Lost Password? Register
Member Area
 
Print E-mail
Tuesday, 10 July 2007

ምእንቲ ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስን ካልኦት እሱራት ኣመንቲ ክርስትናን ዝተገብረ ፍሉይ ናይ ጸሎት ጉባኤ: ረቡዕ ምሸት 27 ሰነ 2007 ዓ.ም: ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ኣብ ለንዶን ዓዲ እንግሊዝ ተዛዚሙ።

ሜትሮፖሊታን ናይ ዓዲ እንግሊዝ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሊቀ ጳጳሳት ሰራፊም: ንኦሬንታል ቤተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ወኪሎም ነቲ ጉባኤ መሪሖሞ። ጳጳስ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣቡን ኣንጀሎስ፣ ጳጳስ ቤተ ክርስትያን ሶርያ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣቡን ማር ኣታናስዮስ ቱማ፣ ዋና ጸሓፊ ዓለም-ለኸ ቤተ ክርስትያናት ቀሺ ቢል ስነልሶን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፣ ቀሺ ክሪስቶፈር ቸሳን ጳጳስ ናይ ዉልዊች ቤተ ክርስትያን፣ ጳጳስ ናይ ካቶሊኻዊት ቤተ ክርስትያት፣ ጳጳስ ናይ ግሪኻዊት ቤት ክርስትያን፣ መራሕቲ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያንን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም። ከምኡውን ወከልቲ ዓለም-ለኸ ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት፣ ወከልቲ ተራድኦ ንጽጉማት ቤተ ክርስትያናት፣ ተጣበቕቲ ዓለም-ለኸ ሕብረት-ክርስትያናት-ኤርትራ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፎም። መራሒ’ቲ ጉባኤ ሊቀ ጳጳሳት ሰራፊም፣ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት ድማ ዓላማ ናይቲ ዝተገብረ ጸሎት ኣብሪሆም።  http://news.bbc.co.uk/1/hi/world/africa/6249028.stm
 

ኣብቲ ኣኼባ፣ ክልተ ዓበይቲ ስእሊ ናይ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብቲ ናይ ክብሪ ቦታ ተቐሚጡ ይርአ ነይሩ፣ ከምኡ'ውን ስእሊ ናይ 2000 ዝኾኑ ካልኦት እሱራት ነቲ መንደቕ ቤት መቕደስ ሸፊንዎ ነይሩ።

መራሒ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ሊቀ ጳጳሳት ሰራፊም፣ ኣብ መእተዊ ዘረብኦም፣ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ እኩባት ድሕሪ ምምስጋኖም፣ ሎሚ ኣብዚ ተጋቢእና እንርከብ ዘለና ሓደ ቀንዲ ምኽንያት: ፍትሕን ናጽነትን ስለ እንፈቱ፣ ዓመጽን ጸቕጥን ስለ እንቃወም: ብዝያዳ ድማ ሕልናኻ ቅኑዕ ዝብሎ ነገር ንኸይትገብር ዝዓግት ጸቕጢ ስለ እንቃወም እዩ። መራሒ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ድማ ቀዳማይ ግዳይ ናይዚ ጸቕጢ እዚ ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ መእሰሪኦም ግና ንቤት ትምህርቲ ሰንበት መድሃኔ ኣለም ቤተ ክርስትያን ኣይዓጽዎን ስለዝበሉ: ንእሱራት ካህናትን መራሕቲ ሃይማኖትን ክኹንንዎም ተሓቲቶም ንሶም ግና ኣይኩንኖምን ስለዝበሉ እዩ።

