መስትያት ቤትና ኣንጸባሪቑ፣ ንጸላእትና ዓይኖም ዶጊሑ፣ ንዓለም ሲሒቡ፣ ናይ ውሽጥና ንዑ ረኣዩልና፣ ዓቢናዮ ዘለና፣ በጺሕናዮ ዘለና ምዕባለ ሲንጋፖር ተዓዘብዎ፣ ተባሂሉ ናብታ ንዕስራ ዓመታት መንእሰያት ዘዶንቆረትን መጻኢኦም ዘጸልመተትን ሳዋ ምብጻሕ ክገብሩ ወጻእተኛታትን ኣብ ደገ ተወሊዶም ዝዓበዩ ኤርትራውያንን ብተደጋጋሚ ዕድመ ተገይሩሎም። ዘይሓንኽ ኣይሓንኽን‘ዩ። ሕፍረትካ ምሽፋን ናይ ጥዑይ የእምሮ እዩ። „ክፉእ‘ሲ ክንዲ ዝስተር ይግተር“ ይብሉ ኣቦታት። ናይ ህግደፍ ነገር ከኣ ኩሉ ከምቲ ሓንጎሉ ሓጺቦም ዘዐሸውዎ ኤርትራዊ ግዲ ዝመስሎም ኮይኑ፣ ነቶም ነጻ ኮይኖም ዝዓበዩን ዝነብሩን ዘለዉ ደቂ ካልእ ሃገር‘ውን ልክዕ ከምቶም መሳኪን ብህግደፍ ዝጃጀዉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ባይታ ንዘየለ ከድንቑሎምን ክምስክሩሎምን እዮም ተጸብዮም ነይሮም። ወጻእተኛታት ግን ኣብ ሕልሚ ዓለም ኣይኮኑን ዝነብሩ፣ ነታ ብህግደፍ ከም ተኣምረ ምድረ ገነት እትግለጽ ሳዋ ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ ጥራሕ ዘይኮነ ገና ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ‘ዮም ሕማቕ ትዕዝብቶም ከይተሰከፉ ዝዶርጉሑሉ።

ህግደፍ ነታ ብጽርየታ ዝምክሑላ ናይ ለውጢ ደሴት ሙኻና ዝህውቱቱላ ሳዋ፣ ብዓይኒ ወጻእተኛታት ኣዝያ ረሳሕ፣ ፍጡር ወዲ ኣዳም ዝኾነ ሰብ ኣይኮነን ንዓመታት፣ ንሓደ መዓልቲ‘ውን ክነብረላ ዘይክእል፣ ራእይ ዘይብላ፣ ማእከል ስቓይ ሙኻና ተመስኪሩላ። የዕንቲ ኤርትራውያን ግን ወላ ነዚ ሓቂ እንተፈለጠኦ ብልሳነን ከይገልጾኦ ግን ዝሓዘ ሒዝወን ኣሎ። ዓለም ግን ትዛረብ ኣላ እቲ ብሩህ ጻዕዳ ሓቂ ይረኣያ‘ሎ። እንተ ንደቂ ሃገር ግን ጸሊም ዓለባ ምስሉዩነት ሸፊኑና‘ሎ።

ከም ዝበልናዮ፣ ሕፍረትካ ምሽፋን ንቡርን ግድንን‘ዩ። እንተዘይኮይኑ ሸራፋት ከይተረፉ ይስሕቁልካ። ንህግደፍ‘ውን ከምኡ‘ዩ ዘጋጥሞም ዘሎ። ንኣዱኒ ዝበልካዮም ከዋሩዱኻ ካብ ምርኣይ ዝኸፍእ ናይ ፖለቲካ ክሳራ የለን። እቲ ዘሕዝን ግን ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ነቲ ጸሊም ከም ጻዕዳ ይረኣየለይ ኢሉ ሙሙጋቱ እዩ። ብሳዕሳዒት ጥራሕ፣ ሕማቕ ሽታ ሳዋ ብጥዑም ሽቶ ክትካእ ኣይክልን‘ዩ። ኣሽሓት መሳኪን መንእሰያት ብዝገብርዎ ምረሻ ውትድህርና‘ውን ሃገር ክዓቢ ኣይክእልን‘ዩ። ካብ መንእሰያት ክትሃንጽ ዘይከኣለት ሳዋ‘ውን ጥዕና ዘለዎ ክብርታት ኤርትራ ዝሕሉ ወለዶ ምፍራይ ካብ ብዕራይ ጸባ ምጽባይ‘ዩ ዝኸውን።

ግዜ ንኹሉ ስለ ዘሪኢ እንሆ ሎሚ ናብ ሳዋ ክምለሱ ዝነበሮም ተመሃሮ ክሳብ ሎሚ ይሕንግዱ‘ለዉ። መንእሰይ ብግፋ እንተዘይኮይኑ ብርድየት ምልኣት ልቡ ተወዝ ኢሉ ምኻድ ኣዲሙ። ትእዛዝ ህግደፍ ዘኽብር ተሳኢኑ። ብሳዋ ዝሓለፈ ዕጫ ስደትን ሞትን ኮይኑ። ፍረ ክድምና ሳዋ ይዕጸድ ኣሎ። ህግደፍ ግን ኣይሰልከየን። ወጻእተኛታት ዝበሉ ይበሉ ንህዝበይ ዓይኑ ዓሚተ፣ ሓንጎሉ ሓጺበ ኣብ ናይ ምስሉዩነት ዓለም ከንብሮ እየ ይብል ኣሎ። እስከ ንስመዓዮ ወጻእተኛታትን ኤርትራውያንን ከመይ ይገልጽዋ ንሳዋ መን ኣብ ናይ ክውንነት  መን ኣብ ናይ ምስሉዩነት ዓለም ኣሎ ክንፈርድ ስለ ዝሕግዘናሞ ትምህርቲ ረኺብና ንሓቂ ብትብዓት ክንገልጻ እንተኸኣልና……..


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...