ኣዝማሪኖ ዳት ኮም ዓለም ለኻዊ ማዕከን ዜና ኮይኑ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን ጉዳያት ይነጠፍ። ኣዝማሪኖ ነቶም ካብቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባት ዘይሕሉ ስርዓት ርሒቖም ኣብ መላእ ዓለም ተበቲኖ ዘለዉ ኤርትራውያን ሃገራውያን ዓሚቕ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ይሰርሕ። ኣዝማሪኖ ዳት ኮም ክጅምር እንከሎ ቐሊል ብዝመስል ንዕግበት ውልቃዊ ዝንባሌ ዝተሃንጸ እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ሰባት እናሰዓብዎ ናብ ሓደ ገዚፍ ቁምነገር ክምልስ ዝነቐለ ማዕከን ዜና ክዓቢ ከኣለ። ሎሚ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንጉዕዞ ኣዝማሪኖ እንተተመልኪትናዮ ኸኣ ክሳዕ ክንደይ በዳህን ፈታንን ምንባሩ ንዕዘብ።

ኣዝማሪኖ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ሓያሎ ኣንበብቲ፣ ተኸታተልቲ፣ ጸሓፍቲን ተሳተፍትን ኣጥርያ እያ። በዚ ኸኣ ሓያሎ ኤርትራውያን ነጻ ኮይኖም ሓሳባቶም ክገልጹን ዝተሰመዖም ናይ ውሽጦም ርዲኢታት ከተንፍሱን በቒዖም እዮም። ኣዝማሪኖ ገና ኩነታት ኤርትራ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ከይበኣሰ እንከሎ ብእዋኑ ናይ መጠንቀቕታ ሓባሪ ጽሑፋትን ኣቤቱታት ከቅርብ ዝተበዐ ናይ ኤርትራውያን ማዕከን ዜና እዩ። ካብ መወዳእታ ተስዓታት ኣትሒዙ እናዕበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ተኣፋፊ  ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ኤርትራ ኣዝማሪኖ በብእዋኑ ክምዝግብን ብዛዕቡኡ ፍታሕ ከናድን ብዙሕ መደባት ሰሪዑ እዩ። ኣብ ዶባዊ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ምዕፋን ነጻ ፕረስ፣ ምእሳር ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ሚኒስተራትን፣ ኣብ ትርጉም ኣልቦ ግዱድ ዕስክርና፣ ኣብቲ ክሳብ ሎሚ ዝኸይድ ዘሎ ፍልሰት ኤርትራውያን ኣዝማሪኖ ከይተሓለለት ምስ ማእለያ ዘይብሎም መርትዖታታ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ዓገብ ክትብል ዝጸንሐት ማዕከን እያ። ዕስራ ዓመታት ምናልባት ነዊሕ ዓመታት ክኸውን ይኽእል እዩ። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ኣዝማሪኖ ዝሓለፈቶ ጽንኩር ኩነታት ከኣ እቲ ጊዜ ክሳዕ ክንደይ ነዊሕ ምንባሩ ምስቲ ኩሉ ዝነበረ  ናይ ሓፍ ኮፍ መድረኻት ኣመዛዚንካ ክትገልጾ ቃላት ይሓጽር። ኣዝማሪኖ ግን ትልኽ እናበለትን ምርኩስ እናሓዘትን ከይተረፈ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ህያው ኮይና መንፈሳን ሓቦኣን ከይተዳኸመ ንድምጺ ሓርነት ከተቃልሕ ከየባተኸት ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ትቕጽሎ ኣላ።

ኣዝማሪኖ ኣብ 20 ዓመታት ዝዓየየቶ ተመክሮ እንተሪኢና እምበኣር፣

  • እቲ ብ1998 ዝጀመረ ናይ ኣዝማሪኖ ናይ ግእዝ ሶፍት ዌር እናዓበየ ብምኻድ ኣብ 2004 ናብ ደሊና ግእዝ ዎርድ ክምዕብል ከኣለ። እቲ ናይ ግእዝ ሶፍት ዌር ዕቤት ከኣ ክሳብ ሎሚ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።
     
  • ኣዝማሪኖ ናይ ራድዮ ቴክኖሎጂ ብዝግባእ ብምጥቃም ክሳብ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዝርጋሕ ናይ ሳተላይት ራድዮ ብምውናን ኣብ መደባቱ ከም ኩርናዕ ቤተሰብ፣ ኣልማዝ ሃይለ ሾው፣ ዛንታ ህጻናትን ክልእን ብምስራዕ ራድዮ ደሊና ዝተባህለ መደበር ራድዮ መስሪቱ ነበረ። ናይ ብሎግ ድሕረ ገጽ ተጠቃሚ'ውን ነይሩ እዩ።
     
  • ኣዝማሪኖ ብመልክዕ ተንቀሳቓስ ምስሊ ውን ሓያሎ ንተዓዘብቲ ቪድዮታት ከፍሪ በቒዑ እዩ። በቲ ውሕሉል ናይ ምቅንባር ስልቲ ተጠቒሙ ድማ ኣብ ማሕበረሰባዊ መራኸቢታት ሓያሎ ኣፍቀርቲ ኣዝማሪኖ ክኸስብ ኪኢሉ እዩ።

መጻኢ ኣዝማሪኖ ዳት ኮም እንታይ እዩ?

ኣዝማሪኖ ድልየት ተኸታተልታን ሰዓብታን ንምምላእ ኣገልግሎታ ብዝሓየለን ብዝተዓጻጸፈን ከተቕርብ ቆሪጻ ተላዒላ'ላ። በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ኢንተርነት ቴክኖሎጂ ተመሪሓ ድማ ብዝያዳ ናብ ሓደሽቲ ወለዶታት ብሙቱካር ካብ'ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበራ ሜላ ብዝያዳ ሓይላ ክትዓይ እያ። በዚ ኣጋጣሚ ኸኣ ንኹሎም ኣንበብቲ፣ ጸሓፍትን ተሳተፍትን ኣዝማሪኖ ከነዘኻኽሮም እንደሊ ሓደ ነገር ኣሎ። ኣብዚ ኣዝማሪኖ መበል 20 ዓመታ እትጽንብለሉ ዘላ ዘመን ብተግባራዊ  ተሳትፎ ነቲ ዕለተ ልደት ኣዝማሪኖ ከመይ ከነኽብሮ ከምዘለና ግብረ መልሲ ክህቡና ንጽውዕ።