ናይ ደገፍ ደብዳቤ ካብ ብዙሕ ቦታታት ናብቲ ኣኼባ ተላኢኾም ነይሮም። ሓንቲ ካብተን ዝተላእካ ደብዳበ ካብ ሃገር-ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ናይ ኤርትራ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝተላእከት ደብዳበ ነበረት። ገለ ካብቲ መትሮፖሊታን ሰራፊም ዘንበብዎ ትሕዝቶ ናይታ ደብዳበ "ኣብዚ ናይ ስቅያት ግዚኦም፣ ንኣቦና ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ክትዝክሩ ኢልኩም ጉባኤ ብምግባርኩም ዝተሰመዓና ሓጎስ ክንገልጾ ቃላት ይሓጽረና" ዝብል ነበረ። እቲ ስርዓተ-ጸሎት ብናይ ኮፕቲክ ናይ ምስጋና ጸሎት ተጀሚሩ። “ዎ እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉን ብኹሉን ስለ ኹሉን ነመስግነካ” ዝብል ምስጋና ድማ ናብ ኣምላኽ ቀሪቡ።

ብጹእ ጳጳስ ኣንጀሎስ፣ ዋና ጸሓፊ ናይ ፖፕ ሽኖዳ ኮይኖም ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን፣ ንመጀመርታ ግዜ ንመነኮሳት ኤርትራ ኣብ ገዳም ቢሾይ (ግብጺ) ከምዝተላለይዎምን ድሕሪ ነዊሕ ጸሎትን ሱባኤን ድማ ጳጳሳት ከምዝተሸሙ፣ ድሒሮም ድማ ኣካል ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ከምዝኾኑ ይገልጹ። ካብዞም ኣብቲ እዋን'ቲ ዝተሸሙ ጳጳሳት ሓደ፣ ኣቡን ኣንጦንዮስ ትሑትን መንፈሳውን ምንባሮም ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ 2005 ዓ.ም. በቲ ዘለዎም መንፈሳዊን ልዙብ ባህርያትን ብድምጺ ብልጫ ፓትርያርክ ኤርትራ ኮይኖም ከምዝተሸሙ ገሊጾም።
ኣብቲ እዋን ጸሎት፣ ቢል ስነልሰን ካብ ወንጌል ማቴዎስ 5፣2-12፣ ማርክ ሃሰል ድማ ካብ ሮሜ 8፣31-39 ነቲ ጉባኤ ካብ ዝተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቦም። ጸሎት ድማ ብኣባ ጆን ዊሊ ጳጳስ ናይ ዉልዊች ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ኣባ ስምኦን ስሚዝ ካህን ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ተመሪሑ። ተሳተፍቲ ጉባኤ ንኽብሪ እቶም ኣብ ማሕዩር ዘለዉ እሱራት (ምልክት ተስፋ) ሽምዓ ወሊዖም። ቀሺ ገራልድ ጎዘን ምስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ጽቡቕ ርኽብ ከምዝነበሮ፣ መጽሓፍ ቅዱስ-ትግርኛ ናብ ህዝቢ ንኽዝርግሕ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናይ ዞባ ማእከል ጳጳስ ከለዉ ዝገበሩሉ ምትሕብባር ጽቡቕ ከምዝነበረ ይገልጽ። ድሕሪ ምእሳር ፓትርያርክ እንጦንዮስ፣ ቀሺ ገራልድ ብስራሕ ምኽንያት ንኤርትራ ኣብ ዝገሸሉ እዋን፣ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ሆተል ከምዝረኸቦ፣ ምዉቕ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ድማ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንቀሺ ገራልድ ዘድለየካ ነገር ክተሓባበረካ እየ ከምዝበሎን: ቀሺ ገራልድ ብወገኑ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ክረኽቦም ድሌት ከምዘለዎ ሓበሮ። እንተኾነ፣ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ክረኽቦም ከምዘይፍቀድ ምስ ገለጸ: ብኡንብኡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ገጹን ስምዒቱን ከምዝተቐየረ ይገልጽ። ካብታ እዋን'ቲኣ ንደሓር ናይ ስለያን ጸጥታን ምክትታል ከምዝገበርሉ፣ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ተድሊ ኣለኻ ተባሂሉ ብ ኣባላት ስለያ ከምዝተኣስረ ቀሺ ገራልድ ገሊጹ። ብሕጋዊ መንገዲ ምስ ምስ ኤምባሲ ዓዲ እንግሊዝ ክራኸብ እኳ እንተሓተተ ከምዘይተፈቕደሉ፣ እቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ምግቢ'ውን መሐለዊ-ትንፋስ እምበር ዝጠቅም መግቢ ከምዘይነበረ ይሕብር። እንተኾነ በቶም ስለ እምነቶም ተኣሲሮም ብዘይ ክስን ፍርድን ንዓመታት ተሓይሮም ዘለዉ ሰባት ከምዝተተባብዐ ደጊሙ ገሊጹ። ሰንበት ሆሳእና ካብ ማሕዩር ምስ ተለቐቐ (ምስ ተጠረዘ) ግና “ኣምላኽ ካብ ማእሰርቲ ሓራ ኣውጺኡኒ” (መዝሙር 147:7) ብዝብል ጽሑፍ ከምዝተተባብዐ ዝገለጸ ቀሺ ገራልድ፣ በቲ ዝወረዶ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ማህሰይትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘለዎ ፍቕሪ ከምዘይተቐየረ ደጊሙ ገሊጹ።

