ደምህት፣ መተካእታ‘ዶ  መሓለውታ?

ብዘካርያስ ክብርአብ

ጭርሖ ደምህት „ንዕብየት ዝምድናታት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ንሰርሕ“ እዩ ዝብል። መጽሓፍ ህግደፍ ከኣ፣ ህዝቢ ትግራይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ሙኻኑ ይምህር። እዞም ክልተ ተጻራሪ መትከላት ኣለና በሃልቲ ግን ብሓደ ይሰርሑ። እቲ ዝገርም፣ ኣብ ዓለም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ዝኾነት ሃገር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ተጻሊኡ ዘይምፍላጡ እዩ። ጠንቅታት ኩናት መብዛሕቱኡ እዋን ረብሓታት ዘበገሶ ናይ ውሑዳት ኣብ ስልጣን ናይ ዘለዉ መራሕቲ ጥቕምታት ንምሕላው እዩ ዝካየድ። ናይ ሚልዮናት ደቂ ጭቁናት ሂወት ከኣ ይልክም። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ፣ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣንጻር መንነቱ ዝሰርሑ ስርዓታት እምበር ምስ ህዝብታት ተጻሊኡ ዘይምፍላጡ እዩ። እሞ ደኣ ደምህት እዚ ምቅርራብን ዕርቂ ህዝብታትን ዝብል ጉልባብ ካበይ ሸመትዎ፣ ህግደፍ‘ከ እዚ ጎረቤት ህዝቢ ጸላኢኻ እዩ እናበለ ከስተምህር እንከሎ መን‘ዩ ክኣምኖ። ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ሓደን ሓደን ህግደፍ ጥራሕ‘ዩ። ካልእ ኩሉ ፈታውን ብሓደ ክነብር ዝምነን ጎረቤት እዩ።

ሎሚ ብዙሕ ሃገራዊ ኣብ ክንዲ መሰለይ ክመልስ ኣሎኒ ብምባል፣ ናይ ህግደፍ ኣተሓሳስባ ካብ ገጽ ምድሪ ኤርትራ ኣጥፊኤ ብደሞክራስያዊ ስነ ሓሳብ ሓራ ኤርትራ ንምራኣይ ክቃለስ እየ ዝብል፣ ብደምህት ሰንቢዱ ከብዱ ሓቑፉ ክሓድር ክትሪ የጉህየካ። ደምህት ኣብ ማህጸን ህግደፍ ዝርከብ፣ ህግደፍ ኣንክስውድ ዝሕረስ፣ ህግደፍ ምስዝንቀል ዝምንቆስ ድቂ እዩ። ስለዚ ንሕና ከም ህዝቢ ወትሩ ጸላእትና ከነለሊ ይግበኣና። ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ህግደፍ ዝነግረና ጎረባብቲ ህዝብታት ወይ ኣመሪካ ዘይኮነ ንሱ ባዕሉ ህግደፍ እዩ። ነቶም ድሕሪ ምርማስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ህግደፍ ከም መሓለውታ ስልጣኑ ዘሰልጥኖም ዘሎ ሰራዊት ደምህት ከኣ፣ ምስ ምእላይ ህግደፍ ጉዳዮም ዘብቅዕ ስለዝኾነ ኩሉ ሓሳብናን ኣንፈት ቃልስናን ናብ ህግደፍ ከነቕንዕ ይግበኣና። ሓቂ እዩ፣ ሓደ ህዝቢ ኣብ ማእከል ሃገሩ ብወዲ ካልእ ዜጋ መንቀሳቐሲ ክሕተት እንከሎ ዘየቖጥዕ ኣይኮነን። እዚ ግን ከነስተብህለሉ ዘለና ብወዲ ዓድኻ መሰልካ ተጋሂሱን ብወዲ ባዕዲ ክብርኻ ተገፊፉን ኩሉ ሓደ ሙኻኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ብህግደፍ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ፣ ተገፊፉ፣ ተዶጊኑ፣ ተዓጽዩን እዩ። ነዚ ዕማም ህግደፍ ከም ተልእኾ ስራሕ ዝተዋህቦም ኣባላት ሰራዊት ደምህት ህዝብና ምግፋፎም ከኣ ዘገርም ኣይኮነን። ከመይ‘ሲ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ መጋበርያ ዝኾኑ ናይ ባዕሎም ሓይልን ስልጣንን ዘይወነኑ መሓለውታ ህግደፍ ስለዝኾኑ። ደምህት ልክዕ ከም ኤርትራውያን ወተሃደራት ግበሩ ዝተባህሉ እዮም ዝገብሩ። ትእዛዝ እንተዘየኽቢሮም ከኣ ነታ ንዓና ትረኽበና ዕጫ ትረኽቦም። ደምህት ንህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ከተዓርቑስ ይትረፍ ንገዛእ ርእሶም ሓራ ዘይኮኑ መመላእታን መሓለውታን ቅልጽም ህግደፍ እዮም። እንተ ህዝቢ ትግራይ ግን ንኣስታት ሚእቲ ሽሕ  ካብ ህግደፍን ደምህትን ሃዲሞም ንዝመጽዎ ኤርትራውያን ኣብ መሬቱ ብፍቕሪ የዕቂቡ ዝርከብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጽልኢ ከምዘይብሉ ብግብሪ ዘመስከረ ፈታዊ እዩ። እዚ ክውንንነት ዝነግረና ሓቂ እዩ። ህግደፍ ዝነዝሖ ናይ ጽልኢ ፕሮፓጋንዳ ግን መዕንዘርን መታለልልን የዋሃት ጥራሕ‘ዩ።

