድኻም እዚ ንኹላትና ብሓባር  ከምምልከተና ሕመቕን ስንፍናን ናይ ገሌና ንኹላትና እዩ ከዝዕንቅፈና ኣብዚ ዓንቀዚ ምስናይ ኣብሮት ከስፍሮ እደሊ፡፡  

ኣቶ ፍስሃ ኮነ ኣቶ ዑቕባዝጊ  " ወዲ ሰብ ርኢቶ ሓድሕዱ ሰሚዑ ክላዘብን ክረዳዳእን ስለዝኽእል እዩ ካብ እንስሳ ዝፍለ" ብዘስምዕ ሓሳባት እዮም ንትርጉምን ኣገዳስነትን ዘተን ገሊጾም፡  ንቴክኒካዊ ጥበብ ኣብ ግዜ ዘተን ምይይጥን ንሓድሕዳዊ ጽሮትን ትዕግስትን፡ እቲ ሓደ ወገን ንዘቕርቦ ጥርዓንን ወጽዓን ብጽሞና ሰሚዕካ ናብ ፍታሕ ዘምርሕን ዝያዳ ዘቀራርብን ምላሽ ምሃብ።

" ካብ ቅርሕንትን ህልኽን ወጺእካ  እቲ ሓደ ወገን ዘቕርቦ ጉዳይ ብጽሞናን ኣድህቦን ተገዲስካ ምስማዕን ሓሳባትካ ምግላጽን፣ ብመዛተይትኻ ዝቐርብ ጉዳይ ብዕምቆት ከይመርመርካ ቅድመ-ፍርዲ ዘይምሃብ ፣ ኣብ እዋን ዘተ ኮነ እዋን ምቅርራብ፡ ሓድሕዳዊ ክብርን ሓልዮትን ምንጽብራቕ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክትመሃርን ክትሙኮርን ከምእትኽእል ኣሚንካ ንዘተ ምቕራብ፣ ነቲ ኣብ እዋን ዘተ ዝበሃልን ዝዝርብን ጉዳይ ብኣዎንታዊ ኣተሓሳስባ ብምልኣት ምርኣዩን ምርድኡን፣ ወጥርን ጭንቀትን ምስ ዝኽሰት ከተህድኦን ክትኣልዮን ምፍታን፣ ኣብ እዋን ዘተ ነቲ ብግቡእ ዘይበሰለን ኣብ ክርክርን ከእቱ ዝኽእል ጉዳያት ኣወንዚፍካ ኣብቲ ከረዳድኣካብ ከቀራርበካን ዝኽእል ዛዕባ ብምዝታይ ምቅርራብ ምፍጣር" ዝብል ሓሳባት ብምስፋር፡

እዚ ጽሑፍ ካብቲ ምምስራት ምኣዲ ዘተ ዝብል  ብ23 ሕዳር 2006  ዝቐረበ ጽሑፍ ዝተጾምቈ፡ መኣዲ ዘተ ንምዕዋት ብቐጻሊ ክንሰርሓሉ ዘለና ሓባሪ ጽሑፍ ኮይኑ ብዓቕልን ትዕግስትን ኣብ ተግባር ከነውዕሎ ብምምሕጻን ጽሑፉ ይዛዝም። ኣቶ ፍስሓ ናይር እውን ነቲ ጽሑፍ ብተመሳሳሊ መንፈስ  ዝደገፎ ይመስለኒ።

ኣቶ ፍስሓ ኣብ ዓንቀጹ፧ ካልኣይ ኩናት ዓለምን ተዋሳእቱን ሓይልታት፡ ኣብ ጉዳይ መሰል ርእሰ ውሳኔ ዝነበሮም ተራ ተናኺፉ፡ እቲ  ኣብ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝቖመ ኤርትራዊ ሰልፍታትን ውዳበታቱን  ሓቢሩን ሰሚሩን ንተጽዕኖ ሓያላን ሃገራት መኪቱ ሃገራዊ ረብሓታቱ ከረጋግጽ ስለዘይከኣለ፡ ብዘይ ፍታዉ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደሬሺን ከምእተቖርነን ግዳይ መግዛእታዊ ኣድልዎን ዕብለላን ከምዝኾነ የዘክር።

ሱር ናይቲ ምጉት ንሱ እዩ። " ኣኣብ ዓድታትና ውሽጣዊ ጸገማትና እንፈትሓሉ ዘኹርዕ ባህሊ ኣሎና እናበልና፡ ካብ ኣርብዓታት ኣትሒዝና ክሳብ ሎሚ፡ ምስ ኩሉ ተመኩሮ ቃልስናን ጎነጻዊ ስምብራቱን፡ ፖለቲካዊ ሽግራትና ብዘተን ልዝብን ክንፈትሕ ዘይከኣልና፧" ዝብል ሕቶ'ዩ እቲ ሕጂ እውን መልስን መገድን እንደልየሉ ዘሎና ሕቶ።

ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ወላ'ኳ ናጽነት እንተረጋገጸ ህዝብና ሰላምን ቅሳነትንኣይረኸበን፣ እቲ ካብ ሕቶ መሰል ርእሰ ውሳነ፡ ካብ ኣርብዓታት ዝጀመረ ኤርትራዊ ሓድሕዳዊ ግርጭት ብዝተፈላለየ ጸበበቲ ምኽንያት  ተዓናቒፉ ስምብራቱ ናብ ሓዲሽ ወለዶ ምስጋሩ፡ ጠንቁ፡ እቲ " ኣነ ዝበልኩዎ ጥራይ እዩ ቅኑዕ።" ዝብል ኣተሓሳስባ እምበር እቲ ብምልኪ ዝመርሕ ዘሎ መራሒ ጥራይ ከምዘይሕተተሉ፡ ብምጥቃስ ኩላትና ተቓለስትን ህዝብን ኤርትራ ክንሓስበሉን ከነስተንትነሉን ከምዘለና እዩ ዝሕብር ኣቶ ፍስሃ።

ኩሉ ብሰናይ ሓሳብ ዝብገስ ናይ ዘተን ልዝብን መኣዲ ከኣ ንኹሉ ብዝሓቁፍን ብዘሳትፍን ልዙብ መስርሕ ክግበር ከምዝግባእን ኣብ መርበባት ሓበሬታ ዝረአ ሓድሕድ ምጥቕቓዕ ክውገድን ከኣ ይመክር።

መራኸቢ ብዙሓን ደምበ ተቓውሞ፡ ስርዓተ ምልክን ሓሶታቱን ኣብ ምቅላዕ ልዑል ተራ እኳ ይጻወት እንተሎ፡ በንጻሩ እውን ንሓድሕድ ዘጥቅዕን ዘካስስን ጽሑፋት ብምቕራብ ነቲ ድሮ ብታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ ዝነጻጸግ ኤርትራዊ ውዳበታት ኣብ ምድኻም ዘይንዓቕ ኣበርክቶ ይገብር ምህላዉ ብምግንዛብ፡ መርበባት ሓበረታትና ሃገራዊ ሓላፍነት ክስከማ ምዝኽኻር ኣገዳሲ እዩ።

እቶም ድሒርና ናብ ደንበ ተቕውሞ  እንጽንበር ነቶም ክቃለሱ ዝጸንሑና ብዝተፈላለየ ምኽንያታት እናቆናጸብና  ዘይስሞም ብምሃብን ብምንእኣስን ነቲ ድሮ ደኺሙ ዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ መሊስና  ብምድኻም  ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ነናውሕ ከምዘለና ብምሕባር፡ ፍልልያትና ብዕምቆት ኣጽኒዕና ናብ ፍታሕ ክንስጉም ይጽውዕ ፍስሓ።

መልእኽቲ ናይዞም ክልተ ጸሓፍቲ ዳርጋ ብተመሳሳሊ ምኽርን ምሕጽንታን እዩ ዝውድእ።  ረጊእናን ሰኺንናን ፍልልያት ተጻዊርና ኣብቲ ዘራኽበና ጉዳይ ሓቢርና ንስራሕ ዝብል ይመስለኒ።  ከምዚ ዓይነት ጻውዒት ብዙሕ ግዜ ስለዝሰማዕናዮ " ውሑድ ዘተ ኣይተኻየደን!" ዝብል ርእይቶ ክቀላቐል ባህሪያ እዩ። ግን ከኣ ዋላ እውን ምስቶም ብሓሳብን ርእይቶን እንቀራረቦም  ውሑዳት ውዳበታት ይኹን ብዘይካ ብሓባር ምስራሕን ምትሕብባር ካልእ ኣማራጺ የብልናን። በዚ ኣጋጣሚ፡ መልእኽቲ እተን ዓናቅጽ ኣብ ምምሕልላፍ ዘጉደልኩዎ ኣገዳሲ ሓሳብ እንተልዩ ጸሓፍቲ እተን ዓናቅጽ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም ብዝያዳ ከብርሁልና ብትሕትና እሓቶም።

ዘተን ልዝብን ሕጂ እውን መፍትሒ ኩሉ ጸገማት እዩ። ስለዚ ንዛተ!

ሰናይ ምስ ኩልና!!

ብሳሙኤል ገበረሂወት (ዓካ-ዓካ)


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...