ቀሺ ገራልድ ጎዘን ምስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ጽቡቕ ርኽብ ከምዝነበሮ፣ መጽሓፍ ቅዱስ-ትግርኛ ናብ ህዝቢ ንኽዝርግሕ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ናይ ዞባ ማእከል ጳጳስ ከለዉ ዝገበሩሉ ምትሕብባር ጽቡቕ ከምዝነበረ ይገልጽ። ድሕሪ ምእሳር ፓትርያርክ እንጦንዮስ፣ ቀሺ ገራልድ ብስራሕ ምኽንያት ንኤርትራ ኣብ ዝገሸሉ እዋን፣ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ሆተል ከምዝረኸቦ፣ ምዉቕ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ድማ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንቀሺ ገራልድ ዘድለየካ ነገር ክተሓባበረካ እየ ከምዝበሎን: ቀሺ ገራልድ ብወገኑ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ክረኽቦም ድሌት ከምዘለዎ ሓበሮ። እንተኾነ፣ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ክረኽቦም ከምዘይፍቀድ ምስ ገለጸ: ብኡንብኡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ገጹን ስምዒቱን ከምዝተቐየረ ይገልጽ። ካብታ እዋን'ቲኣ ንደሓር ናይ ስለያን ጸጥታን ምክትታል ከምዝገበርሉ፣ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ተድሊ ኣለኻ ተባሂሉ ብ ኣባላት ስለያ ከምዝተኣስረ ቀሺ ገራልድ ገሊጹ። ብሕጋዊ መንገዲ ምስ ምስ ኤምባሲ ዓዲ እንግሊዝ ክራኸብ እኳ እንተሓተተ ከምዘይተፈቕደሉ፣ እቲ ዝወሃቦ ዝነበረ ምግቢ'ውን መሐለዊ-ትንፋስ እምበር ዝጠቅም መግቢ ከምዘይነበረ ይሕብር። እንተኾነ በቶም ስለ እምነቶም ተኣሲሮም ብዘይ ክስን ፍርድን ንዓመታት ተሓይሮም ዘለዉ ሰባት ከምዝተተባብዐ ደጊሙ ገሊጹ። ሰንበት ሆሳእና ካብ ማሕዩር ምስ ተለቐቐ (ምስ ተጠረዘ) ግና “ኣምላኽ ካብ ማእሰርቲ ሓራ ኣውጺኡኒ” (መዝሙር 147:7) ብዝብል ጽሑፍ ከምዝተተባብዐ ዝገለጸ ቀሺ ገራልድ፣ በቲ ዝወረዶ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ማህሰይትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘለዎ ፍቕሪ ከምዘይተቐየረ ደጊሙ ገሊጹ።