ስልጣን ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ዘሎ ህግደፍ ጥራሕ‘ዩ። ካልእ ተኻፋልን ታህዋስን‘ዩ።እቲ ተመንጢሉ ዘሎ ናይ ህዝቢ ስልጣን ከኣ ካብ ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ‘ዩ ዝምለስ። ደምሒት ምስ ዕምሪ ምጥፋእ ህግደፍ ዝብተን ሓይሊ እዩ። ድሕሪ ዘላኣለማዊ ውድቀት ህግደፍ፣ ከም መተካእታ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ደምህት ኣይመጽእን‘ዩ። እቲ ዝቐለለ ክንገብሮ ዝግበኣና እምበኣር ብጥርናፈና ንሃገርና ካብ ደምህት ዝያዳ ዝዓንተርና ክንኮነላ ምኽኣል እዩ። እንተዘይኮይኑ ንሕና ብዘየለ ሓይሊ ክንሻቐል እቲ ቀንዲ ጸላኢና ኸኣ ኣብ ኩርናዕ ተጸጊዑ ኣናሰሓቐና ክነብር‘ዩ። ህግደፍ ምስ ከም በዓል ግንቦት ሸውዓተ ዝኣመሰሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ሓይልታት ኣበርቲዑ ክሰርሕ እንከሎ ጉዳዩ ኣብ ስልጣን ከመይ ይነብር እምበር ካልእ ከምዘይኮነ ናይ ትማሊ መምህር እዩ። ሎሚ ደምህት ኣለዉ ጽባሕ‘ውን ካሎኦት መተካእታን መመላእታን ክቕልቀሉ ይኽእሉ፣ እቲ ናይ መወዳእታ መፍትሒ ግና ንህግደፍ ካብ ሱሩ ምምሓው እዩ። ህግደፍ እቲ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እንተተሞንቂሱ ኩሊት ህግደፍ ዝኾነ ደምህት ወይ ልቢ ህግደፍ ዝኾነ ግንቦት ሸውዓተ ስርሑ ደው ኣቢሉ ምሱኡ ክቕበር‘ዩ። ኣይንሻቐል፣ ሓሳባትና ኣይንገማማዓዮ፣ ናህና ሽግር ህግደፍ ጥራሕ‘ዩ።

ኤርትራ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ናጻ ሃገር እያ። ዋናታት ከኣ ንሕና ኢና። ከምድላይና ክንኮነላ ስልጣን ዘለና ንሕና ኤርትራውያን ኢና። ትማሊ መጻወቲት ውሑዳት ጉጅለ ህግደፍ ሎሚ መዐንደሪት ደምህት እንተኾነት፣ ንሕና ንመሰልና ደው ስለ ዘይበልናን ኣበርቲዕና ስለዘይተቓለስናን ጥራሕ ኢና። ንሕና ከም ህዝቢ ብሓደ ደው እንተልና ግን እዚ ንሪኦ ዘለና ዕንደራ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሓይልታት ክግታእ እዩ። ንፋስ ኤርትራ ኸኣ ሓርነት ሓርነት ክሽትት‘ዩ። ልዕሌና ዝብርኽ ደምህት ከኣ ቦታ ኣይክህልዎን እዩ። ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን እያ። ካልእ ኩሉ ብፍቓድናን ኣብ ትሕቴናን ዝነብር‘ዩ። ንነብስና ሓራ ከይገብርና ግን ንሃገርናን ንህዝብናን ሓራ ክንገብር ስለ ዘይንኽእል ነቲ መመላእታ እምበር መተካእታ ክኸውን ዘይክእል ጉጅለ ደምህት ብንቕሓት ጸላኢና ህግደፍ ጥራሕ ሙኻኑ ኣሚና ብዝነፍስ ንፋስ ኣንፈትና ከይሰሓትና ምስ ህግደፍ ሓቢሮም ሃገርና ክገድፉ ንቃለስ።

ሓርነትና ናይ ግድን‘ዩ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...