|
Monday, 11 June 2007 |
|
ህይወት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስእሊ
መጸዋዕታ ናብ ኩሎም ግዱሳት ዜጋታት
ህይወት
ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዝካ፡ ብመነባብሮ፡ ብሰላም፡ ብቅሳነት፡ ብሓጎስ ምስ እትመዝኖ፡ ካብ ሕማቕ ናብ
ዝገደደ፡ ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍአ ድሕሪ ምንቁልቋል፣ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ካብ ኩሉ ሕሉፍ እዋናት ብዝመረረ ጭቆና እንዳተሳቐየ፡ ኣብ
ሃልሃልታ ሓዊ ይጥበስ ከም ዘሎ፡ ተወሳኺ መብርህን መግለጽን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡
ምእንቲ ናጽነት፡ ምእንቲ ቅሳነት ሰላሳ ዓመታት ዝተቓለሰ ህዝቢ፣ ካብ ሰላሳ፡ ሓደ ንሓርነት ሞባእ ዝወፈየ ህዝቢ፣ ምእንቲ
እፎይታ፡ ዘይስገር ዝሰገረ፡ ዘይጽወር ዝጾረ ሓቦኛ ህዝቢ፡ እዚ ክፍደ፡ ኣመና ዘሕዝን ኢዩ፡፡ በዚ ምኽንያት'ዚ፡ እዚ ዘሎ ግናይ
ዘበነ ግፍዒ ኣብቂዑ፡ ዘበን ፍትሕን ርትዕን ክመጽእ ባህጊ ኩልና ኤርትራውያን ኢዩ፡፡
ብዘይ ተበግሶ ግን፡ ዝደለኻዮ ስለዘይርከብ፣ እዚ ናይ ሓባር ባህጊ ኤርትራውያን ንክሰምር፡ ማሕበር ተስፋ ደሊና፡ ኣብ ልዕሊ
ባህጊ፡ ሓቦን ህልኽን ወሲኹ፡ ባጀታውን ክእለታውን ዓቕሙ ብዘፍቅዶ መሰረት፡ እጃሙ የበርክት ኣሎ፡፡
ማሕበር ተስፋ ደሊና፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ብደጋፊ ምትሕብባር ማርጂናል መዲያ ፕሮዳክሽንስ ( )፡ ንሕሉፍን ህሉውን ህይወት ህዝቢ
ኤርትራ፡ ብመልክዕ ስእሊ ብምስናድ፡ ኩሉ በሕዋቱን፡ ብህዝቡን፡ ብወገኑን ዝሓምም ዜጋ ክዕዘቦ፡ ክርእዮ፡ ክግንዘቦ ብዝኽእል
መልክዕ ንምቕራብ መደብ ኣውጺኡ ኣሎ፡፡
ካብዚ ብምብጋስ፡ ማሕበር ተስፋ ደሊና፡ ኩሉኹም ብኩነታት ህዝብኹም እትግደሱ ዜጋታት፡
(1) ቅድሚ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ኣብ ዘበን ፈደረሽን፡ ኣብ ዘበን
እንግሊዝ፡ ኣብ ዘበን ጥልያን፡ ዝነበረ ህይወት፣
(2) ኣብ ዘበን ንጉስ ሃይለስላሴን ደርግን ዝነበረ ህይወት፣
(3) ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ፡
(ሀ) ኣብ ህዝባዊ ግንባርን ኣብ ተጋድሎ ሓርነትን ዝነበሩ ተጋደልቲ ዘሕለፉዎ ጽንኩር ህይወት፣
(ለ) ደቀንስትዮ ተጋደልትን ኣዴታትን ዝሰገርኦ ግናይ ህይወት፣
(ሐ) ኣዴታቶም ኣብ ዘይብሉ ስንጭሮን ምድረበዳን፡ ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ዝዓበዩ ሕጻናት ዘሕለፉዎ ህይወት፡
(4) ብረታዊ ተጋድሎ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተዛዘመ፡ ጎሮሮ ኣዴታት ዘድመጾ ዕልል፡ ልሳን ኣረጋውያን ናብ ፈጣሪ ዘዕረጎ
ምስጋና፡ ኣብ ገጽ ኣቦታት ዝተራእየ ሓበን፡ ሕጻናት እንዳዓንደሩ፡ መንእሰያት እንዳዘለሉ፣ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ድማ፡
በብዝነበሩዎ፡ ሓጎሶም እንክገልጹ ዝነበረ ህይወት፣
(5) እዋን ረፈረንዱምን፡ ውጽኢቱን፡
(6) ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ንዘሎ ህይወት ሕጻናት፡ ህይወት ኣረጋውያን፡ ህይወት ኣዴታት፡ ህይወት ኣቦታት
ዝገልጽ፡ ጽሑፋት፡ ስእልታት፡ ቪደዮታትን ፊልምታትን፡ ወዘተ፣
ዘለኩም፡ ሃሰስ ኢልኩም፡ ዘይብልኩም ድማ፡ ንዘለዎም ዓርከ መሓዛ ተወኪስኩም፡ ንዓኹም ቅዳሕ ኣትሪፍኩም፡-
(ሀ) ብኢመይል፡ info@delina.org
(ለ) ብቡስጣ ድማ፡
Tesfa Delina Foundation, Inc
17326 Edwards Road, Suite A230
Cerritos, CA 90703
ክትልእኩልና፡ ብትሕትና ንሓትት፡፡
በዚ ኣጋጣሚ፡ ማርጂናል መዲያ ፕሮዳክሽንስ፡ ( )፡ ንህይወትን መነባብሮን ህዝብታት፡ ብደረቕ ስእልታትን ብፊልምታትን ዝገልጽ
ስነጥበባዊ ስርሓት ኣብ ምፍራይ ዝተዋፈረ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝመደበሩ ትካል ኮይኑ፣ ካብቶም ብስርዓት ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ
ኣሽሓት ንጹሓት ኤርትራውያን ሓደ ወካሊ ኣብነት ብምምራጽ፡ ንህይወት ቅነêዕ ፈታዊ ፍትሒ ተጋዳላይ ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ)
ብመልክዕ ቪደዮ ኣቕሪቡ ከም ዝነበረ እንዳሓበርና፡ ንዝገብረልና ዘሎ ምትሕብባር፡ ልባዊ ምስጋናና ነቕርበሉ፡፡
ምስኡ ኣተሓሒዝና ድማ፡ ነዚ ወጻእተኛታት ከይተረፈ እጃሞም ዘበርክቱሉ ዘለዉ ፍትሓውን፡ ርትዓውን ሰላማዊ ቃልሲ፡ ንሓርነትን
ንቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩልና አእጃምና ከነበርክተሉ፡ ሕልናና ክንኩሕኩሕ፡ ዓቕምና ክንገብር፡ ብትሕትና ነዘኻኽር፡፡
ተስፋ ደሊና
ካሊፎርኒያ፡ ኣመሪካ
ሰነ 10፡ 2007
|