 

ሓላፊ ጨንፈር ኣፍሪቃ፣ ወኪል ተጣበቕቲ-መሰል-ደቂ ሰባት፣ ዶ/ር ማርቲን ሂል፣ ኤርትራ መሰል ደቂ-ሰባት ከተኽብር ኣብ ኣድማሳዊ ውዕል እኳ እንተፈረመት፣ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰባት ኣብታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ጥርዙ በጺሑ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ኣሽሓት ሰባት ብዘይ ፍርዲ ተሓይሮም ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጽ፣ ብዙሓት ጋዜጠኛታት፣ ተጋደልትን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣበይ ከምዝኣተዉ ፈጺሙ ኣይፍለጥን ኢሉ። ዝበዝሑ ካብዞም እሱራት፣ ብሓይሊ ተወሲዶም ኣበይ ከምዘለዉ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን። ካልኦት እሱራት ድማ ብጨካን ኣተሓሕዛ ይሳቐዩ፣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ምእሳር፣ ኣብ ኮንተይነር ምዕጻው፣ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ምድሃልን ልሙድ ኣሰራርሓ ናይቲ ስርዓት'ዩ። ሕክምናዊ ክንክን ፈጺሙ የለን ኢሉ።

ንኣሽቱ ማሕበራት ከም በዓል መሰኻክር ጅሆቫን ካልኦት ልዕሊ 35 ማሕበር ወንጌላውያን ቤተ ክርስትያናት ክሳብ ሕጂ ተኣጊደን ኣለዋ። ኣብያተ ጸሎተን ተዓጽዩ፣ መንፈሳዊ ኣኼባታት ከይገብራ ተኣጊደን እየን። ቤተ ክርስትያናት ተዋህዶ፣ ካቶሊክ፣ ከኒሻን ምስልምናን ጥራይ መሰል ኣለወን። እንተኾነ ነቲ ስርዓት ዘይድግፉ ኮነ ምስቲ ስርዓት ዘይቃደዉ ኣባላት እዘን ዝተጠቕሳ ቤተ ክርስትያናት'ውን ተኣጊዶም። ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ኣንጦንዮስ ነቲ ስርዓት ዓገብ ስለዝበልዎ፣ ኣብ 2005 ካብ መንፈሳዊ መዓርጎም ኣውሪዱ፣ ኣብ ገዛ ኣሲርዎም። ቀንዲ ምኽንያት ድማ ፓትርያርክ ኣንጠንዮስ፣ ነቶም 3 ካህናት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ክፍትሑ፣ ገበን እንተለዎም ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ንመንግስቲ ምስ ሓተቱ ምዃኑ ይፍለጥ።
 

ተጣባቒት መሰል ደቂ-ሰባት፣ ኤርትራዊት ኤልሳቤጥ ጭሩም፣ መሰል ኤርትራውያን ከምዝተጋህሰን ኣብ ኤርትራ ሕጊ ከምዘየለን፣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ: ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ድሌቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሓይሊ የተግብሮ ከምዘሎ ገሊጻ።
ዋላ እቶም ንዓመታት ዝተቓለሱ ኮነ፣ እቶም ዝተቓወሙ ተኣሲሮም ኣለዉ። ብዛዕባ ደሞዝ ወሰኽ ኮነ ኩነታቶም ክመሓየሽ ዝሓተቱ ኩሎም ብዘይ ምሕረት ከምዝተኣስሩ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኤልሳቤጥ ብዛዕባ እቶም ካብ ኣባይቶም ተዓፊኖም ብሓይሊ ዝተወስዱ፣ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ንልብኻ ብዝትንክፍ መገዲ ንእኩባት ገሊጻ። ቀጻሊ ጸቕጥን ምግሃስ መሰል ደቂ ሰባትን መለለዪ'ቲ ስርዓት ምዃኑ ደጊማ ሓቢራ።  http://cs.asmarino.com/hrce.php?itemid=375
 

ጳጳስ ክርስቶፈር ቸሳን ካብ ኣቡን ጀፍሪ ሮወል ሊቀ ጳጳስ ጊብላርታር ናይ ኤውሮጳ መንፈሳዊ ሰላምታ ሒዞም መጺኦም። ንሶም፣ ሊቀ-መምበር ናይ ዓለም-ለኸ ኦሬንታል-ወንጌላውያን ቤተ ክርስትያናት ኮሚሽን እዮም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካንተርበሪ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ኣዝዩ ከምዘሰከፎምን ከምዘሻቐሎምን ኣብቲ ናብቲ ጉባኤ ዝለኣኽዎ ደብዳብ ገሊጾም።

መራሒ'ቲ ኣኼባ መትሮፖሊታን ሊቀ ጳጳሳት ሰራፊም እቲ ኣኼባ ቅድሚ ምዝዛሙ ነዚ ዝስዕብ፣-“ልዕሊ ሕጊ ክነብር ዝኽእል የለን። ከመይ፣ ሕጊ እንተረገጽካዮ መሊሱ እዩ ዝረግጸካ።” ዝብል ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ካብቲ ናብ ህዝቢ ዝለኣኽዎ ደብዳበ ኣንቢቦም። እዚ ድማ ሓቂ እዩ ኢሎም።
ጉባኤ ቅድሚ ምዝዛሙ: ሊቀ ጳጳሳት ሰራፊም “ድምጺ ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ክንሰምዕ ተስፋ ኣለና” ድሕሪ ምባል፣ እግዚኣብሄር ንቤተ ክርስትያንና ሰላም ይሃባ። እግዚኣብሄር ንሃገርና ኤርትራ ይባርኽ ኢሎም። በዚ ድማ እቲ ጉባኤ ተፈጸሙ።


ጉባኤ ምስ ተወድአ፣ ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝለኣኽ ደብዳበ ኩሎም ተሳተፍቲ ዝፈረምሉ ደብዳበ ጸዲቑ ኣሎ። ትሕዝቶ'ቲ ደብዳበ ድማ ኩነታት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣዝዩ ከምዘሻቐሎምን፣ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ግቡእ ኣተሓሕዛ ክግበረሎም ዝጠልብ፣ ፍርዲ ስለምንታይ ከምዝተነፍጎምን ብዓቢኡ ድማ ስለምንታይ ካብ መዓርጎም ወሪዶም ዝብልን ይርከቦ። ቅዳሕ ናይቲ ዝለኣኽ ደብዳበ ድማ ካብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ምርካብ ይከኣል።AT 10 HEATHWOOD GARDENS, CHARLTON, LONDON, SE7 EP.

ተወሳኺ ጸብጻብ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ክትረኽቡ ትኽእሉ፣  http://news.bbc.co.uk/1/hi/world/africa/6249028.stm
 




 

0706-01001.jpg
0706-01006.jpg
 
0706-01015.jpg
 
0706-01020.jpg
 
0706-01024.jpg
 
0706-01039.jpg
 
0706-01045.jpg
125 views
0706-01055.jpg
 
0706-01062.jpg
 
CIMG0928.JPG
 
CIMG0931.JPG
 
CIMG0932.JPG
 
CIMG0933.JPG
 
CIMG0939.JPG
 
CIMG0940.JPG
 
CIMG0941.JPG
 
CIMG0942.JPG
 
CIMG0943.JPG
 
CIMG0945.JPG
 
CIMG0946.JPG
 
CIMG0947.JPG
 
CIMG0948.JPG
 
CIMG0949.JPG
 
CIMG0950.JPG
CIMG0951.JPG
 
CIMG0952.JPG
 
CIMG0954.JPG
 
CIMG0957.JPG
 
CIMG0962.JPG
 
   



 

 
< Prev   Next >

Advertisement